ኣኽል-ታርፍ ዝፈረየ ሕይወት ኣባ ኣልበሪኮስ (ጴጥሮስ)

እዞም ብ9 ሰነ 1944 ዓ.ም. ኣብ ደቂ ዘርኡ ድምበዛን (ኤርትራ) ዝተወልዱ ካህን ሲታዊ መነኰስ - ኣባ ኣልበሪኮስ (ጴጥሮስ) ቀሺ ገብረስላሴ ስብሓቱ - መን'ዮም?
እቶም ቀዳሞት ኣብ ኤርትራ ንሃይማኖት ካቶሊክ ዝተቐበሉ ምእመናን፡ ተኸተልቲ ሃይማኖት ጥራይ ኣይነበሩን። ብዝከኣሎም መጠን ንማሕበረሰቦም ብዅሉ እንተናኦም እግሪ ከትክሉ በቒዖም'ዮም።
ካብቲ ማሕበረሰብ ዝመንጨዉ ካህናት ድማ ስለ ዝተማህሩ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓይነታዊ ለውጥታት ብምትእትታው፣ ብፍላይ ኣብ ምዝርጋሕ ትምህርትን ሕክምናን፡ ከምኡ'ውን ስንቂ ኣብ ምዕዳልን ምሕደራ-ህዝቢ ኣብ ምምዕባልን ነጢፎም'ዮም።
ማሕበረሰብ ካህናት ካቶሊክ - እንተላይ ንነፍሲሄር ኣባ ኣልበሪኮስ ወሲኹ - በዚ ቅዱስ ተግባር'ዚ'ዮም ከም ዝልለዩ ታሪኾም ይነግር።
ነቶም ብምስዮን ካቶሊክ ኣቢሎም ዝተኣታተዉ ምዕባለታት ንምክትታል ንጕዕዞ ህይወት ኣባ ኣልበሪኮስ ክንምልከት ንኽእል።
"ኣቦኦም ንኣባ ኣልበሪኮስ - ቀሺ ገብረስላሴ ስብሓቱ - ምስ ክልተ ካልኦት ደቂ ሓወቦኦም ካህናትን ሓያሎ ምእመናን ቤተ-ሰቦምን ሓቢሮም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተጸንበሩ ትጉህን ግዱስን ካህን ነበሩ" ይብል እቲ ዝተወከስናዮ ጸብጻብ። እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ግዜ ስንብታ ኣባ ኣልበሪኮስ ዝተነበ ጸብጻብ ህይወቶም ዝተመርኰሰ'ዩ።
እቲ ጽሑፍ ንኣቦይ ቀሺ ገብረስላሴ - ኣቦኦም ንኣባቴ - ሃዲኦም ዝዛረቡ ለዋህ ሰብ ከም ዝነበሩ፡ ወይዘሮ ለተብርሃን ዳምር ድማ - በዓልቲ ቤቶም ንቀሺ ገብረስላሴ - መንፈሳዊትን ርሕርሕትን ኣደ ከም ዝነበራ የዘንቱ። እቲ ስድራቤት - ንኣባ ኣልበሪኮስ ሓዊሱ - ብባርኾት ኣምላኽ ብሽዱሽተ ኣወዳትን ብኽልተ ኣዋልድን ቈይሙ ነበረ።
ኣባ ኣልበሪኮስ ዝተወልድሉ ዘመን - ብኣርብዓታት ምዃኑ'ዩ - ህይወቶም ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ምስ እነዛምዶ ንዛንታኦም ዝሓሸ ስእሊ ከቕርበልና ስለ ዝኽእል ኣሕጽር ኣቢልና ነቲ ዘመን'ቲ ክንገልጾ።
እቲ ዘመን'ቲ ጣልያን ኣደልዲሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኣተወሉ ዘመን ኰይኑ፡ እቲ ቀንዲ ንኤርትራውያን ዝወሃብ ዝነበረ ስራሕ ድማ ዕስክርና ነበረ።
ንኣብነት፡ ካብ 1911 – 1932 ዳርጋ 60,000 ኤርትራውያን ከም ዓሰክር ጣልያን ኣብ ሊብያ ተዓስኪሮም ከም ዝነበሩ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ሰፊሩ'ሎ።
ኣብ 1930ታት ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምስፍሕፋሕ ሙሶሊኒ ብዝሒ ህዝቢ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዓብዩ ከም ዝነበረ፡ ብፍላይ ርእሰ ከተማ ኣስመራ- "ናይ ጣልያን ከተማ" ተባሂላ እትጽውዓሉ፡ ብዙሓት ነበርቲ ጣልያን ዝሓቘፈት ማእከል ሰፋሮ ኰይና ነበረት።
ኣብቲ እዋን፡ ዜጋታት ጣልያን ቍጽሮም ማዕረ 75,000 በጺሑ ከም ዝነበረ ምእማት ኣድላዪ'ዩ።
ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ኤርትራ ማዕቢለን፡ መሳለጥያታት ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ፡ ጽርግያታትን ሓጽብታትን ኣባይትን መርበባት ሻምብቆ-ማይን ቱቦታት-ፍሳስን ተሃኒጾም፣ ቍጽሪ ሸቃሎን ሰራሕተኛታት ናይ ብሕቲ-ዋኒንን መንግስትን ከኣ ክብ ኢሉ ነበረ።
