ዓብይ ሙፍቲ ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር እቶም ቀዳማይ ሙፍቲ ኤርትራ

ቀዳማይ ዓብይ ሙፍቲ ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር
መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ዓብይ ሙፍቲ ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር

ሼኽ ኢብራሂም ሙኽታር እቶም ቀዳማይ ብግዜ ጣልያን ዝተሾሙ ሙፍቲ ኤርትራ ነበሩ።

ፍሉይ ብዝኾነ ክእለቶምን ፍረ-ጻዕሮምን ኣቢሎም ኣብ ኤርትራ ለውጢ ዘተኣታተዉ መስተውዓሊ ሰብ'ኳ እንተነበሩ ብዛዕባኦም እንፈልጦ ግን ኣዝዩ ሒደት'ዩ።

ፕሮፈሰር ጆናታን ሚራን ዝተባህለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ተመራማሪ ታሪኽ ኣፍሪቃን እስላማዊ ዓለምን ብዛዕባ ሼኽ ኢብራሂም ሙኽታር ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኢትዮፒካ ዘቕረቦ ግሩም ሓተታ ኣሎ።

እቲ ሓተታ፡ ሼኽ ኢብራሂም መራሕ-ሃይማኖት ጥራይ ዘይኰኑስ ከም ንጡፍ ጸሓፍን ተመራማርን፡ መንገዲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘጣጥሑ፡ ንስምረትና ዘደልደሉ፡ ኣመት ዝነበረ ቄናን ኣካይዳ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘርኢ ጕዳይ ዘድልዩ ጽገናታት ዘተኣታትዉ፡ ህዝቢ ዝጠርነፉ፡ ንፍትሒ ዝተጣበቑ፡ ንስለ ክብርን መዓርግን ማሕበረሰብ ደው ዝብሉ ህቡብ ተቓላሳይ ከም ዝነበሩ'ዩ ዝገልጾም።

ብዛዕባ ብዙሕ-ዝሸነኹ ኣብርክቶኦም ወሲኹ ብምግላጽ፡ "ንህላወን ኣካይዳን ሃይማኖታዊ ህይወት ዝጸለዉ፣ ኣብ ወሳኒ ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ ሰፊሕ ፍልጠት ዝመስረቱ ባይታ ብምንጻፍ ንኤርትራ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ከብጽሑ ዘኽኣሉ ሙፍቲ ነበሩ" ይብል።

ይዅን'ምበር፡ "ታሪኾም ብገዛእ ናትና ክነሱ፡ ዓበይትና ኣይንፈልጦ ንኣሽቱና ኣይመሃርዎ ስለ ዝዀነ ዳርጋ ሓዲግ ኰይኑ ተንጠልጢሉ" ከም ዝተርፍ ተገይሩ'ዩ እንተ ተባህለ ጌጋ ኣይኰነን።

ዳን ኮነል - ታሪኻዊ መዝገበ-ቃላት ኤርትራን ካልኦት መጻሕፍትን ዘበርከተ ተመራማሪ - ብሸነኹ ብዛዕባ ሸኽ ኢብራሂም ዝጸሓፎ ክጥቀስ ዝግባእ ዛንታ ኣሎ።

ዳን ኮነል፡ ሸኽ ኢብራሂም ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ቁሸት ብ1909 ከም ዝተወልዱን ብ1969 ኣብ ኣስመራ ከም ዝዓረፉን፣ ብንእሽቶኦም ከለዉ ኸኣ ኣቦኦም ኣብ ገዛ ኮፍ ኣቢሎም ባዕሎም ከም ዝመሃሩዎም ይጠቅስ።

ብምስዓብ፡ ናይ ገዛ ትምህርቶም ምስ ኣጠናቀቑ ድማ ኣብ ሱዳን - ኡምዱርማን ዝርከብ ትካል ትምህርቶም ብምቕጻል ጽኑዕ መሰረት-ትምህርቲ ክረኽቡ ከኣሉ፡ ይብል።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ዉሩይ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ኣልሸሪፍ ብፍሉይ ስነ-ሕጊ እስልምና ከም ዝተማህሩ ይጠቅስ።

ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ኣልሸሪፍ ምስ ታሪኽ ኤርትራ ዘተኣሳሰር ሸነኻት ኣለዎ። እቲ ታሪኽ'ቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ ክንጠቀስ ኣድላዪ እዩ።

ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ኤርትራውያን (ኣስላም) ንትምህርትን ንንግድን ክሳብ ግብጺ ይጐዓዙ ከም ዝነበሩ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ እንረኽቦ ሓቂ'ዩ።

ብ1950 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ማዕረ 150 ተመሃሮ ተመዝጊቦም ከም ዝነበሩ፡ ኣብ ዓመቱ ድማ መንግስቲ ግብጺ - ንጉስ ቀዳማዊ ፋሩቕ ኣብ ስልጣን ዝነበርሉ ዘመን ምዃኑ'ዩ (ቅድሚ ገማል ዓብደልናስር ኣብ ስልጣን ምምጽኡ) - መንግስቲ ግብጺ ንኤርትራውያን ተመሃሮ (ከም በዓል ኢድሪስ ገላውድዮስ፡ ሳፊ ኢማም ሙሳ፡ ጣሃ መሓመድ ኑር) ዝተባህሉ ፍሉጣት ተቓለስቲ ዓለማዊ ትምህርቲ ንኽምሃሩ ኣፍቀደ።

በዓል ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም ንካይሮ ኣብ ዝተሰደድሉ እዋን (1953) ድሮ እቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሃሮ ንዋኒን ናጽነት ተታሒዞምዎ ነበሩ።

ብ1959፡ በዓል ኣቦይ ኢብራሂም ሱልጣንን ኢድሪስ መሓመድ ኣደምን ንግብጺ ዝተሰደድሉ ዘመን ኤርትራውያን ተመሃሮ (ኣስላም) ኣል-ኣዝሃር ምስ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ጀመሩ።

ብ1960 ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ቍጽሪ ተመሃሮ ማዕረ 400 በጺሑ ነበረ። ኣብ ሞንጎኦም ዓብደልከሪም ኣሕመድ፡ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ፡ መሓመድ ገዚር፡ ስዒድ ሓሚድ መሓመድ ሓሺም፡ ስዒድ ሑሴን፡ ከምኡ'ውን እቶም ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም (ጣሃ መሓመድ ኑር ምስ ኢድሪስ ገላውዴዎስ) - መብዝሕትኦም ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምምስራት (ቅድሚ ህዝባዊ ግንባር ምምስርቱ) ዕቱብ ተራ ዝነበሮም ተጋደልቲ ነበሩ።

እቲ ፈለማ ንተጋድሎ ሓርነት ዝመስረተ ኣብ ሓዲቃት-ኣል-ኣስማክ (ኣብ ካይሮ ዝርከብ ዕዳጋ ዓሳ) ብዕለት 1 ሓምለ 1961 ዝተኻየደ ኣኼባ ምንባሩ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ኣይግባእን።

ኣብ ካይሮ ሓደ ካብቶም ናይ ሽዑ ተመሃሮ፡ እሞ ኸኣ እቶም ኣዝዮም ፍሉጥ ዝነበሩ፡ ናይ መጻኢ ሙፍቲ ኤርትራ ባዕሎም ሼኽ ኢብራሂም ኤል-ሙኽታር ኣሕመድ ኢብን ዑመር ነበሩ።

ናብ ታሪኾም ብምምላስ፡ ንሶም ኣብ ግብጺ እናተምሃሩ ከም መምህር፡ ጠበቓ፡ ኣሰናዳኢ መጽሔት ኰይኖም ብቑዕ ፍልጠት ከም ዝደለቡ ይዝንተወሎም'ዩ።

ብ1940 ናብ ኤርትራ ምስ ተመልሱ ኸኣ ከም ቀዳማይ ሙፍቲ ኤርትራ ኰይኖም ንኸገልግሉ ብምምሕዳር ጣልያን ተመዘዙ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ መራሕቲ ኣስላም ኤርትራ ሓቢሮም ንምምሕዳር ጣልያን ኣድላይነት ምሻም ሙፍቲ ስለ ዘማኽርዎም ነበረ።

