እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኤርትራውያን ገያሾ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ በረራታት ኣየር
ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን፡ መጓዓዝያ ኣየር ብሰንኪ ቍጠባዊ ውድድር ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሮ ክብሪ ዋጋን ሕልኽላኽን ተናጊፉ፡ ቀንዲ መለለዪ ዓለምለኻዊ ምትእስሳር ኰይኑ ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ እታ 35 ዓመት ናጽነታ ንምጽንባል ሒደት ኣዋርሕ ተሪፉዋ ዘሎ ኤርትራ ግን፡ ካብዚ ዓለምለኻዊ ናይ ዕብየት ምዕባለ ተነጺላ፡ ኣብ ዘሰክፍ ናይ መጓዓዝያ ድሕረት ትርከብ።
ኣብተን ቀዳሞት ሸውዓተ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ (1991-1998)፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ሓደ ካብቶም ውዕውዓት መዓርፎታት ነፈርቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ዓለም ተሰዲዶም ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክውሕዙ ጀሚሮም፤ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዲፕሎማሰኛታትን ከኣ ብስራሕን ምብጻሕን ናብታ ድሕሪ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ሃገር ይገሹ ነይሮም።
ሽዑ፡ መገድታት ኣየር ሉፍታንዛ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን፡ የመንን ስዑድን፡ ቱርክን ኢጣልያን ስሩዕ በረራታት የካይዳ ነይረን።
ኲናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000 ምስ ተወልዐ ግን እቲ ውዕውዕ ሃዋሁ ተዳኺሙ።
እቲ ን20 ዓመት ዝቐጸለ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ተነጽሎ ስለዘስዓበ መገድታት ኣየር ካብ ኤርትራ ስለ ዝረሓቓ፡ እቲ ጽላት ተሃስዩ።
ዕርቀ ሰላም 2018 ምስ ተኣወጀ፡ ዳግማይ በረራ ዝጀመረ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ኵነታት ኣበራቢሩዎ ነይሩ።
ሕጂ እቲ ዝምድና ምስ ሓርፈፈን እቲ መገዲ ኣየር ዳግም በረራ ምስ ኣቋረጸን ግን ተገልገልቲ ኣማራጺታቶም ነክዩ ብፍላይ እቶም ዕድመ ዝደፍኡ ገያሾ ከቢድ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።
ንኣብነት፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኡጋንዳ ቀጥታዊ በረራ ብዘይምህላው፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ንሕክምና ብመገዲ ዱባይ ናብ ኡጋንዳ ዝኣተዋ ኣብዚ ዛንታ ምልእተ* ዝተሰምያ ሽማግለ ወላዲት፡ ፈላማይ ጕዕዞአን ግድን ናብ ዱባይ ክኸውን ነይሩዎ።
መገሻአን ግን ንዐአን ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ኣብ ካምፓላ ኰይኑ ዝጽበየን ዝነበረ ወደን'ውን እዩ ኣጨኒቑዎ።
ወላዲቱ ኣብቲ ሃገርገር ዝብል ብሰብን ስርዓተ ሓበሬታን ዘዕለቕለቐ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ንበይነን ከይጽገማ ብምስጋእ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት መገሻን ወጻኢታት ሆቴልን መሊኡ ባዕሉ ናብ ዱባይ ብምኻድ ነተን ብዕድመን ጥዕናን ዓቕሚ ዘይብለን ወላዲቱ ተቐቢሉ ከምጽአን ተገዲዱ።
