'ፎብያ'፡ ዘይርትዓዊ ፍርሒ እንታይ’ዩ? ብኸመይ’ከ ይፍወስ?

ብነፋሪት ምጕዓዝ ወይ ኣብ ቅድሚ እኩብ ሰብ መደረ ምሃብ ዘፍርሖም ሰባት ሒደት ኣይኰኑን። ገሊኦም ድማ ከልቢ፡ ወይ ድሙ ዝኣመሰሉ እንስሳታት ኣይፈትዉን።
እዚ ኵነታት ግን ክጻወርዎ ክሳብ ዝኸኣሉ፡ ህይወቶም ብኣሉታ ከይተጸለወ ናብራኦም ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ክመጽእ እንከሎ ግን ፎብያ ወይ ዘይርትዓዊ ፍርሒ፡ ካብ ልሙድ ፍርሒ ወይ ቅልል ዝበለ ጽልኢ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ።
ብኣንጻሩ፡ ፎብያ ዘለዎም ሰባት፡ ጽዑቕን ኣዝዩ ዘይምችኡን ግብረ መልሲ ፍርሒ ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ፤ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ስምዒት ልዕሊ ዓቕሞም ክኸውንን ንመዓልታዊ ህይወቶም ክጸሉን ይኽእል እዩ።
ዘይርትዓዊ ፍርሒ እንታይ እዩ?
ዝዀነ ርትዓዊ ምኽንያት ኣብ ዘይብሉ እዋን ዘጋጥም ፍርሒ ብእንግሊዝኛ ፎብያ ይበሃል። እዚ ዘይርትዓዊ ፍርሒ ወይ ፎብያ ኣብ ምድብ ጭንቀት ዝስራዕ ወግዓዊ ኵነታት ስነ-ኣእምሮ እዩ።
ሰባት እዚ ኵነታት ኣለዎም ንክበሃሉ፡ እንተወሓደ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከጋጥሞምን ነቲ ፍርሒ ዝህብዎ ግብረ መልሲ ድማ ምስቲ ዘጋጠሞም ሓደጋ ዘይመጣጠን ክኸውን ኣለዎ።
ሰባት ክሳብ ክንደይ ባጺሖም ዝብል ብዘየገድስ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዕድመ ዘይርትዓዊ ፍርሒ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።
ክኢላታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና፡ ካብ 3 ክሳብ 15 ሚእታዊት ሰባት ኣብ ገለ እዋን ህይወቶም ሓደ ዓይነት ፎብያ ከምዘማዕብሉ ይጠቕሱ።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና ኣፍልጦ ዝህቦም ብሓፈሻ ሓሙሽተ ቀንዲ ምድባት ‘ፎብያ’ ኣለዉ።
ከም ሓሰኻን ተመንን ዝኣመሰሉ ልሙዳት ኣብነታት ፍርሒ እንስሳታት እዮም። በሪኽ ወይ ዓሚቕ ማይ ዝኣመሰሉ ድማ ኣብ ፍርሒ ከባቢ ይምደቡ። ካልእ ምድብ ፍርሒ ደም/መርፍእ የጠቓልል። ከም ንሓካይም ስኒ ዝህሉ ፍርሒ ድማ ኵነታዊ ፍርሒ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዳርጋ ንዅሎም ካልኦት ፍርሒታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ‘ምድብ ካልኦት ፍርሒታት’ ይርከብ።
ገለ ፍርሒ ካብ ተፈጥሮኣዊ ጽልኢ ዝምዕብል እዩ። ንኣብነት፡ ንሳሬት፡ ወይ ንተመን ምጽላእ። እዚ ምስ ግዜ ፍርሒ ክሳዕ ዝኸውን እናሓየለ ክኸይድ ይኽእል።
ንኣብነት፡ ኣብ ትሕቲ ዓራተይ ሳሬት ኣላ ብዝብል ፍርሒ፡ ለይቲ ንምድቃስ ክሳብ ምጽጋም ክበጽሕ ተኽእሎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Scott Camazine
ካልኦት ድማ ዝያዳ ብድራማዊ መልክዑ ክቕልቀሉ ይኽእሉ፤ ብፍላይ ዘፍርሕን ዘይምችኡን ፍጻመ ስዒቦም ክምዕብሉ ተኽእሎ ኣሎ። ንኣብነት ሰባት ኣብ ንእስነቶም ንህቢ ተነኺሶም ብዙሕ ቃንዛ ዝመልኦ ተመኵሮ እንተሕሊፎም፡ ኣብ ዳሕረዋይ ህይቶም ንንህቢ ዘይርትዓዊ ፍርሒ ከማዕብሉ ይኽእሉ።
