ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ዘሎ ግጭት እንታይ ንፈልጥ?

ዕጡቕ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ግጭትን ህዝባዊ ተቓውሞን ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ሚያዝያ፡ መንግስቲ ፈደራል ህላወ ክልላዊ ፍሉይ ሓይልታት ከብቅዕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ተቓውሞን ወጥሪን ነጊሱ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ዝሳተፉ ዝነበሩ ብፋኖ ዝፍለጡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ስጕምቲ ብምቅዋም ብረት ከም ዘየውርዱ ኣፍሊጦም'ዮም።

ኣብ ዝቐጸሉ ኣዋርሕ ድማ ኣንጻር ሓይልታት ፈደራል ክዋግኡ ጸኒሖም።

ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራልን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዘይምርድዳእን "ልዑል ወጥሪን" ከምዝነበረ ዘመልክት መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብወገኑ፡ ን"ሓድነት ኢትዮጵያ"ን ከምኡ’ውን ን"ሰላም ህዝብን" ክበሃል ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ናብ ካልእ መሓውር ከሰጋግር ከም ዘለዎ ኣብቲ እዋን ምግላጹ ይዝከር።

እዚ ተቓውሞን ወጥሪን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ይርአ ብምንባሩ፡ ምምሕዳራት ከተማታት ጽኑዕ ገደብ ኣንቢሮም ነይሮም።

ምስቲ ፍሉይ ሓይሊ እተን ክልላት ዳግመ ንምውዳብ ዝተገብረ ወግዓዊ ውሳነ ብዝተኣሳሰር፡ ከተማታት ደብረብርሃን፡ ጎንደርን ደሴን ካብ ሓይልታት ጸጥታ ወጻኢ ኣጽዋር ሒዝካ ምንቅስቓስ ዝርከቦም እገዳታት ኣንቢረን ምንባረን ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ እዋን ምምሕዳራት፡ እቲ ስጕምቲ እዚ ኣብተን ከተማታት ሰላምን ልዕልና ሕግን ንምርግጋጽ ዝተወስደ ምዃኑ’ውን ኣፍሊጦም ነይሮም።

ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ግጭት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ግጭት ከም ዝተፈጠረ ዝተገልጸ እቲ ብ09 ሚያዝያ 2023 ኣብ ከተማ ቆቦ ዘጋጠመ እዩ።

ኣብቲ እዋን ኣብታ ከተማ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ብከበድቲ ኣጽዋር ዝተሓገዘ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ ነይሩ።

ቢቢሲ ቍጽሪ ዝሞቱ ብናጻ ከረጋግጽ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ኣባላት ፋኖ ተባሂሎም ዝተለለዩ ሰባት ከም ዝሞቱ ግን ካብ ነበርቲ ሰሚዑ እዩ።

ቀጺሉ ድማ ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ብዝተፈጠረ ግጭት ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምዝቘሰለትን ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ጐንደር፡ ደብረሲና፡ ሸዋ ሮቢትን ካልኦት ከተማታትን ንቡር ምንቅስቓሳት ከም ዝተገትአን ብዝሒ ዘለዎም ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተዋፈሩን ተገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ከተማታት ፍኖተ ሰላም፡ ጂጋን ደምበጫን ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን መንእሰያትን ብዝተፈጠረ ግጭት ሰባት ከም ዝቘሰሉ ነበርትን ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ንቢቢሲ ሓቢሮም እዮም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ብወገኑ፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዳግም ክውደብ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ተቓውሞታት ከም ዝተለዓሉን ሓይልታት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጕምትታትን ብዘይተፈልጡ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕትን ሰባት ከምዝሞቱ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጥሩ ግጭታት፡ ብዝተወሰዱ ስጕምትታትን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታትን፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝቘሰሉን መግለጺ እቲ ኮሚሽን የመልክት።

ኣብቲ እዋን ኢሰመኮ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቝጠቡ፡ እቶም ወገናት ሓሳባቶም ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክገልጹን መንግስቲ’ውን እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ክምርምርን ከም ዝጸውዐ ይፍለጥ።

ቅትለት ሰበስልጣናት

19 ሚያዝያ 2015 [ግ] ኣባል ፈጻሚ ሰልፊ ብልጽግናን ሓላፊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራን ኣቶ ግርማ የሺጥላ ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ዝተሰምዐ ብዕለት 27 ሚያዝያ 2023 እዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣቶ ግርማ "ካባና ዝተፈልየ ክሓስብ ኣይነበሮን ኢሎም ዝኣምኑ ኣሸበርትን ኣኽረርትን" ብዝፈጸምዎ ዘሕፍርን ጽዩፍን ተግባር ከም ዝተቐትለ ገሊጹ።

ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ቅትለት ኣይተ ግርማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓላፊ "ብዘይስሩዕ ሓይሊ" ከም ዝተቐትለ የመልክት።

ድሕሪ ቅትለት ኣይተ ግርማ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደጀንን ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሸዋ ሮቢትን እውን ሓለፍቲ ፀጥታ እቲ ከባቢ ተቐቲሎም እዮም።

ብ14 ሓምለ 2023 ድማ ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ደብረብርሃን ኮማንደር ምንውየለት ጭንቅሎ ብዘይተፈልጡ ሰባት ብጥይት ተቐቲሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ፌደራልን ድሕንነት ነበርቲ እቲ ክልል ንምሕላው ናይ ሕጊ ምኽባር ስራሕቲ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምግላጾም ዝዝከር’ዩ።

