ክልል ኣምሓራ፡ ሓያለ ሰባት ግዳይ ዝገብር ዘሎ ግጭትን መጥቃዕቲ ድሮንን

መጥቓዕቲ ዝበፅሖ ማእከል ጥዕና ሳንቃ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ ዝወረዶ ማእከል ጥዕና ሳንቃ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ክስማዕ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን እውን ዕንወት ይወርድ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ - ወረዳ ጉባላፍቶ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓንቲ ነፍሰጾር እትርከቦም ኣርባዕተ "ሲቪላውያን" ከምዝሞቱ፡መሰኻኽር ዓይንን ምንጭታት ሕክምናን ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ብቀዳም 17 መስከረም 2018 [ግ] ናይ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 06፡00 ኣብ ክላስተር ከተማ ሳንቃ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ዞባ ወልድያ 20 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ከምዝተፈጸመ፡ ኣርባዕተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ይዅን ዕምቈት እቲ ጉድኣት ርእይቶ ክህብ ከምዘይክእል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቦታ ዝነበረ በዓል ሞያ ጥዕና፡ እቲ ተፈንጃሪ ኣብ "ቍጽሪ 5" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ቅድሚት ዝርከብ ክፍሊ ከምዝዓለበን፡ ሕሙማት ደቂሶም ከለዉ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ሓቢሩ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓነ ኣባል እቲ ሕክምና፡ "እንታይ ከም ዘጋጠመኒ ኣይፈልጥን፤ መሬት ንሂሉ ዝወሓጠኒ መሲሉኒ ነይሩ። ኣብ ጥቓይ ዝነበሩ ወዲቘም፤ ኣምላኽ እዩ ሓልዩኒ፡" ኢሉ።

ካልእ ነቲ ፍንጀራ ሰሚዑ ናብቲ ቦታ ከምዝተጓየየ ዝገለጸ ምስክር ዓይኒ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ጥዕና ዝነበረ ኣባል ስድራኡ ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዝደሓነ፣ ዘስካሕክሕ ነገር ከም ዝረኣየ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ ውጉኣትን ሬሳታትን ክወጹ ከምዝረኣየ ዝገለጸ ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ንምግላጹ ዘጸግም ትርኢት ምዃኑ ገሊጹ።

'ከም ሓዊ እዩ ተባሪዑ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ትካል ጥዕና ኣዝዩ ከምዝተሃስየ ብምግላጽ "ካብ ቍጽሪ 5 ክሳብ ቍጽሪ 7 ዝተረፈ ከምዘየለ" ብምግላጽ፡ ገለ ክፋል እቲ ማእከል ጥዕና ከምዝዓነወ ይገልጽ።

'ከም ሓዊ እዩ ተባሪዑ፡" ድማ ይብል።

ቢቢሲ ዝተመልከቶ፡ ብናጻ ኣካል ዘይተረጋገጸ ስእልታትን ቪድዮታትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእከል ጥዕና ዝወረደ ጉድኣት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ማእከል ጥዕና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣርባዕተ ሕሙማትን ሰራሕተኛታትን "ኣብ ቅድሚ ዓይኖም" ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ሰለስተ ካብኣቶም፡ ደቀን ዘጥብዋ ዝነበራ ኣደታት ከምዝዀነን ሓቢሩ።

እቲ ሰራሕተኛ እቲ ማእከል ጥዕና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ራብዐይቲ ግዳይ፡ናብቲ ማእከል ጥዕና ክትሓርስ ዝመጸት ነፍሰጾር ምዃና ተዛሪቡ።

"ኣብ ክፍሊ ሕርሲ ዝሞተት ኣደ ኣላ። ሓንቲ [ነፍሰጾር] ኣብ ሕርሲ እያ ነይራ፤ ኣብ እዋን ሕርሲ ሞይታ። ሕጂ እታ መሕረሲት እውን ኣብ ኢዳ ከምዝተሃርመት ሰሚዕና" ይብል።

በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 10 ሰባት ከምዝቘሰሉ እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም።

ካብቶም ዝተጎድኡ፡ ሸሞንተ ሰራሕተኛታት ጥዕና ከምዝዀኑ ሓቢሮም፤ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ብሰኑይ እቲ መንገዲ ምስተኸፍተ እቶም ዝቘሰሉ ናብ ሆስፒታል ወልድያ ከምዝተወስዱ ሓቢሮም።

ሰብ ሞያ ጥዕና ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ወልድያ ከምዝኣተዉን፡ ካብቶም ብኸቢድ ዝቘሰሉ ሰለስተ ድማ መብጣሕቲ ከምዝተገብረሎም ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ነበርቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሓይልታት ፋኖን ዝዀነ ውግእ ከምዘይነበረ፣ እንተዀነ ኣብ ከባቢ ወልድያ ብፍላይ ጥቁር-ውሃ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከቢድ ውግእ ነይሩ ይብሉ።

ውጉኣት ዕጡቓት ፋኖ፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ሳንቃ ከምዝኣተዉ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ጥዕና ድማ "ካብ 10 ዘይውሕዱ" ተጋደልቲ ፋኖ ኣብቲ ማእከል ጥዕና ይሕከሙ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ሕክምና ዝግበረሎም ዝነበሩ ቍሱላት ፋኖ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።

በቲ መጥቃዕቲ ሕክምና ዝረኽቡ ዝነበሩ ብገምጋም ሽዱሽተ ዕጡቓት ፋኖ ተቐቲሎም ኣብቲ ከባቢ ከምዝተቐብሩ ሓቢሮም።

ምክትል ሓላፊ ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን ዞባ ሰሜን ወሎ፡ ፈለቀ ጌትነት፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ ይዅን ጉድኣት "ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን" ኢሉ።

"ሕጂ እቲ ከባቢ ጸላኢ [ሓይልታት ፋኖ] ዝንቀሳቐሰሉ'ዩ። ኣብኡ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? እንታይ ጉድኣት ኣሎ? ንምርግጋጽ ካብቲ ሕብረተሰብ ሓበሬታ ምእካብ የድልየና" ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ድዩ ኣይተፈጸመን'ውን ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ከባቢ ዞባ ሰሜን ወሎ ስርሒት ከምዝጀመሩን ዓወት ከምዘመዝገቡን ኣፍሊጦም።

ብቐንዱ ኣብ ከባቢ ዋና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ወሎ ወልድያ ብርቱዕ ኲናት ከምዝተላዕለን ምንቅስቓስ ከምዝተዓናቐፈን ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ሓደ ነባሪ ከተማ ወልድያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ከባቢ ወልድያ "ይገጥሙ" ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ሓይልታት ፋኖ፡ ጀሚርናዮ ዝብልዎ ስርሒት "ዝተጋነነ እዩ" ዝበለ ኣቶ ፈለቀ፡ ኣብ መንጎ ባህርዳርን ከባቢ ጥቁር-ውሃን ናብ ጎንደር ዝወስድ መስመር፡ ግጭት ከምዘጋጠመን እቲ መስመር ብሓይልታት ፋኖ ንመዓልታት ከምዝተዓጽወን ግን ኣሚኑ።

ካብ ከተማ ወልድያ ብዙሕ ዘይርሕቕ ከተማ ሳንቃ፡ ካብ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ፋኖ ከምዝጸንሐት ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣረጋጊጾም።

ነበርቲ ሳንቃ እውን፡ ኣብ "ልዑል ፍርሒ" ከምዘለዉን መድሓኒት ክረኽቡ ከምዘይከኣሉን ንቢቢሲ ገሊጾም።