ንሓንጎልና ዝምልከቱ 7½ ግጉይ ፅውፅዋያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓውዲ ኒውሮሳይንስ: ብዛዕባ ሓንጎል ዝምልከቱ ጽውጽዋያት ኣለዉ። ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዴቪድ ሊንደን “ኒውሮቡልሺ*ት” (ሓሶት) ኢሉ እዩ ዝፀወዖም።
ካብዞም ብጭብጢ ዘይኰነስ ብተደጋጋሚ ስለዝተበሃሉን ብእምነት ተዓቂቦም ዝጸንሑን ጽውጽዋያት ዝተወሰኑ ክንነግረኩም።
ጽውጽዋይ 1፡ ኣዒንትና ይርእያ፣ ኣእዛንና ይሰምዓ፣ ቆርበትና ድማ ይድህስስ
እተን ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ዝሰርሓሉ መንገዲ ከምቲ እንሓስቦ ኣይኰነን።
ገጽና ክንሕጸብ እንከለና ቆርበትና ዛሕሊን ዋዒን እቲ ማይ ከምዝተሰምዖ ንኣምን። ግን ከምኡ ድዩ?
ብሓቂ ቆርበትና ንጠሊ ዘለልይ ህዋስ የብሉን። እንታይ ደኣ? ሓንጎልና ከም ምትንኻፍ፡ ሙቐትን ካብ ሕሉፍ ተመኩሮና ዝረኸብናዮ ፍልጠትን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ምንጪ ሓበሬታታት ብሕቡእ ብምውህሃድ ነቲ ናይ ጠሊ ስምዒት ይሃንጽ።
ብሓቂ ኵሉ ስምዒታትና ኣብ ሓንጎልና ዝሕሰብ እምበር ብህዋሳትና ጥራይ እነለልዮ ኣይኰነን። ብዓይንና ዘይኰነስ ብሓንጎልና ኢና ንርኢ፤ እዚ ድማ ኣብ ውህደት ናይ’ቲ ኣብ ርእስና ዘሎን ካብ ረቲና ዝመጽእ ናይ ህዋሳት መረድኢታትን ተመርኲስና እንፍጽሞ ነገር እዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ሓንጎልና ኣብቲ ካብ እዝንና ዝመጽእ ናይ ህዋሳት መረድኢታት ብኸፊል ጥራይ ዝተመርኮሰ ድምጽታት ክሃንጽ ከሎ ኢና ትሰምዕ። ናይ ምጭናው፣ ምጥዓምን ምትንኻፍን ተመኩሮታትና ብተመሳሳሊ ኣብ ሓንጎልና ዝህነጹ ስምዒታት እዮም።
ጽውጽዋይ 2፡ ሓንጎልና ዝኽርታት ይዕቅብ
ከምቲ ኮምፒተር ፋይላት ዝዕቅብ፡ ሓንጎል ኣብ ዘድልየሉ እዋን ዝመልሶም ዝኽርታት ኣይዕቅብን’ዩ።
ሓንጎልና ጠለብ ዝኽርታትና ኣብ ዘድልየሉ እዋን ብኤሌክትሪክን ብዝሽክርከር ኬሚካላትን ኣቢሉ ዳግማይ ይሃንጾም።
ነዚ መስርሕ’ዚ “ምዝካር” ንብሎ፤ ብሓቂ ግን ዝያዳ “ምትእኽኻብ” እዩ ዝመስል። ሓደ መዘከርታ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ድማ፡ ብገለ ዝተፈላለዩ መትኒታት ክህነጽ ይኽእል እዩ። ብህሉው ኵነታትና ስለዝጽሎ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ብዝርዝራቱ ክፈላለ ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Emily Finn
ጽውጽዋይ 3፡ ጸጋማይ ሸነኽ ሓንጎል ስነ-መጐታዊ የማናይ ድማ ፈጠራዊ እዩ
ብሓፈሻ፡ ዝዀነ ክፋል ሓንጎል ንስነ-ጥበባዊ ጻዕርታት፡ ስነ-መጐት ወይ ንካልእ ዝዀነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ንጥፈት ጥራይ ዝተወፈየ ኣይኰነን።
ዳርጋ ኵሉ እንወስዶ ስጉምትን ዘለና ተመኩሮን ኣብ መላእ ሓንጎልካ ብዝተዘርግሑ መትኒታት ዝሕሰብ እዩ።
