ኢትዮጵያ፡ 'ብጌጋ' ዝተባህለ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሕዱ 36 ምሊሻታት ኣምሓራ ቀቲሉ

ምሊሻታት

ምንጪ ስእሊ, Sehala Woreda Communication

መግለጺ ስእሊ, ምሊሻታት ዞን ዋግኽምራ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኣኼባ ምምሕዳር ብሄረ ዋግ ክምራ ዝተሳተፉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ምልሻ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብውሕዱ 36 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓደርቲ፡ ሰራሕተኛ ጥዕናን ነበርትን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

በቲ መጥቃዕቲ 16 ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ዝነበረ ኣጽዋርን ከምዝዓነወ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ሓቢሩ።

ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ከባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ጌጋ" እዩ ከምዝበለሉን ይቕረታ ከምዝተሓተተን እውን፡ ምምሕዳር እቲ ወረዳን ነበርትን ገሊጾም።

እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ብሓሙስ 7 ጥሪ 2018 [ግ] ንግሆ ኣብ ምምሕዳር ብሄረ ዋግ ኽምራ፡ ወረዳ ሰሓላ ሰየምቲ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ምልሻ ዝተፈጸመ ምዃኑ ሓሙሽተ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ወረዳ 'ምሻሃ' ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ 'ሰፋ ድልድይ' ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ መዓስከር፡ ካብ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ ማእከል ምልሻታት ኰይኑ ከምዝጸንሐ ነበርቲ ገሊጾም።

እቲ መዓስከር መኽዘን ኣጽዋርን መዕረፊ ሓይልታት ጸጥታ እውን እዩ። ነበርቲ ከም ዝበልዎ፡ እቶም ኣብኡ ዝዓስከሩ ኣባላት ምልሻ "ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ ናብቲ ወረዳ ከይኣትዉ ዝከላኸሉ እዮም።"

ሓለፍቲ እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቶም ኣባላት ምልሻ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝርከብ ሜዳ ብኣዛዚኦም "መምርሒ ይወሃቦምን ቍርሲ ይበልዑን" ምንባሮም ሓቢሮም።

ሰለስተ ነበርቲ ወረዳ እውን እቶም ምልሻታት ኣብ ቍርስን ኣኼባን ከምዝነበሩ ኣረጋጊጾም።

ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሓይልታት ፋኖ "ንምልሻ እቲ ከባቢ ንምጥቃዕ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ"፡ ከምኡ'ውን እቶም ኣባላት ምልሻ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጕምቲ ክወስዱ "ይዳለዉ" ነይሮም ክብል ይገልጽ።

"እቲ ኵነታት እናገደደ ምስ ከደ ኸኣ ምክልኻል ክመጽእ ከምዝተሓተተ" እውን ጠቒሱ።

ነበርትን ኣመሓደርትን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ሰማያት እቲ ከባቢ ድሮን ክትበርር ከምዝቐነየት ይገልጹ። ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ እውን ኣብቲ ከባቢ ክትዘውር ተራእያ ነይራ።

ነበርቲ፡ እታ ድሮን ኣብ ልዕሊ እቶም ምልሻታት ስክፍታ ፈጢራ እኳ እንተነበረት፡ "ንናይ ወገን ሓይሊ" ከምዘይተጥቅዕ ግን እምነት ከምዝነበሮም ገሊጾም፤ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣመሓደርቲ ወረዳ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቦም።

እቲ ኣመሓዳሪ፡ "ብዛዕባ መምርሒ ምሃብ፣ ብዛዕባ ምስ ላዕለዎት ኣካላት ምትእስሳር ክንዛረብ ከለና 'ድሮን መጺኣ ኣላ' ተባሂልና። 'ድሮን እንታይ እያ?' 'ድሮን ትዘውር ኣላ' ኢልናያ። 'ዳህሳስ ትገብር ክትከውን ኣለዋ' ኢልና - ኣይተጸበናዮን፤ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ተመሊሳ ወቒዓትና።"

እቶም ሓለፍቲ ከም ዝበልዎ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን "36 ሰባት" ሞይቶም፣ ካልኦት "16 ሰባት" ቈሲሎም ኣርባዕተ ሰባት ድማ "ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።"

"እቲ መዓስከር ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ፣ ብዙሕ ናውቲ ተቓጺሉ፡" ብምባል ኵሉ ሎጂስቲክስ፡ ኣብኡ ዝነበረ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ እውን ገሊጾም።

ክልተ ነበርቲ እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ "38 ሰባት" ከምዝሞቱን "ኵሎም ድማ ኣባላት ምልሻ" ምዃኖምን ገሊጾም።

ድሮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቶም ግዳያት ናብቲ ፈለማ ብኣምቡላንስ ዝተወስዱሉ ትካል ጥዕና ዝወሰደ ሰራሕተኛ ጥዕና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 10 ዝሞቱን ትሽዓተ ቈሲሎምን ናብቲ ዝሰርሑሉ ትካል ጥዕና ከምዘምጽኡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኣባል ጥዕና "እቶም [ዓሰርተ] ሰባት ምስ ሞቱ እዮም መጺኦምና። ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን ሓደ ጥራይ ሞይቱና። ካብኡ ናብቲ ድልድል ኬድና። ሓደ ካብኣቶም ካብቲ ድልድል እናኣምጻእናዮ ሞይቱ። ካልእ ናባና ምስ ኣእተናዮ ኣብ መንገዲ ሞይቱ" ኢሉ።

እቲ ሰራሕተኛ ጥዕና፡ እቶም ዝሞቱ ሰባት "ድሕሪ ሞት ዝግበር ክንክን" ክረኽቡን "እቲ ህዝቢ ድማ ክሳብ ዝረጋግእን" ናብ ትካል ጥዕና ከምዝተወስዱ ገሊጹ።

ክልተ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ናብ ትካል ጥዕና እናተወሰደ እንከሎ ዝሞተ ሰብ "እቲ ንሚሊሻታት መምርሒ ዝህብ ዝነበረ መራሒ ኣቶ ደሳለኝ ልብስነው" ምዃኑ ገሊጾም።

ካብቶም ዝቘሰሉ ክልተ ኣብቲ መዓስከር ምግቢ ዝሰርሓ ዝነበራ ደቀንስትዮን ሓደ ህጻንን ይርከብዎም። እቲ ሰራሕተኛ ጥዕና ብወገኑ፡ ኣብተን ክልተ ደቀንስትዮን እቲ ህጻንን ዝወረደ መጕዳእቲ ፈኲስ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

ብዘይካ እቶም ዝሞቱ፡ ካልኦት ኣባላት ምልሻ "ብኸቢድ ቈሲሎም" ክብል ዝገለጸ እቲ ሰራሕተኛ ጥዕና፡ ንዝሓሸ ሕክምና ሰለስተ ሰባት ናብ ከተማታት ሰቖጣን ደሴን ከምዝተላእኩ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ንኵነታት መጕዳእቲ ኣብ ዝገለጸሉ፡ "መብዛሕትኦም ኣብኡ ከምዝተቐብሩ ሰሚዕና፣ ብዙሓት ካብኣቶም ምሳና ዝመጹ ኣዝዮም ብኸቢድ ዝቘሰሉ እዮም" ኢሉ።

ሰለስተ ነበርቲ እታ ወረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ "ልዕሊ 20 ሬሳኦም ክልለ ዘይከኣለ ሰባት" ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ከምዝተቐብሩ ገሊጾም።

ገዛውቲ ሓንቲ ቍሸት

ምንጪ ስእሊ, Sehala Woreda Communication

ኣብዚ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻልን መራሕቲ እቲ ዞባን ተረኺቦም ከምዝነበሩ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተረኸበ ነባሪ ሓቢሩ።

ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል እቲ ከባቢ "ይቕሬታ፤ ጌጋ እዩ ተፈጺሙ፣ ንስድራቤት መዋትቲ፡ ደቂ መዋትቲን ዞባን ክንሕግዝ ኢና፣ በቲ ዘጋጠመ ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ።

ንቢቢሲ ዘዘራረበ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል፡ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን "ብጌጋ" ከምዝተፈጸመ ንሰበስልጣን እቲ ወረዳ ከምዝገለጹ ኣረጋጊጹ።

ይዅን እምበር ኣመሓደርቲ ወረዳ 'እቲ ጌጋ ብኸመይ ተፈጺሙ?' ዝብል ሕቶታት ከምዘለዎም ኣይሓብኡን።

"ጌጋ ጌጋ ጥራይ ኣይኰነን" ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ "እቲ ሕቶ ነቲ ቦታ ከይመርመረ፡ ከይፈለጠ '[እቲ መጥቃዕቲ] መን ኣዚዙ?' ዝብል እዩ።"

"እቲ [ነታ ድሮን] ዝለኣኸ ሰብ ክሕተት ኣለዎ። እቲ ሰብ መንነቱ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ንጽባሕ ንተኣማንነት መንግስቲ ንደልዮ እዩ። እንተዘይኰይኑ ጌጋ እዩ ነይሩ ዝብል ጥራይ እዅን ኣይኰነን" ክብሉ ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ቢቢሲ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝሃቦ ርእይቶ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።