ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ 'ናብ ውሑስ ቦታ' ወጺኣ

ምንጪ ስእሊ, EUNAVFOR/X
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከይተወርድ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ናብ ውሑስ ቦታ ወጺኣ።
እታ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት መርከብ 'ኤም-ቪ ሶንዮን' ኣብ ማሕድሮ ስነህይወት ቀይሕ ባሕሪ ብከላ ከይተስዕብ ሻቕሎት ፈጢራ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብቲ ቦታ ተዋፊሩ ዘሎ ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ብሰኑይ 16 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ እታ ክትነድድ ዝጸንሐት መርከብ ብዝተኻየደ ዳግማይ ጻዕሪ ክትወጽእ ከምዝኸኣለት ገሊጹ።
"ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ልፍንታዊ ሓይልታት ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ (EUNAVFOR) ኤም-ቪ ሶንዮን ነዳዲ ከየንጠበት ናብ ውሑስ ቦታ ወጺኣ ኣላ" ክብል እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣበሲሩ።
ብሰንበት "ሰሓብቲ ጃላቡ ምስታ መርከብ ክላገባ ክኢለን ኣለዋ፤ ስለዚ ንኤም-ቪ ሶንዮን ናብ ውሑስ ቦታ ናይ ምጕታት መስርሕ ይካየድ ኣሎ" ክብል እቲ ንዝተፈላለያ ሃገራት ዝውክል ሓይሊ ኣብ ኤክስ ሓበሬታ ሂቡ ነይሩ።
"ንኤም-ቪ ሶንዮን ንምድሓን ዝግበር ስርሒት ዝተሓላለኸን ዝተፈላለየ ገጻት ዘለዎ'ዩ።"
ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ ምዕዋት ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ስርሒት "ውጽኢት ናይ ዝተወሃሃደ ኣገባብን ምትሕግጋዝ ናይቶም ነቲ ንመላእ'ቲ ዞባ ክጸሉ ዝኽእል ኣካብቢያዊ ሓደጋ ንምክልኻል ብተወፋይነት ዝሰርሑ መዳርግቲ ኣካላትን'ዩ" ኢሉ።
እቲ ስርሒት ብመሪሕነት ናይ ብሕቲ ትካላት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ እቲ ኣውሮጳዊ ሓይሊ ነታ መርከብ ይዅን ነቲ ንምውጽኣ ዝተኻየደ ስርሒት ሓለዋ ክገብር ምጽንሑ ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ጽዒናቶ ዘላ ነዳዲ ናብ ባሕሪ እንተልሒዂ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ' ከየስዕብ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ዩ ጸኒሑ።
እታ መርከብ ብ21 ነሓሰ ብሚሳይላት ሑቲ ተሃሪማ ዕንወት ምስወረዳ መልህቓ ሰዲዳ ደው ከምዝበለትን ኣባላታ ገዲፎማ ከምዝኸዱን ይዝከር።
ካብ 23 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ዝባና ዝተወልዐ ባርዕ ከኣ ክሳብ ሎሚ ከምዘይጠፍአ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ናብ ውሑስ ቦታ ንምስሓባ ዝተገብረ ፈተነ ከምዝፈሸለ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, EUNAVFOR/X
ኲናት ቓዛ ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ምውልዑ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕትታት ብምፍጻሞም፡ ነቲ መስመር ንምውሓስ ብኣመሪካን ብሪጣንያን፡ ከምኡ'ውን ሕብረት ኣውሮጳ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ እቲ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ግብረመልሲ ናይቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናትን ኰይኑ ንፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።
ነተን ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ርክብ ዘለወን መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ኳ እንተገለጹ፡ ንኻልኦት መራኽብ'ውን ከምዝሃረሙ ይፍለጥ።
ኣብቲ መስመር ብዝፈጠርዎ ጸጥታዊ ስግኣት ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ'ዩ። ብዙሓት በቲ ኵነታት ዝሰግኣ መራኽብ ንግዲ ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ (ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ) ኣቢለን ካብን ናብን ምዕራብን ምብራቕን ክጓዓዛ ተገዲደን ኣለዋ።
ኣብ ነሓሰ 2023፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ተበላሽያ ደው ኢላ ዝነበረት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብጻዕሪ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ኣካላት ክትወጽእ ክኢላ ነይራ።
እታ ብተመሳሳሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት መርከብ ‘ኤፍኤስኦ ሴፈር’፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ የመን ካብ 2015 ጀሚራ ኣገልግሎት ከይሃበትን ጽገና ከይተገበረላን እያ ጸኒሓ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሌና ባኤርቦክ ክፍላ ብሰላም ምስ ወጸት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ “ተጻዊዱ ዝነበረ ተንሳፋፊ ቦምባ ከወግድ እንከሎ ኣብ ኣከባብን ጥዕናን ክወርድ ዝኽእል ሓደጋ ዓጊቱ ኣሎ” ክትብል ተዛሪባ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