ሓደ ክፋል ሓንጎል ዝዀነ ‘ሴረብራል ኮርተክስ’ ብንፍቀ ክቢ ዝቖመ ኮይኑ፤ እዞም ክልተ ንፍቀ ክቢ ግን ምስ ብዙሓት ኣብ ሓንጎል ዝርከቡ ንኡስ-ኮርቲካል ብዝተሓላለኸ መንገዲ ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ስለዚ ኣብ ጸጋማይ ንፍቀ ክቢ ዝርከቡ ገለ መትኒታት ንመሃንድስ ኮምፒተር ኣብ የማናይ ሸነኽ ዝርከቡ ድማ ንገጣሚ ወይ ስነ-ጥበባዊ ሰብ ዝዀኑ እዮም ብምባል ጽውጽዋይ እዩ።
ውሑዳት ተግባራት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ንፍቀ-ክቢ ዝፍጸሙ ይመስሉ፡ ንኣብነት ክእለት ቋንቋ ብጸጋም እዩ።
ይኹን’ምበር እዚ ዓብላልነት ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት በብቑሩብ እዩ ዝምዕብል፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ድማ ዝምዕብል ኣይኰነን።
ጽውጽዋይ 4፡ ኮርቲሶል ናይ ጸቕጢ፡ ሴሮቶኒን ድማ ናይ ሓጎስ ሆርሞናት እዮም
ሓንጎልና ብሻምብቆታት ደምና ‘ኮርቲሶል’ ብምፍናው “ተወጢረ ኣለኹ” ኢሉ ከምዝጭድር፡ መትኒታት
ድማ ኣብ ነንሕድሕዶም ሴሮቶኒን ብምውህሃድ ሕጉስን ስምዒት ከምዝፈጥሩ ክእመነሉ ዝጸንሐ ልሙድ ኣተሓሳስባ’ዩ።
ኣብ ክውንነት ዝዀነ ሆርሞን ሓደ ፍሉይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕላማ ጥራይ የብሉን፣ ኵሎም እቶም ንሕልና ንምፍጣር ዝሕግዙ ኬሚካላት ድማ ብሓባር እዮም ዝሰርሑ።
ንኣብነት ኮርቲሶል፡ ጸቕጢ ኣሎ ድዩ የለን ብዘየገድስ፡ ሓንጎልካ ኣድላዪ እዩ ኢሉ ኣብ ዝኣመነሉ እዋን፡ ንዋህዮታትና ቅልጡፍ ምፍንጃር ጸዓት ንምሃብ፡ ኣብ ደምና ዘሎ መጠን ግሉኮስ ክብርኽ ይገብር።
ሓንጎልና፡ ቅድሚ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባርና ወይ ንግሆ ካብ ዓራት ክንትስእ እንከለና ጽክታት ኣድረናል ገለ ኮርቲሶል ክፍንዩ ይእዝዝ። ስለዝዀነ ድማ ኮርቲሶል ኣብ እዋን ጸቕጢ ክፍነው ይኽእል እዩ፡ እንተዀነ ግን “ናይ ጸቕጢ ሆርሞን” ኣይኰነን።
ብተመሳሳሊ፡ ሴሮቶኒን “ናይ ሓጐስ ሆርሞን” ኣይኰነን። ብዙሕ ተግባራት ኣለዎ።
ንኣብነት ኣብ ኣካላትና ሴሮቶኒን ክንደይ ስብሒ ከምዝፈርይ ይቆጻጸር። ኣብ ሓንጎልና፡ ሴሮቶኒን ነቲ እንጥቀመሉን እንረኽቦም መጠን ጸዓት ኣብ ምክትታል ይሕግዝ።
ዋላ’ውን ቅልጡፍ ረብሓ እንተዘይሃለዎ፡ ጉልበት [ካሎሪ] ከነጥእ ግን የኽእለናካ፣ እዚ ድማ ክንድህስስ፡ ክንብህግን ክንህንጠይን ይገብር።
ሴሮቶኒን ካልኦት መትኒታት እውን ሓሳባትካ፣ ስምዒታትና፣ ርድኢታትናን ተግባራትናን ክፈጥሩ ከለዉ ሓበሬታ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ከሕልፉ ይሕግዞም።
ጽውጽዋይ 5፡ ሓንጎልና ንፍጻመታት ምላሽ ይህብ
ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ሓንጎልና ኣብ ከባቢኻ ንዝፍጸሙ ንጥፈታት ብቐጻሊ ምላሽ ዝህብ ዘሎ ክመስለና ይኽእል እዩ።
ደስ ዝብል ከልቢ ርኢና ክምስ ንብል። ወይ ሓደ ዓርክና ደስ ዘይብል ነገር ክዛረብ እንከሎ ንሓፍር። መርፍእ ክንውጋእ እንከለና ንእሽቶ ቃንዛ ይስምዓና።
ኣብ ውሽጢ ሓንጎልና ግን፡ መትኒታት ዓለም ከም ተሌቭዥን ክሳዕ እትውልዖም ስራሕ ኣልቦ ኰይኖም ኮፍ ኣይብሉን’ዮም።
ኣብ ክንድኡ፡ ሓንጎልና ኣብ ዝቕጽል ህሞት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ብቐጻሊ ኣብ ምግማት ይነጥፍ። ግምታቱ ድማ ምስቲ ካብ ከባቢናን ውሽጢ ኣካላትካን ዝረኽቦ ናይ ህዋሳት መረድኢታት የነጻጽሮ።
