መከላኸሊ ጥንሲ ንደቀንስትዮ ምቾት ይኸልአን፤ ደቂተባዕትዮ እንተወሰዱ'ዶ ይሓይሽ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብምኽንያት መደብ ምጣነ ስድራ፡ ደቀንስትዮ ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ጥዕናአን ጽልዋ ዘሕድሩ መከላኸሊታት ጥንሲ ክወስዳ ጸኒሐንን ኣለዋን።
እዚኦም፡ ብመልክዕ ከኒናን መርፍእን ዝውሰዱ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሰብነት ዝቕበሩ ክዀኑ ይኽእሉ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ነዞም ለውጢ ሆርሞን ዘምጽኡ ኣገባባት ንምውጋድ፡ "ተፈጥሮኣዊ" መገዲታት መቈጻጸሪ ጥንሲ ዝመርጻ እናበዝሓ ይመጽኣ ኣለዋ።
ንኣነባብራኻ ዝሰማማዕን ቅቡል ጐድናዊ ሳዕቤናት ዘለዎን መከላኸሊ ጥንሲ ምርካብ ኣጸጋሚ'ዩ።
እዞም መድሃኒታት፡ ጽቡቕን ሕማቕን ሳዕቤን ከም ዘለዎም ክኢላታት ጥዕና ይገልጹ።
ንኣብነት፡ ሓንቲ ጓል 18 ዓመት እንከላ እትወስዶ ዝነበረት መከላኺ ጥንሲ ጓል 28፣ 38 ወይ 48 ዓመት ክትከውን እንከላ ዝምችእ ዘይክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዳይሬክተር ናጻ ኣገልግሎት ጾታዊ ጥዕና ዝህብ 'SH:24' ዝተባህለ ትካል ዝዀነት ዶ/ር ፓውላ ባራይትሰር ትገልጽ።
ኣብዚ እዋን፡ ፍርያምነት ዝከታተሉ ኣብ ተሌፎናት ዝጽዓኑ መተግበሪታት'ኳ እንተሃለው፡ ውሑዳት ሰባት ዝጥቀሙሎም ሓደስቲ ኣማራጺታት'ዮም።
ነዞም መተግበሪታት ዝጥቀማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሙቐት ኣካላተን ብምልካዕ እንቋቑሖ ዘፍርያሉ መዓልቲታት ብምግማት ወይ'ውን ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብምክትታል ክጠንሳሉ ዝኽእላ ተኽእሎ ምክትታል ይመርጻ ኣለዋ።
በዚ መሰረት፡ ካብ ጾታዊ ርክብ ይቝጠባ ወይ'ውን ኮንደም ይጥቀማ።
ዶክተር ፓውላ ባራይትሰር፡ ገለ ካብተን እትከታተለን ተገልገልቲ፡ እቲ ከም ከኒና ዝኣመሰለ ሆርሞናዊ ሕክምናታት ዘሕድረለን ዝነበረ ጸቕጢታት ክቃለሳ ድሕሪ ምጽናሕ ናብቶም መተግበሪታት ይሰግራ ከም ዘለዋ ትዛረብ።
"እዚኦም ኣብ ልዕሊ ኣካላትካ ለውጢ የምጽኡ'ዮም፤ ሰባት ድማ ዝተፈላለየ ምላሽ'ዩ ዘለዎም - ኣወንታዊን ኣሉታውን። ንኣብነት፡ ኢስትሮጅን መብዛሕትኡ ግዜ ፈጸጋ የጕድል፡ ኤስትሮጂንን ፕሮጂስትሮንን ዘለዎም መከላኸሊታት ጥንሲ ድማ ምፍሳስ ደም ንምቍጽጻር ይሕግዙ። ብኻልእ ወገን ናይ ስምዒት ለውጢ ከምጽኣ ወይ ኣብ ጾታዊ ድልየተን ለውጢ ክፈጥር ይኽእል፡" ትብል።
ዝዀነ ሰብ፡ ንጥዕናኡን ሰብነቱን ዝጥዕሞ ክሳብ ዝረክብ ኣብ መንጐ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ምቅይያር ብምግባር ጥራይ ክፈልጦ ከም ዝኽእል'ውን ተረድእ።
ኮንዶም፡ እቲ እንኮ ጥንሲን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ክከላኸልን ዝኽእል ኣማራጺ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።
ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዙርያ ዘለወን ተመኵሮ ንቢቢሲ ኣካፊለን ኣለዋ፤ እንተዀነ ኣብዚ ዛንታ ሓቀኛ ስመንን ስእለንን ኣይተጠቐምናን።
ጓል 25 ዓመት ጆርጅያ፡ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ መተግበሪ (period tracker) ብምጥቃም'ያ ምክትታል ክትገብር ጸኒሓ።
ካብቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ክትወስዶ ዝጸንሐት ከኒና ምስ ወጽአት፡ ኣእምሮኣዊ ኵነታት ጥዕናኣ ዓቢይ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ትዛረብ።
ጆርጅያ፡ እቲ መተግበሪ ብጥንቃቐ እንተዘይተጠቒምካሉ፡ ዘይተደልየ ጥንሲ ከጋጥመሉ ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘሎ ትርዳእ።
እንተዀነ፡ እዚ "ሰብነተይ ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ንከፍቅደሉ ክወስዶ ዝኽእል ውሳነ እዩ" ኢላ።
"[ከኒና] ኣብ ዝወስደሉ ግዜ ኣብ ስምዒታተይ ብዙሕ ጽልዋ ነይርዎ። ፍጹም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ካብቲ ከኒና ክወጽእ ምስ ወሰንኩ ኣብ ስምዒታት ናይ ምቍጽጻር ዓቕመይ፡ ብዛዕባ ህይወት ዘለኒ ስምዒትን... ብዛዕባ ነብሰይ ሰፊሕ ፍልልይ ክዕዘብ ክኢለ።
"ከቢድ ወርሓዊ ጽግያት እዩ ዘለኒ፤ ነዚ ዘጋድድ ነገር ምውሳድ ክኣ ጌጋ ምዃኑ ተሰሚዑኒ። ንነዊሕ እዋን ሆርሞናት ኣካላተይ ይጸልዎም ከም ዝነበርኩ ተገንዚበ፤ ብዙሕ ኣሸጊሩኒ'ዩ፤ ከምዚ ኢለ ኸኣ ክቕጽል ኣይደለኹን። ምስ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እየ ዝሰርሕ- ብዙሕ ዘፍርሕ ነገራት ኣሎ።
"ናብ ሓኪም ክትከይድ እንከለኻ፡ 'እዚ ፈትንዮ' ክብለካ ይኽእል'ዩ። ኣየናይ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ ሰብነትካ ይጠዓዓም ዝብል ንኽትፈልጥ ግን ኣዋርሕ ክወስደልካ ይኽእል፡" ብምባል ከኒና ምዉሳድ ደዉ ከተብል ከም ዝወሰነት ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተቐማጢት ግላስኮ ጓል 39 ዓመት ኤሚሊ፡ ብ2021 ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት እቲ ጥንሲ ኣነጺላቶ።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝከታተል መተግበሪ ከም መከላኸሊ ጥንሲ ትጥቀመሉ ነይራ።
ኣብ 2018፡ ጓል 17 ዓመት እንከላ ጀሚራ ትወስዶ ዝነበረት ከኒና ገዲፋቶ።
ነዚ፡ መጀመርታ ፈጸጋ ንምቍጽጻር ብዝብል እያ ትወስዶ ነይራ።
መከላኸሊ ጥንሲ ትወስድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ "ስምዒታተይ ኣዝዩ ዝተሓተ ነይሩ፤ ክብደት ሰብነት ክኣ ይውስኽ ነይረ። ክንኪ ኸኣ ኣይከኣልኩን። ከም ትሑት ድሌት ጾታዊ ርክብ ዝኣመሰሉ ምልክታት'ውን የጋጥመኒ ነይሩ፤ ክገድፎ ምስ ጀመርኩ ለውጢታት ክርኢ ጀሚረ" ትብል።
ስለዚ ናይ ሆርሞን ጽልዋ ዘይብሎም ኣማራጺታት ክትደሊ ጀሚራ።
ነዚ ድማ፡ ኣብ ተሌፎና ክትጽዕኖ እትኽእል መከታተሊ ወርሓዊ ጽግያት መተግበሪ ክትጥቀም መሪጻ። እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ጠኒሳ።
"ረኽሲ ሽንቲ ስለ ዘጋጠመኒ ኣብቲ ዑደት [ወርሓዊ ጽግያት] ጽልዋ ኣሕዲሩለይ። ወርሓዊ ጽግያት እንከይመጽኣኒ ክልተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ሓደ መዓልቲ የሕመኒ እሞ፡ ኮቪድ'ዶ ይኸውን ኢለ ሓሲበ ወይ ክኣ ጠኒሰ ኢለ። መርመራ ምስ ገበርኩ ምጥናሰይ ፈሊጠ" ኢላ።
ኣብቲ እዋን፡ ምስቲ ናይ ሕጂ በዓል ቤታ ዝተላለይሉ ግዜ ብምንባሩ እቲ ጥንሲ ክትንጽሎ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጻ።
ድሕሪኡ ካልእ መገዲ መከላኸሊ ጥንሲ ክትፍትን ወሲና።
ንደቀንስትዮ ዝሓሸ ኣማራጺ እንታይ'ዩ?
