ቡን መዓስ ምስ ዝስተ'ዩ ንጥዕና ዘይጐድእ- ንግሆ፡ ቀትሪ ወይስ ምሸት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መዓልቲ ሓደ ፍንጃል ቡን ምስታይ፡ ምናልባት ኣብ ንኡስ ዕድመ ዘጋጥም ሞት ከጕድል ከም ዝኽእል ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
እቲ መጽናዕቲ ንግሆ ቡን ዝሰትዩ ሰባት፡ ካብቶም ምሉእ መዓልቲ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ብዝተፈለየ ብሕማም ልቢ (cardiovascular) ናይ ምማት ዕድሎም ዝተሓተ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ፤ እቲ መጽናዕቲ ግን ቡን ጥራይ እቲ ምኽንያት ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
መሪሕ እዚ መጽናዕቲ ዳይረክተር ማእከል ምርምር ልዕሊ ዓቐን ክስዐ ዩኒቨርሲቲ ቱላን ዶክተር ሉ ቺ፡ እቲ መጽናዕቲ ስለ ምንታይ ንግሆ ቡን ምስታይ ነቲ ሓደጋ ከም ዘጕድሎ ዘርኢ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ድሒርካ - ቀትሪ ወይ ድሕሪኡ - ቡን ምስታይ ግን ንውሽጣዊ ሰዓት ኣካላት ሰብ ክዘርግ ከም ዝኽእል ምርዳእ ከም ዝተኻእለ ገሊጹ።
ውጽኢት እዚ መጽናዕቲ ብረቡዕ ኣብ መጽሄት ልቢ ኣውሮጳ ተሓቲሙ።
ዶክተር ቺ፡ እቲ ርኽበት ኣብ ካልኦት ህዝብታት'ውን ተመሳሳሊ ድዩ ዝብል ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ብምግላጽ፡ "ሰባት ኣብ መዓልቲ ቡን ዝሰትዩሉ ሰዓት ምቕያር ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ንምርኣይ ክሊኒካዊ ፈተነታት የድልየና'ዩ" ኢሉ።
እዚ መጽናዕቲ፡ "ንግሆ ቡን ምስታይ፡ ስለ ምንታይ ብሰንኪ ሕማም ልቢ ዘጋጥም ሞት ከም ዝንኪ ኣይነግረናን። ቀትሪ ወይ ምሸት ቡን ምስታይ ግን፡ ንህርመት ሰርካድያን [ኣካላትና ን24 ሰዓታት ዝገብሮ ዑደት ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ባህርያውን ለውጢ] ከምኡ'ውን ደረጃታት ከም ሜላቶኒን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ክዘርግ ይኽእል'ዩ።እዚ ብግደኡ ኣብ ከም ነድሪን ጸቕጢ ደምን ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ልብን ስርዓተ ደምን ለውጢ የስዕብ" ክብል የረድእ።
እቶም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቱላን ኒው ኦርሊንስ፡ ካብ 1999 ክሳብ 2018 ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ሃገራዊ መጽናዕቲ መርመራ ጥዕናን ኣመጋግባን ዝተሳተፉ 40 ሽሕን 725 ዓበይቲ ሰባት ኣጽኒዖም።
እዚአም፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ዝጥቀምዎ መግብን መስተን፡ ከምኡ'ውን ቡን ይሰትዩ ድዮም ኣይሰትዩን፡ ሰዓት ክንደይን መዓስን ተሓቲቶም።
"ካፈይን ኣብ ኣካላትና ዘለዎ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ መዓልቲ ቡን እንሰትየሉ ሰዓት ኣብ ጥዕና ልቢ ዝዀነ ጽልዋ ኣለዎ ድዩ ዝብል ክንርኢ ደሊና" ክብል ዶክተር ቺ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ መጽናዕትታት ማእከላይ መጠን ቡን ምስታይ ንጥዕና ረብሓታት ክህልዎ ከም ዝኽእል ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ግን "ቡን እንሰትየሉ ሰዓት ምስ ጥዕና ዘለዎ ዝምድና" ንምፍላጥ ዝተኻየደ ፈላሚ መጽናዕቲ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ብመሰረት እዚ፡ ካብቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ 36 ሚእታዊት ንግሆ ቡን ዝሰትዩ ኰይኖም፡ 14 ሚእታዊት ድማ ምሉእ መዓልቲ ቡን ይሰትዩ።
