ኣቡነ መቃርዮስ፡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 'ኣብ ገዛ ተዓጽዮም''ዮም ዘለዉ፡ ከም መሓስእ'

ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ
መግለጺ ስእሊ, ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ኣህጕረ ስብከታት ቤተ-ክርስትያን ተዋሕዶ

ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ኣህጕረ ስብከታት ቤተ-ክርስትያን ተዋሕዶ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካብቲ ዝነብርሉ ኣመሪካ ተበጊሶም ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ መንፈሳዊ ዑደት ከካይዱ ናብ ለንደን ኣብ ዝመጽሉ፡ ናብ ስትድዩ ቢቢሲ ብምምጻእ ብዛዕባ ኩነታት ካብ መዓርጎምን መዝነቶም ዝተኣለዩ መበል 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ኣንጦንዮስን ኩነታት እታ ሃገርን ቃለመሕትት ኣካይዶም ነይሮም።

እቶም ወዲ 90 ዓመት ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ክሳዕ ብንእሶም ሃማኖታዊ ትምህርቲ ንምቕሳም ናብ ደብሪ ዝኸዱን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝለዓለ ትምህርቲ ዝወሰዱን ዘገልገሉን እዮም። ኣብ ፈለማ 1950ታት ናብ ግብጺ ዘምርሑ መንፈሳዊ መራሒ ኾይኖም፡ ኣብ እስራኤል፣ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝተማህሩን ዝተቐመጡን ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣብ ዩኒቨርሰቲ ብምእታው ክልተ ናይ 'ማስተርስ' መዓርግ ዝረኸቡ፡ ኣብ ዙርያ ታሪኽ ቤተክርስትያንን ማእከላይ ምብራቕን መጽናዕታዊ ምርምራት ኣካይዶም።

ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ካብ ኣመሪካ ናብ ሳሕል ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን፡ ንገለ ካብቶም ሕጂ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ከምዝተራኸቡ ይዛረቡ።

ድሕሪ ናጽነት ግን መንግስቲ ኣብ ሃማኖታዊ ጉዳያት ዝገብሮም ዝነበረ ምትእትታዋት ብምቅዋሞም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ገለ መራሕቲ እታ ቤተክርስትያን ክቃደዉ ስለዘይክኣሉ ምስ ግብጻዊት ቤተክርስትያን ተጠርኒፎም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ንኩነታት ናይታ ተመቓቒላ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ክከታተሉ ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ይገልጹ።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ተሓለቕቲ መሰላትን ብዛዕባ ኵነታት ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክሓቱን መንግስቲ ኣብ ትካላት ሃይማኖት ኢዱ ከየእቱን ኣቡነ መቃርዮስ ጸዊዖም።

እቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበርዎ ሓጺር ጻንሒት እንሆ።

ቢቢሲ፡ ኣቡነ መቃርዮስ እንቋዕ ብድሓን ኣብ ለንደን መጻእኩም። ግዜ ፈሊኹም ናብዚ ስቱድዮና መጺእኩም ንኸተዛርቡና ፍቓደኛ ብምዃንኩም ብስም ተኸታተልትና ነመስግነኩም።

