ኣዘርባዣን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጸጥታዊ ርክብ እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia/X
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን ምስ ኣባላተን ኣብ ወደብ ዓሰብ ተታሒዘን ከምዘለዋ ይፍለጥ።
እተን ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢለን ናብ ኢማራት ዓረብ የምርሓ ነይረን ዝተባህላ መራኽብ ብዘይተነጸረ ኵነታት ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ምእታወን ይዅን ንኽንድ'ዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ቀይዲ ምጽንሐን ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ሓደ ካብቲ ጥርጠራታት እተን መራኽብ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሒዘን ከምዝተረኽባ ዝእምት'ዩ።
ዋና ናይተን መራኽብ ዝኾነ ሲ-ኤም-ኤስ ዝተባህለ ትካል ግን እተን መራኽብ ብዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ባሕሪ ደገፍ ንምርካብ ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ርክብ ንምምስራት ዝገበርኦ ፈተነ ከምዘይሰመረ'ዩ ዝምጕት። ብወገን ኤርትራ ግን ዛጊት ብዛዕባ ኵነታት ናይተን መራኽብ ብወግዒ ዝተባህለ የለን።
ኣዘርባዣን ነተን መራኽብ ኮነ ኣባላተን ንምፍታሕ ንልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ዘካየደቶ ዲፕሎማስያዊ ፈተነታት ኣይተዓወተን።
በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኣዘርባዣንን ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዓቢኡ'ውን ምስታ ኣህጉር ዘለዋ ርክባት ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ።
ምስ ኢትዮጵያ ትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይዅን ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ወተሃደራውን ጸጥታውን ምትእስሳራት እንታይ ይመስል? ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝምድናኸ ብኸመይ ይግለጽ?
ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእስሳር
ባኩ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጥቡቕ ጸጥታዊ ምትእስሳራት ኣብ ምምዕባል ተጸሚዳ'ያ ጸኒሓ።
ሓደ ካብኡ እቲ ምስ ሶማልያ ፈሪማቶ ዘላ ስምምዕ ኰይኑ፡ ንሞቓድሾ ፈኮስቲ ብረታት፡ ድሩዓት መካይንን ክትሸጠላ ዝገብር'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ናብ ኣዘርባዣን በጺሑ ዝነበረ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢልሃም ኣሊየቭ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ንዝጸንሖም ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ከሐይሉ ስምምዕ ፈሪሞም ነይሮም። ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት "ስትራተጂያዊ ሽርክነት" ከምዘሎ'ውን ሞቓድሾ ብወግዒ ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።
እቲ ሶማላዊ ፕረዚደንት ኣብ ዑደቱ፡ ናብ ትካላት ፍሉይ ኣሃዱ (ኮማንዶ) ሰራዊት ኣዘርባዣን ብምብጻሕ፡ "ኣብታ ሃገር ዝፈረየ ናይ ምክልኻል መሳርሒታት" ከምዝተዓዘበ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣንጻር ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዘየቋርጽ ኲናት እትርከብ ሶማልያ፡ ንሃገራዊ ሰራዊታ ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታኣ ንምምዕባል ላዕልን ታሕትን ክትብል ምጽንሓ ይፍለጥ። ኤርትራ ትርከበን ካልኦት ሃገራት'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ምስልጣን ይርከባ።
ኣዘርባዣን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸጥታዊን ወተሃደራዊን ርክባት ብንጹር ዝፍለጥ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ጉዳያት ምክልኻልን ጸጥታን ንምትሕግጋዝ ከምዝተሰማምዓ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ርእሰከተማ ባኩ ኣብ ክፍላ ግንቦት 2024 ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ብመሰረት ኣብ 2023 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ምርድዳእ'ዩ ተፈጺሙ።
"ኣብ ዓውድታት ሓበሬታ፡ ጸጥታን ድሕነትን ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ምምዕባል፡ ከምኡ'ውን ንክልቲአን ሃገራት ዘርብሕ ፕሮጀክትታትን" ዘጠቓለለ ምዃኑ ኢትዮጵያ ገሊጻ ነይራ።
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኢትዮጵያ ዝነበረ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ተመስገን ጥሩነህ ናብ ኣዘርባዣን ኣብ ዝበጽሓሉ'ዩ እቲ ስምምዕ ተበጺሑ። ብወገን ባኩ ድማ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮሎነል-ጀነራል ኢይቫዞቭ ቪላያት ሱለይማን ነቲ ስምምዕ ከምዝፈረመሉ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ገሊጸን ነይረን።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት'ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሐ ጕጅለ ልኡኽ ኣዘርባዣን ንኢትዮጵያ ኣብ ምምሕያሽ 'ሲቪል ሰርቪስ' (ምምሕዳር)፡ ሕርሻ፡ ንግዲን ካልኦት ዓውድታትን ንምሕጋዝ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፈሪሙ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EBC
