ትግራይ፡ ኣጋንእ መዐደሊ ነዳዲ ጥርሖም ዝገበሮም ምኽንያት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Girmay Gebru/BBC
ኣብ ሕምብርቲ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ነቝጣታት መዐደሊ ነዳዲ ጽምዋ ዝሰፈኖም ንመዘከርታ ዝተሰርሑ ቦታታት መሲሎምይርኣዩ። ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ሱፐርማርኬታት ተዓጽዮም'ዮም።
እቶም መዓልታዊ ዋጋ ነዳዲ ዝሕብሩ ዲጂታዊ ስክሪናት፡ ገለ ዝህቡዎ እዋናዊ ሓበሬታ የብሎምን፤ መኪና ዝኣትዋሉን ዝወጽኣሉን በሪ መሸንቶኦም ተዓጽዩ ዶሮና ይእክብ ኣሎ።
ኣብ ቀጽሪ ገሊኡ ነቑጣ መዐደሊ ነዳዲ ድማ ኣኽላባት ደቂሶም ይርኣዩ።
ኣብ ዙርያ እዞም ነቝጣታት መዐደሊ ነዳዲ ኰነ ኣብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት እታ ከተማ ግን፡ ብጀሪካንን ዝተፈላለዩ ማይ መትሓዚ ፕላስቲክን ብጸሊም ዕዳጋ ነዳዲ ብዝሸጡ መንእሰያት ዝተኸበቡ'ዮም።
ነበርታ፡ ነታ ከተማ መዓርግ ዝህቡዋ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ ጐደናታት ድማ፡ ብሰንኪ ኣብ እግሮም ብዝፈስስ ነዳዲ ክደርቍ ይዕዘቡዎም ኣለው።
ካብዚ ብዝኸፍአ ግን፡ ኣብቲ ክልል ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ብስሩዕ ዝቐርብ ነዳዲ፡ ወጻኢታት መጓዓዝያ ካብን ናብን ልዕሊ ዓቕሚ ይዀኑ፡ ዋጋ ሸቐጣት ይኸብሮን ምንቅስቓሳቱ ይድረትን ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት ይገልጹ።
እዚ፡ ነቶም ኣብ ግዳም ዝነግዱ ቈልዑን መንእሰያትን ኣብታ ብሰንኪ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ሓያሎ ጽላታት ቍጠባ ዝዓነውዋ ክልል፡ ናብራኦም ክደፍእሉ ዝኽእሉ ብሕታዊ መገዲ እዩ።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ከቢድ ሕጽረት ቀረብ፡ ንወነንቲ መዐደሊ ነዳዲ፡ ዓቢይ ክሳራን ተስፋ ምቝራጽን የስዕብ ኣሎ። ነቲ ተራ ሕብረተሰብ ድማ፡ ዕለታዊ ኣድላዪ ንዘይኰነ ወጻኢታት መጓዓዝያን ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣትን የቃልዖ ኣሎ።
ኣቶ ጽጋብ ሃይሉ፡ ወናኒ ክልተ ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ ኣስታት 70 ነቝጣታት መዐደሊ ነዳዲ ኰይኑ፡ እተን ኣብ መቐለን ማይጨውን ዝደኰነን ነቝጣታት፡ ነዳዲ ብዘይምርካበን ካብ ዝዕጸዋ ልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ሓሊፉወን ኣሎ።
እዚ ጸገም ከጋጥም ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝገበረ እዩ ዝጠቅስ።
"ልዕሊ 100 ሽሕ ሊትሮ ኢና ንሸይጥ፡ ሕብረተሰብ ነገልግል ነይርና። መካይን ኣዚዝና ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ኣይመጽእን፡ ምኽንያቱ ኣይበርሃልናን፡" ዝብል ኣቶ ጽጋብ፡ "ንሓንቲ መኪና ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ኢና ንኸፍል። ግን እቶም ሰብ መካይን'ውን ናብ ትግራይ ክብሃል ከሎ ኣይጽዕኑልናን፡" ኢሉ።
ንሱ፡ እቲ ናብ ዕዳጋ ዘቕርቦ ዝነበረ ነዳዲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ከም ዘጽዕኖ ይገልጽ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነዳዲ ከእቱ ፈቱኒ ከይሰመረሉ ዝጸንሐ ዋና ናፍጣንን ቤንዚንን ዘቕርብ መዐደሊ ነዳዲ ዝዀነ ኣቶ ጽጋብ፡ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ፈተነ ኣብ ማይጨው ናብ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲ ሓንቲ ቦጥ ከም ዝረኸበ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ትሕቲ እተን ትካላት ተቘጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 