ቀሺ እዝራ ገብረመድህን፡ ኣስተንትኖ ጕዕዞ ሓምሳ ዓመት

ምንጪ ስእሊ, DM
ብ1935 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ተወሊዶም፡ ዓብዮምን ተማሂሮምን፣ ቅስና ከኣ ኣብኡ ለበሱ።
ቀሺ እዝራ ገብረመድህን መበቈሎም ኤርትራዊ ኰይኖም ንእስነቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ህይወቶም ከኣ ኣብ ሃገር ሽወደን'ዮም ኣሕሊፎምዎ።
እዞም እንግሊዝኛ፡ ሽወደንኛ፡ ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝዛረቡ ኣገልጋሊ ፈጣርን ማሕበረሰብን ሕጂ ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ነቲ ዝሓለፍዎ ጕዕዞ ቀው ኢሎም ብኣስተንትኖ ብምምዛን እንሆ ሓሳቦም ጠርኒፎም ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሮም ኣቕሪቦምልና ኣለዉ።
ከምዚ ዘኣመሰለ መሃሪ ጽሑፍ ዝበዝሕ ህዝቢ ብዝርድኦ ቋንቋ እንተ ዝቐርብ ግን ክንደይ ኮን ምጠቐመ።
ሓጺር ድሕረ-ባይታ ኣቦይ ቀሺ
ቀሺ እዝራ ዝተወልድሉ ዘመን ፋሺስታዊ በኒቶ ሙሶሊኒ ንኢትዮጵያ ንምውራር ዓቢይ ምድላዋት ዝገበረሉ ዘመን ነበረ።
ሽዑ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዕቱብ ቍጽጽር ጣልያን ስለ ዝነበረት፡ እቲ ብ1935 ንኢትዮጵያ ንምውራር ዝተኻየድ ቀንዲ ምድላዋት መንቀሊኡ ካብ ኤርትራ'ዩ ነይሩ።
እቲ ዘመን ብኻልእ ሸነኹ ምስ እንርእዮ ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ዝውሕዝሉ ዘመን ነበረ።
ኰይኑ ድማ ስድራቤት ቀሺ እዝራ ጠቕሊሎም ናብ ኢትዮጵያ ገዓዙ።
ሽዑ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ብጽቡቕ ተቐቢላ ተስተናግዶም ነበረት።
ብዙሓት ካብ'ቶም ንኢትዮጵያ ዝፈለሱ ኤርትራውያን መንቛሕቋሕታ ትምህርቲ ስለ ዝነበሮም ድማ ኣብ በብዓይነቱ ስርሓት ተዋፊሮም ከም ሓደ ማሕበርሰብ ተጠርኒፎም ናብርኦም ዘጣጥሕሉ ዘመን ነበረ።
እምበኣርከስ ቀሺ እዝራ ኣብቲ ሃዋህው'ቲ እዮም ተወሊዶም።
ቀሺ እዝራ መባእታዊ ትምህርቶም ኣብ ዳግማዊ ሚኒሊክ ድሕሪ ምጥንቃቕ ንትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ጀነራል ዊንጌት ክቕጽሉ ብመንፍዓቶም ዕድል ረኸቡ።
ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ጀነራል ዊንጌት ልዑል ዝና ዝነበሮ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ እቲ ዝበለጸ ቤት ትምህርቲ ነበረ።
እቲ ኣብ ጕለሌ ዝበሃል ስፍራ (ኣዲስ ኣበባ) ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ጀነራል ዊንጌት ሓውሲ ሃገራዊ ሰንደቕ ሃገር ኰይኑ ካብ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሰ ክስዕ ዘመነ ደርግ ብዙሓት ብኣድማዕነቶም ዝልለዩ ተምሃሮ ዘፍረየ ቤት-ትምህርቲ ነበረ።
እቲ ብእንግሊዛውያን ዝተመስረተን ዝካየድን ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ ብንጉስ ሃይለስላሰ ልዑል ድጋፍ ነበሮ።