"ብልሙድ መገዲ ኣየር፡ ንኣረጋውያን ጽጉማት ዊልቼር ገይሩ ናብ ቐጻሊ ጕዕዞኦም ንኽበጽሑ ይተሓጋገዞም እዩ። ግን ኣደይ ምስ ዘለዋ ኵነታት ጥዕናን ሕጽረት ቋንቋን ክትረዳድኦም ስለዘይትኽእል ባዕለይ ክኸዳ ወሲነ። ቀጥታዊ በረራ እንተዝህሉ ግን ናተይ ምኻድ ኣይመድለየን፡" ይብል።
ኣብ ንቡር ኵነታት፡ ጕዕዞ ኣስመራ ኡጋንዳ ልዕሊ ክልተ ሰዓት ኣይምዀነን።
ቀጥታዊ ዞባዊ በረራታት ብዘይምህላዉ ግን፡ ተጓዓዝቲ ኣብ "መፈንጠራ ትራንዚት" ስለ ዝወደቑ ጕዕዞኦም ልዕሊ ዓሰርተ ሰዓታት ይወስድ ኣሎ።
እዚ ጸገም እዚ ከኣ ንኸም ወይዘሮ ምልእተ ዝኣመሰሉ ተጓዓዝቲ ኣካላውን ፋይናንሳውን ኣደራዕን ኰይኑዎም ኣሎ።
ትጽቢት ኣብ 'ትራንዚት'
ዝበዝሐ ክፋል ዓለም፡ ቀሊልን ዘመናውን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ኣብ ዝረበኽሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ብዙሕ ጸጋታት ዝተዓደለት ኤርትራ፡ ናተይ ብእትብላ ሓንቲ ነፋሪት ጥራይ ከም እትግልገል እዩ ዝዝረብ።
ንሳ እውን ናብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ሰሙናዊ ይዅን መዓልታዊ በረራ የብላን።
ድሕሪ ሰላም 2018 መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ናብ ኣስመራ ይበርር ነይሩ።
እንተዀነ እቲ ኣብ መንጐ መራሕቲ ዝነበረ ዝምድና ክሕርፍፍ ምስ ጀመረ፡ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ ብምጥፍፋእ ንብረት ገያሾን ምክልባት ተገልገልትን ተባሂሉ ብዝተዋህበ መግለጺ - ሓምለ 2024፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ30 መስከረም 2024 ካብን ናብን ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ተቛሪጹ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ በረራታት ንኽልቲኦም ዘየሰማምዑ ዝርዝር ጕዳያት ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እቶም ጸገማት ብቐረባ ንምርኣይን ንምፍታሕ ዝርርብ ክህሉ ከም ዝጠለበን ኣዕጋቢ ምላሽ ከም ዝሰኣነን ምሕባሩ ይዝከር።
ምስ መገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ጀርመን እውን ብሰንኪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝምልከት ዘይምርድዳእ እቲ መገዲ ኣየር በረራታቱ ከም ዘቋረጸ ይግለጽ።
ምሁር ቍጠባ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ እቲ ዝርካቡ መገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ብንቡር ትካላዊ ኣሰራርሓ ክመሓደር ብዘይምኽኣሉ ጥራይ ከም ዝወደቐ ይዛረብ።
ንሱ፡ ካብ 2004-2009 ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ካብ 2004-2006 ድማ ኣባል ቦርድ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ስደት ዝነብር ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ነበር እዩ።
ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ከኣ መንግስቲ ንመገዲ ኣየር ኤርትራ ከም ናይ ቍጠባ ትካል ዘይኰነስ ከም ሓደ ፖለቲካዊ መሳርሒ ገይሩ ስለ ዝሕዞ ምዃኑ እዩ ዝጥቀስ።
"እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ትካላት ዕቱብ ኣይኰነን፡" ይብል።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብሰንኪ ሕጽረት ነፈርቲ፡ ሕጽረት መለዋወጢ ኣቑሑን ዘይስሉጥ ምሕደራን፡ መገዲ ኣየር ኤርትራ ንዜጋታቱ ዘተኣማምን ኣገልግሎት ክህብ ከም ዘይክኣለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዝተሓላለኸ ሕጊ ኣቭየሽን፡ ኤርትራ ንኻልኦት ሃገራት ዝኸውን እዅል ዕዳጋ ስለ ዘይብላ ከም መገዲ ኣየር ኬንያ ዝበሉ ትካላት ነቲ ዕዳጋ ንምጥቃምን ቀጥታዊ በረራ ንምስራዕ ከም ዝጽገሙ የረድእ።
ስለ ዝዀነ ኣብዚ እዋን'ዚ ገያሾ ብካይሮ ዱባይን ኢስታንቡልን ክጓዓዙ ይግደዱ ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ዙር ርዋንዳ ክትሳተፍ ዝተበገሰት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ንደቡብ ኣምሪሓ ጕዕዞኣ ተሕጽር፡ ብኢስታንቡል (ቱርኪ) ኣቢላ ነዊሕን ኣሰልካዪን በረራ ክትወስድ ምግዳዳ መርኣያ ናይቲ ጸገም እዩ።
እቲ ጕዕዞ ብፍላይ ንመንእሰያት ሓድሽ ቦታን ሃገራት በጺሐንኦ ዘለዋ ዘበናዊ ምዕባለን ንኽርእዩ ይሕግዞም ይኸውን፤ ነቶም ብህጹጽ ጉዳያት ጥዕና ዝጓዓዙ ገያሾ ግን ኣካላውን ፋይናንሳውን ቅልውላው የኸትለሎም ኣሎ።
" [ዝዀነት ነፋሪት] ካብ ኣስመራ እትማልኦ ገያሻይ የለን፤ ኣብ ሕጊ መገዲ ኣየር ድማ እቲ ስምምዕ ክልተኣዊ ስለ ዝኸውን፡ ካብ ኣስመራ ናብ ኤውሮጳ ገያሾ ክትወስድ ኣይትኽእልን" ብምባል ብጀካ ዱባይ ካልኦት መዓርፎ ነፈርቲ ሳልሰይቲ ሃገር 'ትራንዚት' ክትገብረለን ከም ዘየፍቅዳ ኣቶ ክብሮም ሓቢሩ።
ከምቲ ንሱ ዝብሎ፡ ካልእ መገዲታት ኣየር ናብ ኤርትራ ቀጥታዊ በረራ ከይገብሩ ዝዕንቅፎም ጸገም፡ እኹል ዕዳጋ ዘይምህላው'ዩ፤ ካብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ካልእ ክትዓርፍን ክትብገስን ክቡር ስለ ዝኸውን ድማ፡ መገዲታት ኣየር ነዚ ዕሽሽ ይብልኦ።
"ካብ ኣስመራ ናብ ኬንያ ዝኸይድ ክረኽቡ ከለው፡ ካብ ግብጺ ናብ ኬንያ ወይ ብኤውሮጳ ኣቢሎም'ዮም ዝኸዱ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኣዕሪፎም ናብ ካልእ ክኸዱ ዝስሕቦም ነገር የለን። ህዝቢ ድማ መንግስቲ ዝህቦ ትካል ገይሩ'ዩ ዝወስዶ፡ ስለዚ ምስ መንግስቲ ክቋየቕ ወይ ንመንግስቲ ክእርም ስለ ዘይክእል፡ ምስቲ ካልእ ፖለቲካዊ ጸገማት ተደሚሩ ግዳይ ይኸውን ኣሎ፡" ይብል። እቲ መንግስቲ ንኸምዚ ዓይነት ግድላት ክፈትሕ ቅሩብ ከምዘይኮነ ከኣ ይዛረብ።
ወላዲቱ ናብ ኬንያ ክበጽሕኦ ዝመጽኣ ካልእ ኤርትራዊ ብወገኑ፣ ኣደኡ ኣብ ዱባይ ን13 ሰዓታት ከምዝተጸበያ ይዛረብ።
"ዝለሓፈ ክረምቲ ኣደይ መጺኣ ነይራ፤ ኣብ ዱባይ - መዓርፎ ነፈርቲ- 13 ሰዓት ገይራ'ያ መጺኣ፡" ይብል።
ቢቢሲ ነዚ ዛንታ ኣብ ዘዳልወሉ እዋን፡ እቶም ገያሾ ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ኵነታት ስለ ዝሕዞም፡ ተመኵሮኦም ብቐጥታ ከካፍሉ ፍቓደኛታት ስለዘይነበሩ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራኦምን ገያሾን ተቐቢሎም ዘአንገዱ፡ ናይ በረራ ቲኬት ኣብ ምቑራጽን ዝዓርፉሉ ቦታ ኣብ ምድላውን ዝሓገዙ ኣብ ኬንያን ዩጋንዳን ዝቕመጡ ውልቀሰባት'ዩ ኣዘራሪቡ።
