ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ፡ 'ቀዳማይ' ደራሲ ልብወለድ ትግርኛ

'ሓደ ዛንታ' - ብ1927 ተጻሒፋ፡ ብ1949/50 ዝተሓትመት ቀዳመይቲ ልብወለድ ትግርኛ

ምንጪ ስእሊ, IRIS

መግለጺ ስእሊ, 'ሓደ ዛንታ' - ብ1927 ተጻሒፋ፡ ብ1949/50 ዝተሓትመት ቀዳመይቲ ልብወለድ ትግርኛ

እቶም ብ7 ሰነ 1906 ኣብ ኣፈልባ ዝተወልዱ፡ ብ5 ሓምለ 1993 ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረፉ ጸሓፍን ተመራማሪ ስነሃይማኖትን መጽሓፍ መዝሙር እናደገሙ እዮም ዓብዮም።

ንሶም ክቡር ናይ ሃይማኖት ምሁርን ፈላጥን ዜጋን ነበሩ። ኣባ ገብረየሱስ ገና ብንእሽትኦም እንከለዉ'ዮም ብኮሚሳርያቶ ጣልያን ብዛዕባ ሕርሻ ክምሃሩ ዝተሓረዩ።

ዛንትኦም ከኣ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ሰፊሩ ይርከብ፣ ጸሓፍቱ ድማ ኣባ (ዶር) ቴዎድሮስ ኣብርሃን ፕሮፈሰር ራይነር ቮኽት እዮም።

እዞም ክልተ ብታሪኽ ኣዝዮም ግዱሳት ዝዀኑ ጸሓፍቲ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ብርክት ዝበሉ ሓተታታት ዘቕረቡ'ዮም።

ናይ ሎሚ ሓተታና ከኣ ኣብ ጽሑፎም ዝምርኰስ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ዶ/ር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ዓዋተ.ኮም ዘቕረብዎ ግሩም ሓተታ ኣሎ፣ ነቲ ጽሑፍው'ውን ከም መወከስታ ክንጥቀመሉ ኢና።

ግርማይ ነጋሽ ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ (ሕ.መ.ኣ.) ፕሮፈሰር ናይ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃን እንግሊዝን እዮም።

ግርማይ ነታ 'ሓደ ዛንታ' (The Conscript) ዘርእስታ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ብ1927 ዝጸሓፍዋ መጽሓፍ ናብ እንግሊዘኛ ዝተርጐሙን ከም ፈዋኒት ልብወለድ ትግርኛ ኣብ ብዙሓት ኣንበብቲ ክትፍለጥ ዝገበሩ ህርኩት ጸሓፊ'ዮም።

ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ መን'ዮም?

ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ብቐሺ ተስፋጽዮን ፍስሓ ተዀስኲሶም ኣብ ኣፈልባ ድሕሪ ምዕባዮም፡ ኣብቲ ውሩይ ቤት-ትምህርቲ ቅዱስ ምካኤል (ኣብ ሰገነይቲ) ክምሀሩ ተላእኩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ከረን ዝርከብ ዝነበረ ዘርኣ-ክህነት ካቶሊክ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዕድል ረኸቡ።

ኣብኡ ከኣ'ዮም ትግረ ዝተማህሩ።

ኣብ ዓሰርተ-ሸሞንተ ዕድሚኦም ንዓዲ ጣልያን (ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ኮለጅዮ-ኤትዮፒኮ) ክመሃሩ ምስ ተላእኩ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዓመት ክወስድ ዝግብኦ ትምህርቲ ብሰለስተ ዓመት ክጭርስዎ ከኣሉ።

ኣይጸንሑን ከኣ ፍልስፍና ክመሃሩ ጀመሩ፣ ኣብ ሰለስተ ዓመቶም ንትምህርቲ ፍልስፍና ድሕሪ ምዝዛሞም፡ ስነሃይማኖት (ተዎሎግያ) ተማህሩ፣ ብናይ ፍልስፍና ዶክተር መዓርግ ከኣ ተመረቑ።

ኣባ ገብረየሱስ ኣብ ዓዲ ጣልያን ትምህርቶም ምስ ዛዛሙ ናብ ኣስመራ ተመልሱ፣ ብኣቡነ ኪዳነ ማርያም ካሳ ተቐቢኦም ከኣ ቅስና ለበሱ።