ምስቲ ጣልያን ዘተኣታትውዎ ዝነበሩ ምዕባለታት ተኣሳሲሩን ሰለይ እናበለን ሃይማኖት ካቶሊክ ኣብ ህዝቢ ብዝያዳ ብምዕቡል ኣገባብ ክሰርጽ ስለ ዝኸኣለ ድማ፡ ሰረትን ቅርጽን ሒዙ ክስስን ጀመረ።

እዚ ማለት ግን እምነት ካቶሊክ ብእዋን ካልኣይ ውግእ'ዩ ተኣታትዩ ማለት ኣይኰነን፤ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣብ ኤርትራ ታሪኹ ነዊሕ'ዩ።
እወ፡ ኣብ 1800ታት፡ ብፍላይ ካብ 1830ታት ጀሚሩ ምስዮናውያን (ከም ላዛሪስትን ካፑቺንን ዘኣመሰሉ) ኣብቲ ዞባ ክሰርሑ ምስ ጀመሩ እቲ መስርሕ ጽኑዕ መንገዲ ሓዘ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ጃስቲን ደ-ጃኮቢስ ነበሩ።
ንሶም ንኣካይዳን ድልየትን ደቀባት ተዓዚቦም ናይ ግዕዝ ሊጡርግያ ንኽምዕብል ዝደፍኡ ፈላሲ ነበሩ። ብናቶም ድፍኢት ድማ ኣብ ክሊ-ደቀባት እምነት ካቶሊክ ከስፋሕፍሕ ከኣለ ክንብል ንኽእል።
ኰይኑ ድማ፡ ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቕሰ፡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኤርትራ ብደገፍ መንግስቲ ጣልያን ክዓቢ ከኣለ፣ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ማዕከናት ካቶሊክ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰነት።
ብለካቲት-መጋቢት 1941፡ ብእንግሊዝ ዝምርሑ ሓይልታት ብኣቑርደት፡ ባረንቱ፡ ከረን ኣቢሎም ኣብ ኣስመራ ብምእታው ናይ ባዕሎም ወተሃደራዊ ምምሕዳር'ኳ እንተ ፈጠሩ እቲ በርጌሳዊ ምሕደራ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጣልያን ኰይኑ ንኽሰርሕ ገደፍዎ።
ሽዑ ኤርትራውያን ንርእሰ-ውሳነኦም ክብሉ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር መስሪቶም ፖለቲካዊ ቃልሶም ከካይዱ ተበገሱ፣ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጕስጕስ ጀመረ።
እምበኣርከስ ኣባ ኣልበሪኮስ ዝተወልድሉ ዘመን ነዚ ክብ ኢልና ዝገለጽናዮ ስእሊ - ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ዝኣተወትሉ ዘመን - ይመስል ነበረ።
እቲ ዝተወከስናዮ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ኣቦይ ቀሺ ገብረስላሴ፡ ንደቆም ብኣእምሮን ብመንፈስን እናኰስኰሱ'ዮም ኣዕብዮሞም።
ኣብ ክህነትን ምንኲስናን ንኸብጽሑዎም ከኣ ባህጊ ስለ ዝነበሮም ንወዶም ጴጥሮስ (ድሒሩ ኣባ ኣልበሪኮስ) ኣብ ናይ ንኡስ ዘርአ ምንኲስና ታሕተዋይን ማእከላይን ትምህርቲ ከእትዉዎ በቕዑ።
ኣጽፊፉ ኸኣ ንትምህርቱ ተታሓሓዞ፣ ኣባ ኣልበሪኮስ ብዝብል ስመ ምንኲስና ብ29 ጥቅምቲ 1961 ልብሰ ምንኲስና ለቢሶም ኣብ ገዳም ሲታውያን ሕይወት ምንኲስና ጀመሩ። "ኣብ ዓመቱ ከኣ ብ1 ሕዳር 1962 ብግዝያዊ መብጽዓ ተኣዝዞን ምናነን ንጽሕናን ንኣምላኽ ተወፈዩ" ይብል እቲ ጽሑፍ።
ኣባ ኣልበሪኮስ ኣብ ገዳም ኰይኖም ብዕቱብ እናተማህሩ፡ ትምህርቲ ፍልስፍናን ንባበ-መለኮትን ብግቡእ ኣጽንዕዎ። ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝጀመርዎ ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ኸኣ ምስ ራብዓይ ርእሶም ንዓዲ ጣልያን (ናብ ገዳም ካዛማሪ) ተላእኩ።
