ክልል ኣምሓራ፡ 'ብስፍሓት' ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ሰራዊትን ፋኖን

ዕጡቓት ፋኖን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያን

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖን ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ካብ ነበርትን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ይስማዕ ኣሎ።

ብወገን መንግስቲ ግን ነቲ ኵነታት ብግቡእ ዘንጸባርቕ መግለጺ ኣይተወሃበን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል ውግኣት ከም ዝቐጸለን ሓይልታት ፋኖ ንተወሰኽቲ ቦታታት ከምዝተቘጻጸሩን ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ።

እንተዀነ ምኒስተር ዲኤታ ኣገልግሎት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ከበደ ደሲሳ፡ ንማዕከን ዜና ጀርመን 'ዶቸ-ቨለ' ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሓይሊ ካብ ምትዅታዅ ሓሊፉ ካልእ ክገብር "ዓቕሚ የብሉን" ብምባል እዩ ነቲ ሓበሬታ ዝነጽግ።

ከበደ ደሲሳ፡ "ኣኽራሪ" ብምባል ዝገለጾ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ከምዘይብሉን፡ ሓሓሊፍካ ካብ ምትንዃይ ዝገብሮ ነገር ከምዘየለን እዩ ዝገልጽ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሰንበት 19 ጥቅምቲ 2025 ብማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ምብራቕ ዝርከባ ኣሃዱታት ብ9 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ኣብ ዘካየድኦ ስርሒት ንብዙሓት "ከምዝደምሰሳን ከምዘቝሰላን" ኣፍሊጡ'ሎ።

"ኣብቲ ስርሒት ዝተኻየደሉ ዞባ ምዕብ ጎጃም - ወረዳ ወንበርማ - ከባቢ ቁጪ - ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ጸረ ደባይ ሸሞንተ ኣኽረርቲ ኣባላት ክሞቱ እንከለዉ 13 ድማ ቈሲሎም" ኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ባንጃ - ከባቢ ኣስም - ኣብ ዝተኻየደ ስትራተጅያዊ ስርሒት "23 ኣኽረርቲ ኣባላት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክዀኑ እንከለዉ 19 ድማ ከምዝቘሰሉ" ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት እውን ኣብ ዞባ ሰሜን ጎጃም ኣብ ዙርያ ባህርዳር ኣብ ዝነበረ ውግእ "18 ተደምሲሶም፣ ሸሞንተ ቈሲሎም" ይብል ኣብ ጸብጻቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ነዞም ዓወታት ከምዝረኸበ እንተገለጸ'ኳ፡ ሓይልታት ፋኖ ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ዓወታት ይቐንዖም ምህላዉ እዮም ዝሕብሩ።

ማሪኽናዮም ንዝበልዎም ብዝሒ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ክዝርግሑ ይረኣዩ።

ኣብ መወዳእታ መዓልታት ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ፋኖ ንደቡብ ጐንደርን ሰሜን ወሎን ዘራኽብ ከባቢታት ጨጨሆ፡ ዘቢጣ፡ ገረግራን ኣፍላቂትን ከም ዝተቘጻጸሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንማዕከን ዜና ዶቸ ቨለ ሓቢሮም።

ብዘይካ'ዚ እቲ ማዕከን ዜና ንኣዛዚ ሰራዊት እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብቲ ከባቢ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ዞን ሰሜን ወሎ ጥራይ ሽዱሽተ ወረዳታት ከምዝተቘጻጸሩ ኣቃሊሑ።

ሰሜን ወሎ ክልል ኣምሓራ ጽዑቕ ውግኣት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ምልሻ መዕቃዕቲ ከምዝተፈጸመን፡ ብውሕዱ 39 ሰባት ከምዝሞቱን ተገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዞባ ሰሜን ወሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ምልሻ ኣብ ዝስልጥኑሉ መዓስከር ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።

"እቲ ዕንወት ተፈጺሙ'ዩ፡" ዝበለ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ "መጠን እቲ ዕንወት፡ ብዝሒ ዝቘሰሉ፡ ዝሞቱን ብኸመይ ከም ዝተፈጸመን ዝምልከት ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ይእከብ ኣሎ፡" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ዝርዝር እቲ ጕድኣት ንምርግጋጽ [ኣብቲ ቦታ] ዝተመደበ ሰብ፡" ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ መዕቈቢ ጃራ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ብዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም።

ሓደ መራሒ "ሃገራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ"፡ ዕጡቓት እቲ ጕጅለ "ጃራ" ዝተባህለ "ወተሃደራዊ መዓስከር ታዕሊም" ከም ዘጥቅዑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብቀዳም 17 መስከረም 2018 [ግ] ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ - ወረዳ ጉባላፍቶ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ወልድያ 20 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓንቲ ነፍሰጾር እትርከቦም ኣርባዕተ "ሲቪላውያን" ከምዝሞቱ፡ ካብ መሰኻኽር ዓይንን ምንጭታት ሕክምናን ዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኵስ ብምግባር ተቓሊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን፡ ካብ ነሓሰ 2023 ኣትሒዙ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ፋኖን ብዝካየድ ውግኣት ክሕመስ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም፡ ካብ መወዳእታ መስከረም እቲ ኵነታት ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እቲ ክልል ከምዝተጋደደ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ትካል ቅልጡፍ ግብረመልሲ ንምሃብ ዘኽእሎ ዓቕሚ ከምዘሰለፈ ብ 10 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብምምልካት፡ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም 16 ምሩኻት ወተሃደራት ካብ ሓይልታት ፋኖ ከምዝተረከበ ኣፍሊጡ።

ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, SM

ኣብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራምን ምክልኻልን ማርቲን ታልማን፡ "ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሰሜን ወሎ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ወይ ቆሲሎም" ብምባል ካብ ላሊበላ ኣቃሊሑ ነይሩ።

ማርቲን፡ እተን ኣብ መንጐ ላሊበላን ወልድያን ዝርከባ ቍሸታት ኣዝየን ከምዝተሃሰያ'ውን ካብቲ ብዓይኑ ዝረኣዮ ከባቢታት ኩልመስክን ሙጃን ጠቒሱ ሓቢሩ።

"ሰራሕተኛታት ማእከላት ጥዕና እቲ ከባቢ ብዘለዎም ውሱን ጸጋታት ውጉኣት ወተሃደራትን ሲቪላትን ይከናኸኑ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ከም ግብረመልሲ ድማ ማሕበር ቀይሕመስቀል ኣብ ኣብ ከተማታት ላሊበላን ከባቢኣን ክልተ ጕጅለታት ብምውፋር ን250 ብኸቢድ ዝቘሰሉ ሰባት ንምሕካም ዘኽእል ናውቲ መጥባሕቲ ሓዊሱ መድሓኒታትን ቀረብን ናብ ሽዱሽተ ትካላት ጥዕና ከምዘብጽሓ ኣፍሊጡ።