ኢትዮጵያ ንኤርትራን ህወሓትን ጠያይት ናብ ፋኖ ብምስግጋር ከሲሳ - ዝተዋህበ ምላሽ ከ?

ምንጪ ስእሊ, FBC
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ከሲሱ።
እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ።
እዚ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ወጥሪ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ ዝስማዕ ዘሎ ክሲ ኰይኑ፡ እቲ ኣብዚ ክሲ ተጠቒሱ ዘሎ "ታሪኻዊ ጸላኢ" ግን ብንጹር ኣይተቐልዐን።
እንተዀነ ብወገን ኢትዮጵያ ከም ታሪኻዊት ጸላኢት እትርአን እትግለጽን፡ብሰንኪ ሩባ ኣባይ ነዊሕ ብዝጸንሐ ጉዳይ ኣብ ዝኸረረ ምትፍናን እትርከብን ግብጺ እያ።
መግለጺ ፖሊስ፡ እቲ ጠያይት ብ13 ጥሪ ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣ ወልድያ ከምዝተታሕዘ ይሕብር።
እዚ ወተሃደራዊ ናውቲ ካብ ኤርትራ ብትግራይ ኣቢሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ - ናብቶም "ኣኽረርቲ" ዝበሎም ሓይልታት ፋኖ ይሰጋገር ከምዝነበረ መግለጺ ፖሊስ ወሲኹ ይሕብር።
እቶም ነቲ ኣጽዋር ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ከም ዝተታሕዙ'ውን ተገሊጹ።
"ብዝተገብረሎም መባእታዊ መርመራ ድማ" ዝበለ መግለጺ ፖሊስ ፈደራል፡ "እቲ ጠያይት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ተዋሂቡ ብህወሓት ዝሰጋገር ኰይኑ፡ ካብ መቐለ ናብቲ ዕጡቓት ፋኖ ዝርከብዎ ሽዋሮቢት ዝተባህለ ከባቢ ክልል ኣምሓራ ይጓዓዝ ምንባሩ" ከምዘቃልዑ ኣፍሊጡ።
ነቲ ክሲ ምላሽ ንምርካብ ሪፖርተር ቢቢሲ ካብ መቐለ ንወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም ተወኪሱ'ሎ።
ኣቶ ሚኪኤል፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ "እዚ ምስ ህወሓት፡ ምስ ትግራይ ይዅን ሰራዊት ትግራይ ዝዀነ ይዅን ምትሕሓዝ ዘይብሉ፡ ጭቡጥ መርትዖ'ውን ክቐርበሉ ዘይክእልን፡" ክብል ገሊጽዎ።
ዝጸንሓ ሜላታት ምዃኑ ጠቒሱ፡ "ካብ ውሽጣዊ ኵነታቶም ንምህዳም ኣጀንዳ ንምፍጣር፡" በቲ ኻልእ ወገን ድማ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዘይገበርዎ ግቡኣት ንመመኽነዪ ዘቕርብዎ እዩ፡ ክብል ይነጽግ።
ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ካብ ዘጓሃሃረ ሓደ ቀንዲ ጉዳይ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ፡ ጕዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ትረኻን ምጕትን ከልዕልዎ ምጽንሖም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Federal Police/FB
መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል ክዓቢ፡ ማዕረ-መዕሪኡ ድማ ንኤርትራ ብምትእትታውን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ብምድጋፍን ዝቐርብ ክሲታት ብተደጋጋሚ ይስማዕ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቲዎስ ኣብቲ ሆርን ረቪውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ካብ ዘስዕብ ንጥፈታት ክትቍጠብ፡ ክብል ንማሕበረሰብ ዓለም ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ምኒስተር "ንመንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ዞባን ዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ከውጽኡዎ፣ ናብ ብሩህን ምትሕብባርን ዘለዎ መጻኢ ዝዓለመ ስጕምትታት ክወስድ ከተባብዑዎ፡" ክብል ጸዊዑ ነይሩ።
ኤርትራ ኣብዚ እዋናዊ ጉዳይ ምስግጋር ጠያይት ዝቐረበላ ክሲ ዛጊት ዝሃበቶ ምላሽ የለን።
እንተዀነ፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበ ተመሳሳሊ ክሲ ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ "ርእይቶ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ርኡይ ሃቐነ፡" ብምባል ሰልፊ ብልጽግና፡ "ዝኣወጆ ማኒፈስቶ ኲናት" ብቐጻሊ መጠረዚኡ እናቐየረ ንነብሱ ከም "ግዳይ" ናብ ዝርኢ ትረኻ ዝኣተወ ይመስል" ክብል ብመንገዲ ኤክስ ምላሽ ሂቡሉ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







