ትግራይ፡ ኣብ ቍጽጽር ህወሓት ዝጸንሐ ምቕይያር ዘርኢ ዘሎ ፖለቲካዊ መድረኽ

መቐለ

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa/BBC

ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ትግራይን ጐሊሑ ዝርቋሕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) 50 ዓመት ኣቝጺሩ ይርከብ።

ህወሓት ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ውድብ ኰይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ2018 [ኣ.ኤ] ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ምንቅስቓሳቱ ኣብ ትግራይ ተሓጺሩ።

እዚ ውድብ፡ ካብ 5 ግንቦት 2017 [ግ] ጀሚሩ ብወግዒ ከም ዝተሰረዘ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ እዩ።

ፖለቲካዊ መልክዕ ትግራይ ድሕሪ ናይ ዓመታት ግጭትን ዓብላልነት ህወሓትን ዓቢይ ለውጢ ሒዙ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካውያን ተዋሳእትን እናተቐልቀሉ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ህወሓት ዝፈታተኑን ህዝባዊ ዘተታትን ምትእስሳራትን ዝቐርጹን ይዀኑ ኣለው።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ህወሓት፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ከምኡ'ውን ተቐናቓኒ ፖለቲካዊ ኤሊት ትግራይ ኣብ ምሕደራ፡ ጸጥታ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዘሎ ዘይምርድዳእ ይቕጽል ኣሎ።

ውጽኢት ናይዞም ቃልስታት ድማ ትግራይ ኣብ ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዘለዋ መጻኢ ተራ ክቐርጽ እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ቦርድ መረጻ ተመዝጊበን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሳ ልዕሊ 15 ውድባት፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብህወሓት ተታሒዙ ዝነበረ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቦታ ንምምላእ ይጽዕራ ኣለዋ።

ቢቢሲ ቃለመሕትት ዝገበረሎም መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ካብዘን ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ብወግዒ ዝመዝገበን ሰልፊታት ወጻኢ፡ ገና ዘይተመዝገባ ኣርባዕተ ካልኦት ውድባት ከም ዘለዋ ይገልጹ።

ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶና ኣቶ ዮሴፍ በርሀ ንምኽንያት ምውሳኽ ቍጽሪ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሳ ውድባት ከብርህ እንከሎ፡ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ኣመሓዲሩ ከም ዘይፈልጥን ካብ "ሓደ ከባቢ" ብዝመጽኡ ሰባት "ተጨቊኑ" ከም ዝነበረን ይዛረብ።

ብፍላይ ድሕሪ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት "ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ሕቶ መሰል ርእሰ ምሕደራ ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለው። እዚ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢታት ውድባት ክፍጠራ ይገብር ኣሎ፡" ኢሉ።

ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ወለዶ ትግራይ ሰለሞን ትኩእ፡ ቅድሚን ድሕሪን ኲናትን ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝነበራ ብምዝኽኻር፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ክልል ከመሓድር ካብ ዝጅምር "እቲ ቅልውላው ኣብ ትግራይ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት ክቕልቀሉ መገዲ ከፊቱ'ዩ፡" ኢሉ።

ሰለሙን ኣብ ትግራይ ዝተፈላለየ መርገጺታት ዘስፋሕፍሑ ሓይልታት ይቕልቀሉ ከም ዘለዉን፣ ህወሓትን ህዝብን እውን ነዚ ይርድእዎ ከም ዘለዉ ይጠቅስ።

"ብዙሓት ውድባት ዝተፈላለየ መደባትን ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባን ሒዘን መጺአን እየን። እዚ ንፖለቲካ ትግራይ ሓድሽ ምዕራፍን ሓድሽ ዲሞክራስያዊ ተመኵሮን እዩ ኢልና ንኣምን።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ስምረት ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ቅድም ክብል "ኣብ ትግራይ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምንቅስቓስ ናብ ማሕበራዊ ምግላል የብጽሕ ነይሩ፡" ብምባል፡ ህወሓት ኣብቲ ክልል ዓብላሊ ውድብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ብትብዓት ንምስፋሕ ኣጸጋሚ ምንባሩ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት "ተሪር ፖለቲካ" ከም ዝነበረ ብምዝካር ኣብዚ ሕጂ ዘለወሉ ደረጃ ከም ዘይበጽሐ ይዛረብ።