38 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክቦኽሩ ከም ዝተገደዱ፣ ነዳዲ ንምጽዓን ካብ 50 ክሳብ 100 ሽሕ ብር "ብላዕ" ከም ዝሕተቱ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ካብ ናይሮቢ ብቴሌፎን ደዊልና ዝገበርናዮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣቶ ጽጋብ ነቶም ኣብ ዙርያ ቀረብ ነዳድን ካልኦት ሕልኽላኻትን ዝርኣዩ ዘለው ጸገማት ከቢድ ቍጠባውን ስነ-ልቦናውን ሃሰያ ከብርህ እንከሎ፡ ድምጹ ኣዝዩ ዝተዳኸመን ተስፋ ዝቘረጸን ይመስል ነይሩ።
"ኣብ ስራሕ የለናን ክብሃል ይኽእል፤ ስራሕና ምስ ባንኪ ዝተትሓሓዘ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን ንባንኪ ንሰራሕተኛ ክንከፍል ኣይክኣልናን። በቃ ሞራልና ተሃስዩ'ዩ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Girmay Gebru/BBC
'ነጋዶ ብማዕዶ'
ነበርቲ፡ እቲ ካብ መወዳእታ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ደው ንምባል ድሕሪ ዝተበጽሐ ዘላቒ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምንቅስቓስ እቲ ክልል ናብ ንቡር ክምለስ ልዑል ሃንቀውታ ነይሩዎም።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ማይ፡ መብራህትን ቴሌኮምን ናብ ስሩዕ ኣገልግሎት'ኳ እንተ ተመልሱ፡ እቲ ኲናት ዘብረሶ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ኰነ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድናታት መሪሕነት እቲ ክልል ገና ኣይደልደለን።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ምምሕዳር ብጕድለት ባጀት፡ ተፈናቐልቲ ዝርከቡዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝጠልቡዎ ትዅረት ምውሓድ ዝርከብዎም ምክሳሳት ክስምዑ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከቡ፡ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ'ውን ብፍላይ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዘየቋርጽ ናይ ጥርዓን ደብዳበታት ናብ ምኒስትሪ ንግድን ቍጠባን፡ በዓል መዚ ነዳድን ጸዓትን ከምኡ'ውን ንኣቕራቢ ትካል ነዳዲ ኢትዮጵያ ክጽሕፍ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ (ካብ ነሓሰ 2025 ክሳብ ጥሪ 2026) ሰለስተ ግዜ ናብ ምኒስትሪ ንግድን ቍጠባዊ ምትእስሳርን፡ በዓል መዚ ነዳድን ጸዓትን ፈደራል ከምኡ'ውን ኣቕራቢ ትካል ነደዲ ኢትዮጵያ ደብዳበታት ከም ዝጽሓፈ ቢቢሲ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ሰብ መዚ እቲ ክልል፡ ወርሓዊ 15 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር ይብሉ።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 2.09 ሚልዮን ሊትሮ ወሪዱ እኳ እንተጸንሐ፡ ካብ ጥሪ 2017 ዓ.ም [ግ] ጀሚሩ ግን መጠኑ ኣዝዩ ከም ዝነከየ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ይገልጽ።
"ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ፡ ናብ ትግራይ ዝጽዓን ነዳዲ ደው ብምባሉ፡ ኣብቲ ክልል ዝካየዱ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣምቡላንሳት፡ ዝርግሐ መድሃኒትን ልምዓት መስኖን ደው ኢሎም'ዮም። ማሕበረ-ቍጠባዊ ምንቅስቓስ እቲ ህዝቢ ድማ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣምሪሑ ይርከብ፡" ኢሉ።