ኣቡነ መቃርዮስ: እግዚኣቢሄር ይኽበር ይመስገን። ናብዚ ዓቢ ህዝቢ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ዘምጽኣኒ፡ ንስኻትኩም ከኣ ከም ጋሻ ክትቅበሉኒ እሕጐስ። ድሓር ከኣ ድምጸይ ነቲ ዝተሸገረ ህዝቢ፡ ንዓለም ሽግሩ ክነግረሉ ዕድል ስለ ዝሃብኩምኒ ብሩኻት ኩኑ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ፡ ኣቡና ኣንጦንዮስ፡ ከነዕልል። ኵነታቶም ከመይ ኣሎ? ኣበይ ኰን ይህልዉ? እንታይ ኣፍልጦ ኣሎኩም?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ከምቲ ንሰምዖ፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም''ዮም ዘለዉ፡ ከም መሓስእ! ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ። ንምንታይ ኣብኡ ክኣትዉ ኸኣሉ? ፕረዚደንት መጺኡ ይጥይቖም 'ሞ፡ ንሶም ከኣ ጉቡኦም ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉሲ ዳኛ ይፍረዶም ይብሉ። ኣውጽኣዮም ኣይበሉን። ንሱ ኸኣ 'ሕራይ'ምበኣር፡ እቲ. . . ፋይላተይ. . . ርእየ ክመጽእ'የ' ኢሉ ከይዱ። ኣብ ክንዲ መልሲ ዝህቦም ከኣ ኣእሲሩዎም። እቶም ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰባት ኸኣ ....ሱቕ ኢሎም ይቕበልዎ።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር ተቐሚጦም ኣለዉ፡ ከምቲ እንሰምዖ። ዕድሚኦም ካባይ ንላዕሊ'ዮም፣ ኣነ ወዲ ተስዓ ዓመት'የ። ንሶም ሽኮር ኣለዎም። መድሓኒት ዜድልዮ ሕማም።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, TEWAHDO.ORG/SCREENSHOT

መግለጺ ስእሊ, ካብ መዓርጎምን መዝነቶምን 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ

ኣነ ንዓለም ዝብሎ፡ ቀይሕ መስቀል ይጠይቆም፣ ከምኡ'ውን ህዩማን ራይትስ ዎች ብከመይ ከም ዝነብሩ ይርአ። ሓደ ሰብ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣይእሰርን'ዩ። እወ፡ ኤርትራ ባይቶ የብላ፡ ዳኛ የብላ፡ ኩሉ ንሱ [ፕረዚደንት] ባዕሉ ሒዙዎ፣ ኣብ ጸገም'ዮም ዘሎዉ።

ቢቢሲ፡ ሲኖዶስ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ኣውጊዝዎም ከም ዝኣለዮም ምስ ኣፍለጠ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብሓልዮት ሒዛቶም ከም ዘላ'ዩ ገሊጹ'ሞ፡ ነዚ ብኸመይ ትርእይዎ?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንሶም ብስልጣን ኣብ ወዎልድ ወመንፈስ ቅዱስ ከይትሾሙ ኢሎሞም'ዮም። እቲ ኣብ ርእሶም ዘሎ ቖቢዕ ፈለስቲ'ዮም፣ ኣቡናት ኣይኰኑን። ነዛ መብራህቲ ስሕብ እንተድኣ ኣቢሉዋ መዘጋጃ-ቤት እዚ መብራህቲ የለን። ንሶም ከኣ ነቲ ስልጣኖም ሒዞምዎ'ዮም።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እስከ ኣዕልሉና። ትፈልጥዎም ዲኹም ብኣካል? ካብ መዓስ ጀሚርኩም ኢኹም ትፈልጥዎም? ከም ዝበሉ ኣቦ'ዮም?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣነ በቶም ሓለቓይ ዝነበሩ ኣቡነ ፊሊጶስ ኣቢለ'የ ዝፈልጦም። ኣብ ስሳታት፡ ሰብዓታት ጀሚረ'የ ዝፈልጦም። ከም ፈላሲ፡ ከም ሓደ ሓቀኛ ፈላሲ፡ ኣበምነት ናይቲ ገዳም ነይሮም። ከም ኩሎም ፈለስቲ በቲ መስርሕ ኣቢሎም ኣብ ምርጫ ኣትዮም። ኣብ ሓላፍነት ናይ ፓትሪያርክ ግን በጃኻትኩም ስለ ማርያም ምረጹኒ ኣይበሉን። ብምርጫ'ዮም ኣትዮም።

ምስ መረጹዎም ግን "ዘተናገሩዎ በነግድ ኢይደግሙዎ በሰርክ" ይብሃል፡ ንግሆ ዝመረጹዎም ምሸት ኣውሪድናኩም ኢሎሞም። እምበር ንሶም ኣይከተሩ ኣይዘመቱ። ኣብ መንግስቲ ኣይኣተዉን። ነታ ቤተ-ክርስትያን መሰላ ክሕልዉ ኣለዎም። ኩሉ ሰብ [ግቡኡ ]ክገብር ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ከንቲባ እንተድኣ ኰይኑ ናይታ ከተማ መሰል - ጽሬት፡ ጸጥታ ክሕሉ ኣለዎ።

