ሽጐማኖኹም ኣብ ከክንደይ ግዜ ትሓጽቡ? እንታይ ሓደጋ'ኸ ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ንግሆ ገጽኩም ወይ ኢድኩም ዘንቀጽክምሉ ሽጐማኖ ክሳብ ክንደይ ጽሩይ ከምዝዀነ ኣስተብሂልኩም ዶ ነይርኩም? ኣብ ከክንደይ መዓልቲ'ኸ እዩ ዝሕጸብ?
ብዙሓት ሰባት ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ይሓጽብዎ።
ኣብ 100 ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ ኣስታት ሲሶ ካብ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ወርሒ ሓደ ጥራይ እዮም ዝሓጽብዎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ ዝሓጽቡ ሒደት ሰባት'ውን ኣለዉ።
ሽጐማኖታት መብዛሕትኡ ግዜ ፈይፈይ ዝበሉ እዮም። ብሰንኪ'ዚ ከምዝረስሑ ዝዀነ ምልክት ከየርእዩ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ብዙሓት ደቀቅቲ ነፍሳት ዝፈርይሉ ቦታ እዩ።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሽጐማኖ ብቕልጡፍ ኣብ ቆርበት ሰብ ብዝርከቡ ባክተርያ ክብከል ተኽእሎ ኣሎ፤ ኣብ መዓንጣና ብዝርከቡ ባክተርያ እውን ክብከል ይኽእል'ዩ።
ኣካላትና ድሕሪ ምሕጻብና ከይተረፈ ካብ ደቀቕቲ ነፍሳት ናጻ ስለዘይኰነ፡ ምናልባት ንነብስና ከነንቅጽ ከለና ገለ ካብኣቶም ናብቲ ሽጐማኖ እንተሰገሩ ኣይገርምን።
ኣብ ሽጐማኖ ዝርከቡ ደቀቕቲ ነፍሳት ግን ካልእ ምንጭታት እውን ኣለዎም። ፋንጋስን ባክተርያን ብኣየር ኣቢሎም ኣብቲ ሽጐማኖ ክሰፍሩ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ ካብቲ መጀመርታ ሽጐማኖ ዝሓጸብናሉ ማይ ከይተረፈ ዝሰግሩ ገለ ባክተርያ ክህልዉ ይኽእሉ።
ኣብ ጃፓን ነብሶም ዝተሓጸብሉ ማይ ንጽባሒቱ ክዳውንቲ ንምሕጻብ ዝጥቀሙሉ ገለ ስድራቤታት ኣለዉ። እዚ ተግባር ማይ ኣብ ምቝጣብ ዝሕግዝ'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ማይ ዝርከቡ ባክተርያ ግን ድሕሪ ሕጽበት ናብ ሽጎማኖን ክዳውንትን ከምዝሰጋገሩ ኣብ ጃፓን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶኩሺማ ዝርከቡ ተመራመርቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ የመልክት።
ነብሶም ዘንቀጽሉ ሽጐማኖ ኣብቲ ዝተጠቐሙሉ ሽቓቕ ክነቅጽ ዝገድፍዎ ገለ ሰባት እውን ኣለዉ። እዚ ተግባር ግን ዝድገፍ ኣይኰነን። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሕጸቡሉ እዋን፡ ኣብቲ ሽቓቕን ከምኡ'ውን ካብ ነብሶም ምስ ዝወርድ ርስሓትን ዝጸንሑን ባክተርያ ብቐሊል ናብቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ሽጐማኖ ክሰግሩ ተኽእሎ ኣሎ።
ምስ ግዜ እዞም ደቀቕቲ ነፍሳት ኣብቲ ሽጐማኖ 'ባዮፊልም' ወይ ኣብ ልዕሊ ሓደ መዋቕር ዝዓብን ኣብ ልዕሊኡ ዝጣበቕን ቀጻላ ባክተርያ ወይ ካልኦት ደቀቕቲ ነፍሳት ምፍጣር ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ መልክዕ እቲ ሽጐማኖ ከይተረፈ ክቕይር ዝኽእል ነገር እዩ።