ብድሕሪኡ - ንባበ መለኮት ምስ ወድኡ - ኣብ 1968 ንሮማ ተላኢኾም ኣብ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ኣንጀሊኩም፡ ብሞራል ቲዮሎጂ ብማዕርግ ማስተርስ ዲግሪ ተመረቑ።
እቲ ብዛዕባኦም ዝቐረበ ጽሑፍ ከም ዝብሎ፡ "ብ4 ጥቅምቲ 1969 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ገዳም ካዛማሪ ምስ ሰለስተ ብጾቶም ብኢድ ብጹዕ ኣቡነ ኣስራተ-ማርያም የምሩ ብስርዓተ ግእዝ መዓርገ ክህነት ለበሱ።"

ኣባ ኣልበሪኮስ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ለውጥታት ይተኣታቶ ነበረ። ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቋረን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሲኑ ደለይቲ ናጽነትን ደለይቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ይናቘቱ ነበሩ።
ሸፋቱ ገርጊሮም ንዜጋታት ጣልያን ብፍጹም ኣሸገሩዎም። ምርጫ ተኻይዱ ኣብ ኣሰምብለያ (ባይቶ) ደለይቲ ሕብረት ጸብለል በሉ።
ዘመን ተድላ ባይሩ ምስ ተኣታተወ ንጐበጣ ኤርትራ መንገዲ ተጣጥሐ። ብመስከረም 1961 ግን ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ምስ ብጾቱ ኰይኑ ኣብ እምባ ኣዳል ምስ ፖሊስ ተዅሲ ከፊቱ ገጠመ፣ ንናጽነት ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኸኣ ኣበገሰ። ይዅን'ምበር ብ1962 ዘመነ ፍጹም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣተወ።
ብ1970 ኣባ ኣልበሪኮስ ንሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ ተጋደልቲ - ጀብሃን ሻዕብያን - ንሓድሕዶም ይጨፋጨፉ ነበሩ።
ኣባቴ ግን ኣብ ስርሕ ተጸሚዶም ክሳብ 1973 ኣብ ገዳም ኣስመራ ከም መምህርን ሓለቓ ንኡስ ዘርኣ-ምንኲስናን ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ኣብ ዓመቶም ከኣ ንሽዋ - ኢትዮጵያ - ተመደቡ፣ ከም መምህር ትምህርተ መለኮት ኰይኖም ኣገልገሉ።
ኣብ ሸዋ ብዙሕ ኣይጸንሑን፣ ቋንቋ እንግሊዘኛ ንምጽፋፍ ንዓዲ እንግሊዝ ተላእኩ። ተልእኾኦም ድማ ብዓወት ዛዘሙ።
ኣባ ኣልበሪኮስ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ንሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ኣብ ኤርትራ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ ነበረ። ደርጊ ድሮ ኣብ ስልጣን መጺኡ ኣስመራ ብዓፋኝ ትንቅጥቀጥ ነበረት።
ይዅን'ምበር፡ ተጋደልቲ ሓርነት (ጀብሃ) ማዕረ ሓደ ሽሕ እሱራት ካብ ሰምበልን ዓዲ ዃላን ዘውጽእሉ፡ ማዕረ 220 ሽሕ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ንሱዳን ዝተሰደድሉ ዘመን ነበረ።
ህጹጽ ኣዋጅ ተኣዊጹ ኣብ ወኪዱባ፡ ኦምሓጀር፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣቑርደት ህዝቢ ዝጸነተሉ እዋን ኣርከበ።