ኣብ ዕዳጋ ኣጽዋር ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ትመጣጠር ዘላ ኣዘርባዣን
ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭታትን ዘምርግጋኣትን ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራዊ ዓቕምታተን ንምሕያል ዝሰርሓሉ ዘለዋ እዋን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ፍሉጣት ኣቕረብቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝነበራ ናይ ቀደም ገዛእቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብታ ኣህጉር ዝነበረን ጽልዋን ጸጥታዊ ምትእስሳርን ኣብ ዝልሕልሓሉ ዘሎ ንካልኦት ሓደስቲ ሓይልታት ዕድል ፈጢሩ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ጽልዋኣ እናዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ዴሳዊት ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ እናሰፍሐ ምምጽኡ ንህላወ ምዕራባውያን ሃገራት ዘስግአ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ህላወ ንምስፋሕ ትሰርሕ ዘላ ሩስያ'ውን ነቲ ውድድር ነዳዲ ወሲኻትሉ ኣላ። ብፍላይ ሞስኮ ምስተን ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝተኻየደለን ሃገራት ዞባ ሳሕል ይዅን ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ነተን ነባራት ጸለውቲ ሃገራት ሕማም-ርእሲ ኮይኑ ይርከብ።
ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ምስቲ ብሰራዊት ዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ስምምዕ ምፍራማ'ውን ኣብቲ ከባቢ ስክፍታ ፈጢሩ'ሎ።
ናብታ ብቍጠባዊ ገስጋስ ይዅን ዘለዋ ዕቑር ሃብቲ ማራኺት ዝዀነት ኣፍሪቃ ዝግበር ጠመተ ግን ካብዘን ዓበይቲ ሃገራት ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን። ከም በዓል ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣዘርባዣንን ዝበላ ካልኦት ሃገራት'ውን ኣብታ ኣህጉር ቍጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ከማዕብላ ጀሚረን ኣለዋ።
ዘመናዊ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪታት ብምምዕባል ኣብ ዕዳጋ ኣጽዋር እጃም ክህልዋ ትመጣጠር ዘላ ኣዘርባዣን ምስ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ስምምዓት ከምዝፈረመት ይግለጽ።
"እታ ከም ማእከል ኢንዱስትሪ ምክልኻል እናደመቐት ትመጽእ ዘላ ኣዘርባዣን" ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጽዋር ክትሸይጥ ጀሚራ ከምዘላ ሓደ ንመንግስቲ እታ ሃገር ቅርበት ዘለዎ ማዕከን ዜና የመልክት።
"ባኩ፡ ብዘለዋ ምዕቡል ትካላት ወተሃደራዊ. ኢንዱስትሪ ኣብ ዓውዲ ጸጥታ ኣፍሪቃ ዓቢ ግደ ንምጽዋት ትጽዕት ኣላ" ይብል እቲ ኣብ ትረንድ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ዝወጸ ትንተና።

ምንጪ ስእሊ, Azerbaijan Ministry of Defence
ኣዘርባዣንኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ናብ ኣፍሪቃ ዝሰደደቶ ወተሃደራዊ መሳርሒታት፡ ሰብ-ኣልቦ (ድሮናት) ነፈርትን ኣጽዋርን ብ70 ሚእታዊት ከምዝዓበየ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣዘርባዣን፡ ካብቲ ምስ ጐረቤታ ዝዀነት ኣርመንያ ዘካየደቶ ተደጋጋሚ ዶባዊ ኲናት ዘማዕበለቶ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ናይ ምውጻእ ተመኵሮ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ክትጥቀመሉ ትህቅን'ያ።
ምስ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት'ውን ነዚ ዘረጋግጽ'ዩ።
ኒጀር፡ ጫድን ማሊን ኣብቲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዘካይድኦ ውግእ ይዅን ዶባተን ንምቍጽጻር ዘካይድኦ ቃልሲ ክሕግዘን ዝኽእል ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ካብ ኣዘርባዣን ክረኽባ ድሌት ከምዘለወን'ዩ እቲ ጸብጻብ ዝገልጽ።
ከም በዓል ጒኒ-ቢሳው ዝበላ ገለ ሃገራት'ውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኣዘርባዣን መኮንናተን ከሰልጥና ይዘራረባ ከምዘለዋ ይንገር።
"ኣብዚ ዓለም ትቀያየረሉ ዘላ መዋእል፡ ኣፍሪቃ ሓዳስ ማእከል ሓይሊ እትኾነሉ ዘላ፡ ኣዘርባዣን ጽልዋኣ ብምስፋሕ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ሽርክነት ቀንዲ ቀዳምነት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ገይራቶ ኣላ" ይብል እቲ ንርእይቶ መንግስቲ ዘንጸባርቕ ትካል ዜና።
ኣዘርባዣን ናብ ዕዳጋ ኣፍሪቃ ትጽንበር ጥራይ ኣይኮነት ዘላ- ንነዊሕ እዋን ዝጠመተ ምሕዝነት ንምምስራት'ውን ባይታ ተንጽፍ'ያ ዘላ።"
ብመዳይ ቁጠባኸ?