ቢቢሲ፡ ነቲ ኣብ ዉሽጢ'ታ ቤተ-ክርስትያን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ንፓትሪያርክ ካብ ስልጣኖም ምውራድ፡ ምውጋዝ፡ ካብ ቅድሚኡ ጀሚርካ ነቲ ኵነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተፈተነ ጻዕርታት ነይሩ'ዶ፣ ብወገንኩም ወይ ብኻልኦት ወገናት ዝተፈተነ ነይሩዶ? ብ2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ነታ ቤተ-ክርስትያን ንምትዕራቕ ባህጊ ከም ዘሎዎ ኣተንቢሁ ነይሩ'ሞ ብዛዕብኡ እንታይ ትብሉና?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንሱ ክነግረካ፡ እንግሊዛውያን 'up in the air' ይብሉ። መቸም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሕመድ ደኺሙ ይኸውን. . . ብሱሩ'የ ዝብለካ ብንግህኡ ... ሰንበት ምስ ሾሙዎም ንሰሉሱ ዝተቓወምዎም።

ብሕጊ ቤተ-ክርስትያን እቲ ተቐባሉ ነቲ ወሃቢ ክግዝዞ ኣይክእልን'ዩ። ተቐባሊ ኣይክእልን'ዩ። ዝተገብረ ነገር የለን። ንመልክዕ ንወረ ክበሃል ይከኣል'ዩ፣ ኣብ ግብሪ ግን ኣይተተርጐመን። ኣነ ገዲፈዮም ወጺአ'የ። ስለ ዝተዛረብኩ ኣይንኽእሎን ኢና ኢሎም ውጸልና ኢሎምኒ።

ኣነ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ወሲደ'የ ዝንቀሳቐስ። ስለዚ ምስኦም የለኹን፣ ግናኸ ዝተወለድኩላ፡ ዓደይ ስለ ዝኾነት'የ።

ብቕንዕና ኣይተገብረን። ንስምዑልና፡ ንወረ'ዩ።

ቢቢሲ፡ እቲ ሲኖዶስ ተኣኪቡ ሓድሽ ፓትሪያርክ ዝመረጸ፡ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ክውግዞም ከሎ፡ ካብ ትምህርቲ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ወጺኦም ብማለት'ዩ። ኣየናይ ትምህርቲ ምዃኑ'ዩ? ንናይ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ብምድጋፎም፡ ነቶም ዝተኣስሩ ኣቕሽሽቲ'ውን ፍትሒ ንክረኽቡ ብምጽውዖም'ዮም ኢልኩም 'ሞ እስከ ንገሩና እቶም መንእሰያት ወይ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣቕሽሽቲ መን'ዮም?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ እቕሽሽቲ ጥራይ ኣይኰኑን ተኣሲሮም። ሰለስተ ኣቕሽሽቲ ኣለዉና [ዝተኣስሩ]፡ እቲ ሓዲኦም ናይ ሓንጐል ሓኪም'ዩ። ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ ዝተኣስሩ ፈለስቲ 'ውን ኣለዉና። ኣስላም መሻይኽ ውን ኣለዉ። እቲ ሽግር ኣስማቶም ስለ ዘንፈልጦ'ዩ። ብሓጺሩ፡ እታ ሃገርሲ እስርቲ'ያ ዘላ።

መንበረ ፓትሪያርክ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, LISANTEWAHDO

መግለጺ ስእሊ, ካብ መንበሮም ዝወረዱ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኖም ምጽንሖም ይፍለጥ

ብትርግርኛ ብሂል ኣሎ፡ 'ክበልዑዎ ዝደለዩ ኣባጉንባሕ ዛግራ-ዛግራ ይብሉዎ'። ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ክቓወምዎም ስለ ዝደለዩ ኩሎም ሓቢሮም፣ ንሶም ዘጥፍእዎ ጥፍኣት የለን።