ሽዑ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብደርጊ ዝካየዱ ዝነበሩ ወራራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝገደፍዎ ስምብራታት ክሳብ ሎም ይዝከር'ዩ። ናብ ሱዳን ዝተሰደ ቍጽሪ ህዝቢ ኤርትር ኸኣ ንልዕሊ 400 ሽሕ ደየበ።
እዚ ዅሉ ክኸውን ኣባ ኣልበሪኮስ ንዝተዋህቦም ሓላፍነታት - ከም መምህር ንባበ-መለኮትን ኲስኰሳ ንኡሳን ተምሃሮንን መነኮሳንን ኰይኖም - ክሳብ 1986 ብትግሃት ሰርሑ።
"ኣባቴ ኣባል ቤት ምኽሪ ርእሰ ኣካልነት ኰይኖም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኣቡን ሰበኻ ኣስመራ - ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ - ኰይኖም ሰርሑ።
ብሕልፊ እቲ ብሕብረት ማሕበር ገዳማትን ሰበኻ ኣስመራን ተወጢኑ ተተይ ዝብል ዝነበረ ናይ ፍልስፍናን ንባበ መለኮትን ተቕዋም ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ፣ ሽዑ ዝነበሩ ምስ ደቂ ማሕበራትን ካህናት ሰበኻን መዘናታቶም ሓቢሮም ዘበርከትዎ እጃም ኣብዚ ብሓጺሩ ክዝርዘር ዘይከኣል ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ እዩ" ይብል እቲ ጽሑፍ።
ድሕሪ ናጽነት ኣባቴ ብምንኵስናዊ ትኣዝዞ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ንኸገልግሉ ተመዘዙ፤ ክሳብ መጠረስታ ተስዓታት ኣብኡ ኣገልገሉ።
ብ1999 ብዋሕዲ ጥዕና ምኽንያት ንዓዲ ጣልያን ክሳብ ዝኸዱ ብተወፋይነት ኣብ ውሽጢ ገዳም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰፊሕ ግራት ወንጌል እናተጓየዩ ንጽጉማት ኣብ ምርዳእ፣ ሕሙማት ኣብ ምፍዋስ፣ ዕድል ትምህርቲ ንዝተነፍጎም መንእሰያት ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ንኽሳተፉ ብምሕጋዝ ብቐሊል ዘይግመት ኣበርክቶ ጌሮም እዮም።
ኣብ መንዲዳን ደብረ ብርሃንን ከባቢኡን ክሳብ ሎሚ ዘገልግል ዘሎ ንኣሽቱን ዓበይትን ትካላት ወይ ተቕዋማት ሕያው ምስክር እዩ።
ብድሕሪኡ ግን ኣባቴ ብዙሕ ጥዕና ኣይረኸቡን፣ ንክሕከሙ ኸኣ ብ1999 ንዓዲ ጣልያን ተላእኩ። ኣብ ዓዲ ጣልያን ንሕማሞም ተጻዊሮም ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማት - ኣብ ሮማ፣ ማርታኖ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብዛ ዝዓረፉላ ገዳም ኮትሪኖ ብዝከኣሎም ትግሃት ንማሕበሮም ኣገልገሉ።
እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ህይወቶም ከም ዝሕብሮ፡ ኣባ ኣልበሪኮስ ነዞም ዝስዕቡ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ኣበርኪቶም'ዮም - 1. ታሪኽ ክርስትና 2. ነገረ ማርያም 3. ሕይወት ኣባ ፍስሓ ገብረ-ኣምላኽ፣ ከምኡ'ውን ብቛንቋ ጣልያን 4. Il Feudo di Maria. Identità Cristiana e devozione Mariana del popolo Abissino (Etiopia/Eritrea)። ብተወሳኺ ናይ ብጾቶም ጽሑፍት ብምንባብን ምእራምን ደኺመ ከይበሉ ብትግሃት ይነጥፉ ነበሩ።
ኣባ ኣልበሪኮስ ብዕለት 11 መጋቢት 2026 ለይቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ታራንቶ - ደቡብ ጣልያን - ብሰላም ዓሪፎም።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