ቀሺ እዝራ ብድሕሪ ዊንጌት ትምህርቶም ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዩኒቨርሲቲ ቀጸሉ፣ ብስነ-ትምህርታዊ ሳይኮሎጂ ተመሪቖም ንሕ.መ.ኣ. ብስነ-ምምህርና ብተወሳኽ ክምሃሩ ተጓዕዙ።
ብ1963፡ ኣብ ሰይንት-ፖል (ሚነሶታ) ዝርከብ ዘርኣ-ክህነት (seminary) ተወሳኺ ኮርስ ድሕሪ ምክትታል ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመልሱ። ካብ 1963 ክሳዕ 1966 ከኣ ናይ መካነ-የሱስ ቤተ-ክርስትያን ዋና-ሰክረታሪ ኰይኖም ኣገልገሉ።
ብ1970 ማህደረ-ትምህርቲ ረኺቦም ናብ ሃገረ ሽወደን ትምህርቶም ንምቕጻል ተጓዕዙ፣ ብቲዮሎግያ ከኣ ናይ ዶክቶር መዓርግ ተመረቑ።
እዚ ኣቦይ ቀሺ ኣቕሪቦምዎ ዘለዉ ጽሑፍ ጸብጻብ ህይወቶም ምዃኑ ልዕል ኢሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ርግጽ'ዩ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ብዕድመ ምስ እንደፍእ እቶም ብኽብሪ ዝዓቀብናዮም ተዘክሮታት ናብ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ከነመሓላልፎም ንቡር'ዩ።
ብዙሓት ካባና ግን ነቶም ተዘክሮታት ክሃሱ እናርአና ንዕድላትና ብግቡእ ኣይንጥቀመሎምን ኢና።
ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝመሓላለፍ ልቦና፡ ዛንታ ቤተሰብና፡ ባህላዊ ልምድታትና ክባኽኑ ኣይምተገብአን።
ቀሺ እዝራ ግን ነቶም በብእዋኑ ዝምዝግቡዎም ዝነበሩ ተረኽቦታት ኣዋህሊሎም ንወለዶታት ኣሰጋጊሮም ኣለው።
እታ "ሻሕሻሕታን ነጠብጣብን ዝናብ - ኣስተንትኖታት 50 ዓመት ብዛዕባ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሽወደንን" ዘርእስታ መጽሓፍ (Showers and Raindrops) 45 ምዕራፋትን 326 ገጻትን ዝሓዘት፡ ሓታሚኣ ድማ ቤት ማሕተም ቀይሕ ባሕሪ እዩ (RSP)።
ደራሲ ንኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽወድንን ከኣ'ዮም ወፍዮማ።
ሓንቲ ካብ'ተን ኣብቲ ገበር ኣብ ዕዮ ካይላ ተጸሚደን ዘለዋ ክልተ ኣንስቲ ኣዲኦም ወላዲቶም ንቀሺ እዝራ'የን - ኣደይ ኣስቴር ወልደማርያም ይበሃላ፣ ዓባይ ሓብቶም ንኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ምዃነን'ዩ።
ኣደይ ኣስቴር ዕድመ ጸጊበን (ኣብ ሚእቲ ዓመተን) ብ2,000'የን ዓሪፈን፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤት መቓብር ጸጸራት ከኣ ሓመድ ኣዳም ለቢሰን።
ንሰን ንኣቦና ወልደኣብ ፊደል ዘቝጸራ ኰይነን ኣብ ሕብረተሰባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበራን ጠሊ ገዲፈን ዝተሰናበታን ኣደ ነበራ።
ንኣቦይ ቀሺ ብቐረባ ዝፈልጥ ሰብ ክሳብ ክንደይ ሕያዋይን ምቕሉልን ጽኑዕን፣ ከምኡ'ውን ኣብ እወታውነት ህይወት ረጊጾም ዝጓዓዙ ሰብ ምዃኖም (positivist mindset) ብኡ-ንብኡ 'ዩ ዘስተብህለሉ።