እቲ ሽጐማኖ ዋላ'ውን ብስሩዕ እንተተሓጸበ፡ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ እቶም ኣብ ጽሕጊ ጡጥ ሽጐማኖ ዝነብሩ ባክተርያ ንመልክዕ ናይቲ ጨርቂ ከህስሱ ይጅምሩ። ምናልባት ግን ጠቕላላ መጠንን ዓይነት እቶም ባክተርያ፡ ኣብቲ ኣብ ገዛ ዘሎ ልምዲ ኣተሓጻጽባ ክዳውንቲ ዝምርኰስ ክኸውን ይኽእል።
እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ኣብ ሽጐማኖኹም ዝነብሩ ባክተርያ ክሳብ ክንደይ የጨንቕኹም ዝብል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣተሓጻጽባ ሽጐማኖ ቀሊል ነገር ክመስል ይኽእል እዩ፡ እንተዀነ ብዛዕባ ደቀቕቲ ነፍሳት ዝዝርግሑሉ መንገዲ ብዙሕ ነገር ከመልክት ከምዝኽእል ኣብ ቦስተን ኣመሪካ ፕሮፌሰር ስነ ህይወትን ሓባራዊት ዳይረክተር ማእከል ጽሬትን ጥዕናን ዩኒቨርሲቲ ሲሞንስ ዝዀነት ኤልሳቤጥ ስኮት ትዛረብ።
ደቀቕቲ ነፍሳት "ብተፈጥሮኦም ኣብ ሽጐማኖ ኮፍ ኢሎም ዝርከቡ ኣይኰኑን" ትብል። "ዝዀነ ኣብቲ ሽጐማኖ ዝርከብ ጉድኣት ዘምጽኣልና ነገር ካብ ሰብ ዝመጸ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።"
ብርግጽ ኣብ ቆርበትና፡ ጐድኒ ጐድኒ ብዙሓት ካልኦት ቫይረሳትን ፋንጋስን፡ ክሳብ 1000 ዝበጽሕ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባክተርያ ኣለዉ። ካብዚኦም መብዛሕትኦም ንደቂ ሰባት ረብሓ ኣለዎም። ካብ ካልኦት ጐዳእቲ ባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲ ንምክልኻል ይሕግዙ፤ ንገለ ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥሙና ከሚካላት ብምብታን ኣብ ምምዕባል ስርዓተ ምክልኻልና ዓቢ ተራ ይጻወቱ።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሽጐማኖ ዝርከቡ ባክተርያታት እቶም ኣብ ቆርበትና እንረኽቦም ዓይነት ኰይኖም፡ ኣብቲ እንነብረሉ ከባቢታት እውን ልሙዳት እዮም። ገለ ካብዚኦም ዓይነታት ባክተርያ፡ ስታፊሎኮከስን ኣብ መዓንጣ ወዲ ሰብ ልሙድ ዝኾነ ኤሸሪቺያ ኮላይን ይርከብዎም። ግን ከኣ ልሙዳት ጠንቂ ብመግቢ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ተምላስን ዝዀኑ ባክተርያ ሳልሞኔላን ከምኡ'ውን ሺገላን እውን ኣብ መንጐ እዚኦም ይርከቡ።
ገለ ካብዞም ባክተርያ ግን ምስ ኵነታት ረኽሲ ዘስዕቡ ሰበብ ሕማማት እዮም። ዝያዳ ጉድኣት ከስዕቡ ናብ ዝኽእሉሉ ከም ቁስሊ ዝኣመሰለ ቦታ እንተዘይኣትዮም፡ ዘይጐዳእቲ ኰይኖም ይጸንሑ። ከምዚ ዓይነት ቦታ እንተረኺቦም ግን ዝተወሰኑ መርዛማት ነገራት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከማዕብሉን ወይ ድማ ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ንዘለዎም ሰባት ክለኽፉን ይኽእሉ።
