ትግራይ፡ ደበና ሓድሽ ኲናት ኣንፀላልዩዎ ዘሎ ሻቕሎት

ምንጪ ስእሊ, FB
ኣብታ ገና ካብ በሰላታት ኲናት ዘይሓወየት ክልል ትግራይ ሕጂ'ውን ሓድሽ ስግኣት ኲናት ኣንፀላልዩዋ፡ ነበርታ ኣብ ሻቕሎት ጥሒሎም ይርከቡ።
ቅድመ ክልተ ሰሙን ኣብ ፀለምቲ ተራእዩ ዝነበረ ግጭት፡ ጠጠው'ኳ እንተ በለ፡ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ህዝባዊ ሻቕሎት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ቢቢሲ ትግርኛ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
መንቀሊ እቲ ስግኣት እንታይ'ዩ?
ምስቲ ኣብ ከባቢ ፀለምቲ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ትግራይን ዝተፈጥረ ግጭት፡ ብዝዛመድ፡ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ካብን ናብን - ትግራይ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ንቡር ምምላሱ ዝዝከር እዩ፣ ብመጠኑ እንተዀነ'ውን እቲ ተባሊሑ ዝነበረ ወጥሪ ዝሒሉ ተራእዩ።
ብፍላይ ምስ ገንዘብን ዕዳጋን ተዛሚዱ ግን፡ ባንኪታት እኹል ገንዘባዊ [ካሽ] ምንቅስቓስ ዘይምህላዉ ኣብ ዕዳጋ ሰፊሕ ቅልውላው ፈጢሩ ከም ዝርከብ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልፁ።
እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቓት ትግራይን ዳግማይ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት ኰይኑ ከም ዘሎ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ይገልጹ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል ዝሰርሕ፡ ኣብ መቐለ ዝነብር ውልቀሰብ፡ በቲ ኣብ ዝቃነ ዘሎ ኲናትን ወረ ኲናትን፡ እቲ ትካል ስራሕ ዳርጋ ጠጠው ኣቢሉ ከም ዘሎ ይዛረብ።
"ናብ ወረዳታት ተታሒዙ ዝነበረ ውጥን ጠጠው ኢሉ ኣሎ፤ መሳርሕትና ዝነበሩ ደቂ ካልእ ዓዲ- ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝመፅኡ'ውን ስግኣት ጸጥታ ከም ዘሎ ስለ ዝተረጋገፀ፡ ካብ ትግራይ ወፂኦም ናብ ከባቢኦም ክኸዱ ናብ ኣዲስ አበባ ተፋንዮም ኣለዉ፡" ኢሉ።
"ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ፡ ሎሚ ፅባሕ ኲናት ክጅመር እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ፤ እቲ ምድላዋት'ውን ከምኡ እዩ ዝመስል፤ ካብ ወረዳታት እንሰምዖ ከምኡ እዩ ዘሎ፤ ደስ ዘይብል መንፈስ እዩ ዘሎ፡" ክብል ወሲኹ።
እቲ ዘዘራብናዮ ሰራሕተኛ ከም ዝብሎ፡ ንጥፈታት እቲ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ኢሉ ዘሎ፡ ብወረያ ወረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ 'ሓላፊ ሰኲሪቲ' ናይቲ ትካል፡ ብዝረኸቦ ጭቡጥ ሓበሬታ መሰረት እዩ።
ኣቶ በርሀ ኣርከበ ዋና ፀሓፊ ማሕበር ዘፈር ንግዲ ከተማ መቐለ እዩ።
ኣቶ በርሀ፡ ብቐንዱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝውረዩ ዘለዉ ወረታት፡ ኣብ ማሕበረሰብን ንግድን ሰፊሕ ቅልውላው እዩ ፈጢሩ ይብል።