ህልው ኵነታት ህዝቢ ትግራይ "መጻኢ ዕድሉ ክውስን፣ ክጭቈንን ድሕሪት ክተርፍን" ዝገበሮ ኵነታት ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ውዳበታትን ክፈጥር ከም ዝገበሮ ይገልጽ።

ንፖለቲካ ትግራይ ብቐረባ ዝከታተል ክኢላ ሕጊ ተኽሊት ገብረመስቀል፡ ህወሓት ቅድሚ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት እውን እንተዀነ ኣብቲ ክልል ተቐባልነት ይስእን ከም ዝነበረ፡ እዚ ግን ድሕሪ ኲናት ብሰፊሑ ከም ዝተዓዘቦ ይዛረብ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለወን ፖለቲካዊ ውድባት ምምስራተን፡ "ህወሓት ተቐባልነት ምስኣኑ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘይምግባሩ፡ ምስ ግዜ ክስጕም ዘይምኽኣሉ፡" ዝደረኾ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል እቲ ጠበቓ።

ቀንዲ ምኽንያት ምምስራት ሓደስቲ ውድባት፡ ጭቈና እዩ ዝበለ ወኪል ባይቶና ኣቶ ዮሴፍ "ኣብ ከባቢና ንጭቈና ኣለና፤ ካብ ካልእ ከባቢታት መጺኦም ይጭቁኑናን ይገዝኡናን ኣለዉ፣ ይረግጹና ኣለዉ፣ ገዲፎምና ይኸዱ ኣለዉ ዝብል ሓሳብ፡ ሰልፍታት ክበዝሓ ይገብር ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ብዝሒ ውድባት ንምዕባይ ካብ ዝግበር ውሽጣዊ ጸቕጢ ብተወሳኺ "እቲ ፍልልይ ስነሓሳብ ዘኰነስ ጭቈናን መጻኢ ዕድል ትግራይን እዩ" ብምባል ግዳማዊ ምኽንያታት ክህሉ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ክኢላ ሕጊ ኣቶ ተኽሊት፡ "ህወሓት ብዝኸደቶ መገዲ ሕቶን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ክማላእ ኣይክእልን፣ ጉዳይ መንነት ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ" ዝብሉ ሓይልታት ካልኦት ኣማራጺታት ክንፍትን ኣለና ብዝብል ውድባት ናብ ምምስራት ኣትዮም ኣለው ይብል።

መራሕቲ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF

ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለው ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት

መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ይዅን ንፖለቲካ እቲ ክልል ብቐረባ ዝከታተሉ ክኢላታት ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሰለስተ ምድብ ክርእይዎ ይመርጹ።

ኣብ ትግራይ ዝተመዝገባ ፖለቲካዊ ውድባት ኣስማተን ብዘየገድስ፡ ኣተሓሳስባአን ምስ ኢትዮጵያ ምቕጻል፣ ናጻ ሃገር ምዃን ወይ ኣብ ኮንፈደረሽን ምንባር ዝብል ምዃኑ ኣቶ ዮሴፍ የረድእ።

ኣቶ ተኽሊት፡ ቍጽሮም ውሑድ'ኳ እንተዀነ ምስ ኤርትራ ክንጥርነፍ ይግባእ ዝብሉ'ውን ኣለው ኢሉ ይኣምን።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ተመዝጊበን ዘለዋ 15 ውድባት "ስርዓታዊ ለውጢ" ክመጽእ ኣለዎ ይብላ፣ እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ዕላማ እዩ።

"ድሕሪ እቲ ስርዓታዊ ለውጢ፡ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ህዝቢ ምስ ተረጋገጸ፡ እዘን ውድባት ተኣኪበን ክቕጽላ፡ ምናልባት እውን ናብ ሰለስተ ክወርዳ'የን፡" ይብል ኣቶ ዮሴፍ።