ምስቲ መበገሲ ፍርሒ ዘይምግጣም ድማ ነቲ ኵነታት ዘጋድድ ነዳዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ናብ በሪኽ ቦታ ምድያብ ዘፍርሖም ሰባት፡ ነዚ ፍርሒ ብምግጣም ናብ በሪኽ ቦታ ብዝደየቦ መጠን ፍርሖም እናነከየ እዩ ዝኸይድ። እዚ እንተዘይኰይኑ ግን ብበሪኽ ቦታ ዘለዎም ፍርሒ እናገደደ ይኸይድ እሞ ዋላ ድሕነቶም ኣብ ዝተረጋገጸሉ ኵነታት ናብ በሪኽ ቦታ ክድይቡ ኣብ ዘይደፍርሉ ኵነታት ይበጽሑ።
እዚ ኵነታት ቃል ብቓሉ ብውርሻ ዝመሓላለፍ ኣይኰነን። ገለ ሰባት ግን ኣብ ከባቢኦም ካብ ዘለዎ ካልኦት ሰባት ፍርሒ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።
ንኣብነት በሪኽ ቦታ ኣዝዮም ዝፈርሑ ኣባላት ኣብ ዘለዋ ስድራቤት ዝዓብዩ ቈልዑ፡ ተመሳሳሊ ፍርሒ ከማዕብሉ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።
ሕክምና ኣለዎ ድዩ?
ዘይርትዓዊ ፍርሒ ሓደ ሓደ ግዜ ባዕሉ እናሃሰሰ ክኸይድ ይኽእል እዩ።
እዚ እንተዘይኰይኑ ድማ ምስ ግዜ ዝማዕበሉ ፍሉጣት ኣገባባት ሕክምና ኣለዉ።
ንኣብነት ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ፍርሒ ዝህብዎ ግብረ መልሲ ንምቍጽጻር ዝሕግዝዎም ናይ ምዝንጋዕ ሜላታት ክማሃሩ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ፤ እዚ ድማ ቀስ ብቐስ ናብ ጠንቂ ፍርሖም ክቃልዑን ከምቲ ዝሓስብዎ ሓደገኛ ከምዘይኰነ ክንግንዘቡን ዝሕግዝ እዩ።.
ከም ቨርቹዋል ሪያሊቲ ወይ ኣጉመንትድ ሪያሊቲ ዝኣመሰሉ ምዕቡል ምትእትታዋት እውን ኣለዉ። እዞም ሜላታት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ጽዓት ምንጪ ፍርሒ ምቍጽጻር ዘኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ዓቐን ሳሬት፡ ቍመት በሪኽ ቦታ ብምቕያር ኣብ መስርሕ ቀስ ብቐስ ነቲ ፍርሒ ብሓቂ ንምግጣም ከም መሰጋገሪ እምኒ ኰይኑ የገልግል።

ምንጪ ስእሊ, Tom Charlton
ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ዝዀነ ዳኒኤል በነት፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዛዕባ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክጽብጽብ ዝጸንሐ ተዓዋቲ ሽልማት ጋዜጠኛ’ዩ።
በኔት፡ ሰባት ዘይርትዓዊ ፍርሖም ንምቍጽጻር እዞም ዝስዕቡ ስጕምቲታት ክወስዱ ይመክር።
1. ነቲ ፍርሒ ምልላይ
ዘይርትዓዊ ፍርሒ ንምብዳህ እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ነቲ ፍርሒ ምልላይ’ዩ።
እዚ ፍርሒ ንጹር ክመስል ይኽእል’ዩ። ግን ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ፡ መወከሲ ነጥቢን ክምለሱ ሰለዎም ጭቡጥ ነገራትን ዝህብ’ዩ።
ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ብመጀመርታ ነቲ ፍርሒ ከማዕብሉ ዝደረዀም ነገር ብዝምልከት ነቶም ቀዳሞት ፍጻመታት ምልላይ፡ ስለምንታይ ድሕሪ ሕጂ ክፈርሕዎ ዘለዎም ነገር ከምዘየለ ንምርዳእ ክሕግዝ ይኽእል።