ምኽትሎም ኰይኖም ድማ ንሸውዓተ ዓመት ኣገልገሉ።

ጣልያን ምስ ተሳዕሩ መብዝሕትኦም ሚስዮናውያን ካቶሊክ ፋሕ-ፋሕ ክብሉ ጀመሩ፣ መንበረ ጵጵስና ሮማ ኸኣ ንደቀ'ባት ኣቕሽሽቲ ነቶም ካብ ስርሖም ዝተመዛበሉ ፈረንጂ ክትክእዎም ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።

ኰይኑ ድማ ኣቡነ ኪዳነማርያም ንሸውዓተ ደቀ'ባት ኣቕሽሽቲ (ኣባ ገብረየሱስ ዝነበርዎ) መልሚሎም ነቶም ብጣልያን ኣቕሽሽቲ ጥርሖም ዝተገደፉ ስርሓት ከም ዝትክኡ ተገብረ።

በቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ መሰረት ኣባ ገብረየሱስ ብ1942 ንኣዲስ ኣበባ ተላእኩ።

ካብ 1944 ጀሚሮም ድማ ክሳዕ 1948 ከም ዋና ምክትል ሊቀ ሃገረ ስብከት ኰይኖም እናገልገሉ ነቶም ዝተዓጽዉ ኣብያተ ክርስትያን ዳግም ናይ ምኽፋትን ማሕበረሰባት ካቶሊክ ምህናጽን ዝጠፍአ ንብረት ከኣ ናይ ምእካብን ሓላፍነት ተሰከሙ።

ብድሕሪኡ ኣባ ገብረየሱስ ብስራሕ ንእየሩሳሌም ተላእኩ፣ ካብኡ ከኣ ኣብ ዓመቱ ንሮማ - ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ልጡርግያዊ ጽሑፋት ናይ ምእራም ስራሓት ንኽዋስኡ ተላእኩ።

ትኵርን ስልጡን ስለ ዝነበሩ ድማ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከም ባህላዊ ኣታሸ ኰይኖም ከገልግሉ ተመዘዙ።

ብ1960 ኣባ ገብረየሱስ ንኣዲስ ኣበባ ክምለሱ መጸዋዕታ ተገብረሎም፣ ተመሊሶም ከኣ ኣብ ምኒስትሪ ሓበሬታ ኣብ ክፍሊ ምርምር ስነጽሑፍ ተመደቡ።

ኣብኡ ከኣ ክሳዕ ደርግ ዝኣተወሉ ዘመን (1974) ኣገልገሉ።

ኣብ ዘመነ ደርግ ከም ፕረሲደንት ናይ ብሔራዊ ኣካዳሚ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኰይኖም ንሓያሎ ዓመታት ኣገልገሉ።

1927፡ 'ሓደ ዛንታ' ዝተደርሰትሉ ዘመን

ብዶ/ር ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ተደሪሳ ብፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ናብ እንግልዘኛ ዝተተርጐመት 'ሓደ ዛንታ'

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ብዶ/ር ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ተደሪሳ ብፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ናብ እንግልዘኛ ዝተተርጐመት 'ሓደ ዛንታ'
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣባ ገብረየሱስ እታ ድሒራ ብዙሕ ተፈላጥነት ዝረኸበት መጽሓፎም ብዛዕባ ሓደ ትኳቦ ዝስሙ ብዘመን ጣልያን ዝተዓስከረ መንእሰይ እያ እተዘንቱ።

ኣታ መጽሓፍ (ብኣሕጽሮ) 'ሓደ ዛንታ' እዩ ኣርእስታ (ብእንግሊዘኛ ከኣ The Conscript)።

ኣባ ገብረየሱስ ብጐበዞም (ኣብ 20-21 ዕድሚኦም) መዘነታቶም ብጣልያን ተተሳሒቦም ንሊብያ ንውግእ ክወፍሩ ይርእዩ ስለ ዝነበሩ፡ በቲ ጉዳይ ክጽሕፉ ብሕልናኦም ተገደዱ ይበሃል።

ንምዃኑ እታ መጽሓፍ ብዘመነ እንግሊዝ ኣብ 1949/50 እያ ተሓቲማ። ምኽንያቱ፡ ንገዛእቲ ጣልያን ኣዝያ ትነቅፍ ዛንታ ስለ ዝነበረት፡ ብዘመኖም ክትሕተም ዘበት ነበረ።

ኣባ ቴዎድሮስ ከም ዘዘንትዉዎ እታ መጽሓፍ ብሓልዮት 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' እያ ተሓቲማ።