"ካብ መንግስታት እዚ ዝበልዎ የሎን፤ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ እቲ መንቀሊ፣ ኣብኡ ዝሕል እንተ ኢላ ዕዳጋ ዝሕል ይብል፣ እንተ ተዋዓዊዓ ድማ ከምኡ ቅልውላው ይረአ ኣሎ፡" ኢሉ።
"ብቐንዱ ለውጢ ዘርኢ ዘሎ ካብ ደገ ኣብ ዝመፅኡ [ኢምፖርት ዝዀኑ] ኣቝሑ እዩ፤ ኣብ ካልእ ንኣብነት ኣብ እኽልን ተዛመድትን ደሓን እዩ ብዙሕ ለውጢ ኣይተረእየን፣ ምኽንያቱ ኰናት እንተ ተጀሚሩ፡ ለከ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ክዕፀ እዩ ዝብል እዩ እቲ ስግኣት፡" ክብል ኣብሪሁ።
ከም ኣብነት፡ ኣብ ዘይቲ፡ ሽኮር፡ ፓስታ፡ ሩዝ ዝኣመሰሉ ልዑል ለውጢ ተራእዩ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ትሕቲ 2,000 ዋጋ ዝነበረ ብዓል 5 ሊትሮ ዘይቲ፡ ናብ 2፣200 ብር ሓፍ ኢሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ዝለዓለ ናይ ዋጋ ናህሪ ዝተርአየ ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣት እዩ፤ ሰብ'ውን ኣብኡ እዩ ትዅረት ገይሩ ተጓይዩ። ንዕኡ እዩ ጫወጫው ዝፈጠረ፡" ኢሉ።
ብፍላይ ቀዲሙ ኣብ መቐለ ዓብዪ ምንጋዕ ዕዳጋ ከም ዝፈጠረ ቀፂሉ - ካብኡ ተረባሪቦም ስለ ዝወሰዱ ፡ እቲ ጸገም ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ከም ዝተርአየ ተዛሪቡ።
መምህር ፍሰሃ ገብሩ፡ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ነባርን ነጋድን ኰይኑ፡ ኣቦመንበር ዘፈር ማሕበር ነጋዶ እዩ።
ንሱ'ውን፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ግጭት ምስ ተጀመረ፡ እቲ ነጋዳይ ምስቲ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ዝመሳሰል ኵነታት ክፍጠር እዩ ብዝብል ሓውሲ ስግኣት ከም ዝነበሮ ይዛረብ።
"ነዚ ስዒቡ ንብረት ምሕባእ፡ ምሓዝ፡ ኣብ ኣቝሑት ዘይመጣጠን ዋጋ ምውሳኽ ተራእዮም ነይሮም። ብፍላይ ኣብ ማተርያላት፡ ኣብ መግቢ ተንከፍን ካልኦትን ናህሪ ዋጋ ተራእዩ ነይሩ። ኮታስ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ዘድልዩዎ ነገራት ኣብ ኵሉ ወሰኽ ነይሩ፤ ባንኪ ክዕፆ እዩ ብዝብል ስግኣት ዝነቐለ ድማ፡ ጥረ ገንዘብ ምሓዝ ተፈጢሩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ምስ መንግስታዊ ኣካላትን ብምትሕብባር፡ እቲ ነጋዳይ ናብ ንቡር ንኽምለስ ፃዕርታት ከም ዝገበረ ተዛሪቡ። ኣብ ገለ ገለ ነጋዲ'ውን ክሳብ ምዕሻግ ዝበፅሕ ስጕምቲ ከም ዝተወሰደን እቲ ግጭት ምስ ሃድአ ተዓርዩ ከም ዝነበረን ይዛረብ።
"ድሕሪኡ እቲ ዕዳጋ ምልስላስ ኣሎ፤ እቲ ስክፍታ ግን ዛጊድ ኣሎ፤ ኲናት ክኽፈት እዩ ዝብል ወረታት ስለ ዝስማዕ፡ መናእሰይን ነጋዶን ምህዳም፡ ናይ ኣየር በረራታት ምጭንናቕ ይረአ ኣሎ።"
ኣብቲ ነጋዳይ ቅርሺ ንዓይንኻ ዘይትርእየሉ ኵነታት ተፈጢሩ ከም ዝነበረን ብቕርሺ እንተዀይኑ ኣብ 100,000 ናይ 20,000 ኣፈላላይ በፂሑ ምንባሩ ይዝክር። ከምኡ'ውን ገለ ገለ ሰባት ትራንስፈር ኣይንቕበልን ዝብል ዝንባለታት ነይሩ።