እዚ ህልዊ ኵነታት፡ ኣብ መዓልታዊ ምንስቓሳት ሰፊሕ ቅልውላው የስዕብ ምህላው ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ መራሕቲ መኪና፡ ሰብ መዚ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ውልቀ ትካላትን ነቲ "ክፍተት ንምምላእ ብጸሊም ዕዳጋ ነዳዲ ዘቕርቡ፡" ዘለው ውልቀሰባትን ይገልጹ።

ተጠቀምቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ከም ናይ ከተማ ታክስን ባጃጅን -ሰለስተ እግረን ተሽከርከርቲ- ብዙሓት ከባቢታት፡ ብሰንኪ ወሰኽ ታሪፍ -ወግዓዊ ተመን- ኣብ ጭቕጭቕ ክኣትው ምርኣይ ልሙድ እዩ።
እዚ፡ ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ገኒኡ ይርአ።
ኣብ መጓዓዝያ ባጃጅ ዝተዋፈረ ተስፉ ገብረመስቀል፡ ብዙሓት ኣሽከርከርቲ ነዳዲ ብስሩዕ መገዲ ይረኽቡ ብዘይምህላዎም፡ ብባዕላዊ ስጕምቲ ተመን መጓዓዝያ ከም ዝውስኹ ይዛረብ።
"ፈቘድኡ ኢና ንገዝኦ ዘለና፤ [ንሓደ ሊትሮ] ካብ 220 ክሳብ 250 ኢና ንገዝኦ። ካበይ ከም ዝመጽእ ስለ ዘይፍለጥ ጽርየቱ ንባዕልናን ንብረትናን ናብ ጸገም እዩ ዝኣቱ ዘሎ። እቲ ሕብረተሰብ ከኣ ብመንጽር እቲ ንነዳዲ እንኸፍሎ ዘለና ስለ እንኸፍሎ የማርር፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ወግዓዊ ተመን ዋጋ ነዳዲ ኣስታት 110 ብር ከም ዝዀነ ኣሃዛት የመልክቱ።
እንተዀነ ብመሰረት ካብ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ካብ 220 ክሳብ 300 ብር ይሽየጥ ኣሎ።
ብሰንኩ፡ ተገልገልቲ ኣድላዪ ንዘይኰነ ወሰኽ ዋጋታት ይቃልዑን ይከላበቱን ከም ዘለው ይዛረቡ።
ሓላፊ ኣክሲዮን ማሕበር ሰላም ባስ ጨንፈር መቐለ ኣቶ ብርሃነ ከበደ ነዚ ኣረጋጊጹ። እቲ ትካል ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ኣብዚ ሰዓት፡ ካብን ናብን መቐለን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ፡ ናብ ሽረ'ውን ኣገልግሎት ይህብ።
ንሱ፡ "ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እቲ ክልል ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ'ዩ ስለ ዝበለ፡ ከምተን ባጃጅን ሚኒባስን፡ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ኢና ንጥቀም ዘለና። እዚ ኽኣ እቲ ታሪፍ መጓዓዝያ ክውስኽ ይገብሮ ኣሎ ማለት እዩ። ኣባና ዝበጽሕ ጸቕጢ ናብቲ ሕብረተሰብ ኢና ነውርዶ። መቐለ-ሽረ 700 ዝነበረ ናብ 1000 ሽሕ ኢና ኣዕቢናዮ፡" ብምባል ኣዝዩ ልዑል ወሰኽ ዋጋታት ይግበር ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረባ ተገልጋሊት ወይዘሮ መብራት ገብረክርስቶስ፡ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንደራትን ጐደናታትን ዝሽየጥ ዘሎ ነዳዲ ግን ካብ ምንታይ እዩ ዝመጽእ ዘሎ? ክትብል ሓቲታ።
"ኣብ ምሉእ መንደራት ጀሪካንን ሃይላንድን እዩ ዝመልአ። ሰብ መኪና ግን ኣይረኽቡዎን ካበይ እዩ ዝመጽእ ዘሎ?"
ሓደ ካብ ከተማ ዓዲግራት ዘዘራረብናዮ ነባሪ፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝርከባ መዐደሊ ነዳዲ ተዓጽየን ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።
ይዅን'ምበር፡ መራሕቲ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መካይን ነዳዲ ዘእትውሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘስተውዓለ ጠቒሱ። "ንሳቶም'ዮም ቅሩብ ዘንቀሳቕስዎ ዘለው እምበር ነዳዲ ዝብሃል የለን፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "ገሊአን፡ ኣብ ውሽጢ እተን መካይን ብሞደፊክ ዘስርሑዎ ታንከራት ኣለወን። እዚ ክሳብ 200 ሊትሮ ክሕዝ ይኽእል። ካልኦት ከም ኤፍኤስኣርን ተስሓብቲ መካይንን'ዉን ከምኡ'ዉን 'ሳልባቴ' ዝበሃል ሞደፊክ ኣስሪሐን'የን ዝንቀሳቐሳ። ብስሩዕ ታሪፍ መሊኦም ምጽኡዎ ነዳዲ ድማ፤ ኣብዚ ገንዘብ ወሲዀም ኣብ ደገ ንዝሸጡ ሰባት የከፋፍሉዎ ኣለው፡" ክብል የብርህ።