ጓል 26 ዓመት ፍረያ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኣ ንምውሓስ እቲ ክትወስዶ ዝጸንሐት ሆርሞናዊ መከላኸሊ ጥንሲ ደው ኣቢላቶ።
"ቈልዓ 15 ዓመት እንከለዅ ስለ ዝጀመርኩዎ፡ 'ንነብሰይ' ካብኡ ወጻኢ ኣይፈልጣን እየ። እቲ መተግበሪ ንጥንሲ ክትቃልዒ ትኽእሊ ኢኺ ዝብል ሓበሬታ ምስ ሃበኒ ኮንደም ክጥቀም መሪጸ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ግን ጠኒሰ" ብምባል ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጭንቀት ንዝፈጠረላ ምንጻል ጥንሲ ከም ዝተቓልዐት ገሊጻ።
"ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር መከላኸሊ ጥንሲ ነቲ መተግበሪ ክጥቀመሉ ምጽንሐይ፡ ንካልእ ሰብ ክነግር ዘይክእል ኰይኑ ተሰሚዑኒ።"
እዚ ክስተት፡ ዳግም ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ደው ከተብል ከም ዝገበራ ትዛረብ።
ጓል 41 ዓመት ኣሊስ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብ እትወስደሉ ዝነበረት እዋን ትሑት ድሌት ጾታዊ ርክብ፡ ምውሳኽ ክብደት፡ ምቕይያር ስምዒትን ምፍሳስ ደምን ዝኣመሰሉ ጐድናዊ ሳዕቤናት ነይርዋ።
"ሕጂ ጓለይ ኣላትኒ፤ ብዛዕባ መጻኢኣ ክሓስብ እንከለኹ ድማ እሓዝን። ስለምንታይ'የን ደቀንስትዮን ኣዋልድን ጥንሲ ከይፍጠር ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ዝስከማ።
"ወትሩ ውልድ ምስ ኣበልካ እንታይ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ትደልዪ ተባሂልካ ትሕተት። ዕድለኛ ኰይነ በዓል ቤተይ ብኮንዶም ተሰማሚዑ ኣሎ... ሕጂ ድማ ወርሓዊ ጽግያት ጥራይ ንምክትታል መተግበሪ ይጥቀም ኣለዅ። ግን ብኡኡ ኣይተኣማመንን እየ" ኢላ።
መከታተሊ ፍርያምነት ዝዀኑ መተግበሪታት ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት፡ ገለ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ነገራት ኣለዉ፤
- ብዙሓት መተግበሪታት ኣለው፤ ንመከላኸሊ ጥንሲ ዝኸውን ፍቓድ ዘለዎም መተግበሪታት ግን ውሑዳት'ዮም [ንኣብነት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ጥራይ'ዩ]
- ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝከታተሉ [ፔሪየድ ትራከርስ] ሓደ ዓይነት ኣይኰኑን፡ ጓል ኣንስተይቲ መዓስ እንቋቑሖ ከተፍሪ ትኽእል ዝብል ንምግማት'ውን ዝተዳለዉ ኣይኰኑን
- ዑደት ወርሓዊ ጽግያትኪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓደ ዓይነት እንተዘይኰይኑ፡ ክትጠንስሉ እትኽእሊ መዓልታት ክቀያየር ይኽእል
- ኣዝዩ ዘይስሩዕ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት እንተሃልዩኪ፡ እቲ መተግበሪ ፍርያምነት እዋን ንምግማት ዝያዳ ክጽገም ይኽእል እዩ
- ብዝተኻእለ መጠን ዘተኣማምን ንክኸውን መምርሒታት ናይቲ መተግበሪ ብልክዕ ክትስዕቦ ይግባእ
- እትጥቀምዮ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ሙቐት ኣካላትኪ ምክትታል እንተዀይኑ ድማ እቲ ኣገባብ ብልክዕ ክትፈልጥዮ ይግባእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶክተር ፓውላ ባራይትሰር "ድሕሪ ኦቪዩሌሽን ሙቐት ሰብነት ብዝተወሰነ መልክዑ" ከም ዝውስኽ ትገልጽ።
"ከምዚ ዓይነት ንእሽቶ ፍልልይ ንምግንዛብ፡ እቲ መተግበሪ ክሕብረና እንከሎ ሙቐት ሰብነትና ክንዕቅን ይግባእ። እዚ ድማ ንግሆ ካብ ዓራትካ ቅድሚ ምትንሳእካን ቅድሚ መግቢ ምብላዕካ ወይ ዝዀነ ነገር ምስታይካ ክኸውን ኣለዎ።