ቢቢሲ፡ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራአ ብኸመይ ኢኹም ትርእይዎ? ኣብቲ ሃገር ዘሎ ናጽነት ናይ እምነት ... ከምዚ ክትጠቕስዎ ዝጸናሕኩም ምእሳር መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት፡ ብካቶሊክ ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ምዕጻው፡ ከምኡ'ውን መሻይኽ ተኣሲሮም ክትብሉ ጸኒሕኩም እሞ ንምንታይ'ዩ መንግስቲ ንናይ እምነት ናጽነት ዝድርት ዘሎ ትብሉ?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ስምዓኒ'ሞ፡ መንግስቲኳ የብላን ኤርትራ። መንግስቲ ክብሃል ከሎ፡ ባይቶ. . . ጋንታ ክልተ ይኾኑ ወይ ሰለስተ፡ ዘሸነፈ ኸኣ መስርዕ ይመጽእ፡ ብህዝቢ ዝተመረጸ ይኸውን። ሕጂ ንዘየሎ ከመይ ኢልና ክንዛረበሉ? የሎን እኮ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ሰብ'ዩ ዘሎ . . . ሓደ ሰብ ከምሓሙስ፡ ሓሙስ ኣይትልወጥን'ያ፡ ንሱ ክልወጥ'ዩ ጽባሕ ንጉሆ፡ ታሪኹ የበላሱ'ሎ። ኣነ ጥፍኣቱ ኣይኮንኩን ዝምነየሉ፡ ክምለስ'የ ዝጽልየሉ።

ቢቢሲ፡ እዚ ዘሎ መንግስቲኸ?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ መንግስቲ ኣይኰነን። ኣነ'የ እዩ ዝብል። ኣነ ነዛ ዓዲ [ብሪጣንያ] ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቸርቺል ኣትሒዘ'የ ዝፈልጣ። ኣብ ዓድና ግን መንግስቲ የለን።

ለማኒ መጺኡ ኣይልምንን ... እንተ ሃብክን ኣብዚኣ፡ እንተ ከላእክን ድማ በዚኣ [በትሪ]...ከምኡ'ዩ። መዘጋጃ ቤት የብሉ ... ኣይትብከ'ንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ። ባይቶ ክህሉ ናይ ግድን'ዩ።

ቢቢሲ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺብኩምዶ ትፈልጡ? ትጽልዩዶኸ?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ሕጂ? ናብ ልቡ ክምለስ እወ እጽልየሉ። ኣጸቢቕና ንፋለጥ። ኣብ ሜዳ ተራኺብና። ኣብ ዋሺንግተን'ውን ተራኺብና። ኣጸቢቑ ይፈልጠኒ'ዩ። ስለዝፈለጠኒ ድማ'ዩ እዛ ዓጽሚ'ዚኣ ኣይትቝርጠምን'ያ፡ ኪደልና ካብዚ ዓዲ ዝበለኒ።

ቢቢሲ፡ እስከ እቲ ርክብኩም ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ቍሩብተይ ኣዕልሉና።

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣብ ዋሺንግተን ንመጀመርታ እዋን ምስ መጸ ተራኺብና። ንሱ ኣብ ዋሺንግተን መደብ ነይሩዎ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ሎስ- ኣንጀልስ መደብ ነይሩኒ። ሽዑ ወደየ ኣነ እዚ ኵነታት ከምዚ'ዩ ኢለዮ ተራዳዲእና ነናብ ስራሕና ኬድና። ድሕር ኣነ ንወሺንግተን ክኸይድ ንሱ ኸኣ ንሎስ-ኣንጀልስ ከይዱ። ድሓር ንሓደ ሰብ ጠይቐዮ ... እቲ ኣኼባ ብዙሕ ጽቡቕ ከም ዘይነበረ ሓቢሩኒ። ንምንታይ ኢለ ምስ ተወከስኩዎ 'ናይ መጻኢ ኵነታት ኤርትራ ከመይ'ዩ ክኸውን ኢሉ ሓቲቱዎ። እንቋ ብደሓን መጻእካ ኣይበልዎን? 'ኣይበሉዎን' በለኒ። ድሓር ነቲ ሰብ ተጋጊኹም ...ንሱኮ ብማይ ኣይኰነን ዝጋጨብ ነይሩ፡ ብዓረርኮዩ ዝጋጨብ ነይሩ ኢለዮ።

