ሽወደን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ምወላ መንግስቲ ተኸልኪላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሽወደን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ሽወደን ምውላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ።
ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሽወደን፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ኣብ ሽወደን መሰረታዊ መሰላት ናይ ምግሃስ ሓደጋ ከምዘለዎን ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ ሰብመዚ ነዚ ውሳነ ወሲዶም ዘለዉ።
በዓል መዚ ደገፍ ንሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት (SST) ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ርእይቶ ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ዝተመርኮሰ ምዃኑ ዳይረክተርን ሓላፊን SST ኣይዛክ ራይቸል ተዛሪቡ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን፡ እታ ቤተ-ክርስቲያን ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪላ ወይ ምስኡ ተሰማሚዓ ትሰርሕ ምህላዋ ሓደጋ ኣለዎ ክብል ገምጋሙ ከምዝሃበ ይግለጽ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ካብ ሽወደን ዝርከብ መንግስታዊ ድጎማ ኣብ መወዳእታ ንስርዓት ኤርትራ ክጠቅም ከምዝኽእል ስክፍታኡ ኣነጺሩ።
እታ ቤተክርስትያን ዋላ'ኳ ብዝሒ ኣባላትን ስፍሓት ንጥፈታታን ብዝምልከት ንምወላ ዝበቅዕ ወግዓዊ ረቛሒታት እንተኣማለኣት፡ ብመሰረት ገምጋም ጸጥታ ነቲ ደገፍ ከይትረክብ ተኸልኪላ ኣላ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ዝርከባ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ኰይና ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 15 ሽሕ ኣባላትን ኣስታት 50 ጉባኤታትን ዘለዋ እያ።
ሓላፊ መራኸቢታት እታ ቤተክርስትያን ኣድማስ ተኽሉ ነዚ ክስታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ስርሖም ግሉጽነት ከምዘሎን ነቲ ክሲ ከምዝነጽጐን ይዛረብ።
"ኵሉ እንገብሮ ስራሕ ንጹር እዩ" ክብል ምላሽ ዝሃበ ኣድማስ፡ ሰፊቲ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል እታ ቤተክርስትያን ኣብርሃም ተስፋይ ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ ንተሳትፎን ኣባልነትን ምእመናን ብኣሉታ ከምዘይጸለዎ የረድእ።
"ብኣንጻሩ እዩ፣ ሰባት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ከም ዝቃወሙን ከምዝቃለስዎን ከርእዩ ስለ ዝደልዩ እዮም ብብዝሒ ዝመጹና ዘለው። ስለዚ ብኣንጻሩ ውጽኢት ኣምጺኡ እዩ" ይብል ተስፋይ።
ኣብ ድያስፖራ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ብሰንኪ ውሽጣዊ ምክፍፋል ንዓሰርተታት ዓመት ኣብ ቅልውላው ኣትያ ጸኒሓያ።
ንመበል 3ይ ፓትሪያርክ እታ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ መንበረ ስልጣኖም ብምውራድ መዓርጎም ብምቕንጣጥ ካብታ ቤተክርስትያን ከምዝኣገደቶም ይዝከር።
እቶም ኣብ 2022 ኣብ መበል 94 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንልዕሊ 16 ዓመታት ኣብ ቀጽሪ እታ ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ 2006 ፈለማ ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም፡ እታ ቤተክርስትያን ንሓያሎ ዓመታት ብዘይ ፓትሪያርክ ትምራሕ ነይራ።
ኣብ ታሕሳስ 2015 ኣቡነ ድዮስቆሮስ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ድሕሪ ምዃኖም'ውን እታ ቤተክርስትያን ብዘይፓትሪያርክ ነዊሕ ጸኒሓ'ያ። ኣብ ግንቦት 2021፡ ዝተሸሙ 5ይ ፓትሪያርክ ኣቡነ ቄርሎስ'ውን ኣብ ታሕሳስ 2022 ዓሪፎም።
ኣብ ታሕሳስ 2024 መበል 6ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ ኣብ መወዳእታ 2025 ስርዓተ ተቀብኦ ተገይርሎም።
ብተደጋጋሚ ኣብታ ቤተክርስቲያን ንዘጋጥም ባእሲ ግን፡ 'ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዝተፈጥረ ጸገም'ዩ' ዝብል ሽም ክወሃቦ ጸኒሑን ኣሎን።
ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ሰዓብቲ ናይቶም ኣብ ለካቲት 2022 ዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ወጻኢ ናቶም ኣብያተ-ክርስትያናት ብምፍላይ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ይፍለጥ።
እታ ቤተክርስትያን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ ክብሉ ብዙሓት ሰዓብታን ተጣበቕቲን ይገልጹ።
እዚ መዕለቢ ዘይተረኸቦ ቅልውላዉ ድማ፡ ምኽንያት ምክፍፋል፡ ምልሕላሕ ውሽጣዊ ሓድነትን ሃይማኖታዊ ክብርታትን እታ ቤተክርስቲያን እናዀነ ምምጽኡ ኣቦታት ናይታ ቤተክርስትያን ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