እቲ ዝግበር ወሰኽ ዋጋ፡ ክሳብ 240 ብር ዝበጽሕ እዩ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብስሩዕ ተመን መጓዓዝያ ልዕሊ 100 ብር ዝነበረ መስመር ዓዲግራት-መቐለ ኣብዚ እዋን 500 ብርን ልዕሊኡን ከም ዝኽፈሎ ተገልገልቲ ይዛረቡ።
"ስለዚ ኣብ መነባብሮ ሕብረተሰብ እውን ጽልዋ የሕድር ኣሎ፤ ዋጋ ኣስቤዛ፡ ሸቐጣት ከምኡ'ዉን ዘይቲ ምውሳኽ ይርአ። እኹል ነዳዲ ብዘይምህላው፡ ቅልውላው ፈጢርሉ ኣሎ፡"።
ኣብ መቐለ፡ ሓደ ካብቶም ብማይ መትሓዚ ፕላስቲክ ነዳዲ ዝሸጡ ዘለው መንእሰያት ዝዀነ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ነዳዲ ናብቲ ክልል ኣብ ዝኣትወሉ እዋን "ካብ መዐደሊ ነዳዲ ኣውጺኦም ንዓኑ ዝሸጡልና ኣለው። መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲ'ዩ ዝወጽእ። እዚኦም ንዓና ብ210 ብር ይህቡና፡ ክሳብ 230 ድማ ንሸጦ፡" ኢሉ።
እዚ ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ዝመጽአ ድዩ ዋላስ ካብቲ መንግስቲ ዘቕርቦ ጠለብ ዝብል ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።
እዚ ወሃቢ ርእይቶ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ ግን፡ "ኣብታ ከተማ ነዳዲ የለን ዘይብላ ኣርባዕ ነቍጣታት መዐደሊ ነዳዲ ኣለዋ፡"።
ዝምልከቶም ኣካላት እንታይ ይብሉ?
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ማሕበረሰብ ነጋዶ ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፈደራል ክራኸቡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸዱ ዝገልጽ ዋና መዐደሊ ነዳዲ ኣቶ ጽጋብ ሃይሉ፡ "ፖለቲካኹም ኣመሓይሹ ዝብል መልሲ'ዩ ተዋሂቡና፡" ኢሉ።
ቅድሚ ኲናትን ድሕሪኡን ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ዝምድና መራሕቲ ትግራይን ፈደራልን፡ ካብ መወዳእታ 2022 ጀሚሩ ዝሕቱል ምምሕያሽ'ኳ እንተኣርየ፡ መሊኡ ግን ናብ ንቡር ኣይተመልሰን ዘሎ።
"ንሕና ነጋዶ ኢና፡ ንሕብረተሰብ ድማ ነገልግል። በቲ ዘሎ ኵነታት ግን ንሕና ተጐዲእና ሕብረተሰብ'ውን ይጕዳእ ኣሎ። ጕዕዞ ካብን ናብን ተገዲቡ'ዩ ዘሎ። እቲ ፖለቲካዊ ኵነታት ንዅሉ ነገራት ስለ ዝጸለዎ፡ ህዝቢ ዳርጋ ሰማዒ የብሉን፡" ክብል ዘይዕግበቱ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ኣስታት 200 ሽሕ ነጋዶ ኣለው ተባሂሉ ከም ዝግመት ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ንግድን ጨንፈር ማሕበራትን እቲ ክልል ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት።
ቅድሚ እቲ ኲናት ናብ ስራሕ ኣትየን ዝነበራ ልዕሊ 70 ነቝጣታት መዐደሊ ነዳዲ ምንባረን'ዉን ይገልጽ። ብውሑድ ቐረብን ዓቕምን ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ነቝጣታት፡ ኣብዚ እዋን ካብ ስራሕ ወጻኢ ምዃነን ሰብ መዚ እቲ ክልል ይገልጹ።
ፕረዚደንት ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣቶ በሪሁ ሃፍቱ፡ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ቐረብ ነዳዲ፡ ንጠቕላላ መስርሕ ፍርያምነትን ቐረብን ምህርቲን ዕዳጋን ዓብዪ ዕንቅፋት ኰይኑ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ብቐጥታ ኣብቲ ነዳዲ ዝርከበሉ ዝነበረ ክርከብ ስለ ዘይክኣለ፡ ፈቘዶ በረኻ ብኮንትሮባንድ ዝመጽእ፡ ብጸሊም ዕዳጋ ዝሽየጥ ጽሬቱ ዘይሓለወ ነዳዲ እዩ ዘሎ፡" ብምባል፡ እዚ ነቲ ዋጋ መጓዓዝያ ስለ ዘንህሮ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝፈሪ ዝነበረ ምህርቲ፡ ክጓዓዓዝን ክፈርን ብዘይምኽኣሉ ነዳዲ ብኽባር ዋጋ ገዚኦም ዘፍርዩ ሰባት፡ ኣብ ዋጋ ፍርያት ክውስኹ ይግደዱ ኣለው ማለት'ዩ ክብል የብርህ።