ሜዳ ምስ ከድና ኸኣ ተራኺብና፡ መጨረስታ ከይደ ተዘራሪብና - ኣብቲ ካልኣይ [ጉባኤ] ዝበርዎ፣ እቲ ዘረባ ኸኣ ኣምላኽ ይሓግዝኩም'ዩ ነይሩ። ድሓር ኢልዮ፡ ነቶም ካህናትን ዲያቆናትን ስልጣኖም ሓልዉ በልዎም ኢለዮ። ጕዳይ ከይባሾሞ ... ድሓር ኣቡን ኣይክህልወናን'ዩ ኢለዮ። እንተ ደለኹም ኣነ ክመጽእ ኢለዮ።

ፕረሲደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, MoI Eritrea

መግለጺ ስእሊ, ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ሽዑ ንሱ 'ዋእ፡ ንስኹም ድኣ ንኹሉ ኤርትራዊ ከየዳሎኹም እድኹም ትእክብዎ ዘለኹም፡ - ተጋዳላይ ዘገብሮ' በለኒ። በል ሕራይ ኢለዮ።

ድሓር ከኣ ኣብ ዓዲ [ድሕሪ ናጽነት] ኸኣ ተራኸብና . . . ንምንታይ ከም ሃገር . . . ግናኸ ኢዱ ኣብ ቤት-ክርስትያን ዘእትወሉ ዝነበረ እዋን'ዩ፣ ዓድኻ ክዝመት ዓይንኻ ኣይዕመትን'ዩ፡ ኣነ ቤተክርስትያን'የ ከገልግል እምበር ንዕኡ ኣይኮንኩን። ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሃይማኖት ኢድኩም ኣይተእትዉ ኢለዮ። ሃይማኖት ክብል ከሎኹ ኣብ ኩሉ ሃይማኖት'ዩ። ተፈጥሮ ዜምልኹ ኣብ ታሕቲ ኣለዉ፣ ክርስትያን ኣሎና ኣስላም ኣሕዋትና ኣለዉና።

ቅድሚ ኹሉ ግን ንኹልና ኣካቢት ኤርትራ'ያ። እንታይ ይበሃል፡ 'ናይ ዘመድ ሞት ኣብ ዓዲ ይብከ፣ ናይ ሃገር ሞትከ ኣበይ ይብከ?' ይበሃል።"

ቢቢሲ፡ ሕጂ ብዛዕባኹም ቍሩብ ኣዕልሉና። ብዙሕ ከም ዝተመሃርኩም ይዝረብ'ዩ፣ ብዙሕ ቋንቋታት ከም እትኽእሉ ይዝረብ።ዩ፣ ሎሚ'ውን ብሰለስተ ቋንቋታት ቃለ-መሕትት ክትግብሩ መጺእኩም ኣሎኹም'ሞ እስከ ኣቡነ መቃርዮም መን'ዮም ንገርኑ። ኣተዓባብያኹም፡ ትምህርትኹም ...

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ስምዓኒ፡ ባዕልኻ ናእዳ ማይዝንገዳ ኢዩ ዝመስል። ባዕልኻ ስለ ዝሓተትካኒ ግን፡ እቶም ሰማዕቲ ድማ ዝነዓቕኩዎም ከይመስሎም ... ኣነ ከም ኩሉ ቘልዓ ጓሳ ኣሓ ነይረ'የ። በትረይ ከኣ ጽሩይ'ዩ ነይሩ። ኣተን ኣሓይ ኣንስተይ'ምበር ተባዕታይ ዝወለዳ ሒደት'የን ነይረን።

ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ከይመላእኩ ንደብረ-ቢዘን ከይደ። ኣብኡ ሸሞንተ ዓመት ተማሂረ። ኣስሊጠ። ወዲ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ከሎኹ ካብ ኤርትራ ወጺአ። ኣብ ኢየሩሳለም ፈላሲ ኮይነ ንክነብር'የ ዝኸድኩ።

ንሽድሽተ ዓመት ክህነት ኣይቕበልን። ኣነ ፈላሲ ዀይነ ሱቕ ኢለ ንክነብር'ዩ ነይሩ ዕላማይ። ግን ከም ዝሓሰብኩዎ ኣይኰነን።

ኣቦይ ረኺቡኒ... ናይቲ ገዳም ሶርያ. . .ኣብኡ ኣምባሳደር ናይ ኢትዮጵያ ኣዝዮም ኣማኒ ዝነበሩ ይሓሙ፣...