እታ መጽሓፍ ልበ-ወልድ'ኳ ትዅን ብዛዕባ ዘበን ጣልያን ብዝሰዓቡ ሓቀኛ ተረኽቦታት'ያ እተዘንቱ።

ብቐዳምነት እቲ ዛንታ ማሕበረሰብ ኤርትራ ምስ ጣልያን እንታይ ዓይነት ርኽክባት ከም ዝነበሮ፡ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ከመይ ኣቢሎም ዘመናዊ ምዕባለታት ከም ዘተኣታተዉ ከም ድሕረባይታ ብምግባር ቀስ ኢላ ናብ ቀንዲ ትሕዝቶኣ - ናብ ዘበን ትሩቡሊ -ትሰግር።

ብ1912 ብጣልያን ዝተዓስከሩ መንእሰያት ኣብ ሊብያ ዝረግፉሉ ዝነበሩ ዘመን ኰይኑ፡ ኣውራ ግን ብትኳቦ - እቲ ቀንዲ ተዋናዪ - ከመይ ኢሉ ካብቲ መቕዘፍቲ ከም ዝደሓነ ብግሩም ኣግባብ'ያ ኵነታቱን ኵነታት ኤርትራን እትገልጽ።

እቶም ዓሰክር ጣልያን፡ (ኤርትራውያን መንእሰያት) ኣብ ውግእ ብጾቶም ክረግፉ ይርእዩ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ኵነታቶም ቀስ ኢሉ እናተረድኦም ይኸይድ ነበረ፣ እዚ ከኣ ብጣልያን ተጓሪቶም ኣብ ውግእ እንዳማቶም ጠኒኖም ክኣትዉን ክረግፉን ንገዛእቲ ጣልያን ከርብሑ'ምበር፡ ኤርትራ ዘይትረብሓሎም ዉግኣት ምዃኖም ክግለጸሎም ከም ዝኸኣለ እያ እተዘንቱ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ትኳቦ ብዕድል ካብ'ቶም ዉግኣት ድሒኑ ካብ ሊብያ ንኤርትራ ምስ ተመልሰ ኣዲኡ ሞይታ ጸንሓቶ። ነቲ ዛንታ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ - ህልቂት መንእሰያት - ንምርዳእ ሃዲእካ ምንባቡ የድሊ።

መሸም 'ሓደ ዛንታ' እተዘንትዎ ዛንታ ብሰለስተ ሸነኻታ ክርአ ይግባእ ይብል እቲ ጽሑፍ፡

  • ሃገራዊ ስምዒት እትቕስቅስ
  • ስነጽሑፍ ትግርኛ ክተኣታቶ መንገዲ ዝገልሀት
  • ንፈለማይ ግዜ እቲ ሓቀኛ ተረኽቦታት መግዛእቲ ጣልያን ዘቃልዐት ብምዃና፡

ብኣድናቖት እትርአ መጽሓፍ ዛንታ'ያ ... በቲ ዘመን'ቲ ... ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ካብ ትግርኛ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ተተርጒማን ጽቡቕ ኣፍልጦ ዝረኸበትን እንኮ መጽሓፍ'ያ ክበሃል ይከኣል።

ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብታ 'ታሪኽ ስነጽሑፍ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ' (A history of Tigrinya literature in Eritrea) እትብል መጽናዕታዊት መጽሓፎም፡ 'ሓደ ዛንታ' ቀዳመይቲ ልብወለድ ትግርኛ ምዃና ጽሒፎም ኣለዉ።

ብቕዓትን ብልሓተኝነትን ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ኣብኡ ጥራይ ተሓዚኡ ኣይተረፈን።

ንሶም ብዛዕባ 'ምስጢረ-ፊደላት ግዕዝ' ሓደ ናይ ምርምር ጽሑፍ ከቕርቡ ዝኸኣሉ ካህን ነበሩ።

ምስኡ ከኣ ኣብ ማሕተም ዘይበጽሑ በዚ ሕጂ ክሕተሙ ተስፋ ዝተነብሮም መጻሕፍቲ ኣለዉ - ከም እኒ 'ናይ ሃጸይ ቴድሮስ ትራጀዲ (ነብሰ-ቕትለት)'፡ ሓሙሽተ ቅጽታት፡ ኵሉዅሉ ማዕረ 620 ዝገጻቱ 'ናይ እግዝእትነ ማርያም ስብሓታት' ከምኡ'ውን 'ታሪኽ ህይወት ብጹእ ገብረሚካኤል' ዘኣመሰሉ ሰነዳት ኣዳልዮም'ዮም እዮም።