እቲ ፍሉይ ባህሮም ድማ ዝላባዕ መንፈስ ሒዙ ስለ ዘንሳፍፍ ኣንባቢ በቲ ኣቀራርቦኦምን ማዕዳ-ሓዘል ትራኸኦምን - ምስኡ ከኣ ዋዛኦም - በቲ ፈላስፋዊ ኣስተንትኖኦም ይጽሎ'ዩ ክበሃል ይከኣል።
እወ፡ ነቶም ኣብ መጽሓፎም ኣስፊሮሞም ዘሎዉ ዛንታታት ምንባብ እቲ መንፈስ'ቲ ስርሑ ክሰርሕ ይርአ።
ኣቦይ ቀሺ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶምን ዓብዮምን ክነሶም መጽሓፎም ብብዝሒ ብዛዕባ ኤርትራ - ዓዲ መበቈሎም - እዩ ዘውክእ። ስለምንታይ ኢልና ድማ ክንሓትት ይግባእ።
ብመጀመርታ ደራሲ ኣብ መጽሓፎም ኣስሚሮም ኣብ ዝረቝሕዎ ሓቂ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ዕዙዝ ፍቕርን ክብርን ምስጋናን ንኢትዮጵያ ብምቕራቦም'ዩ። ይብሉ ከኣ "ኣነ እዝራ ወዲ ገብረመድህን'የ፣ ኣቦይ ወላድየይ ኣብ ጸግዒ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ኰይኑ ኣብ ማይጨውን ኣምባ ኣራዶምን (1936) እኳ እንተ ተዋግአ፡ ኤርትራውነቱ ከቶ ኣይረስዐን። ኣነ'ውን ከምኡ፣ ብብዙሕ መዐቀኒታት ኤርትራዊ መንነተይ እዩ ዝስዕር፡" ይብሉ።
ቀሺ እዝራ ብ1970 ንሽወደን ምስ ሰገሩ ከም ቀሺ መጠን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራ - ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታትን ዕቝበኛታትን - ምሕዝነትን ርክባትን መስረቱ።
"ትግርኛይ ኣብኡ'የ ኣጽርየ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ደቂ ኤርትራ ብዙሕ'የ ተማሂረ፡" ኢሎም ይምስክሩ።
ኣብ ተዘክሮታቶም ተቐቢኡ ዝተረፈ ድማ - ኣብቲ መስርሕ ምኽዕባት መንነቶም ምዃኑ'ዩ - ንኣቦይ ኣረጋይ ክብረኣብ ኣስሚሮም ይረቝሑ።
ኣቦይ ኣረጋይ ክብረኣብ

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣቦይ ኣረጋይ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብቲ ቀሺ ኣዝራ ዝነብሩሉ ከተማ - ኡፕሳላ - ዝነብሩ ኤርትራዊ ነበሩ።
ታሪኽ ኣቦይ ኣረጋይ ብምልኡ'ኳ ኣይዘንቶ ምሉእ ምዕራፍ ሒዙ'ዩ ቀሪቡ (ምዕራፍ 38፡ ገጻት 259-269)። እቲ ዛንታ ብ2012'ዩ ተጻሒፉ።
መቸም ነቲ ታሪኽ'ቲ ምንባብ ንልቢ ስለ ዝትንክፍ ሃዲእካ ምንባቡ፡ ቍውም ነገሩ ንምዅምሳዑ ድማ ምድጋሙ ይምረጽ።
እቲ ዛንታ ፍዅስ ብዝበሉ ሓረጋትን ረዚን ትሕዝቶን ሒዙ'ዩ ቀሪቡ።
እምበኣርከስ ንኽእለት ኣዘናትዋን መዓሙቝ-ፍልጠትን ምሉእ-ብቕዓትን ኣቦይ ቀሺ ኣብኡ'ዩ ዝልለ።
ንፈለማ እቲ ከም ዛንታ ናይ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ዝመስል፡ ዳግማይ ምስ እነንብቦ ድማ ምስጢር ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝገሃደልና ዝገብር ዛንታ'ዩ ክንብል ንኽእል።
ደራሲ ናይዚ ሓተታ'ዚ ንዛንታ ኣቦይ ኣረጋይ ድሕሪ ምንባብ 'ለካ ከምዚ ኢና' ብምባል ገምጋሙ ኣንቢሩሉ'ሎ - እወ፡ እቲ ትረኻ ብዛዕባ ምዉቕ ፍቕሪ ስድራቤት፡ ግርህነት፡ ሃገራውነት፡ ተወፋይነት፡ መስዋእትነት፡ ሓበንን ግርማን እምነትን ሓደ ሕብረተሰብ ምስ ናብራ ስደት ተኻዊሶም ንቕጅለት ኣቦይ ኣረጋይ ክፈጥር ብምኽኣሉ።
