ንፈትኖ! ጽቡቕ ስምዒትና ንኽዓብይ ዝሕግዝ ኣዝዩ ቀሊል ንጥፈት

ወድን ጓልን ኮፍ ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በረኸትና ምቑጻር፡ ጽቡቕ ስምዒት ንኽህልወና ከምዝሕግዝ ንነዊሕ እዋን ክዝረበሉ ዝጸንሐ ማዕዳ እዩ። እንተኾነ መዓልታዊ ዘጋጥመና ጽቡቕ ነገራት ብዝርዝር ምጽሓፍ ብዝያዳ ንጽቡቕ መንፈስና ንምምሕያሽ ከም ዝሕግዝ መጽናዕትታት ይገልጹ።

ዘይኸብድን ዝተረጋገጸን ተግባር ኮይኑ ብዙሓት ሰባት እውን ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኣለዉ።

ዝተፈላለየ ኣስማት ኣለዎ። 'ሰለስተ ጽቡቕ ነገራት'፡ 'ሰለስተ በረኸት' ወይ 'ዝርዝር ምስጋና' ይብልዎ። እቲ ልምምድ ምሸት ገለ ደቓይቕ ወሲድካ ንመዓልትኻ ብምስትንታን ይጅምር፤ ድሕሪኡ ሰለስተ ጽቡቕ ዝኸዱልካ ወይ ዘስተማቐርካዮም ነገራት ምጽሓፍ እዩ።

እቶም ዝሓረኻዮም ሰለስተ ነገራት ስለምንታይ እወንታዊ ስምዒት ከም ዝፈጠሩልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ ይኸውን። ኣብቶም ሰለስተ እትጽሕፎም ዝርዝራት ብዙሕ ሳዕቤን ዘይብሉ ዝመስል ጉዳይ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ወይ'ውን ኣዝዩ ዝያዳ ትርጉም ዘለዎ፡ ምናልባት እውን ህይወት ዝቕይር ነገር ክተካትት ትኽእል ኢኻ። ከም ኣገዳሲ ፈተና ምሕላፍ፡ ወይ ዕቤት ስራሕ ምርካብ፡ ወይ ካብ ቤተሰብ ዝኾነት ኣባል ቆልዓ ክትወልድ ምዃና ምስማዕኻ ክኸውን ይኽእል።

በረኸትካ ምቑጻር ኣዝዩ ኣረጊት ሓሳብ እዩ። ከምዚ ሕጂ ንዘራረበሉ ዘለና ዓይነት ንጥፈት ግን ብምርምርን መጽናዕትን ተሰንዩ ንገለ እዋናት ክፍጸም ጸኒሑ'ሎ።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ነዚ ኣገባብ እዚ ብምጥቃም ኣብ ስምዒትና ወይ ህይወትና ውጽኢት የምጽእ'ዶ ይኸውን? ዝብል ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2005 ብማርቲን ሰሊግማንን ክሪስ ፒተርሰንን ዝተባህሉ ክልተ ተመራመርቲ ተሓቲሙ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ብሃውሪ ('ራንደምሊ') ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ንዝተመደቡ 577 ሰባት ዘሳተፈ እዩ ነይሩ። ሓደ ጉጅለ ምሸት ምሸት ብዛዕባ ካብ ንእስነቶም ዝነበሮም ተዘክሮታት ክጽሕፉ ተነጊርዎም። ካልኦት ጉጅለታት ድማ ዝተፈላለየ ነገራት ክፍትኑ ተዋሂብዎም።

ገለ ካብቶም ሰባት ኣብታ መዓልቲ ጽቡቕ ዝኸዱሎም ሰለስተ ነገራትን ብጽቡቕ ንኽኸዱ ዝገበሩ ምኽንያታትን ክዝርዝሩ ተሓቲቶም። ኣብተን ዝቐጸላ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ኩለን ጉጅለታት ዝነበሩ ወለንተኛታት ሓጐሶም ዝዕቅን መምዘኒ ተዋሂብዎም።

ኣብ ዓራት ተገዲማ ትጽሕፍ ዘላ ጓል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውጽኢቱ ድማ ዘገርም እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ እቶም ሰለስተ ጽቡቓት ነገራት ንኽጠቕሱ ዝተነገሮም ሰባት፡ ኣብ ደረጃ ሓጎሶም ምምሕያሽ ከምኡ'ውን ምንካይ ምልክታት ጭንቀት ከርእዩ ጀሚሮም። እዚ ኣብ ስምዒቶም ዝተረኣየ ጽቡቕ ምምሕያሽ ክሳብ እቲ መጽናዕቲ ዝዛዘም ን6 ኣዋርሕ ምስኦም ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ናይ ነዊሕ እዋን ዘሕጉሶም ዝኽርታት ክጽሕፉ ዝተነገሮም ሰባት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ንሓጺር እዋን ኣብ ሓጎሶም ምውሳኽ ርእዮም። ግን ከኣ እቲ ጽቡቕ ስምዒቶም ነዊሕ ከይጸንሐ ናብቲ ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሱ። ኣብቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተገበረሎም ምክትታል'ውን ዝኾነ ለውጢ ኣይተራእዮምን።

እዚ ሜላ ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ድኻታት ብበዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ናይሮቢ-ኬንያ ካብ ዝርከቡ መንእሰያት ክሳብ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብራ ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮ ተፈቲኑ።

እቲ፡ 'ሰለስተ ጽቡቓት ነገራት' ዝብል ስትራተጂ ክዕወት ዝኸኣለሉ ሓደ ምኽንያት፡ ነቲ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ንእወንታዊ ነገራት፡ ብዝያዳ ንኣሉታዊ ነገራት ክንምዝገብን ክንዝክርን ንዘለና ጽኑዕ ዝንባለ ስለዝቕይሮ እዩ።

ሓደ ኣገዳሲ ባእታ ናይቲ 'ሰለስተ ጽቡቓት ነገራት' ዝብል ልምዲ፡ ብጭቡጥ ኣብ እወንታዊ መንገዲ ከነተኩር ዝሕግዘና ምዃኑ እዩ።

ኣብ ጫካ ዝጓዓዛ ኣዋልድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንጉሆ ካብ ድቃስካ ካብ እትትንስእ ጀሚርካ ብዛዕባ እቶም ምሸት ኣብ ዝርዝርካ ክተስፍሮም እትኽእል ጽቡቕ ነገራት ክትሓሳብ ኣለካ።

ብርግጽ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ክትሓልፍ ከለኻ፡ እቶም እወንታዊ ህሞታት ክትረኽቦም ከጸግሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን ብዙሕ ከጨንቐካ የብሉን።

ኣብ 2021 ዝተገብረ ትንተና ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት፡ እዚ 'ሰለስተ ጽቡቓት ነገራት' ዝብል ሜላ ዋላ'ውን ሰባት ጭንቀት ኣብ ዝህልዎም እዋን ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ'ሎ።

ብርግጽ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ክሰርሕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት: ኣብ ህንዲ ዝርከቡ መንእሰያት ክፍትንዎ ከለዉ፡ ጠቓሚ ኮይኑ ኣይረኽብዎን።

ግን ከኣ እዚ ንጥፈት ዋጋ ዘይኽፈሎን ግዘ ዘይወስድን ስለዝኾነ ንዓኻ ክሰርሕ ድዩ ኣይክሰርሕን ንምርኣይ ምፍታን ዝኸብድ ኣይኮነን።