2. ምርዳእ
ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮኣውያን ንፍርሒ ንምግጣም ልሙድ ዝዀነ ኮግኒቲቭ ቢሄቪዮራል ቴራፒ (CBT) ይጥቀሙ።
እዚ ክልተ ሸነኻት ዘለዎ ኣገባብ እዩ፤ መጀመርታ፡ ብዛዕባ’ቲ ፍርሒ ዘሎ ኣተሓሳስባን ሕቶን ምምላስ፡ ካልኣይ ድማ ነቲ ዘፍርሕ ነገር ዝወሃብ ኣካላዊ ምላሽ ምምካት የጠቓልል።
ኣብዚ ዝሕግዝ ሓደ መስርሕ ኣእምሮኣዊ ዳግመ ውደባ ተባሂሉ ይፍለጥ። ምስ ካልእ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ፍርሒ ብምዝታይ፡ ወይ ድማ ‘ርእሰ-ምዝራብ’ ብምጥቃም፡ ‘ግጉይ ኣተሓሳስባ’ ምጽጋን የኽእል።
እቲ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ሰባት ምስቲ ዓቢ ፍርሖም እንተገጢሞም፡ ፈጺሙ ናብ ዝዀነ ጉድኣት ዘብጽሖም ዕድል ከምዘየለ ክግንዘቡ ምግባር’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ስጉምቲ ምውሳድ
እቲ ካልኣይ ጨንፈር ኮግኒቲቭ ቢሄቪዮራል ቴራፒ (CBT) ብጭቡጥ ኣንጻር ፍርሒታት ስጕምቲ ምውሳድ ይጠልብ። ክልቲኦም ክፋላት ናይቲ መስርሕ ንዓወት ኣገደስቲ እዮም። ብሓቂ ግን ኣብዚ ደረጃ እዮም ሰባት ምስቲ ዘፍርሖም ነገር ፊት ንፊት ዝራኸቡ።
ሓደ ልሙድ ሜላ ሞደሊን ይበሃል። እዚ ድማ፡ ሰባት ምስቲ ዘፍርሖም ነገር ብቐጻሊ ዝገጥም ሰብ ክዕዘቡ ወይ ምስኡ ግዜ ከሕልፉ ምግባር’ዩ። ስለዚ ሳሬት ዝፈርሑ ሰባት፡ ካልኦት ሰባት ሳሬት ክትንክፉን ክሕዙን እንከለዉ ክዕዘቡ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ደጊም ከቢድ ኣብ ዘይመስለሉ እዋን፡ እቲ ዝቕጽል ስጕምቲ በብንእሽቶ እናወሰኸ ባዕሎም ናብታ ሳሬት ክቐርቡ ይኽእሉ። ኣብዚ እቲ ኣገዳሲ ነገር እቶም ሰባት ካብቲ ክቈጻጸርዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ፈጺሞም ክገብሩ የብሎምን። ስሩዕ ልምምድ ምስ ግዜ ንፍርሖም ‘ተጻዋርነት’ ኣብ ምህናጽ ኣገዳሲ ስለዝዀነ ፍርሖም ከይተጋደደ ቀስ ብቐስ ክላመዱ ኣለዎም።
ቀስ ብቐስ
ነቲ ዝዓበየ ፍርሒ ምቅላዕ ምስ ግዜ ንምቍጽጻር ክሕግዝ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ሰባት ንነብሶም ኣብ ኣዝዩ ዘጨንቕ ኵነታት ብቕልጡፍ ክኣትዉ ምግባር ግን ብሓቂ ነቲ ኵነታት ከጋድዶ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ ብዛዕባ ምዕባለ ፍርሒ ዝምርምር ኣንዲ ፊልድ፡ ሰባት ምስ ፍርሖም ብቐጥታ ምግጣም፡ ፍርሖም ንኽጋደድ ክድርኽ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።
"ሳሬት ትፈርሕ ኴንካ እናሃለኻ ነታ ኣራክኖፎብያ ዘርእስታ ፊልም ክትርኢ እንተፈቲንካ፡ ገና ፍርቂ ከይረኣኻ እታ ፊልም ክትዓጽዋ ኢኻ። እዚ ድማ ነቲ ፍርሕኻ ዘጋድድ ጥራይ እዩ ዝኸውን ዘሎ" ይብል።
ነታ ፊልም ምዕጻውካ ብሓቂ ነታ ሳሬት ክትፈርሖ ኣለካ ዝብል ሓሳብ ከምዘደልዽል ድማ የስምር።
"ነዚ 'ናይ ምቅላዕ ፍወሳ' ክትቀርቦ ዝበለጸ መገዲ፡ ካብቲ ክትጻወሮ ትኽእሎ ንላዕሊ ፈጺምካ ዘይምግባር'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