ብመሰረት'ዚ ብተዘዋዋሪ መገዲ ካብ ተጕዓዝቲ፡ ብቐጥታ ድማ ካብ ቤተሰቦም ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ጕዕዞ ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኬንያን ዩጋንዳን፡ ብቐንዱ ብመዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ ካይሮ፡ ጅዳን ቱርክን ኣቢሉ ዝሓልፍ ምዃኑ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ መንጐ እተን ሕጂ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ድርኺታት ዝምድናአን ሓርፊፉ ዝርከብ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ቀጥታዊ በረራ ካብ ዝሰናኸል ንድሓር ድማ፡ ገያሾ ብፖርት ሱዳን ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይገሹ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
እቶም ብዱባይን ካይሮን ከምኡ'ውን ሓሓሊፉ ኢስታንቡል ኣቢሎም ናብ ናይሮቢ ዝመጽኡ ገያሾ፡ ኣብቶም መዓርፎ ነፈርቲ ካብ 13 ክሳብ 17 ናይ 'ትራንዚት' ሰዓታት እዮም ዝጽበዩ።
እዞም ልዑል ዛሕልን ብዝሒ ተጕዓዝትን ዘለዎም መዓርፎታት ነፈርቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዝቕጽል በረራ ዝጽበዩ ገያሾ፡ ካብ መደቦም ወጻኢ ዝዀነ ምንዋሕ በረራታት፡ ወጻኢታት፡ ገልታዕታዕ፡ ጸገማት ቋንቋን ካልእን ብድሆታት'ዩ ዘጋጥሞም።
መብዛሕትኦም ድማ ብሰንኪ ዘለዎም ድሩትነት ኣካላዊ ዓቕምን ምንዋሕ ናይ ትጽቢት ሰዓታትን መግቢ ከይበልዑ፡ ገያሾ ኣብ ዝዓርፉሎም መናብርን መሬትን ደቂሶም ከሕልፉዎ ይግደዱ።
ፋይናንሳዊ ጽልዋ
ቀንዲ ንኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኻዊ በረራታት ዘራኽቡ መዓፈፎ ነፈርቲ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይሮቢን ካይሮን'ዮም።
ኣብታ ኣህጕር ድማ፡ ቀጥታዊ ምትእስሳር በረራታት ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ንምብጻሕ መብዛሕትኡ ግዜ ተጓዓዝቲ ብኤውሮጳ ወይ ማእከላይ ምብራቕን ክሓልፉ ይግደዱ'ዮም።
ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣርባዕተ ቀንዲ ዓለምለኻዊ መስመራት መገዲታት ኣየር (ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ካይሮን) ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀጥታዊ በረራ ከም ዘለዎም ይፍለጥ።
ምትእስሳር ኣየር፡ ብንግዲ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት፡ ከምኡ'ውን ሓደ መስመር ብዓይኒ ቢዝነስ እኹል ጠለብ ምህላው ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ስለ ዝውሰን፡ መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ እታ ኣህጉር ዝግበሩ በረራታት ልዑል ወጻኢታት ዝሓቱ'ዮም።
ከም ኤርትራ ዝበላ ሃገራት ዝኽተልኦ ተሪር ስርዓት ኢሚግሬሽንን መጓዓዝያ ኣየርን ድማ፡ ንዋሕዚ ቱሪዝምን ወፍርን (ኢንቨስትመንት) ይድርቶ።
ኣብዚ እዋን፡ ካብ ጐረቤት ኤርትራ ዝዀነት ሃገር ብቐጥታ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ በረራ ዝገብር መገዲ ኣየር የላን።
ተጕዓዝቲ፡ እቲ ሕጂ ብማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ በረራታት ዝወስዶ ግዜ ነዊሕን ኣሰልቻውን ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናብታ መወዳእታ ዝበጽሑላ ሃገር ንምእታው ክልተ ዝተፈላለዩ መገዲታት ኣየር ክጥቀሙ ከም ዝግደዱ'ዮም ዝገልጹ።