እተን ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝምስረታ ዘለዋ ውድባት፡ ስነሓሳብ መሰረት ዝገበራ ኣይኰናን ዝብሉ መራሕቲ እተን ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ ". . . እቲ ፍልልይ፡ ሓደ - ኣብ መጻኢ ዕጫ ትግራይ ዘሎ እዩ። እዚ ነባሪ ይመስለኒ፡" ይብል ምክትል ኣቦመንበር ባይቶና።

"ትግራይ ናጻ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ዝብሉ ውድባት ኣለው። ኣካል ኢትዮጵያ ኰይና ክትቅጽል ኣለዋ ዝብሉ ኣለው። ሳልሳይ ኣማራጺ ክህሉ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡ ትግራይ ብኮንፈደረሽን ኣቢላ ምስ ኢትዮጵያ ክትጥርነፍ ኣለዋ ዝብል ሓይሊ ክህሉ ይኽእል'ዩ፡" ክብል የረድእ።

ኣቶ ተኽሊት እዚ ሓሳባት ብህወሓት ተዓፊኑ ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ግን እቲ ሓይሊ እናደኸመ ስለ ዝመጸ፡ እዞም ሓሳባት መድረኽ ረኺቦም ከም ዘለዉ ይጠቅስ።

ነዚ ሰለስተ ምኽንያታት ኣቕሪቡ።

"ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ ምድኻም ህወሓትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እቲ ሰልፊ ተፈቲኑን ፈሺሉን ዝብል እምነትን፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ጸቕጢን፡" እዮም ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ውድባት ብኸመይ ኣብ ሓደ ክመጽኣ ይኽእላ ዝብል "እተን ውድባት ባዕለን ክምልሳ ኣለወን" ዝብል ኣቶ ሃፍቱ፡ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓበይቲ ውድባት ምጥርናፈን ግን ዘይተርፍ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጸጋን ብድሆን ምብዛሕ ውድባት

ምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ስምረት፡ ምብዛሕ ፖለቲካዊ ውድባትን ስነ-ሓሳባትን "ንትግራይ ጽቡቕ'ዩ፡" ክብል የረድእ።

ሓደ፡ "ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝንሸራሸርሉ ሃዋህው ይፍጠር ኣሎ፡" ብምባል እዚ ድማ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ክሰምዕን ክውስንን ዘኽእል እዩ።

እተን ልዕሊ 15 ዝዀና ፖለቲካዊ ውድባት ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ክምጽኣን ክካትዓን ኣብ ዝጅምራሉ እዋን፡ ናብ ሓደ ክመጽኣን "ንትግራይን ኢትዮጵያን ዝጠቕሙ ክልተ ሰለስተ ዓበይቲ ኣተሓሳስባታት ክቕልቐሉን'ዮም፡" ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶና ኣቶ ዮሴፍ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ክልል ከመሓድር ዝጸንሐ ኣካል "ብኣጽዋር ወይ ብሰራዊት ክዓብጦ ስለ ዝጀመረ" ብዝሒ ውድባት እቲ ክልል ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።

ሕጂ ግን ኣብ ኵሉ ከባቢታት ዘለዉ ሰባት ንባዕሎም ናይ ምምሕዳር መሰሎም ንምሕላው ውድባት ይምስርቱ ኣለዉ ኢሉ።

እዚ ድማ፡ "ኣብቲ ክልል ብሓደ ሓይሊ ዝተታሕዘ ስልጣን ኣብ ምብታኽ ተራ ክጻወት'ዩ፡" ዝበለ ኣቶ ዮሴፍ፡ ኣብቲ ክልል "ስርዓታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።

ውድባት ምብዛሕ ህዝቢ ንኽቃለስ ዝተፈላለየ መድረኻት ከም ዝፈጥረሉ ኣስሚሩሉ።

ኣባል ውድል ወለዶ ትግራይ ኣቶ ግዑሽ ግደይ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ውድል ወለዶ ትግራይ ኣቶ ግዑሽ ግደይ

ምክትል ፕረዚደንት ውድብ ወለዶ ትግራይ ብወገኑ "ኣብ ሓደ ከባቢ ክንድ'ዚ ዝኣክል ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ክህልው ዝገበረ ምኽንያት ጸረ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ስርዓትን ምህላው'ዩ፡" ኢሉ።

"እቲ ጸገም ምብዛሕ ውድባት ዘይኰነስ፡ ነቲ ሕጂ እቲ ሕብረተሰብ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶታት ክምልሱ ድዮም ዝብል'ዩ።"

