‘ዕውር ኣእምሮ’ እንታይ ማለት እዩ?

ኣዒንትኹም ዓሚትኩም ንኣደታትኩም፡ ወይ ንዝዀነ ትፈትውዎ ሰብ ወይ’ውን ሓደ ፈረስ ሕሰቡ።
እቲ ኣብ ኣእምሮኹም ዝመጸልኩም ምስሊ ክሳብ ክንደይ ንጹር እዩ? ንጹር እንተዀይኑ ጥዑይ ዓይኒ ኣእምሮ ኣለኩም ማለት እዩ።
መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ርእሶም ምስሊ ዝርእይሉ ዓይኒ ኣእምሮ ስለ ዘለዎም ብዛዕባ ዝሓስብዎም ነገራት ብቐሊሉ ምስሊ ይረኣዮም እዩ፤ ዳርጋ ኣብ ጥቓኦም ከምዘሎ ገይሮም ክሓስብዎ ይኽእሉ።
እዚ ክገብሩ ዘይክእሉ ሰባት ግን ኣለዉ።
ሓንቲ ካብኣቶም 43 ዓመት ዝዕድመኣ ሜሪ ዋተን እያ።
ንሳ ብዛዕባ ደቃ ክትሓሰብ ከላ ምስሎም ናብ ኣእምሮኣ ኣይመጸላን።
ሜሪ ኣብ ህይወታ ዘሕለፈቶም ዓበይቲ ፍጻመታት ምስሎም ናብ ኣእምሮኣ ክተምጽእ ኣይትኽእልን እያ።
ደቃ እውን ኣብ ቅድሚኣ ብዓይና እንተዘይሪኣቶም መልክዖም ኣይመጸላን።
"ምስሊ ኣየመጸለይን - ኵሉ ዝኽርታት ኣለኒ፡ ኣዝዩ ብዝተፈልየ ጥራይ እየ ዝዝክሮ" ትብል ሜሪ።
"ከምቲ ሰባት ዝብልዎ፡ እቲ ኮምፕዩተር ኣይተበላሸወን ይሰርሕ ኣሎ - ኣብ ሞኒተር ግን ኣይረኣይን።"
ኣብ ላንካስተር ዝነብር ኒል ኬንሙየር እውን ብተመሳሳሊ ወትሩ ዕዉር ምርኣይ ዝተሰኣኖ ኣእምሮ እዩ ነይርዎ።
ኣብ ግዜ ቍልዕነቱ ከይተረፈ ብዛዕባ’ዚ ይፈልጥ ነይሩ።
ህጻን እንከሎ ሓደ መዓልቲ ድቃስ ይኣብዮ። ምእንቲ ድቃስ ክወስዶ ሰብኣይ ኣዲኡ ሰብኣይ ኣደይ ኣባጊዕ ቁጸር ይብሎ። ኣባጊዕ እናሓሰበ ክቆጽር እንከሎ ድቃስ ከምዝወስዶ’ውን ኣረዲእዎ። ኒል ግን ከምኡ ክገብር ኣይከኣለን።
"ዝዀነ በጊዕ ክረኣየኒ ኣይከኣለን፡ ዝቝጸር ነገር ኣይረኣኹን።"
ሰባት ተዘክሮታቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብምስሊ ዝተደገፈ ስለ ስለዝዀነ፡ እዚ ኵነታት ንኒል ኣዝዩ "ዘስካሕክሕ" እዩ። እንተዀነ ሓቅታት ኣብ ምዝካር ኣዝዩ ልዑል ተኽእሎ ከምዘለዎ ይኣምን።
ንነዊሕ ግዜ እዚ ኵነታት ወይ ናይ ኣእምሮ ክእለት ርእየት ዘይምህላው ንጹር መግለጺ ኣይነበሮን።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት’ውን ‘ኣፋንታዥያ’ ዝብል መጸውዒ ዝሃብዎ ኣብ 2015 ጥራይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Mary Wathen
ድሕረ-ባይታ ኣፋንታዥያ
ኣብ 2005 ሓደ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ምምኻር ዘድለዮ ጥሮተኛ ወዲ 65 ዓመት ሰብኣይ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር ከይዱ ምስ ኣዳም ዚማን ይራኸብ።