እቲ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ትካል፡ ምስ ዕዳጋታት ተተሓሒዙ፡ ካብ ግጭት ፀለምቲ ጀሚሩ፡ ባንክታት ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝንቀሳቐስ ቅርሺ ከም ዘይብለንን ይዛረብ።
"ኣነ ንባዕለይ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ቅርሺ ዝበሃል ኣየውፃእኹን፣ ኣብ ባንኪ ከይድካ ቅርሺ የለን፣ ከቢድ ዝዀነ መሰረታዊ ፀገም እዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ክሳብ ሕዚ 'ትራንስፈር' እዩ ዝጥቀም ዘሎ ሰብ፣ ኵሉ ሰብ ትራንስፈር ዘይክጥቀም ይኽእል እዩ። ምናልባት ኲናት እንተ ተጀሚሩ እዚ 'ትራንስፈር' እውን ዘይክሰርሕ ይኽእል እዩ። ሰብ ኣብ ከቢድ ናይ ኢኮኖሚ ስግኣት እዩ ዘሎ።"
ኣብ ርእሲ ምሕባእን ዋጋ ምውሳኽን፡ ኣብ ቀረብ'ውን ብጭቡጥ ሕፅረት ከም ዘሎ ኣቶ በርሀ ተዛሪቡ።
ሕጂ ድማ መንግስታት፡ ዘተ ከካይዱ ጀሚሮም ኣለዉ ዝብሉ ወረታት ስዒቡ፡ ኣብዚ ክልተን ሰለስተን መዓልታት ምርግጋእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ነበርቲ እውን እቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ጸገም የጕልሑ ኣለዉ።
ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝርከባ ባንክታት ካብ ታሕሳስ 2025 ጀሚረን ጥረ ገንዘብ ስለ ዝወድአ፡ ዓማዊል ገንዘብ ከውፅኡ ከም ዘይክእሉ ይገልፃ።
ብፍላይ ድማ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፡ ዘመናዊ ተሌፎን ዘይብሎምን ኣጠቓቕማ እቲ ቴክኖሎጂ ዘይፈልጡን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ኣቶ በርሀ ይዛረብ። ማሽናት ገንዘብ - ኤቲኤማት - እውን ዝበዝሓ ኣይሰርሓን ዘለዎ ተባሂሉ።
ስለምንታይ ከምኡ ከምዝዀነ ግን፡ እተን ባንክታት ርእይቶ ንምሃብ ቍሩባት ኣይኰናን።

ካልእ ወረያ ወረ
ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ካልእ መንቀሊ'ውን ኣለዎ።
ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ናብ ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ ዝብል ወረ እዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነጋዶን ነበርትን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኵሎም እዚ ወረታት ከም ዝሰምዑ ይዛረቡ።
እንተዀነ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ንምፅራይ ብዝገበሮ ፃዕሪ፡ ብፍላይ "ብራማን ብወገን ሸራሮን ኣትዮም፡ ክሳብ ተምቤን ተራእዮም" ዝብል 'ሰሚዐ' ካብ ዝብል ወፃኢ፡ 'ወተሃደራት ርእየ' ኢሉ ዘረጋግፅ ምስክር ዓይኒ ኣይረኸበን።
መምህር ፍስሃ፡ "ኲናት ዝበሃል ነገር እንተ ዘይመፅእ ኢና ንመርፆ። በዚ ዘይሻቐል እንተሎ እንድዒ - ብፍላይ ንሕና ኣብቲ ዝሓለፈ ብቐጥታ ዝተጐዳእና ስለ ዝዀንና፡ ናይቲ ኲናት ሰለባ ኴንና ተጠቃዕቲ ኢና፤ ስለዚ ንሕና ቍጠባና ክሓዊ ንደሊ፤ ክንነግድ ክንህፍትም - ወጺእና ክንኣቱ ኢና ንደሊ፤ ስለዚ ከም ነጋዶ እዚ ኲናት እዚ ደው ክብል ኢና ንደሊ፡" ኢሉ።