ኣብ ዓድና እቲ ናይ ግብረ ክህነት ኩሉ ኣማሊአ'የ። ኣብ ግብጺ ኸኣ በቲ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስትያን ቅዳሴ ብባቸለር ተመሪቐ።

ኣብ እስራኤል ትምህርቲ ኣእትዉኒ ምስ በልኩዎም ሕራይ ኢሎም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣእተዉኒ። ፕሮፈሰር ሓይም ፖሎስኪ ዝበሃል ኣርብዓ ... ኣርብዓን-ክልተን ቋንቋታት ዝፈልጥ መምህር ነይሩ። እሞ ትሑት። ተቐቢሎምኒ።

ሽዑ ቋንቋ እብራይስጢ ንክመሃር ጊዜ ኣይወሰደለይን። ብድሕሪኡ ንማስተርስ ዲግሪ ንክመሃር ቀጺለ። ትምህርተይ ብጽቡቕ ምስ ኣጠናቐክኩ 300 ኪሎ ዝኽብደቱ መጻሕፍቲ ንክወስድ ኣፍቀዱለይ (ካልኦት 20 ኪሎ ጥራይ'ዩ ዝፍቀደሎም ነይሩ)። ኣነ ኸኣ ነቶም መጻሕፍቲ ሒዘ ንመዘጋጃ-ቤት ኣረከብክዎ።

ብድሕሪኡ ግዝራዝማች ደርጊ ኣብ ስልጣን መጸ። ካብ ደርጊ ኸኣ ኣምሊጠ ወጻእኩ። ወዲ ኤርትራ'ዩ ንክመሃር ንወጻኢ ክኸይድ ተባሂለ ተፈቕደለይ። ንዓይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ይዅን ደርጊ ኣይተንኰየኒን፡ ንኤርትራ ስለ ዝተንኰዩ'የ ገዲፈዮም ወጺአ። ብድሕሪኡ ኣብ ፕሪንስተን ኣትየ ኸኣ ብናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ፡ ቅድሚ ምፍልላያ [ተማሂረ]። ኣብኡ ካልኣይ ማስተርስ መዓርግ ኣምጺአ። እቲ ናይ ዶክትሬት መዓርግ ገዲፈዮ ...ሰብ እናበዝሐ ምስ መጸ፡ ከይጸሓፍኩን ከይተፈተንኩን ገዲፈዮ. . . እዚ ሓጺር፡ ብጭልፋ እንዳኣሉ. . .ንኣኻትኩም ብዙሕ ይመስለኩም . . .ወሸለ ዓሰርተ ቋንቃ ከምክኣልኩ . . .

ቢቢሲ፡ ክንደይ ቋንቋታት ኢኹም ትዛረቡ ሕጂ?

ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኣቡነ መቃርዮስ፡ እቲ ዘንብቦ ቋንቋታት ዓሰርተ'ዩ፣ ዝዛረበሉ ድማ ሸውዓተ'ዩ፡ ይኣክል'ዩ።

ቢቢሲ፡ ሒደት ኣይኮነን፡ ብዙሕ'ዩ፡. . .

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንኣኽትኩም ብዙሕ እምበር፡ ንዓይ ሒደት'ዩ . . . ሃዋርያ ጳውሎስ 'ዜሰ ይቤ ከመኣእመርኩ ይደልዌ ከመኣእምር . . . ' ዝበሎ፡ ክውስኽ ምደለኹ፡ ግን እንታይ ኮይኑ፡ እግዚኣብሄር ዝሓተኒ ቋንቋ ኣይኮነን፡ እታ ዝሃበኒ ምክሊተይ ርእየ ገዲፈዮ. . .።

ቢቢሲ: ዝተረፈ እንተሎ ኣብ መወዳእታ ቃል ክትህቡና ዕድል ክንህበኩም. . .?