እዞም ግምታት እዚኦም ንተግባራትናን ተመኩሮኻን ዝፈጥሩ መሰረታት እዮም።
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ሓንጎልና ካብ ዓይንና፣ እዝንና፣ ኣፍንጫናን ካልኦት ናይ ስምዒት ህዋሳት መረድኢታት ቅድሚ ምቕባሉ፡ ንተግባራትናን ተመኩሮናን ክእንፍት ይጅምር።
ሓንጎልና ኣብ ከባቢና ንዘሎ ፍጻመ ግብረ መልሲ እናሃበ ዘይኰነ ዘሎስ፡ ንዘልኣለም ይትንበ፣ ዓለምና ከመይ ከምእትኸውን፣ ከመይ ከም እትዋሳእን መን ከምእንኸውንን እዩ ዝግምት ዘሎ።
ካብ ህዋሳትና ዝውሕዝ ሓበሬታ ድማ ነቶም ትንበያታት ከረጋግጾም ወይ ከስተኻኽሎም ይኽእል። እዚ መስርሕ እዚ “ምምሃር” ብዝብል ንጽውዖ።
እዚ ትንቢታዊ መስርሕ ክካየድ ከሎ ኣይፍለጠናን። ኣዝዩ ቅልጡፍን ጻዕሪ ዘይብሉን ስለዝዀነ፡ ግብረ መልሲ ንህብ ዘለና ኰይኑ ይስምዓና።
ጽውጽዋይ 6: መስትያት መትኒታት ሓልዮት ዝፈጥሩ ፍሉያት ዋህዮታት እዮም
ቅድሚ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ገለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ፍሉይ ዓይነት ስርዓት ዘለዎም ዝመስሉ መትኒታት ተዓዚቦም ነይሮም።
ከም ኢድና ምውዝዋዝ ዝኣመሰለ ፍሉይ ስጉምቲ ክንወስድ ከለና፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰባት ተመሳሳሊ ተግባር ክፍጽሙ ክንዕዘብ ከለና፡ እቶም መትኒታት ንጥፈታቶም ይውስኹ። እዞም መትኒታት እዚኦም በዚ ፍሉይ ዝመስል ባህሪኦም ብልምዲ “መስትያት መትኒታት” (“mirror neurons”) ተባሂሎም ይፅውዑ።
ኣብ ክውንነት ግን ኣብ ተራን ትንቢት ዝተዋፈሩ ተራ መትኒታት ጥራይ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት፡ ትንበያታት ሓንጎልና፡ ክፋላት ኣካላትና ንኽንቀሳቐሱ ከም ድምጺ ኣልቦ ትእዛዛት ኰይኖም ይጅምሩ። እዚ ምንቅስቐስ ከም ምትዕርራይ ህርመት ልብና፡ ምፍናው ገለ ሆርሞናት ወይ ኣእዳውና ምልዓል ክኸውን ይኽእል።
ቅዳሓት ናይዞም ትእዛዛት ናብ ስርዓተ ህዋሳትና ይለኣኹ እሞ፡ ክንንቀሳቐስ እንከለና እንታይ ከምንርእይን እንሰምዕን ትንበያታት ይዀኑና።
እዞም ትእዛዛት እዚኣቶም ሓደ ሓደ ግዜ ክፍጸሙ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዘይክፍጸሙ ተኽእሎ ኣሎ፤ እንተዀነ ግን ንተግባራት ካልኦት ሰባት ሓዊስካ ንዝዀነ ነገር ብፍጹም ናይ ምርዳእ ዓቕምና ወሳኒ ኣካል ኰይኖም ይርከቡ።
ስለዚ፡ እቶም ንዓርክና ሰላም ክንብል ኢድና ንምውዝዋዝ ዝሕግዙና መትኒታት፡ ካልእ ሰብ ኣእዳዉ ከወዛወዝ ከሎ ከም ሰላምታ ክንርድኦ የኽእሉና። “መስትያት” ኣይኰነን፣ ንቡር ክፋል ናይ ትንበያ ሓንጎልና እዮም።
ጽውጽዋይ 7፡ ኣብ ርእስና ካብ ለማሚታት ዝተወርሰ ክፋል ኣሎ
ሰባት ዘለዎም ተምሳጥ ካብቶም ኣብ ቅድመ ታሪኽ ዝነበሩ ለማሚታት ዝወረስዎ ጥንታዊ ክፋላት ሓንጎል እዩ ዝርከብ፡ ወይ “ርትዓዊ ሓንጎልና” ኣብቲ ንድሌታትና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከጽንሐ ዝደሊ “ሓንጎል ጠበቕ” ዝተመርኰሰ ምዃኑ ዝገልጽ ኣበሃህላ ሰሚዕኩም ትፈልጥ’ዶ?