ሓንቲ ካብተን ብዘመን ሙፍቲ ኢብራሂም ሙኽታር ዝተሃንጸት ቤት-ትምህርቲ - ጃሊያ ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ካብተን ብዘመን ሙፍቲ ኢብራሂም ሙኽታር ዝተሃንጸት ቤት-ትምህርቲ - ጃሊያ ኣስመራ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሸኽ ኢብራሂም ከም ሙፍቲ ኤርትራ ምስ ተሸሙ - ካብ ዘመን ምእታው ወትሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ጀሚሮም ክሳብ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንኤርትራ ዝጐበጠሉ ዘመን (ኣብ 60'ታት) - ተጊሆም ንሕብረተሰብ ኣስላም ብምግልጋል፡ ንኣብያተ ሕግታት ሸሪዓ ጸገኑ፣ ንሕጊ 'ዋቅፍ' ከስፍሑን ከመሓይሹን ከኣሉ።

ንሃይማኖታዊ ምሕደራ ዘመናዊ ክገብርዎ በቕዑ፣ ንምህናጽ መሳጊድን ኣብያተ ትምህርትን ኣተባብዑ - ብሓገዝ መንግስቲ ግብጺ ቤት ትምህርቲ ንጉስ ፋሩቕ ኣብ ኣስመራ ብ1943 ተኸሉ፣ ኣብ ባጽዕ፡ መንደፈራ፡ ከረን ዘኣመሰላ ከተማታት ከኣ መጠነኛ ኣብያተ ትምህርትታት ሃነጹ። ምስኡ ኸኣ ሓደ ዓቢ ቤተ-መጻሕፍቲ ብምትካል ድማ ማዕረ 3,000 መጻሕፍቲ ወፈዩ።

ኣብ እስልምና 'ዋቕፍ' ሓደ ውልቀ ሰብ ንሃይማኖታዊ፡ ትምህርታዊ ወይ ማሕበራዊ ዕላማታት ንብረት (ከም መሬት፣ ህንጻታት ወይ ገንዘብ) ዝውፍየሉ ቀዋሚ ናይ ግብረ ሰናይ ወፈያ እዩ።

ሼኽ ኢብራሂም ኣብ ክልቲኡ ባይቶ ዋቕፍ እስላማዊ ኤርትራን ባይቶ ምሁራት ኤርትራን (ዓረብኛ፡ ጃብሃት ኣል-ዑላማ) እውን ከም ኣቦ መንበር ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።

ኣብቲ ዘመን'ቲ መንግስቲ እንግሊዝ ንኣብያተ ትምህርትታት ማሕበር ሃዋርያት ክትከሉ ፍቓድ ከም ዝሃቡ ድማ ክዝከር ዝግብኦ ክውንነት ነበረ።

እዚ ባህርያት ናይቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ምሕደራ ብመጠኑ ንምርኣይን እቶም ኣመሓደርቲ ድማ፡ ዋላ'ኳ ጓኖት ይንበሩ፡ ኣዒንቲ ህዝቢ እናጠመቱ የመሓድሩ ከም ዝነበሩን ንምእማት'ዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብፍርሒ ተዋሒጡ ኣይኰነን ዝነብር ዝነበረ። እወ፡ እንተተቘንጥዩ ኣብ ክንዲ ርዒዱ ስቕ ዝብል ቆንጢኻኒ ዝብል ሕብረተሰብ ምንባሩ ነቲ እዋን ዘርከቡሉ ኤርትራውያን የዘንትዉ።

ሼኽ ኢብራሂም ኣብ ፖለቲካ ንከይኣትዉ'ኳ ይጽዕሩ እንተነበሩ፡ ድሕሪ 1962 ግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣስላም ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዝነበረ ኣፈላላይ ሙፍቲ ብዓውታ ይነቕፉን ዓገብ ይብሉን ነበሩ።

ናብ ሓተታ ፕሮፈሰር ጆናታን ሚራን ብምምላስ፡ "ሸኽ ኢብራሂም ሙኽታር እስልምና ኣብ ስርዓታዊ ኣምልኾ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኰነስ፡ ንውልቃዊ ስነ-ምግባር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምሕደራን ሓበራዊ ስኒትን ዝምልከት ኵለመዳያዊ ቅርጺ ዝሓዘለ ሃይማኖት ምዃኑ ብቐጻሊ ይምህሩን ይምጕቱን ነበሩ" ይብል።