ኲናት ብዝምልከት ምልዕዓላት እንተሎ ዝሓተትናዮ እቲ ኣቦመንበር፡ ኣብ ቀፃሊ ዝተፀወዐ ኣኼባታት ከም ዘሎ ኰይኑ ግን፡ ተመዛበልቲ ክምለሱ እንተዀይኖም ገንዘብን ዓይነትን ንምውፃእ ከምኡ'ውን ሓደሽቲ መምርሒታት ንግዲ ንምዝታይ ዝብል ኣጀንዳ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።
ሕዚ ምስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብ ሰሜን ገፁ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣሎ ዝብል ተደሚሩ እዩ - ትግራይ ዳግማይ ዓውደ ኲናት ክትከውን ድያ ዝብል ሓያል ስግኣት ዘሎ።
እቲ ኣብ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሰርሕ ክኢላ፡ "ዘይስሩዕ ወራታት'ውን ኣለዉ፤ ግፋ ክጅመር እዩ ዝብል ወረ ኣሎ፤ ብሰንኪ እዚ ብዙሕ መንእሰይ ዓዲ ሓዲጉ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ብዙሕ ወላዲ ኣብ ሻቕሎት ኣሎ። እዚ ዅሉ መንእሰይ መስዋእቲ ዀይኑ፡ ኣካለ ጐደሎ ዀይኑ፡ 'እዚ እናረእኹ ናብ ካልእ ኲናት ኣይኣቱን' ብዝብል ፤ መንእሰይ ፈቖዶ እናተበተነን እናተሻቐለን እዩ ዝርከብ፡" ኢሉ።
"ኲናት ናብ ታሕቲ'ምበር ናብ ላዕሊ ክወስደና ስለ ዘይክእል፡ ዝምልከቶም ኣካላት ደጋጊሞም ክሓስብሉ ኣለዎም እብል።"
እንታይ ተባሂሉ ነይሩ?
ኣብዚ እዋን ህወሓት ምስ ኤርትራን ፋኖን ኰይኑ ክወግኣና ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲታት ይስማዕ ኣሎ።
ከምኡ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ገለ ኣብ ሰሜን ምብራቕ እታ ሃገር ዝሓዞም ግዝኣታት ክለቅቕ ካብ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ናብታ ሃገር ዝተልኣኸ ደብዳበ፡ ምስቲ ዝፀንሐ ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ተኣሳሲሩ፡ ነቲ ወጥሪ ኣኽሪርዎ ኣሎ።
ኤርትራ ግን ናብቲ መኣዲ ኢትዮጵያ ኢዳ ኣይተአቱን ዝብል ሓፂር ምላሽ ብምሃብ፡ ነቲ ክሲ ነፂጋቶ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ይገብር ከም ዘሎን ንኻልእ ዙር ኲናት ይዳሎ ኣሎ ክብል ምኽሳሱን ይዝከር።
ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ፡ ንሓደ ስሙ ዘይፀርሖ ምዕራባዊ ዲፕሎማት ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ፈደራል ካብ ኣምሓራን ኦሮምያን ናብ ጥቓ ዶባት ትግራይ ምንቅስቓስ ከም ዝገበረን ምስ ሓይልታት ትግራይ ምፅግጋዕ ከም ዘሎን ፀብፂቡ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ብፍላይ ብወገን ምዕራብ ትግራይ፡ ምንቅስቓስ ብዝሒ ዘለዎም ሰራዊት ፈደራልን ከበድቲ ኣፅዋርን ከም ዘሎ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ካብ መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ ግን የሎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