ዶክተር ቺን ጕጅለኡን፡ ነቶም ተሳተፍቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ተኸታቲሎምዎም፤ ኣብቲ ናይ ግዜ ገደብ መዛግብቲ ሓበሬታኦምን ጠንቂ ሞቶምን ክኣ ርእዮም።
ድሕሪ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ምክትታል፡ 4,295 ሰባት ሞይቶም፡ 1,268 ምስ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ዝተኣሳሰር ሞት ነይሩ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ንግሆ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ምስቶም ቡን ዘይሰተዩ ሰባት ክነጻጸሩ እንከለው፡ ናይ ሞት ተኽእሎኦም ብ16 ሚእታዊት ከም ዝወሓደ፡ ብሕማም ልቢ ናይ ምማት ተኽእሎኦም ድማ ብ31 ሚእታዊት ትሑት ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
ብተወሳኺ ኣብቶም ምሉእ መዓልቲ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ምስቶም ቡን ዘይሰትዩ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ ናይ ሞት ሓደጋ ምንካይ ከም ዘይረኣዩ ተገሊጹ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ልዑል መጠን ቡን ምውሳድ ምስ ትሑት ሓደጋ ሞት "ብዓቢኡ" ዝተኣሳሰር ምዃኑ እኳ እንተገለጹ፡ እዚ ግን ምስቶም ምሉእ መዓልቲ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ ኣብቶም ንግሆ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ጥራይ ዝርኣይ እዩ ኢሎም።
ኣብ ሮያል ብሮምፕተንን ሆስፒታላት ሄርፊልድን ለንደን ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ቶማስ ኤፍ ሉሸር፡ "ስለ ምንታይ ቡን እንሰትየሉ ሰዓት ኣገዳሲ ኰይኑ" ዝብል ከብርህ እንከሎ፡ "ኣብ ሰዓታት ንግሆ ልሙድ ወሰኽ ተደናጋጺ ንጥፈታት [ንስርዓት ኣካላትካ ንቝሕ ክኸውን ዝገብር ንጥፈታት] ኣሎ፤ ካብ ድቃስና ክንበራበርን ካብ ዓራት ክንትንስእን እንከለና ርኡይ ወሰኽ ተደናጋጽነት ይርአ፤ እዚ ድማ መዓልቲ እናደፍአ ክኸይድ እንከሎ ዝሃስስን፤ ኣብ እዋን ድቃስ ድማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝበጽሕን'ዩ" ኢሉ።
ፕሮፌሰር ሉሸር፡ ከምቲ እቶም ተመራመርቲ ዝሕብርዎ - ድሒርካ እትሰትዮ ቡን ኣብቲ ከነዕርፈሉ ዝግበኣና እዋን፡ ውሽጣዊ ሰዓት ኣካላት ክዘርግ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
"ብዙሓት ምሉእ መዓልቲ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ናይ ድቃስ ምዝንባዕ የሳቕዮም'ዩ" ብምባል "ቡን ነቲ ንድቃስ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣብ ሓንጐልና ዝርከብ ደራኺ ሜላቶኒን ዝዓብጦ ይመስል" ክብል ገሊጹ።
እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ኣብ መንጐ ሰተይቲ ቡን፡ እቶም ንግሆ ዝሰትዩ ተሳተፍቲ፡ ምስቶም ምሉእ መዓልቲ ቡን ዝሰትዩ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ሻሂን ካፈይን ዘለዎ ልስሉስ መስተን ናይ ምውሳድ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑን፡ እንተዀነ ግን ውሑድ ቡን - ካፈይን ዘለዎን ካፈይን ዘይብሉን ቡን - ከም ዝሰትዩ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