እዞም ቋንቋታት ግእዝን ላቲንን ብግቡእ ዘጽንዑ፡ ንቛንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ጣልያንኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ከምኡ'ውን እንግሊዘኛ ዝመልኩ ምሁር፡ በታ ፋልመይቲ መጽሓፎም ኣቢሎም ('ሓደ ዛንታ') ንመጀመርታ እዋን ዓሳክር ጣልያን ዝረኸቦም መከራ ዘጋለጹ ዜጋ ነበሩ።

ኣባ ገብረየሱስ ዋላ'ኳ ብ'ኢትዮጵያውነቶም' ዝሕበኑን ኣብ ምግንጻል ኤርትራ ዘይኣምኑን እንተ ነበሩ፡ ከም ናቶም ገይሩ ተቓዋምነቶም ብዓውታ ዘቃልሐን ከምኡ'ውን ብጸገማት ኤርትራ (ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን) ኣነጺሩ ዝገለጸን ምሁር ሰብ ኣይርከብን ክበሃል ይከኣል።

ኣባ ቴዎድሮስ ኣብርሃ ከም ዝብልዎ፡ ኣባ ገብረየሱስ ኣብ ዘመን ረፈረንዱም ኤርትራ ሓሳቦም ከም ዝለወጡ ይጠቕሱ። ብዛዕብኡ ተወሳኺ ሓበሬታ ግን ኣይሃቡን።

ኣብ መደምደምታ ናይዚ ሓተታ'ዚ እንሆ እቲ ብፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ዝቐረበ ርእይቶ ንውስኸሉ።

ኣብ ምርምር ታሪኽ ሓደ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ኣምር ኣሎ፣ ንሱ ከኣ እቲ"ታሪኽ ይድገም'ዩ" ዝብል ብሂል'ዩ ይብሉ ተመራማሪ ግርማይ ነጋሽ።

"ሎሚ'ውን ኣብ ኤርትራ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ድርሰት ዘዘኻኽር ተመሳሳሊ ኵነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ንኽልቲኡ ክውንነታት፡ ነጻጺልና ዘይኰነስ፡ ከም ዝተኣሳሰረ ሃገራዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ገይርና እንተ ርኢናዮ፡ እቲ ተመሳሳልነት ብኽልተ ኣግባቡ ክበርሃልና ይኽእል፡" ኢሎም ይምጕቱ ፕሮፈሰር ግርማይ።

"ብሓደ ወገን፡ እቲ ተኻታታሊ ኲናት፡ ዕስክርናን ጭቆናን ዝፈጠሩዎም ውሕጅ ሽግራትን ሕሰማትን ንኤርትራ ኣዕለቕሊቖም ንህዝባ ናብ ባዳ ምድረበዳን ደልሃመት ባሕርን ዝደፍእሉ ክውነንት ተፈጢሩ ከም ዘሎ፡ እቲ ካልኣይ ሸነኹ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ 'ግዜ ትርቡሊ፡ ካህን ደራሲ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ንዅነታት እቲ ህዝቢን ሃገርን ተገንዚቦም ኣንጻር ምምሕዳር ጣልያን ዝወሰዱዎ ናይ ምስክርነትን ነቐፌታን ስጕምቲ፡ ሎሚ'ውን ኵነታት ሃገርን ህዝብን ዘሻቐሎምን ዘሕሰቦምን ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ብግልጺ ተዛሪቦም'ዮም፣ ነቐፌታኦምን ምሕጽንታኦምን ከኣ ኣቕሪቦም'ዮም።

"ምናልባት ኣብ መንጎ ጽሑፍ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉን (ኣብ 'ሓደ ዛንታ') ናይቶም ኣርባዕተ ኣቡናት ጽሑፍ - ኣብቲ "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?"ን ፍልልይ እንተሃልዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሕሉፍ ስቓይ ዓሳክር ኤርትራውያን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝገልጽ ታሪኻዊ ልቢ-ወለድ እንክኸውን፡ እዚ ዳሕረዋይ ከኣ ህያው ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝርዝር ዝስንድ ምዃኑ እዩ፡" ብምባል ነቶም ናይ ትማልን ሎምን ተርእዮታት የተኣሳስርዎም።