ቀይሕ ባሕሪ፡ ጕዳይ ኤርትራ ዝሓዘተን ሰለስተ 'መራኽብ ኣዘርባዣን' ኣበይ በጽሐ?

ምንጪ ስእሊ, CMS
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ዝነበራ 'መራኽብ ኣዘርባዣን' ብሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ምትሓዘን ይዝከር።
መንግስቲ ኣዘርባዣን ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ከም ዝበሎ፡ እተን ብመትረብ ስዌጽ ዝሓለፋ መራኽብ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝጓዓዛ ዝነበራ'የን።
እዘን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይኸዳ ነይረን ዝተባህላ መራኽብ ብ7 ሕዳር 2024 "ብሰንኪ ዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ክኣትዋ ተገዲደን" ክብል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣን ከም ዝገለጸ 'ኣዘሚድያ' ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ።
ኣስታት 18 ዜጋታት ኣዘርባዣን ዝዀኑ ኣባላት እተን መራኽብ'ውን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኤርትራ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ብወገን ኤርትራ ዛጊት ብዛዕባ እተን መራኽብ ይዅን ኣባላተን ዝተዋህበ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ምኒስትሪ ዜና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ ጉዳይ መራኽብ ኣዘርባዣን ምስ ኢራን ርክብ ከም ዘይብሉ ኣሚቱ ነይሩ።
"ምስ መራኽብ ኣዘርባዣን ኣቋሪኑ፡ ንኤርትራ ከም 'መጋበርያ ኢራን' ክጥቅን ዝሃቀነ ዝንቡዕ ትንታነ (Haaretz – Analysis)፡ እዚ ብስም ሓደ ግዳይን ዕሱብን ዝተዘርግሐ ሕሱር ሓሶትን ጠቐነን፡ ብቐንዱ ንመሰይጠኒ ተባሂሉ ብዓበይቲ ትካላት ስለያ ከም እተፈብረኸን ከም እተጋውሐን፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኵሉ ክስወሮ ኣይክእልን" ይብል እቲ ሓተታ።
እንተዀነ ብዛዕባ ኵነታት ኣተሓሕዛ ናይተን መራኽብ ዝሃቦ ዝዀነ ሓበሬታ የለን።
ሃርዝ (Haaretz) ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ንመራኽብ መሓዛ እስራኤል ዝዀነት ኣዘርባዣን ምሓዞም "ኢራን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዋ ጽልዋ ይዓቢ ከም ዘሎ ዘብርህ'ዩ" ክብል ተንቲኑ ነይሩ።
እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ዝመሓደራ እየን።
"ሲ-ኤም-ኤስ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሓገዝ ዝህባ ቃፍላይ መራኽብ ዘካይድ'ዩ።
ነቲ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝግበር ዳህሳስን ምውጻእን ነዳዲን ጋዝን ዝነጥፍ ኢንዱስትሪ ድማ የገልግላ፡" ይብል መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል።
ኣብ ርእሰ ከተማ ባኩ (ኣዘርባዣን) ዝርከብ ጨንፈሩ ድማ ኣብ 2006 ከም ዝተመስረተ ይጠቅስ።
"መደበሩ ኣብ ኣዘርባዣን ዝገበረሉ ቀንዲ ዕላማ ድማ፡ ኣብ ዞባ ካስፒያን ካብ ዝርከቡ ኣመሓደርትን ኣካየድትን ባሕራዊ ኣገልግሎት መሪሕ ተራ ክጻወት ምእንቲ'ዩ፡" ይብል።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክወጽኡ ዝጸንሑ ጸብጻባት እተን መራኽብ ኣጽዋር ዝጸዓና ክዀና ከም ዝኽእላ ዝእምት'ዩ።
እንተዀነ ብዛዕባ ዓይነት ናይተን መራኽብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝሰፈረ መግለጺታት፡ እታ 'ፓህላቫን' ዝተባህለት መጥፍኢት ሓዊ ክትከውን እንከላ፡ እታ 'ሲ-ኤም-ኤስ 3' ከኣ ኣብ ወደብ ንምጕታት ዓበይቲ መራኽብ ተባሂላ ዝተሰርሐት፣ ከምኡ'ውን እታ 'ኣጊድ' ዝተባህለት ኣብ ወደብ፡ ገማግም ባሕርን ንምጕታትን ካልእ ንጥፈታትን ከተገልግል እትኽእል ምዃና የመልክት።
ኤርትራ ምስ ኢራን ጥቡቕ ዝምድና ኣለዋ ንዝብል ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ከትነጽጐ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብ 2019 ሰብመዚ ኤርትራ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ፡ "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክብሉ ወቒሶም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Mediterranean Shipping Company
እተን ናብ ኣቡዳቢ ይኸዳ ምንባረን ዝተገልጻ ሰለስተ መራኽብ ዝነበራኦ ቃፍላይ ስለምንታይ ብሓደ ይጓዓዝ ከም ዝነበረን ኣብ ሓደ እዋን ብተመሳሳሊ ኵነታት ንልኡላዊ ማያት ኤርትራ ክጥሕስ ከም ዝተገደደን ንጹር ኣይኰነን።
እተን መራኽብ ኣቐዲመን ምስ ዝምልከቶም ሰብመዚ ወደባት ኤርትራ ርክብ ክምስርታ ዝገበርኦ ፈተነ ከም ዘይተዓወተ እቲ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣዘርባዣን ንሰበስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ብሰሉስ 28 ጥሪ ኣብ ዘወጽአ ሓድሽ ጸብጻብ ድማ፡ እተን መራኽብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኤርትራ ከም ዘለዋን፡ ምስ ኣባላተን ዝዀኑ ባሕረኛታት ስሩዕ ርክብ ይግበር ምህላዉን ይጠቅስ።
ትረንድ ዝተባህለ ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ኣዘርባዣናዊ ማዕከን ዜና ከም ዝበሎ፡ እቲ ወናኒ ናይተን መራኽብ ዝዀነ ትካል ምስቶም ኣብ መራኽቦም ዘለዉ ባሕረኛታት ርክብ ክምስርት ክኢሉ ኣሎ።
"እቶም ኣባላት መግቢ ይወሃቦም ኣሎ፡ ምስ ስድራቤቶም'ውን ይራኸቡ ኣለዉ፡" ይብል መግለጺ ናይቲ ትካል።
ቢቢሲ ብዕዛባ እዋናዊ ኵነታት እተን መራኽብ ሓበሬታ ንምርካብ ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣንን ወናኒ መራኽብ ዝዀነ ትካል ሲ-ኤም-ኤስን ተወኪስዎም ኣሎ።
ብዛዕባ ዝተታሕዛሉ ከባቢን ይዅን ዘለዋሉ ወደብ ግን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ምስ ኲናት ቓዛ ብዝተሓሓዝ የመናውያን ዕጡቓት ብዝፈጠርዎ ጸጥታዊ ስግኣት ውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ምጽሑ ይፍለጥ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግድን ኲናት ብሚሳይላት፡ ድሮናትን ጃላቡን ዝካየድ መጥቃዕትታት ሑቲ ንምክልኻልን ግብረመልሲ ንምሃብን ድማ ብኣመሪካን ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊሩ ይርከብ።
ኤርትራ ብወገና ንወተሃደራዊ ህላወ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብቲ ከባቢ ብዓይኒ ጥርጣረ ክትርእዮ ምጽንሓ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