እቲ ኣብ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ‘ኤም ኤክስ’ ብዝብል ዝተጠቐሰ ሰብ፡ ቅድመኡ ዘካየዱ ንእሽቶ መጥባሕቲ ስዒቡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣእምሮኡ ምስልታት ክፈጥር ከምዘይኽእል ተረዲኡ ነይሩ።
ዚማን፡ እቲ ሰብ ስለምንታይ "ዓይኒ ኣእምሮኡ" ስእላዊ ምስልታት ከመንጩ ከምዘይከኣለ ንምፍላጥ ኣብ ሕክምናዊ ጽሑፋት ዝገበሮ መርመራ ዕዉት ኣይነበረን።
ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክካትዑ ተመራመርቲ፡ ኣእምሮ ሰባት ብኸመይ ምስሊ ከምዘመንጩን እዚ ድማ ኣብ ውጥንን ዝኽሪን ብልክዕ እንታይ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእልን ጸኒሖም እዮም።
እቲ ጥሮተኛ ኣብ ፈተናታት ርድኢት፡ ስእላዊ ምስልን ስእላዊ ዝኽርን ዝነበሮ ብቕዓት ኵሉ ንቡር’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዳርጋ ዝዀነ ምስሊ ከምንጩ ግን ኣይከኣለን።
ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ኵነታት ካብ 1800ታት ጀሚሩ ይፍለጥ ነይሩ።
እንግሊዛዊ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ፍራንሲስ ጋልተን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መጽናዕቱ ‘ምስሊ-ዘየመንጭዉ’ ሰባት ኣለልዩ ነይሩ።
እዚ ተርእዮ ግን ተወሳኺ ሳይንሳዊ መርመራ ኣይነበሮን - ክሳዕ መበል 21 ክፍለ ዘመን።
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ግን ኒውሮሳይንስ ነዚ ምስጢራዊ ኵነታት ንምጽናዕ እኹል ምዕባለ ኣርእዩ እዩ።
ዶክተር ኣዳም ዚማን ዝተባህለ ምስቲ ‘ኤም ኤክስ’ ዝተበሃለ ሰብ ምርኻቡ ስዒቡ፡ ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ኣብ ዓይኒ ኣእምሮኦም ምስሊ ከመንጭዉ 21 ሰባት ንቕድሚት ክቐርቡ ተተባቢዖም።
ዚማን ነዚ ኵነታት ንምግላጽ ‘ኮንሀኒታል ኣፋንታዥያ’ ዝብል ቃል ምሂዙ።
ኣፋንታዥያ እንታይ እዩ?
ኣፋንታዥያ ማለት ሓንጎል ከም ኣካል ኣተሓሳስባ ስእለ ኣእምሮ ክፈጥር ዘይምኽኣል’ዩ።
ክኢላታት፡ ኣፋንታዥያ ከም ሕማም፡ ጸገም ወይ ጉድለት ኣካል ኣይገልጽዎን’ዮም። የግዳስ፡ ከምቲ ብተፈጥሮ በየነይቲ ኢድና ከምንጽሕፍ እንፈለጥ፡ ከምኡ ኣእምሮና ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዘመልክት ባህሪ ከምዝዀነ’ዮም ዝገልጹም።
ንመብዛሕትኦም ሰባት፡ ስእለ ኣእምሮ ብዙሕ መልክዕ (ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምጥዓም፡ ወዘተ) ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል። ገለ ሰባት ድማ ካብ ካልኦት ዝሓየለ ክእለት ስእለ ኣእምሮ ኣለዎም።
