ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ምክልኻል ምስ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘካየድዎ ግጭት ሰባት ተቐቲሎም

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ግጭት ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ህይወት ደቂ ሰባት ጉድኣት ከም ዝወረደን ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ሓሙስ 5 ግንቦት 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዘካይዶ ዘሎ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ጽልዋን ሳዕቤንን ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ምስ እዚ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ብዝተኣሳሰር ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ሰሜን ወሎን ሰሜን ሽዋን ኣብ መንጐ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓትን ግጭት ከም ዝነበረ’ውን ኣመልኪቱ።
ብፍላይ ኣብ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ሽዋ ሮቢት፡ ኣርማኒያ፡ ኣንጾክያ ገምዛን ማጀቴን "ብከበድቲ ኣጽዋር ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ” ከም ዘሎ ኢሰመኮ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ድማ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱን ኣካላውን ንብረታውን ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ደሴ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተዓጽዩ ምንባሩ ከም ዘረጋገጸ ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት 'ቲ ሰልፊ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዝነበረ ኣቶ ግርማ የሺጥላ ብዕጡቓት ድሕሪ ምቕታሉ እዩ እዚ ግጭት ኣጋጢሙ።
ኣቶ ግርማ፡ ካብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ናብ ደብረብርሃን እናተመለሰ እንከሎ ከም ዝተቐትለ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ፌደራል ይዅን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ እቲ ዝተበሃለ ግጭትን ዝወረደ ጉድኣትን ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።
ቅድሚ እቲ ቅትለት፡ መንግስቲ ፈደራል ህልውና ክልላዊ ፍሉይ ሓይልታት ከም ዘብቅዐን ብምግላጽ እቶም ኣባላት ኣብ ፈደራላውን ዞባውን ምክልኻልን ፖሊስን ክውደቡ ዝሓንጸጾ መደብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብቲ ክልል ኣንጻር ውሳነ መንግስቲ ሰልፍታት ተኻይዱ፡ ንመዓልታት ዝቐጸለ ወጥሪ’ውን ተፈጢሩ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ገለ ኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት እቲ ክልል፡ እቲ ዝተሓንጸጸ መደብ ዝቃወም ሰልፊ “መሪሖም ወይ ኣወሃሂዶም ዝተበሃሉ መንእሰያት፡ ከምኡ'ውን ምስ ዕጡቓት ፋኖ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት" ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ኢሰመኮ ገሊጹ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኢሰመኮ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጠሩ ግጭታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለዘስዕቡ፡ ኵሎም ወገናት ጸገማት ብሰላማዊ ኣገባብን ዘተን ክፈትሑን፡ ነቲ ግጭት ካብ ዘጋድዱ ተግባራትን መደረታትን ክቝጠቡን ተላብዩ።
እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣድላዪ መርመራታት ብምክያድ ተሓታትነት ክረጋገጽን ዝዀነ ይዅን ማእሰርቲ ብመሰረት ሕጊ ክፍጸምን ጸዊዑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