እዚ ኣዝዩ ጌጋ እዩ።
ኣእምሮና ኣብ መንጎ ስምዒትን ምኽንያትን ሜዳ ውግእ እዩ ዝብል ሓሳብ ካብ ጥንታዊት ግሪኽ ኣትሒዙ ዝመጸ እዩ።
ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን ድማ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ሓንጎል ደቂ ሰባት ምስ ሓንጎል ካልኦት እንስሳታት ኣዒንቶም ብምንጽጻር ንጥፈት ሓንጎል ንምርዳእ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ንፍልቀት ሓንጎል ንምርዳእ ህቡብ መስርሕ ኰይኑ ነይሩ።
ይኹን’ምበር ናይ ቀረባ እዋን ስነ-መትኒ ከምዝሕብሮ፡ ሓንጎልና ዝምዕብለሉ ኣገባብ ከምቲ ድሮ ዝተሰንከተ ኬክ ሽኮር ዝኣመሰለ ንጣር ብምውሳኽ ዝምዕብለሉ ኣገባብ ኣይኰነን።
ኣብ ክንድኡስ፡ ሓንጎል ኵሎም መጥበውቲ እንስሳታት፡ ምናልባት እውን ሓንጎል ኵሎም ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም እንስሳታት፡ ሓደ ውጥን ምፍራይ እዩ ዝኽተል።
እቲ እንኮ 'ሓንጎል ጠበቕ' ዘለዎ እንስሳ ጠበቕ ጥራይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Spl
ጽውጽዋይ 7½፡ ሓደስቲ ዋህዮታት ሓንጎል ክነዕቢ ኣይንኽእልን
እዚ ጽውጽዋይ’ዚ ብኸፊል ሓቂ’ዩ፤ ስለዚ ፍርቂ ጽውጽዋይ ንበሎ።
መብዛሕትኡ ከባቢታት ሓንጎል ወዲ ሰብ ሓደስቲ ዋህዮታት ሓንጎል ከዕብዩ ኣይክእሉን፤ ገለ ክፋላት ግን እዚ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።
ሓደ ካብዚ ክፋላት እዚ፡ ንትምህርቲ፣ ንዝኽሪ፥ ክንደይ ከምእንበልዕ ንምቁጽጻርን ንኻልእ ስነ-ህይወታዊ ተግባራትን ኣገዳሲ ዝዀነ ሂፖካምፑስ (hippocampus) እዩ።
እቲ ዘገርም፡ ብዙሓት ካልኦት እንስሳታት ኣብ መብዛሕትኡ ሓንጎሎም መትኒታት ዳግማይ ከዕብዩ ይኽእሉ እዮም።
ደቂ ሰባት ደኣ ስለምንታይ ዘይንኽእል?
ገለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር እንኸፍሎ ዋጋ ድዩ ዝብል ሕቶ የልዕሉ። ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ርግጸኛ ዝኽሪ ይሓትት።
ሓንጎልና ቅድሚ መዓልታት ወይ ሰሙናት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ዓመታት ዝነበረ ሕሉፍ ተመኩሮታት ዳግማይ ዝእክበሉ መንገዲ የድልዮ’ዩ።
ከምቶም ኣብ ሂፖካምፑስ ዝበቁሉ ሓደስቲ መትኒታት ድማ፡ ነቲ ዝሓለፈ ንምዝካር (ዳግማይ ንምትእኽኻብ) ዘገልግሉ ዘይኰኑስ፡ ሓድሽ ነገራት ንምምሃርን ሓድሽ ዝኽሪ ንምስራሕን ዝውዕሉ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







