ሓንጎልና ንገዛእ ርእሱ ይበልዕ ድዩ?

ምስሊ ሓንጎል

ሓንጎልና ብቐጻሊ ንገዛእ ርእሱ ከምዝበልዕ ትፈልጡ’ዶ?

እዚ መስርሕ እዚ ፋጎሳይቶሲስ (phagocytosis) ይበሃል።

ዋህዮታት ሓንጎልና ንካልኦት ንኣሽቱ ዋህዮታት ወይ ሞለኪዩላት (ዝነኣሱ ኣሃዱታት) ካብ ስርዓተ ኣእምሮ ንምእላይ ይሽፍንዎም ወይ ይበልዕዎም።

ይኹን’ምበር እዚ መስርሕ’ዚ ከጨንቐኩም ኣይግባእን! መስርሕ ፋጎሳይቶሲስ ጎዳኢ ኣይኰነን።

ዳርጋ ኵሉ እንገብሮን ኵሉ ዘለና ነገርን ኣብ መንጎ ኣብ ሓንጎልና ዝፍጠሩ ዋህዮታት ኣብ ዘሎ ምትእስሳር (ሲናፕስስ) ዝተመርኰሰ እዩ።

ብርግጽ፡ ንነዊሕ እዋን፡ ናይ ዓበይቲ ሰባት ሓንጎል ብመሰረቱ ‘ጽኑዕ’ ከምዝዀነን፡ ብዝዀነ ኣገባብ ክቕየር ከምዘይኽእልን’ዩ ክሕሰብ ጸኒሑ።

ዘመናዊ መርትዖ ግን እዚ ግምት ደጊም ዓብላሊ ከምዘይኰነ የመልክት። ሓንጎል ዓበይቲ ሰባት ካብቲ ፈለማ ዝግመት ዝነበረ ዝያዳ ተዓጻጻፊ፣ ዝያዳ ተለዋዋጢ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዋላ ከምኡ ይኹን እምበር፡ ሓንጎልና ብንጥፈት ንገዛእ ርእሱ ወይ ዝተፈላለየ ክፋላቱ ይበልዕ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝገርም እዩ።

ኣብ ሓንጎልና ብቐጻሊ ኵሉ ግዜ ዝፍጸም ነገር እዚ እዩ።

ፋጎሳይቶሲስ ብመሰረቱ ዋህዮታት ንካልኦት ዋህዮታት፡ ወይ ንጥረ ነገራት ዝበልዕሉ መስርሕ እዩ።

ስርዓተ ምክልኻል ደቂ ሰባት ድማ ኣብዚ ዝተመስረተ ከምዝዀነ ክኢላታት ይገልጹ።

ውፉያት ጸዓዱ ዋህዮታት ደም፡ ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ይበልዑ፣ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ድማ ካብቶም ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታትን ብሰንኮም ዝመጽእ ዘዛብዕ ጽልዋን ይገላገሉ።

ኣብ ውሽጢ ዋህዮታት ናይ ወጻኢ ንጥረ ነገራት ምህላዎም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1860ታት ብናይ ሕማም ክኢላ ክራኒድ ስላቭያንስኪ እዩ ተፈሊጡ።

ኣብ 1880ታት ኣብ ሩስያ ዝተወልደ ክኢላ እንስሳን ማይክሮባዮሎጂስትን ኤሊ ሜችኒኮፍ፡ ንከም ባክተርያ ዝኣመሰሉ ባዕዳውያን ኣካላት ዝውሕጡን ዘጥፍኡን ዋህዮታት ምክልኻል ሕማም ብምጥቃስ ፋጎሳይት ዝብል ቃል ኣተኣታትዩ።

ሜችኒኮፍ፡ ፋጎሳይትስ ኣብ ምላሽ ሕማም ምክልኻል ዓቢ ተራ ከምዘለዎም’ውን ተገንዚቡ ነይሩ። እዚ ርኽበት እዚ ድማ ኣብ 1908 ሽልማት ኖቤል ፊዚዮሎጂ ወይ ሕክምና ክረክብ ኣኽኢልዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ሓንጎል ዝፍጸም ፋጎሳይቶሲስ ብዙሕ እዩ።

ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታትን ካልኦት ወረርትን ምክልኻል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ ፋጎሳይቶሲስ ግን ሓንጎል ከም ንቡር ስርሑ ክፍጽም እዩ ዝሕግዝ።

እዚ ማለት መስርሕ ‘ሆሞስታሲስ’ ወይ ድማ ኣካልና ስርሑ ብትኽክል ንኽፍጽም ኣብ መንጎ ኩሎም ኣካላትና ዘድልዩ ስርዓታት ሚዛን ይዕቀብ።

ኣብዚ፡ ሓንጎል ንምእማኑ ዘጸግም ስራሕ ዝበዝሖን ጠለብ ዝሓትትን ኣካል ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ’ዩ። ብህይወት ብምጽናሕን ክገብሮ ዘለዎ ብምፍጻምን ጥራይ፡ ኣስታት ሲሶ ናይቲ ድሉው ቀረብ ጸዓት ኣካላትና ከምዝጥቀም ግምታት ይሕብሩ።

እዚ ማለት ሓንጎል ምንጪ ሓይሊ ዋህዮ እዩ፤ ኣብ መንጎን ኣብ ውሽጢን ዋህዮታት ሓንጎልና፡ ኵሉ ግዜ ዝፍጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ዝተሓላለኹ መስርሓት ኣለዉ።

እቲ ጉዳይ ግን ኣብ መንጎ እዞም ኵሎም መስርሓት ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ጐድናዊ ፍርያት ክህልዎ እዩ።

እዞም ፍርያት ድማ ክእለዩ ኣገዳሲ ይኸውን፤ ምኽንያቱ እንተዘይተኣልዮም ኣብ ሓደ ተሃኒጾም ምዝንባዕ ከስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ።

ብካልእ ኣገላልጻ፡ ልክዕ ከምቲ ንኣዋርሕ ዝተዋህለለ ጐሓፍ እንተዘይተኣልዩ ኣብ መንበሪ ጎደናታት ንምንቅስቓስ ኣዝዩ ከቢድ ዝኸውን ማለት እዩ። ብዙሕ ካብ’ቲ መስርሕ ምኣላይ ምስ ደቀስና’ዩ ዝፍጸም (እዚ ደቂ ሰባት ስለምንታይ ይድቅሱ ዝብል ዝገልጽ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ እዩ)።

ንፋጎሳይቶሲስ ዘጠቓልሉ መስርሓት ድማ እቲ ምእላይ ወይ ምጽራይ ዝፍጸመሎም ኣገባባት እዮም።

ግን ከም መዓልታዊ ጽሬት ገዛ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓንጎል ዝርከቡ ምትእስሳራት ክእለዩ ወይ ክቕየሩ የድልዮም።

ኣብ ጕርዝውና ምስ በጻሕናና፡ ‘ምቕምቃም’ ዝበሃል መስርሕ ይጅምር። እዚ ድማ ኵሉ እቲ ኣብ ግዜ ንእስነትና እንእክቦ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ናይ ስነ-ኣእምሮ ምትእስሳር ዝእለየሉ ኣገባብ እዩ።

እቲ ብዘይ ሓገዝ ዝሕንጥጥዎ ዝነበሩ ጸጋታት ድማ ናብ ዝያዳ ጠቓሚ ነገራት የቕንዕ። ከም ውጽኢቱ፡ ሓንጎል ዝያዳ ስሉጥን ድሉውን ይኸውን።

እዚ ኵሉ ዝኸውን ድማ ሓንጎል ብሓቂ ንገዛእ ርእሱ ስለዝበልዕ እዩ። ግን ዝሓሸ ብዝገብሮ እምበር ብዝጎድኦ መንገዲ ኣይኰነን።

ሓንጎልና ኣብ ሓደ ቦታ ደው ዝበለን ዘይቕየርን ኣይኰነን። ተዓጻጻፊ፡ ተዋሃዲ፡ ንህይወት ብቐጻሊ ምላሽ ዝህብ’ዩ።

ብዓቢኡ ምንጪ ሓይሊ ንሱ’ዩ። ብስሩዕ ንናይ ገዛእ ርእሱ ክፋላት እንተዘይበልዕ ነይሩ ድማ ነዚ ክፍጽም ኣይምኸኣለን ነይሩ።