ቆርበትና ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ ረኽሲ እዩ። ኣንጻር ባክተርያን ካልኦት ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታትን ቀዳማይ መስመር ምክልኻል ስለዝዀነ፡ ባክተርያ ካብ ሽጎማኖ ናብ ቆርበትና ምስጋሮም ብዙሕ ከጨንቐና የብሉን። እንተዀነ ምሕጻብ፡ ምፍሕፋሕን ብሽጐማኖ ንነብስና ምንቃጽን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ነቲ ናይ ቆርበት መስርሕ ምክልኻል ክዘርግ ከምዝኽእል ዘመለክቱ ገለ መርትዖታት ኣለዉ።
ምናልባት እቲ ዝዓበየ ጸገም ዝፍጠር ነገር ነብስና ኣብ ነንቅጸሉ እዋን፡ ኣብ ኣእዳውና ዝጸንሑ ጐዳእቲ ደቀቕቲ ነፍሳት ኣካላትና ብምትንካፍ ናብ ኣፍና፡ ኣፍንጫናን ዓይንናን እንተሰጋጊርናዮም እዩ። እዚ ማለት ድማ ምናልባት እቶም ብብዝሒ ንኣእዳውና እንጥቀመሎም ሽጐማኖታት፡ ዝያዳ ኣቓልቦ ክወሃቦም ይግባእ ንምባል እዩ። ኣብ ክሽነ ንጥቀመሎም መንቀጺ ኣቑሑ እውን ካልእ ምንጪ ዝርገሐ ብመግቢ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት እዮም።
ረኽሲ ከስዐ ዘስዕቡ ከም ሳልሞኔላ፡ ኖሮቫይረስን ኢ.ኮላይን ዝበሉ፡ "ኵሎም ብሽጐማኖ ዝመሓላለፉ'ዮም" ይብል ስኮት። ከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰሉ ቫይረሳት ኣብ ጡጥ ክሳዕ 24 ሰዓታት ክጸንሑ ከምዝኽእሉ'ውን መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ዋላ'ኳ ዝተበከሉ ነገራት ምትንካፍ እቲ ቫይረስ ዝዝርግሓሉ ቀንዲ መንገዲ'ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ እንተዀነ።
ካልኦት ብምትንካፍ ዝዝርግሑ ቫይረሳት ከም ቫይረስ በዲዶ ህበይ (ኤምፖክስ mpox) ዝኣመሰሉ ዝያዳ ሓደጋ ከስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ፤ ሰበስልጣን ጥዕና ድማ፡ ምስ ዝተለኽፉ ሰባት ብሓባር ሽጐማኖ ምጥቃም ኣይምዕዱን።
ልሙድ ጠንቂ ጡብ ኣድጊን ኣብ ቆርበት ዝወጽእ ሕበጥን ዝዀኑ 'ህዩማን ፓፒሎማቫይረሳት'፡ ካልኦት ሰባት ዝጥቀምሉ ሽጐማኖ ብምትንካፍ ወይ ብምጥቃም ክላባዕ ከምዝኽእል መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ሽጐማኖ ዳግማይ ብምጥቃም ረኽሲታት ናይ ምትሕልላፍ ሓደጋኡ ልዑል እዩ። ብሰንኪ'ዚ እዩ ድማ ሆስፒታላትን ህዝባዊ መሕጸቢታትን ሓደ ግዜ ኣገልግሎት ዝድርበ ናይ ወረቐትን ኣየርን መንቀጺ ክጥቀማ ዝረኣያ። ካብዞም ኣማራጺታት ኣየናይ ዝሓሸ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ ግን የለን።
ሽጐማኖ ንነዊሕ እዋን ብዝተጠቐምናሉን ከምኡ'ውን ንነዊሕ እዋን ርሑስ ኰይኑ ብዝጸንሐን መጠን፡ ደቀቕቲ ነፍሳት ክስከምን ጎዳእቲ ነፍሳት ክእክብን ዝኽእለሉ ዕድል ይውስኽ።
ብዛዕባ ጽሬት ሽጐማኖ ኣቓልቦ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘጋጥሙ ዓበይቲ ጸገማት ጥዕና ንምምካት ክሕግዝ ከምዝኽእል ስኮትን መሳርሕታን ይገልጹ።
ከም 'ኤምኣርኤስኤ' (MRSA) ዝኣመሰሉ ጸረ-ነፍሳት ዝጻወሩ ባክተርያ ዝተበከሉ ነገራት ብምትንካፍ ክሰጋገሩ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ ፕሮፌሰር ፋርማሲቲካል ማይክሮባዮሎጂ ዝዀነ ዣን ኢቭ ማይላርድ፡ ከም ስሩዕ ምሕጻብ ሽጐማኖ ዝኣመሰሉ ተግባራት ረኽሲ ባክተርያ ንምንካይን እዚ ድማ ብግደኡ ኣጠቓቕማ ጸረ-ነፍሳት ንምንካይን ክሕግዝ ከምዝኽእል ይዛረብ።