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ደወል ከም ንግሆኣ ተእዊ፡ ዝተረፈኒ ንሱ'ዩ፡ ናይ ኤርትራ ህዝቢ ናጽነት፡ እቲ ወዲ ኸኣ ናብ ልቡ ክምለስ'ዩ። እንተዘይተመለሰ ግን ክፈልጥ ኣሎዎ። እቶም ንሕና. . .ንሕና ዝብሉ ዝነበሩ ረኺቦማ'ዮም፣ ንሱ ኸኣ ከምኦም ክኸውን'ዩ። ግን ተሕምመኒ'ያ። ኣፍንጭ እንተ ተሃርመት ዓይኒ ትነብዕ ይበሃል'ዩ።

እቶም ምስኡ ዘሎዉ ኸኣ መሲሉዎም የጣቕዕሉ ኣለዉ። ጽባሕ ንግሆ ግን፡ ሎሚ ርኣዩኒ-ርኣዩኒ ዝብሉ ዝነበሩ ጽባሕ ሕብኡኒ-ሕብኡኒ ክብሉ'ዮም። ኤርትራ ከም ኩሉ ዓለም ናጻ ሃገር ኰይና እተን ጐረባብቲ ኸኣ በቲ ባሕሪ ክሓልፋ እንተደለያ መን ይኽልክለን። ኣሜሪካ'ኮ ዓባይ ሃገር'ያ፡ ንፓናማ ካናል'ኮ ተኻርያቶ'ያ ዝነበረት እምበር ኣይዓምጸጸቶን። [ፕረዚደንት ጂሚ] ካርተር፡ ኣብኡ ከለኹ፡ እንኩ ኢሉ ሂብዎም'ዩ። ሕጂ ኣመሪካ ትሓልፍ ኣላ፡ ዓለም ይሓልፍ ኣላ፡ ከም ስዊዝ ካናል፡ ስለዚ ናይ ጎረቤት ሃብቲ ዘይምድላይ! ንኹሉ፡ ኢትዮጵያ ኮነ. . . ኢትዮጵያ ከም ዕፉን ክትጭጨፍ ኣይደልን'የ ኢለ ነይረ. . .ነገር ግን ንሓደ ህዝቢኸኣ ብጉልበት [ክትሕዞ ኣይትኽእልን ኢኻ]።

ሕጂ ኤርትራ ከም ኩሉ ናጻ ክትከውን፡ እንተኾነ እንተኾነ ከምስዊዘርላንድ ነዊትራል [ዘይሻራዊት] ትኸውን፡ እንተዘይኮነ ዓዲ ክትከውን፡ ምስ ምዕራብ ከኣ ብሰላም ክትነብር. . . ።

ሰማዕተይ ልቢ በሉ፣ ዘረባይ ተረዱኡለይ። ኣነ ነቶም ናይ መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ይጥፍኡ ኣይበልኩን፣ ይመለሱ ናብ ንስሓ'የ ዝብል ዘሎኹ። እጽልየሎም'የ። ንምንታይ ... 'ህድግለነ፡ ሃበኒ ሲሳይ እናበልኩ'የ ዝጽሊ' . . . እንተኣበዩ ግን፡ እዋእ ዓስ እብለኪ፡ ክር እብለኪ፡ እንተ ኣበኺ ... ተባሂሉ። እንተ ኣበዩ ግን ኣብቲ ኣዳልዮምዎ ዘለዉ ክእሰሩ'ዮም።

ቢቢሲ፡ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ስለጊዜኹምን፡ ርእይቶኹምን፡ ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም ምምጻእኩምን ብስም ተኸታተልትና ኣዚና ነመስግነኩም፡ የቐንየልና።

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣነ'ባ አመስግነኩም፡ ነቲ ህዝቢ ሽግሩ ክነግር ስለ ስለዝፈቐድኩምለይ።