ዝተፈላለዩ ብሞተራት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ንኣሽቱ መስኖታት ሓረስቶት'ውን ካብ ስራሕ ይበዅሩ ምህላዎም ጠቒሱ።
ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ፡ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ኣስታት 10 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ይኣቱ ነይሩ ይብል።
ድሕሪ እቲ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብማእከላይ ካብ 8 ክሳብ 9 ሚልዮን ሊትሮ ኣብ ወርሒ ይመጽእ ከም ዝነበረ ይሕብር።
ሰብ መዚ እቲ ኤጀንሲ ከም ዝብሉዎ እንተዀይኑ፡ እቲ መቝነን 15 ሚልዮን ሊትሮ ክመጽእ ይግባእ።
እንተዀነ፡ እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ክርአ ዝጸንሐ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ፡ "ንኣጠቓላሊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ስራሕትን ዳግመ ሕውየትን ዝምጥን ኣይኰነን፤ ካብ ጥሪ 2017 ዓ.ም ግን እናነከየ፡ ሕዚ ናብ ደውታ ዝብሃል ብርኪ ዝበጽሓሉ ኵነታት እዩ ዘሎ፡" ክብል ምኽትል ሓላፊ እቲ ኤጀንሲ ሃፍቶም ፋንታሁን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና እቲ ክልል፡ ኣብ መጋቢት 2017 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዝዘርግሓኦ ሓበሬታ፡ በዓል መዚ ነዳድን ጸዓትን ኢትዮጵያ፡ እቲ ሕጽረት ነዳዲ ብደረጃ ሃገር ዘጋጠመ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ጸገም ተዓርዩ ነዳዲ ናብቲ ክልል ምጕዕዓዝ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ኢለን ነይረን።
እቲ ኣብ ጅቡቲ 'ጸገም ዲፖ ነዳዲ ስለ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ሎጀስቲክስ ዝስዓበ እዩ' ብዝብል ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ክልላት ሃረር፡ ጋምቤላን ኣምሓራን'ውን ብውሱን መልክዑ ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዘጋጠመን ክገልጻ ምጽንሐን ይጠቅስ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ምስ ሰብ መዚ ፈደራል ዝርርባት ክካየዱ ከም ዝጸንሑ ዝገለጽ ኣቶ ሃፍቶም፡ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ቀረብ ነዳዲ ዝተሰናኸለሉ ምኽንያት ዝምልከት ግን "ክሳብ ሕዚ ብጽሑፍ ይዅን ካልእ ክሳብ ዝተዋህበና ወድዓዊ ዝዀነ መልሲ የለን፡" ኢሉ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጕዳይ ዝያዳ መብርሂ ንምርካብ ንዳይሬክተር ኢንተርፕራይዝ ቀረብ ነዳዲ ፈደራል ኣቶ እስመኣለም ምህረቱ ብጽሑፍን ስልክን ከምኡ'ውን ንዳይሬክተር ነዳድን ጸዓትን ብተሌፎን ንምርካብ ፈተነ ኣካይዱ እዩ።
ዳይሬክተር በዓል መዚ ነዳድን ጸዓትን ፈደራል ንጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብልክዕ ናብ ካልኦት ክልላት ዝከፋፈል ቀረብ ናብ ትግራይ'ውን ይቐርብ ምህላው ኣፍሊጡ።
ደስታው መኳንንት (ዶ/ር)፡ "እዅል ነዳዲ ኣይበጽሐናን ዘሎ ዝብል ቅሬታ ካብ ኵለን ክልላት ዝቐርብ ዘሎ ጸገም እዩ፡" ኢሉ።
ብመጠን ቍጠባ እቲ ክልል ዝጠልቦ ነዳዲ ይቐርብ እዩ ዘሎ ዝበለ እቲ ዳይሬክተር፡ "እቲ ጕዳይ ናይ ፖለቲካ ሕቶ ንምግባር ስለ ዝድለ እምበር፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ነዳዲ ካብ ካልኦት ክልላት ዝተፈለየ ኣይኰነን፡" ይብል።
ሰብ መዚ ክልል ትግራይ ዝልኣኸሎም ዘሎ ነዳዲ፡ ሸውዓተ ሚእታዊት ጥራይ እዩ ከም ዝበሉ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