"ቀንዲ ኣተኵሮኦም ግን" ይብል ፕሮፈሰር ሚራን፡ "እስልምና ኣብ ሓቀኛ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ከመይ ኢሉ - ዋላ'ኳ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምሕደራ ይንበር - ንመጻኢ ከም ዝድንፍዕ ነበረ፣ ከምኡ'ውን ኣብቲ ድሒሩ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ምስግጋር ብኸመይ ክሰርሕ ከም ዘለዎ እዩ ነይሩ ሓሳቦምን ጻዕሮምን።"

ምጕት ጆሰፍ ቨኖሳ ...

ዶክ. ጆሰፍ ቨኖሳ ዝተባህለ ብዛዕባ ተራ ኣስላም ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ተመራማሪ ኣህጕራዊ መጽናዕትን ኣፍሪቃን - Paths toward the Nation: Islam, Community, and Early Nationalist Mobilization in Eritrea, 1941–1961 - ንሙፍቲ ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ደጋጊሙ ብምጥቃስ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፤

"... እቶም ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣቦታት ኣስላም - ቅድሚ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ንራቢጣ (ሙስሊም-ሊግ - ማሕበር ኣስላም ንናጽነት) ብዕሊ ብ 3 ታሕሳስ 1946 ምምስራቶም - ኣጀንዳኦምን ቃልሶምን ምእንቲ ክዓዝዝ ካብ ሙፍቲ ምኽሪ ይጠልቡ ነበሩ፣ ሙፍቲ ድማ ነቲ ቃልሲ ንናጽነት ምእንቲ ንኽዓዝዝ ተገዲሶም ምኽሮም ይልግሱሎም ነበሩ፡" ይውስኽ ጆሰፍ ቨኖሳ።

ኣተሓሒዙ፡ "ቅድሚ ሰልፊ ሕብረት (ምስ ኢትዮጵያ ምዃኑ'ዩ) ብ 1 ጥሪ 1947 ምምስራቱ፡ ሙፍቲ ብዛዕባ'ቲ ብኢትዮጵያውያን ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሕብረት ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ተንኮለኛ ጽልዋታት ስለ ዘስተብሃሉ እቲ ፖለቲካዊ ውዳበ ንረብሓታት ኣስላም ከም ዘይዓብስን ንርእሰ-ምሕደራ ኤርትራ ዘኽሽፍን ምዃኑ ብምርዳእ ደገፎም ንደለይቲ ናጽነት ንምትብባዕ ሓጊዙ" ይብል።

እስላማዊ ስልጣን ምስ ፖለቲካዊ ምልዕዓል ብምትእስሳር፡ ሙፍቲ በቲ ዝነበሮም ወግዓዊ ሓላፍነት ንናጽነት ኣርማውን ስነ-ሓሳባውን ሓገዝ ነቶም ናይ 40'ታት ተቓለስቲ የበርክቱ ከም ዝነበሩ ቨኖሳ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሙፍቲ ኣብ ሞንጎ እስላማዊ ህይወትን ሃገራዊ መንነትን ርእሰ-ምሕደራን ምቅዋም ዓብላልነት ኢትዮጵያን ከም ድልድል ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።

ኰይኑ ድማ ራቢጣ - ብጥንቁቕ ደገፍ ሙፍቲ - ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተጻወቶ ተራ እናዓበየ ከደ።

ኣብቲ ጕዕዞ'ቲ፡ ቃልሲ ናጽነት ቅድሚ ምኽራሩ ተራ ራቢጣ ማእከላይ ቦታ ሒዙ ነበረ። እቶም መራሕቲ ድማ ካብ መርበባት ኣስላም ብዝረኽብዎ ዝነበሩ ደገፍ ቃልሶም ከም ዘደንፍዑ፡ ሙፍቲ ኢብራሂም ሙኽታር ድማ ኣካል ናይቲ መስርሕ ምንባሮም ተመራማሪ ታሪኽ ቨኖሳ ይገልጽ።