መጥቃዕቲ ገዳም ደብረ ኤልያስ

ኣብቲ ክልል ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን እዩ፡ እቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደብረ ኤልያስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ።

ሓባራዊ ሓይሊ ጸጥታን ድሕንነትን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ገዳም ስላሴ ዓሪዶም ነይሮም ዝበሎም 200 ዕጡቓት ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዕጡቓት "ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንመንግስቲ ንምውዳቕ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣኽረርቲ ሓይልታት" ምዃኖም’ዩ ዘመልክት።

ኣብቲ ካብ 26 ግንቦት 2023 ጀሚሩ ንልዕሊ ኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሐ ስርሒት ከቢድ ግጭት ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣማኢት ሰባት ድማ ቈሲሎም እዮም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ደብረ ኤልያስ ኣቶ መልካሙ ኣዲስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ 'ብርሃን ዓለም' ዝተባህለ ሓድሽ ናይ እምነት ምንቅስቓስ ንምስፋሕ ዝዓለሙ ሰባት ኣብቲ ግጭት ከም ዝተሳተፉ ገሊጹ እዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ጸጥታ ክልል ኣምሓራን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ "እስክንድር ነጋን መሻርኽቱን ንውግእ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ዕርዲ ዓንዩ፣ 200 ዕጡቓት ከም ዝተቐተሉ" ተገሊጹ።

እስክንደር ነጋ መስራትን መራሒን ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ዝተበሃለ ሰልፊ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣመራርሓን ኣባልነትን እቲ ሰልፊ ከም ዝተፈለየ ብወግዒ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወጥሪ እናወሰኸ ድሕሪ ምኻዱ፡ እስክንዳር "ኣብ ህዝቢ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ደው ንምባልን ነቶም ብድሆታት ንምምካትን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝነጥፍ ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ ዝተባህለ ምንቅስቓስ” ከም ዝጀመረ ብወግዒ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት

ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ወልድያ ብ22 ሓምለ 2023፡ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ሃንደበት ናብታ ከተማ ዝኣተዉ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ተዅሲ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ካልኦት ክልተ ድማ ከም ዝቘሰሉን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ከባቢ ከተማ ላሊባላ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ግጭት ከም ዝነበረ ተሰሚዑ።

ነበርቲ እታ ከተማ፡ ሰሉስ 1 ነሓሰ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓትን ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዘጋጠመ ግጭት "ከቢድ" ክብሉ ገሊጾሞ።

ብሰንኪ እዚ ናብ ላሊበላ ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ በረራታት ምትዕንቓፍ ኣጋጢሙ’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ሰሜን ወሎ፡ ደቡብ ወሎ፡ ደቡብ ጎንደርን ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልልን ዕጡቓትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ከም ዝተጋጨዉ ዘመልክቱ ዝሕብሩ ሓበሬታታት ተዘርጊሖም እዮም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሃቦ መጠንቀቕታ

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮ/ል ጌትነት ኣዳነ ብሰሉስ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ልዕሊ'ቶም ብስም ፋኖ ዝንቀሳቐሱ ሰላም ዝዘርጉ ስጕምቲ ክውሰድ'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ካብ ገለ ከባቢታት ክስሕብ ከምዝገደድዎ ጸብጻባት ክገልጹ ቀንዮም ነይሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ጎንደር፡ ቆቦ፡ ወልድያን ሽዋ ሮቢትን ዝርከብዎም ቦታታት ወግእ ተኻይዱ ምንባሩን፡ ኣብ ህይወት ጉድኣት ምውራዱን ይግለጽ።

እቲ ኣፈኛ ሰራዊት ከም ዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ተኻይዱ ምንባሩ ጠቒሱ'ሎ። ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ግን ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

እቲ ኵነታት፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ብምልዛብ "ብይቕረታ ተዓጽዩ ኣሎ" ድማ ኢሉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብመሰረት ሓላፍነቱ ሕግን ስርዓትን ንምሕላው ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጉጅለታት ስጉምቲ ምውሳድ ከም ዝቕጽል እውን ሓቢሩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ እንታይ ይብሉ?

ሓላፊ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጸገም ጸጥታ ከም ዘጋጥሞም ጠቒሱ፡ "እቲ ዝተፈለየ ኣካል ኣጽዋሩ ኣቐሚጡ ናብ ዘተ ክመጽእ ኣለዎ" ኢሉ።

ብሰንኪ ዓመጽ ቀንዲ ጽርግያታት ምዕጻዎም ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጉድኣት ከም ዘስዓበ ዝገልጽ እቲ ዶክተር፡ "ንሓድሕድና ምጽናት ቀዋሚ ጸገም'ምበር ቀዋሚ ፍታሕ ኣየምጽን" ከም ዝበለ ተገሊጹ’ዩ።

ብተወሳኺ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዅሎም ኢትዮጵያውያን ዝቘመ እዩ" ብምባል "ህዝቢ እቲ ዞባ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምኽባር ሕጊ፡ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ ዝፍጸም ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ" ኢሉ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝረአ ዘሎ ጸገም ጸጥታ "ዘሰክፍ" ይኸውን ከም ዘሎ ጠቒሱ።

ወሲኹ’ውን፡ ዘይተመለሱ ሕቶታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፡ "ነዞም ጸገማት ንምፍታሕ ግን እቲ ኣገዳሲ መንገዲ ብሰላማውን ብዘተን'ዩ" ኢሉ።