ቀሺ እዝራ ብሓቂ ናይ ምዝንታው ብልጫ ዘለዎም መምህር'ዮም።
ብኣነጋግራ ዛንታ ኣቦይ ኣረጋይ እንዕዘቦ ጕዳይ እንተ'ሎ፡ ንኣንባቢ ኣብ ገሊኡን ሸነኹ ሃለዋቱ ከም ዝስለብ፡ ኣብ ገሊኡን ኣብ መገሻ-ሓሳብ ከም ዝኸትት፡ ኣብ ገሊኡን ምስ ሕልና ከም ዝናቘት፡ ኣብ ገሊኡን ድማ ትዋሕ ኢሉ ከም ዘስሕቕ ስለ ዝገብር'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ቅዲ ኣጸሓሕፋ ቀሺ እዝራ
ቅዲ ኣጸሓሕፋ ቀሺ እዝራ ኣዝዩ ፍሉይ፡ ኣቀራርባኦም ድማ ምቕሉል እዩ።
ሃብታም ምትሕውዋስ ማሕበራዊ ሓተታ እለዎ፣ ህያው መግለጺታትን ትያትራዊ ብልሕን ኣለዎ፣ መብዛሕትኦም እቶም ምዕራፋት ስሉማት ዝርዝራት ሒዞም ስለ ዝቐረቡ፡ ልክዕ ከም ዕምባባ ዝተነስነሶምን ብጥዑም ዕላል ዝተሓዝኡን ንባባት ከይኰኑ ኣይተርፉን ምባል ምግናን ኣይኰነን።
ንልበናኦም ዝገልጽ ሓደ ዛንታ ከም ኣብነት ምቕራብ ይከኣል።
እቲ ዝቐረበ ሓተታ ኣብ መበል 22 ናጽነት ኤርትራ ምዃኑ'ዩ። ኣብ ኡፕሳላ ዝበሃል ከተማ እዩ ተፈጺሙ።
ስልኪ ናይ ኢዶም ጭር ምስ በለት ኣልዓልዋ።
እታ ዝደውለትሎም ሰብ ከኣ "ጽባሕ በዓል ናጽነት ስለ ዝዀነ ከይትተርፉ" ዝብል መልእኽቲ ኣብጽሓትሎም።
ኣቦይ ቀሺ ከኣ ነቲ ዝተገብረሎም ዕድመ ንከኽብሩ፡ "ሕራይ፡ ምምጻእ ክመጽእ'የ፣ ነዊሕ ግን ክጸንሕ ኣይክእልን'የ፡" ክብሉ መልሲ ሃቡዋ።
ሓደ ካልእ ዝፈልጦም ሰብ ከኣ ብድሮኡ ደዊሉ፡ "ምእንቲ ክትባሩኹልና ከይትተርፉ፡" ኢሉ ሓደራ እናበለ ደዊሉሎም ነይሩ'ዩ።
እታ መዓልቲ'ቲኣ ኣቦይ ቀሺ እታ ናይ ኢድ ስልኮም ሓንጊዳ ከተህልኾም ወዓለት፣ እቲ ባተሪ ምምላእ ኣብዩዎም ናብ እንዳ ዓራያይ እንተኸዱ ክሰልጦም ኣይከኣለን።
እታ ናይ ኢድ ስልኮም ባተሪ እንተ ወዲኣ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከም ትኸውን ተረዲኦም ተሸገሩ፣ ብኻልእ ሸነኾም ድማ በቲ ንጽባሒቱ ዝጽበዮም ዝነበረ ጽንብል ነቲ እኩብ ሰብ እንታይ ክብል'የ ብምባል ኣብ ሓሳብ ተዋሒጦም ነበሩ።
ውረድ-ደይብ ኰይኑ ዓቕሎም ጸበቦም፣ ኣብታ ህሞት'ቲኣ ሓደ ነገር ከም ቃጭል ኣብ ሓሳቦም ተደወለ።
እቲ ክብልዎ ዘለዎም ኣብ ኢዶም ምንባሩ ብሃንደበት ተረድኦም። እወ፡ እቲ መልሲ ኣብታ ዝተባላሸወት፡ ምምላእ ባትሪ ዘድልያ ኣብ ኢዶም ዝነበረት ተሌፎን ምንባሩ ተገንዘቡ።
'ኣድላይነት ባተሪ ምምላእ!' ዝብል ሓሳብ ከነው ቢሉ ተተሓሓዞም። እታ ናይ ኢድ ስልኪ ባተሪ እንተ ተጸንቂቑ እሞ ከመይ ኢላ'ያ ክትሰርሕ እናበሉ ከሰላስሉ ነቲ ኣብ'ቲ ጽንብል ዝብልዎ ዝደለዩ ምስጢር ተጋደህሎም።
ሽዑ ንጽባሒቱ ኣብ ደሃይ (dehai.org) ዝበሃል መርበብ-ኤርትራውያን ነዚ ዝስዕብ ዘስምዕ መልእኽቲ ብ27 ግንቦት 2013 ኣቕረቡ።
"ኤርትራ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ውሽጣዊ ባተሪኣ ምምላእ የድልያ'ሎ ... እወ፡ ነቲ ተጸንቂቑ ዘሎ ባተሪኣ ምስ እትመልእ ድማ ናይ መጻኢ ዕድላ ከተሐድስን ከተሐይልን ትኽእል፡" ዝብል ንሕልና መራሕቲ ዝቕስብ ጽፉፍ መልእኽቶም በቲ ዝተጋህደሎም ምሳሌ ብ'መርበብ ደሃይ' ኣቢሎም ንህዝቢ ኣቕረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







