ዜና ዕረፍቲ፡ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዓሪፎም

ምንጪ ስእሊ, TEWAHDO.ORG/SCREENSHOT
ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሰዓብቶም ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ኣባል ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝኾኑ ሊቀ-ክህናት ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሎሚ ንጉሆ ከምዝዓረፉ ገሊጾም።
ሬሳ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ናብቲ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሰፍኣ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ 'ገዳም ኣባ-እንድርያስ' ከምዝተወስደ ሓበሬታ ከዝበጽሖም'ውን ሊቀ-ካህናት ገብረሚካኤል ጠቒሶም።
ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ተኸታሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝኾኑ ኣባ ዮሃንስ ገብረሂወት ብወገኖም፡ ንዜና ዕረፍቲ ናይቶም መበል 3ይ ፓትሪያርክ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
"ቅዱስ እንጠንዮስ፡ ንልዕሊ 16 ዓመት ኣብ መሓዩር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ዝኣመንዎ ጎይታን ነታ ዝመሓሉላ ቤተ-ክርስቲያንን ክብሉ ብሰማእትነት ኣብ መሓዩር እንከለዉ ዓሪፎም" ክብሉ ኣባ ዮሃንስ ተዛሪቦም።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ 2006 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተታሒዞም ምንባሮም ይግለጽ።
ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን በዘይ ፓትርያርክ ንሓያሎ ዓመታት ጸኒሓ።
ኣብ ሓምለ 2019 ግን ሲኖዶስ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ምስ "ጉጅለ መናፍቓን" ወጊኖም ብምባል፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን እቲ ዝቐረበሎም ክሲ "ሓሶት" ምዃኑ ብድሕሪ'ቲ ውሳነ ብቪድዮ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ነጺጎሞ ነይሮም።
ኣብ ደገ ዝርከቡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ሰዓብቲ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን፡ እቲ ሲኖዶስ ንፓትሪያርክ ከውርዱ ኮነ ኣብ ርእሲኡ ካልእ ፓትሪያርክ ክሸሞ ሕጋውን መንፈሳውን ሓላፍነት የብሉን ብምባል ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሐ'ምዮም።
ኣቦነ መቃርዮስ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ከምዝበልዎ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ናይታ ቤተ-ክርስትያን ብምቅዋሞም ነቲ መከራ ከምዝተቓልዑ'ዮም ዝኸሱ።
ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐረብ ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