ምንጪ ስእሊ, CMS
ኣዘርባዣን ካብቲ ብምዕራብን ምብራቕን ዝመጻ ዓበይቲ ሃገራት ዝቀዳደማሉ ዘለዋ ጸጋታት ኣፍሪቃ ንምቍዳስ'ውን ትጓየ ዘላ'ያ ትመስል።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ጽላት ነዳዲ ዘለዋ ተገዳስነት ብምዕባይ፡ ንግብጺ ነዳዲን ጋዝን ንምቕራብ ስምምዕ ከምዝገበረት ይግለጽ።
ኣብ ኬንያ'ውን ንትሕተቅርጺ መኽዘን ነዳዲን ካልእ ኣድላዪ መርበባትን ኣብ ምሕዳስ ትዋሳእ ከምዘላ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።
እዘን ኤርትራ ንኣዋርሕ ሒዛተን ዘላ መራኽብ'ውን፡ነቲ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኣብ ዝግበር ዳህሳስን ምውጻእን ነዳዲን ጋዝን ዝነጥፉ ትካላት ከምዘገልግላ'ዩ ወናኒአን ኩባንያ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝገልጽ።
እታ ኣብ ሕዳር 2024 ዋዕላ ክሊማ ዓለም ዘንገደት ኣዘርባዣን ኣብ ኢንዱስትሪ ተሓዳሲ ጸዓት ዘለዋ ዓቕሚ ንሃገራት ኣፍሪቃ ብምክፋል ተረባሒት ክትከውን'ውን ህርፋን ኣለዋ።
"ኣብቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ዓለማዊ ቅድድም፡ ባኩ ካልእ ተወዳዳሪት ዘይኰነት፡ ቀያሪት ጸወታ'ያ" ይብል ትንተና ትረንድ።
ኣብ መንጐ ኣስመራን ባኩን ዘሎ ርክብ
ኣብ ሚያዝያ 2004 ዝተመስረተ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኤርትራን ኣዘርባዣንን ብደረጃ ዘወርቲ ኣምባሳደራት ዝውከል'ዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣን ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ምስ ኤርትራ ዝገብሮ ርክባት ብመገዲ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲኡ ዝፍጸም ምዃኑ ይጠቅስ።
ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ'ውን ኣብ ኣዘርባዣን ውክልና ከምዘለዎ እቲ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ 2016 ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ወረቐት ስርሑ ብወግዒ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ኣረኪቡ ምንባሩ ጸብጻባት መንግስቲ ኤርትራ የነጽር።
ቅድሚኡ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሩስያ ዝነበረ ተኽላይ ምናሰ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ወረቐት ስርሑ ኣረኪቡ ነይሩ።
ብዘይካ ኣብ ዝተፋላለየ እዋናት ዝተኻየደ ርክባት ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝገለጽዎ ሃቐነታት ግን ብጭቡጥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ቍጠባዊ ይዅን ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ የለን።
ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ ገለ ዓመታት ድማ እቲ ካብ 2003 ኣትሒዙ ነታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢለሃም ኣሊየቭ ንኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ ዮሃናኡ ከምዝገለጸ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ይገልጻ ነይረን።
ፕረዚደንት ኣሊየቭ፡ ነታ ሃገር ካብ 1993 ኣትሒዙ ዝመርሓ ወላዲኡ ፕረዚደንት ነበር ሀይዳር ኣሊርዛ ኦግሉ ኣሊየቭ ምስ ሞተ'ዩ ስልጣን ተረኪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