"እዚ ድማ፡ እተን መገዲታት ኣየር ዝተፈላለየ ናይ ጽዕነት ፍቓድ ስለ ዘለወን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ናይ ጒዕዞ ሻንጣ ክትሕዝ ትግደድ፤ እቲ ዘፍቅድኦ ዓቐን ድማ ዝተፈላለየ'ዩ፡" ትብል ሰብለ*።
ብካይሮ ተዃሊላ ናብ ናይሮቢ ዝተጕዓዘት ሰብለ፡ ብንጽጽር ካብቲ ብዱባይ ዝግበር ጕዕዞ ብዋጋ ዝሓሰረ ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ብምግላጽ እቲ ዝነውሐ ሰዓታት እተሕልፈሉ መዓርፎ ነፈርቲ'ዩ ኢላ።
እቲ ኣብ ሓደ ጕዕዞ ኣብ 'ትራንዚት' እተሕልፎ ግዜ፡ ካብ 15 ክሳብ 17 ሰዓታት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ገሊጻ።
እዞም ጕዕዞታት፡ ከከም እቶም መገዲታት ኣየር ብማእከላይ ገምጋም ካብ 400 ዶላር ክሳብ 1300 ዶላር ክበጽሑ ይኽእሉ'ዮም።
ሰብለ፡ "ዝዀነ ጸገም ኣጓኒፉካ ናይ በረራ ሰዓት ወይ ዕለት ክትቅይር ምስ እትደሊ፡ እቲ ናይ ኦንላይን ስርዓት ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እዚ ምናልባት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ኢንተርነት ወይ ኔትዎርክ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን፡ ናብቲ ዝሓሰብካዮ ቦታ ንኽትበጽሕ ናይ ግድን ክልተ ዝተፈላለያ መገዲታት ኣየር ስለ እትቀጥም፡ ንዘይተሓስበ ወጻኢታት ትቃላዕ፡" ኢላ።
ካብኡ ሓሊፉ እቲ ቅድም ንተጕዓዝቲ ዝፍቀድ ዝነበረ ክብደት ሳንጣ ካብ 46 ኪሎ ናብ 30 ብምውራዱ፡ "ተወሳኺ ምስ ዝህልወካ ወይ ሚዛን እንተሰጊሩ፡ ተወሳኺ 215 ዶላር ኢኻ ትኸፍል፡" ክትብል ዘይነዓቕ ፋይናንሳዊ ጸቕጢ የሕድር ምህላው ተረድእ።
ኣፍሪካን ኮምፕቲሽን ፎረም ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዘሎ ልዑል ወጻኢታት በረራታትን ክፍሊት ነፈርትን፡ ምስ ቀያዲ ስርዓታት ቍጽጽር፡ ልዑል ወጻኢታት ኦፕሬሽንን ስርዓታዊ ብድሆታት ዕዳጋን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ግብሪ ተጓዓዝቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብማእከላይ ገምጋም 66 ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ድማ 10 ዶላር ጥራይ ምዃኑ እቲ ትካል የመልክት።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት ንምቅላል፡ ዝዀነ መንግስቲ ዞባዊ ውህደት፡ ናጻ ንግዲ፡ ምዕባይ ተበጻሕነት ዕዳጋን ቍጠባዊ ዕብየት ምድንፋዕን ዓሊሙ ኣብ መንጐ ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ (COMESA) ምጥቃም፡ ዝዀነ መገዲ ኣየር ነጻ ኰይኑ ተጕዓዝቲ ሒዙ ናብ ዝደለዮ ክፋል እታ ኣህጉር ክንቀሳቐስ መኽኣሎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ኣቶ ክብሮም ገሊጹ።
እቲ ኣደኡ ንሕክምና ናብ ካምፓላ ኣምጺኡ ዝናቢ ዘሎ ኤርትራዊ፡ "ሕጂ ኣደይ ናብ ኤርትራ ንክትምለስ፡ ናብ ዱባይ ከብጽሓ ክኣ ክኸይድ'የ፤ እንታይ ድኣ ክግበር፡" ይብል።
መፍትሒ ክሳብ ዝመጽእ ግን፡ ኤርትራውያን ገያሾ ነቲ ብዝሓጸረን ዝቐለለን መገዲ ክኸዱዎ ዝግባእን ብኣየር ልዕሊ 10 ሰዓታት ዘባኽን ዘሎ መገሻ ኤርትራውያን ክቕጽል'ዩ።