ንሱ ወሲኹ፡ ምብዛሕ ውድባት "ጨቋኒ ስርዓት ምስ ሕብረተሰብ ብሓባር ብምዃን ሰላማዊ ብዝዀነ መገዲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ክሕግዝ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣቶ ዮሴፍ ከም ዝብሎ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝበሎም ኣካላት ምብዛሕ ውድባት ተጠቒሞም "እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ንምስፋሕ ወይ ጸገም ንምፍጣር ክትቀጥመሎም ምድላይ ኣሎ፡" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ኣቶ ሃፍቱ ብወገኑ፡ ነቲ ብድሆ "ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣይለመድናን፤ ስለዚ ህዝቢ ክደናገር ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።

ገና ምሉእ ብምሉእ ዲሞክራሲ ስለ ዘይተለማመድናዮ ኣብ መንጐ እቶም ውድባት ናይ "ጽልኢ" ስምዒት ክምዕብል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ'ዉን ይብል።

ክኢላ ሕጊ ኣቶ ተኽሊት፡ ህወሓት ከም ውድብ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ተኣልዩ'ኳ እንተሃለወ፡ ሕጂ'ውን "ቀሊል ውድብ ኣይኰነን፡" ይብል።

ብስነሓሳብ ምስ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ እዩ ዝብል ተኽሊት፡ እዚ ድማ ጀመርቲ ምስ ዝዀና ተቓወምቲ ውድባት ክነጻጸር ከሎ ዓቢ ምዃኑ ይዛረብ።

"ኣብ ታሪኽን ስነ-ልቦናን ትግራይ ዘለዎም ቦታ ዕዙዝ'ዩ፤ እዚ ሕዚ ዘሎ ወሰኽ ቍጽሪ ውድባት ነቲ ብህወሓት ተታሒዙ ዘሎ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ምህዳር ከንቀሳቕሶ ይኽእል እዩ፡" ዝብል ተስፋ ኣለዎ።

ይዅን'ምበር፡ ምብዛሕ ውድባት "ንፖለቲካ ትግራይ ጎዳኢ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ" ብምባል "ምብዛሕ ውድባት ኣብ ኣመሰራርታኦም ከባብያውነት ይርአ ምህላው ሓደ ሓደጋ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

እዚ ድማ፡ "ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ከውድቘ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘለዎ ርክብ ንምምሕያሽ ይሕግዝ ድዩ?

ምክትል ፕረዚደንት ባይቶና መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዎ ረብሓን ዕላማን ንጹር ኣይኰነን በሃሊ እዩ።

መንግስቲ ፈደራል "ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ዝተመችኦ ኰይኑ ይስመዓኒ። ህወሓት ሕዚ ኣብ ባይታ ተዳኺሙ'ዩ፡" ብምባል "ኮርን ካብ ኮር ንላዕልን ዝበሃሉ ኣዘዝቲ ተኣኪቦም ብብረት፡" ነቲ ክልል የመሓድሩዎ ኣለው ኢሉ ይምጕት።

ህወሓት፡ "ናይ ህዝቢ ደገፍ የብላን፤ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ደገፍ የብላን። ሕጋውነት የብላን። መንግስቲ ፈደራል ግን መመሊሱ ስልጣን ይህባ ኣሎ፡" ይብል።

እዚ ድማ ምድንጋር ከም ዝፈጥር ይዛረብ።

ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝዀነ ነገር ናይ ምፍጣር ዓቕሚ የብላን። ዝብል ኣቶ ዮሴፍ፡ መንግስቲ ፈደራል ምስቶም ጕዳይ ክልል ትግራይ የገድሰና እዩ ዝብሉ ብቐረባ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሉ።

ኣቶ ሃፍቱ ብወገኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ምስ መንግስቲ ፈደራል ግጭት ኣብ ምክልኻል ግደ ክህልዎም እዩ ኢሎም።

"ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር፡ ድልዱል ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ናብ ህዝቢ ብምምጻእን ህዝቢ ድምጺ ክህብ ብምግባርን፡ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዘረጋግጽ ሃዋህው ክፍጠር'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።"