ሙፍቲ ደገፎም ነቲ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ኣስላም ዝተቐልቀለ ሃገራዊ ፕሮጀክት ሕጋውነት ኣብ ምልባስ ማእከላይን ሞራላውን ኣቛሞም ኣበርከቱ።

ኣብ ላዕሊ ድሮ ከም ዝተገልጸ፡ ሙፍቲ ነቶም ቀዳሞት መራሕቲ-ናጽነት ቅድሚ ወግዓዊ ሰልፊ ምቛሞም ኣካይድኦም ከጸብቑን ንክጥርነፉን ሓገዙ።

ንብዙሓት ኣብ ኤርትራ ናብ ሃገራዊ ደጋፊ መርገጺታት ዘይኮነስ ናብ ሃገራዊ መርገጺታት ዝደፍአ ናይ ሕብረት ጽልዋ ነቐፌታ ብምግላጽ፣ከምኡ'ውን እቶም ደለይቲ ሕብረት ዘቕርብዎ ዝነበሩ ምጕትን ጽልዋን ኣትሪሮም ብምንቃፎም ብዙሓት ሃገራውያን ክፈጥሩ ከም ዝኸኣሉ ቨኖሳ ይምስክር።

ክሳብ 1952 ፖሊሲታት ምምሕዳራት ጥልያንን እንግሊዝን ስርዓተ ትምህርቲ ዓረብ ዘለወን ኣብያተ ትምህርቲ እስላም ክዝርግሓን ክዓብያን ኣኽኣለ።

ተሳትፎ ኣስላም ኤርትራ ኣብ ንግዳውን መንግስታውን ስራሓት ክብ ክብል ተራእየ። ቁጽሪ ህዝቢ ኣስላም ከኣ ምስኡ እናወሰኸ ብምኻዱ ምስ ዕብየት ህዝቢ ክርስትያን ክመጣጠን ከም ዝኸኣለ ቨኖሳ ዝተወከሶም ሰነዳት ይሕብሩ።

ይዅን'ምበር ...

መርገጺ እስልምና ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምንቁልቋል ኣጋጠሞ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ንጉስ ሃይለስላሴ ንሰልፊ ሕብረት ይድግፍ ስለ ዝነበረ።

እቲ ኣድልዎ'ቲ ብርኡይ እናዓበየ ክኸይድ ጀመረ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ቀንዲ ደገፍቱ ድማ ኣስላም ኤርትራ ስለ ዝነበሩ፡ መንግስቲ ንተግባራት ጀብሃ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣስላም ኣረሜናዊ ግፍዕታት እናፈጸመ ከደ።

ኣብ ምሉእ 1960ታትን ዝበዝሕ 1970ታትን ህዝቢ መታሕት ኤርትራ በቲ ዝወርዶ ዝነበረ መከራ ብብዝሒ ንሱዳን ተሰዲዱ'ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ከይተመልሰ ዝበዝሕ ኣብ ሱዳን ገሊኡ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰደደ።

ብ1969 ሼኽ ኢብራሂም ሙኽታር ምስ ሞቱ፡ እቲ ዅሉ ጻዕሮምን ኣበርክቶኦምን ተደወነ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ገዛኢ - ራስ ኣስራተ ካሳ - ንሼኽ ኢብራሂም ዝትክእ ሙፍቲ ብፍላጥ ኣይመዘዝዙን። ምስቲ ሽርሒ ድማ ኤርትራውያን ኣስላም ተገድዑ።

ብድሕሪ ናጽነት ሓድሽ መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ሙፍቲ - ሼኽ ኣልኣሚን ዑስማን - ባዕሉ መዘዘ። ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሙፍቲ ኤርትራ - ኣብ ግንቦት 2017 ድማ - ድሕሪ ኣስታት 4 ዓመት - ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ወዶም ንሼኽ ኢብራሂም - ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር፡ኣብ ሓምለ 2021 ካልኣይ ሙፍቲ ኤርትራ ኰይኖም ተመሪጾም ኣገልግሉ።

ግናኸ ኵሎም ብዅሉ መዳያት ከም ሼኽ ኢብራሂም ሙኽታር ክዀኑ ከምዘይከኣሉ ይግለጽ።