ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ 'ዘይምኽኑይ ኲናት' ክትውልዕ ትደሊ ኣላ ክትብል ከሲሳ

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞትዮስ፡ ኤርትራ "ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ፡" ትፈጥር ኣላ ኢሉ ንዝኸሰሶ፡ "ርእይቶ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ርኡይ ሃቐነ፡" ብምባል መልሲ ሂብሉ።

እቲ ምኒስተር ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ሰልፊ ብልጽግና፡ "ዝኣወጆ ማኒፈስቶ ኲናት" ብቐጻሊ መጠረዚኡ እናቐየረ ንነብሱ ከም "ግዳይ" ናብ ዝርኢ ትረኻ ዝኣተወ ይመስል ኢሉ።

"ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብልጽግና፡ ’ኣድላዪ እንተዀይኑ ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ምውሓስ’፡ ’ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምዕስካር’፣ ከምኡ'ውን ’ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው’ ዝብል ተዅታዂ መልእኽታት ብዓውታ ከስምዕ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ግና እዚ ’መርዛm’ መናፍሕ ብሃንደበት ሃጢሙ፡" ኢሉ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞትዮስ ሆርን ረቪውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ኣብ ዘዳለዉዎ መድረኽ፡ "ንመንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ዞባን ዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ከውጽኡዎ፣ ናብ ብሩህን ምትሕብባርን ዘለዎ መጻኢ ዝዓለመ ንኣሽቱ ዝጭበጡ ስጕምትታት ክወስድ ከተባብዑዎ፡" ንማሕበረሰብ ዓለም ጸዊዑ ነይሩ።

ምኒስተር ጌድዮን፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ብምጥቃስ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከቢድ ምትዅታዅን ግህሰትን እንተ ተፈጸመ፡ ኢትዮጵያ ልዑል ነብሰ-ግትኣት ከም ዘካየደት ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ዘርኣየቶ ልጓም ምእንቲ ሰላም ክትብል ዝወሰደቶ ሕርያ ምዃኑ'ውን ኣስሚርሉ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ንዂናት "ዝቕስቅስ" ተግባራቱ፡ "ነብሰ ምክልኻል" ይገብር ከም ዘሎ መሲሉ ንምቕራብ ከመኽንየሉ ይደሊ ከም ዘሎ ወቒሱ።

ኢትዮጵያ ነብሰ-ምግታእ ከም ዝገበረት ዝገለጸ ምኒስተር ጌድዮን፡ እቲ ትዕግስቲ፡ "ቀጻልን ብዘይ ቅድመ-ዅነትን ክውሰድ ከም ዘይክእል፡" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ምኒስተር የማነ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ "ብሕጽረት ትካላዊ ዝኽሪ፡" ከም ዝሳቐዩ፣ ከምኡ`ውን ኣብ "ካቢነ ምኒስተራት፡ ባይቶ ወይ ኣብ ካልእ ኣብያተ-መዝገብ ሰነዳት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ፡" ከም ዝዛረቡ ብምግላጽ፡ "ዝኽሮም ንምሕዳስ" ኣርባዕተ ሓቅታት ዝበሎ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ዘርዚሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ተጠቃምነት ባሕሪ ሕቶ ካብ ዘልዕሉ ክሕሽክር ንዝጸንሐ ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ንቓልዕ ክወጽእ ገይሩዎ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንውዕል ኣልጀርስ ከም ዘተግብሮ ብቐጥታ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ ተራእዩ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኣስመራን ጅዳን ድሕሪ ዝተፈራረሙዎ ውዕል ሰላም፡ ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ክወስድ ምኽንያት ኰይኑዎ እዩ።

ኣብ 2020 ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓባር ዝወፈሩ ኰይኖም፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝምድናኦም ክሕርፍፍ ተራእዩ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል መግለጺታት ክህቡ ጸኒሖም።

ምኒስተር የማን፡ "ወሰንቲ ታሪኻዊ ሓቅታት" ኢሉ ኣብ ዝዘርዘሮ፡ ኢትዮጵያ ኣህግራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ፈደረሽን ኣፍሪሳ ንኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሰንኪ ምቝራና፡ ኤርትራ ናብቲ 30 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ክትኣቱ ከም ዝተገደደትን ኣብ ክልተአን ሃገራት ንዘሎ ግጭት መበገሲ ከም ዝዀነን ገሊጹ።

ነቲ ካብ 1998 ክሳዕ 2000 ዝነበረ ኲናት ዶብ ብምልዓል፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ባድመ "ክርክር" ከም ዝነበረ ኣምሲሎም ብሓሶት ኲናት ከም ዝጀመሩ ብኣብነት ኣሰንዩ ኣቕሪቡ።

"እቲ ሓቀኛ ዕላማታት ናይቲ ኲናት ክንዮ ባድመ ዝኸደ እዩ። ኣብ ፈለማ ናይቲ ግጭት ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ተቀዳ ኣለሙ፡ ኣብ ዋሽንግተን ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን `ዓሰብ ንምቍጽጻር` ቀንዲ ዕላማ ምንባሩ ብግልጺ ገሊጹ ነይሩ።"

ቀጺሉ፡ "ሎሚ፡ ሰልፊ ብልጽግና 'ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ' ኣብ ዝብል ጭርሖ ተሓቢኡ ብተመሳሳሊ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣተሓሳስባ ይሳቐ ኣሎል፡" ኢሉ።

ነቲ ምኒስተር ጌድዮን፡ "ኤርትራ ንዘይምርግጋእ" ኢትዮጵያ ኰነ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ትሰርሕ ኣላ ንዝበሎ፡ እቲ ሓቂ ግን፡ "ኢትዮጵያ ዘለዋ ውሽጣዊ ግርጭታት ካብ ናይ ገዛእ-ርእሳ ጕድለት ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ስርዓት ዝሰዓበ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

እዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥርን ምትፍናንን ናብ ኲናት ከይዓርግ ስክፍታ ፈጢሩ ይርከብ።