"ጽሬት ገዛ ምስ ኵሉ ምክልኻል ዝተኣሳሰር'ዩ፡ ምክልኻል ድማ ካብ ምሕካም ዝሓሸ'ዩ" ይብል ማይላርድ።
ስለዚ፡ በብክንደይ ግዜ ሽጎማኖና እንተሓጸብና ዝሓሸ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስኮት፡ ሽጐማኖ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ክሕጸብ ትመክር። እዚ ግን ለበዋ እምበር ውሱን ሕጊ ኣይኰነን።
"ሓደ ሰብ እንተሓሚሙ ተምላስን ውጽኣትን ስለዘጋጠሞ እዚ ትርጕም የብሉን" ትብል። "ናይ ገዛእ ርእሶም ሽጐማኖ ክህልዎም ኣለዎ፤ እቶም ሽጐማኖ ድማ መዓልታዊ ክሕጸቡ ኣለዎም። ንሱ እዩ ዕላማ ዘለዎ ጽሬት ንብሎ፡ ነቲ ሓደጋ ኣብቲ ዘጋጥመሉ እዋን ምምካት።"
ኣብ ህንዲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 20 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ሽጎማኖ ይሓጽቡ።
ዕላማ ዘለዎ ጽሬት ንጽሬት ዝምልከት ኣገባብ ምሕደራ ሓደጋ ኰይኑ፡ ምስ 'ዘ ግሎባል ሃይጂን ካውንስል'ን 'ዘ ኢንተርናሽናል ሳይንቲፊክ ፎረም ኦን ሆም ሃይጅን'ን ዝተኣሳሰሩ ተመራመርቲ ዘማዕብልዎ ዘለዉ መስርሕ እዩ። ጽሬት ኵሉ ግዜ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ ዕላማ ዝገበረ ጽሬት ግን ኣብቲ እዞም ተግባራት ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑሉ እዋናትን ቦታታትን ዘተኮረ እዩ።
ስኮት ከምእትብሎ፡ ሽጐማኖ ካብ መብዛሕትኡ ኣብ ገዛ ዝርከብ ጨርቂ ዝያዳ ውዑይ (40-60 ዲግሪ ሰልሽየስ) ስለዝዀነ ንነዊሕ ግዜ ምሕጻብ የድልዮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብጸረ-ረኽሲ መልቀቕ-ርስሓት ክኸውን ይግባእ። መልቀቕ-ርስሓት፡ ባክተርያ ኣብ ጨርቂ ከይተሓሓዙን ገለ ቫይረሳት ድማ ንጡፋት ከይኰኑን ይሕግዝ እዩ። ብርግጽ ብልዑል ሙቐት ብተደጋጋሚ ምሕጻብ ኣብ ከባቢ ጽልዋ ኣለዎ።
ብትሑት ሙቐት ኣብ እንሓጽበሉ እዋን፡ ኢንዛይም ወይ መጻዕደዊ ምውሳኽ ኣብ ሽጐማኖ ዝርከቡ ደቀቕቲ ነፍሳት ንምምካት ክሕግዝ ይኽእል'ዩ። ኣብ ህንዲ ዝተገብረ መጽናዕቲ'ውን፡ መልቀቕ-ርስሓት ምስ መከላኸሊ ረኽሲ ምውህሃድ ሽጐማኖ ኣብ ጸሓይ ምሕጻብን ምንቃጽን፡ መጠን ባክተርያን ፋንጋስን ኣብ ምንካይ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃኑ'ዩ ዘረጋግጽ።
ስኮት፡ ጽሬት ገዛ ከም ሓደ ዓይነት ንኻልኦት ዝሕግዝ ንጥፈት ወይ ልክዕ ከም ክታበት ምዃኑ ትዛረብ። ነፍሲ ወከፍ ንነብስኹም ንምክልኻል እትወስድዎ ስጕምቲ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ሰባት እውን ዝከላኸል እዩ።
"እዚ 'ስዊዝ ቺዝ ሞዴል' ኢልና ንጽውዖ" ትብል። "እዞም ኵሎም ባእታታት ከም ቍርጽራጽ ጽሬት ኢና ንሓስቦም፡ ልክዕ ከም ቁራጽ 'ስዊዝ ቺዝ'፤ ነፍሲ ወከፍ ቁራጽ ጽሬት ንሓደ ካብቶም ቀዳዳት ይሽፍኖን ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ድማ ብእኡ ክሓልፉ ዝኽእሉሉ ሓደጋ ይንክን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