"ጻዕቒ ዘለዎ ስራሕ እንተሃልዩካ፡ ለይቲ ትሰርሕ ወይ ንኣሽቱ ቈልዑ እንተሃልዮምኻ ግን እዚ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል" ኢላ።
ንሙቐት ብቐጻሊ ዝከታተሉ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት - ከም ብስማርት ሰዓት ዝዕቀን ሙቐት ኢድ - ነዚ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ትዛረብ።
እቲ መተግበሪ መዓስ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ከም ዘለካን መዓስ ከም ዘይትገብርን ጥራይ እዩ ክሕብረካ ዝኽእል።
ነቲ ምኽሪ ከተስትብህለሉ ክኣ ግድን ይኸውን።
ብደቂ ተባዕትዮ ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ
ኣብ 2023፡ ተመራመርቲ፡ ብደቂ ተባዕትዮ ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከይንቀሳቐስ ክዓግት ወይ ኣንፈት ክስሕት ክገብር ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢሮም ነይሮም።
እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ብድሌት ዝቐርብን ሆርሞናዊ ምትእስሳር ዘይብሉን እዩ።
እቲ ክኒና ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተወሓደ ንገለ ሰዓታት ከም ዘቕዘዘን እዚ ድማ ናብ እንቋቑሖ ከይበጽሑ ክገብር ከም ዝኽእልን ኣብ ኣናጹ ዝተገብሩ ፈተነታት ኣመልኪቶም።
ይዅን እምበር ቅድሚ ናብ ደቂ ሰባት ምቕራቡ፡ ብዙሓት ተወሰኽቲ መርመራታት ክካየዱ ውጥን ኣሎ።
ደቂ ተባዕትትዮ፡ ነቲ ክኒና ቅድሚ ሓደ ሰዓት ውሒጦም ጾታዊ ርክብ እንተፈጺሞም ዘርኦም ስለ ዝቐዝዝ ጥንሲ ከይፍጠር ክከላኸሉ ከም ዝኽእሉ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዘይከምቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝውሰድ ከኒና ምስ ሆርሞን ዝዀነ ምትእስሳር የብሉን።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እዚ ሓደ ካብቲ ዝድህስስዎ ዘለዉ ኣገባብ ብልጫታት ምዃኑን ዝዀነ ይኹን ጎድናዊ ሳዕቤን ከም ዘይብሉን ይዛረቡ።
እቲ ከኒና፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣንፈት ክስሕት ዝገብር እዩ።
እቲ ብሃገራዊ ትካላት ጥዕና ኣመሪካ ዝተመወለ መጽናዕቲ፡ እቲ ከኒና ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብን ድሕሪ ጾታዊ ርክብን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘይንቀሳቐስ ክገብር ከም ዝኸኣለ የመልክት።
ይዅን እምበር ከም ኮንዶም ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ግን ከም ዘይከላኸል ክኢላታት የጠንቅቑ።
ክኢላ ኣንድሮሎጂ ፕሮፌሰር ኣላን ፔሲ፡ "ንደቂ ተባዕትዮ ዝኸውንን መከላኸሊ ጥንሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣገባባት እኳ እንተተፈተኑ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ የለን" ይብል።
"እቲ ኣብ ኣናጹ ዝተገብረ ፈተነታት ኣብ ደቂ ሰባት'ውን ብተመሳሳሊ ደረጃ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተኽኢሉ፡ እቲ ክንደልዮ ዝጸናሕና መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ተባዕትዮ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