ስእለ ኣእምሮ ከም ተለቪዥን ክሕሰብ ይከኣል’ዩ። ገለ ሰባት ጸሊምን ጻዕዳን ቲቪ ኣለዎም። ካልኦት ድማ ሕብራዊ ተለቪዥን ኣለዎም። ኣዝዩ ልዑል ስእለ ኣእምሮ ድማ ከምቲ ኣዝዩ ልዑል ትርጉም ዘለዎ ዲጂታዊ ተለቪዥን ክውሰድ ይኽእል።
ኣፋንታዥያ ዘለዎም ሰባት ድማ ከም ቲቪ ዘይብሎም ሰባት ይረኣዩ፤ “ዓይኒ ኣእምሮኦም” ምስሊ ስለ ዘየመንጭው፡ ስእለ ኣእምሮኦም ብኻልእ መንገዲ’ዩ ዝሰርሕ።
ክኢላታት ክልተ ዓይነት ኣፋንታዥያ ኣሎ ይብሉ፤ ብተፈጥሮ ዝመጽእን ኣብ ዳሕረዋይ ህይወት ዝምዕብልን። ብፍላይ እቲ ድሒሩ ዝምዕብል ኣፋንታዥያ ብሰንኪ መጉዳእቲ፡ ሕማም ወይ ኵነታት ጥዕና ኣእምሮ ዘጋጥም እዩ።
መጽናዕቲታት ከምዘመልክትዎ፡ ኣፋንታዥያ ብሓፈሻኡ ሳሕቲ ዘጋጥም እዩ። ካብ 2 ክሳብ 4 ሚእታዊት ሰባት ኣፋንታዥያ ከምዘለዎም ክኢላታት ይግምቱ። ይዅን እምበር፡ ብዛዕባኡ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ድሩት እዮም።
ሰባት ኣፋንታዥያ ከምዘለዎም ብኸመይ ይፍለጥ?
መብዛሕትኦም ብተፈጥሮ ኣፋንታዥያ ዘለዎም ሰባት ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ካልኦት ሰባት ኣብ ኣእምሮኦም ምስሊ ከምዘመንጭዉ ስለ ዘይፈልጡ፡ ኵሉ ሰብ ከምቲ ንሳቶም ዘለዎም ኣተሓሳስባ ዝሓስብ እዩ ዝመስሎም።
ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣእምሮኦም ኣብ ምሉእ ህይወቶም ከምኡ ክሰርሕ ስለ ዝጸንሐ ሳሕቲ’ዩ ወግዓዊ መርመራ ዘድልዮም።
ድሒሩ ዝምዕብል ኣፋንታዥያ ግን ብሓፈሻ መርመራ ከድልዮ ይኽእል እዩ። ክኢላታት ውህደት ምስልን ናይ መርመራ ፈተነታትን ከምኡ’ውን ነዚ ዕላማ ብዝተዳለዉ ሕቶታትን ተጠቒሞም ሓደ ሰብ ክሳብ ክንደይ ብሓያል ስእለ ኣእምሮ ከምዘተስተማቕር ይዕቅኑ።
ኣፋንታዥያ ብኸመይ ይሕከም?
ኣፋንታዥያ ሕክምናዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ጥዕና ስለዘይኰነ፡ ሕክምና ኣየድልዮን’ዩ።
ብሰንኪ ካልእ ንሓንጎልካ ዝጸሉ ኵነታት ዝመጽእ ኣፋንታዥያ ዝፍወስ ወይ ብቐጥታ ክሕከም ኣይክእል።
ይዅን’ምበር ሓካይም ብሓፈሻ ነቲ ጠንቂ ኣፋንታዥያ ዝዀነ መሰረታዊ ጉዳይ ክሕክምዎ ይኽእሉ እዮም።
ኣፋንታዥያ፡ ገለ ዓይነት ኦቲዝም፡ ወይ ጉድኣት ኣካል ኣይኰነን።
ኣብ ዝተወሰኑ ብድሆታት ክፈጥር ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ከም ሕክምናዊ ኵነታት ወይ ስንክልና ንምምዳብ ግን እኹል መርትዖ የለን።
መብዛሕትኦም ኣፋንታዥያ ዘለዎም ሰባት ነቲ ጉድለት ስእለ ኣእምሮ ብኻልእ መገዲ ይኽሕስዎ’ዮም።
ስለዚ ክኢላታት ኣፋንታዥያ ንፈጠራ ወይ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ክጸልው ከምዘይብሉ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







