ኣብ እዋን ድቃስ ዘጨንቑና ነገራት ብኸመይ ንኣልዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ እዋን ድቃስ ክንድቅስ ንጽገም እንተዀይንና እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድና ክህሉ ይኽእል እዩ፤ . . . ብርዕን ወረቐትን።
ብእዋኑ ምድቃስ ዘሸግረና እንተዀይኑ ሓደ ካብቶም ክንነቅሕ ዝገብሩና ምኽንያታት ንጽባሒቱ ክንደይ ስራሕ ከምዝጽበየና ምጭናቕ ክኸውን ይኽእል። ብፍላይ ዝጀመርናዮም ግን ከኣ ገና ዘይወዳእናዮም ዕማማት እንተሃልዮም ዝገደደ ይኸውን።
ሓደ ጀርመናዊ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (ኣይ.ቲ) ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምስ ዘይተዛዘመ ዕማማት ዝተረፉ ሰባት፡ ምስቶም ኣብ ውሑድ ጽዕነት ስራሕ ዝነበሩ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብዛዕባ ጸገም ስራሖም ናይ ምጭንናቕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።
ተመራማሪት ክርስቲን ሳይረክ ካብ ዩኒቨርሲቲ ትሪየር ብዛዕባ ውጽኢት መጽናዕቶም ክተረድእ ከላ "ናይ ሰሙን ዕማማተይ ኣይወዳእኹን ዝብል ርድኢት ኣብ ኣእምሮ ሰባት ንዝፍጠር ሓሳባት ክውስኽ ከምዝገብሮን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ንድቃስ ከምዘዳኽሞን" ተመልክት።
ብፍላይ ሰንበት ምሸት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጉሆ ካብቲ ልሙድ ሰዓታትካ ኣራፊድካ ካብ ዓራት እንተተሲእካ፡ ኣብ እዋን ድቃስ ከምቲ ልሙድ ዘይክትድቅስ ትኽእል ኢኻ። ጽባሕ ናብ ስራሕ ተመሊስካ ኩሎም እቶም ዘይተሰርሑ ዕማማት ምስ ገለ ሓደስቲ ዕማማትን ከምዝጽበዩኻ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ፡ እዚ ንኸይትድቅስ ዘንቀሓካ ጭንቀት ደው ንምባል እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ድቃስ ክወስደና ቍጽሪ ምቑጻር ክንጅምር ንኽእል ኢና፤ ንዝተወሰነ እዋን መጽሓፍ ከነንብብ ንኽእል፤ ንነብስና ካብ ጭንቀት ከነርሕቓ ናብ ዝሕግዘና ካልእ ዓለም’ውን ክንወስዳ ንኽእል ኢና።
ወይ ድማ መብራህቲ ወሊዕካ ዝርዝር ናይቶም ክትገብሮም ዘለካ ኩሉም ነገራት ብጽሑፍ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።
እወ ልክዕ እዩ፤ ኩሉ እቲ ክትፍጽሞ ዘለካን ኣዝዩ ዘጨንቐካን ዕማማት ኮነ ኢልካ ኣብ ኣእምሮኻ ከተምጽኦ ኣለካ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ ክትጽሕፎም ይግባእ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ውን ብዘገርም መልክዑ ነዚ ምበባር ውጽኢታዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ቤይሎር ምስዚ ኣርእስቲ ብዝተሓሓዝ መጽናዕቲ ዘካይድ ማይክል ስኩሊን፡ ንዝሳተፉ ክልተ ጉጅለ ወለንተኛታት ዝተፈላለየ ዕማማት ሂቡ። ነታ ሓንቲ ጉጅለ እቶም ወለንተኛታት ቅድሚ ምድቃሶም ኣብታ መዓልቲ ዘዓመምዎ ኵሎም ዕማማት ብዝርዝር ክጽሕፉ ሓቲትዎም።
ንካልኣይ ጉጅለ ድማ ብዛዕባ እቲ ንጻባሕን ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታትን ክሰርሕዎም ዘለዎም ዕማማት ብዝርዝር ክጽሕፉ ሓቲትዎም። ብዝገርም ኵነታት ድማ ወለንተኛታት እታ ካልኣይቲ ጉጅለ ብድሕሪኡ ቀልጢፎም ክትድቅሱ ክኢሎም።
"ኮግኒቲቭ ኦፍሎዲንግ cognitive offloading" ዝበሃል ስነኣእምሮኣዊ ሜላ ኣሎ። እዚ ሜላ ሓደ ሰብ ካብ ናይ ኣእምሮ ጾር ንምንጋፍ ኣካላዊ ስጉምቲ ክወስድ ከሎ እዩ ዘጋጥም።
እዚ ኣገባብ ንነብስኻ ብመሰረት ውጥን ብምምራሕ ንገለ ካብ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥታት እተቃልለሉ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ሓንጎልካ ዝፍጠር ጸቕጢ ትቕንሶ፤ ዕማማትካ ድማ ብዝቐለለ ኣንፈት ይውገኑ።
ዋላ’ውን ዝርዝራትካ ነዊሕ እንተዀነ ሓፈሻዊ ኣርእስታት ካብ ምጥቃም፡ ንነፍሲ ወከፍ ፍሉይ ዕማም ምዝርዛር ዝበለጸ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሮፌሰር ማይክል ስኩሊን ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ 10 ዕማማት ዝሓዘ ዝርዝር ዘቀመጡ ሰባት ካብቶም ዝርዝር ስራሕ ዘይጽሕፉ ሰባት ብማእከላይ ገምጋም ብ15 ደቓይቕ ዝቐልጠፈ ድቃስ ከም ዝወስዶም ይሕብር።
ካብቶም ሓጸርቲ ዝርዝር ጥራይ ዘዳለዉ እውን ብሽዱሽተ ደቓይቕ ቀልጢፎም ይድቅሱ። ስለዚ፡ እትጽሕፎ ዝርዝር ዕማማትካ ኩለመዳያዊ ግበሮ።
እዚ ዅሉ ምግባር ግን እሞ ድማ ደኺምካ ክትድቅስ ኣብ እትቐርበሉ እዋን ከቢድ ስራሕ ዀይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ግን ውጽኢቱ ነዚ ክትገብር ዝድርኸኻ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ቅድሚ ምድቃስካ ዝርዝር ስራሕካ ምጽሓፍ ንህይወትካ ካብ ጽዑቕ ስራሕ ዘድሕን ኣይኮነን፤ ግን ከኣ ድቃስ ክትረክብን ጭንቀትካ/ውጥረትካ ክቃለል ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ጽባሕ ናብ ስራሕ ምስኣተኻ ኵሉ ክትገብሮ ዘለካ ዕማማት ኣቐዲምካ ብዝርዝር ስለዝሓዝካዮ ዝቐለለ ኰይኑ’ዩ ዝጸንሐካ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







