ምውስዋስ ኣካላት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዘስዕቦ ጸገም ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ምውስዋስ ኣካላት ኣብ ኣካላትና ብዙሕ ኣወንታዊ ጽልዋታት ኣለዎ፡ ጽቡቕ ስምዒት ካብ ዝፈጥሩ ኬሚካላት ክሳብ ምምሕያሽ ጽንዓትን ሓይልን እወታዊ ውጽኢት ከምጽኡ ይኽእሉ።
ኣብ ጥዕና ኣእምሮ እውን ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ 1.2 ሚልዮን ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዝተወሰኑ ንጥፈታት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ተሳተፍቲ ዓቢ ምምሕያሽ ከም ዘምጽኡ ይሕብር። ዝለዓለ ውጽኢት ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ምውስዋስ ኣካላት ከም ዘድሊ’ውን ኣመልኪቱ።
ይኹን 'ምበር ንፈተውቲ ምውስዋስ ኣካላት ከገርሞም ዝኽእል ነገር’ውን ኣቃሊዑ – ብዙሕ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል እቲ መጽናዕቲ የመልክት።
ቢቢሲ፡ ኣብ መንጎ ጥዑይ ኣካልን ጥዑይን ሓንጎልን ዘሎ ምትእስሳር ብዝምልከት ንሳይንቲስት፡ ሓኪምን ብሉጽ ኣትሌትን ኣዘራሪቡ ነይሩ።
ምውስዋስ ኣካላት ክሳብ ዝተወሰነ ደረጃ ጥዕና ኣእምሮ ከማሓይሽ ይኽእል እዩ።
ኣብ 2018 ኣብ ዘ ላንሰት ሳይካትሪ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ካብ 1.2 ሚልዮን ሰባት ብዛዕባ ልምዲ ምውስዋስ ኣካላትን ጥዕና ኣእምሮኦምን ዝተረኽበ መረዳእታ እዩ ተጠቒሙ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ 30 ደቓይቕ ክሳዕ ሓደ ሰዓት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገበሩ ሰባት፡ ምስቶም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይገበሩ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ኣብ ወርሒ ክልተ መዓልታት ዝወሓደ ድኹም ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘርኣዩ ጸብጺቦም።
ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ እቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ኣዳም ቸክሮድ፡ “ናይ ጋንታ ስፖርት ወይ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ን45 ደቓይቕ ብሽክለታ ምዝዋር፡ ምስ ዝበለጸ ጥዕና ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ውጥን ምውስዋስ ኣካላት” ከም ዝኸውን ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, BBC / WALL TO WALL
ይኹን’ምበር እቲ መጽናዕቲ፡ ነቶም ምውስዋስ ኣካላት ንምግባር ናብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ክወርዱ ድሉዋት ዘይኮኑ ሰባት እውን ጽቡቕ ዜና ዝሓዘ’ዩ ነይሩ።
“ብሓፈሻ እቲ ንጹር ውጽኢት፡ ዋላ’ውን ዕዮ ገዛ ወይ ብእግሪ ምጉዓዝ እንተዀነ፡ ዝዀነ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ካብ ዘይምግባር ዝሓሸ ምዃኑ ብንጹር ይርአ” ይብል ኣዳም።
ጂምናስት ኦሎምፒክ ናይል ዊልሰን ብወገኑ ንቢቢሲ ዝሃቦ ቃል፡ ብቕዓቱ ምሕላዉ ንጥዕና ኣእምሮኡ ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ገሊጹ። ኣብ 2019 ኣብ ክሳዱ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ልምምድ ክገብር ከም ዘይክእል ገይርዎ። እዚ ድማ ጥዕና ኣእምሮኡ "ጥዑይ ከይኸውን" ከም ዝገበሮ ተዛሪቡ።
ሕጂ ግን፡ ተጣባቒ ንህይወት ዝቕይር ሓይሊ ብቕዓት ኰይኑ ኣሎ።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ከለኻ፡ “ብዛዕባ ነብስኻ ዝሓሸ ስምዒት ይስምዓካ። ዋላ’ውን ኣብ ዝዓሞቐ ጸገማት እንተሃለኻ ዝያዳ ርእሰ-ምትእምማን ይህልወካ። ኣካላትካ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሓንጎልካ ኬሚካላት ይፍንው’ሞ ጽቡቕ ክስምዓካን ንገዛእ ርእስኻ ዝያዳ ክትፈቱን ይገብረካ” ይብል።
‘ዝያዳ ሰባት ወልፊ ምውስዋስ ኣካላት ክሕዞም ንርኢ ኣለና’
ካብ መጠን ንላዕሊ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ግን ብኣንጻሩ ኣሉታዊ ውጽኢት ከም ዝህልዎ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።
እቶም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ኣካላዊ ምውስዋስ ከም ዝገበሩ ዝገለጹ ተሳተፍቲ፡ ካብቶም ፈጺሞም ምውስዋስ ኣካላት ዘይገበሩ ዝኸፍአ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ከም ዘለዎም ሓቢሮም።
እዚ ኣዳም ቸክሮድ፡ ከም ፕረዚደንት ወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ስፕሪንግ ሄልዝ ኰይኑ ዝረኣዮ ነገር እዩ።
“ኣስታት ሲሶ ካብቶም መርመራ እንገብረሎም ሰባት ምስ ምብላዕ ወይ ኣብ ኣካላቶም ዘለዎም ኣረኣእያ ብዝተኣሳሰር ምልክታት ጸገማት ኣለዎም።”
“ብዘይዕረፍቲ ገለ ኣካላዊ ቅርጺ ንምርካብ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብር ሰብ ክትዕዘቦ ከለኻ፡ ነዚ ዝድርኾ ዘሎ ድኹም ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡ ክኸውን ይኽእል እዩ” ክብል የብርህ።
ኣብ ሆስፒታል ፕሪዮሪ’ስ ቸልምስፎርድ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም ዲ ጆንሰን፡ ምልክታት ወልፊ ምውስዋስ ኣካላት ንዘለዎም ሰባት ትሕክም ክኢላ’ያ።
ንሳ ከም ትብሎ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ወልፊታት ዘጋጥም፡ “ዋላ’ኳ ስነ-መጐታዊ ወይ ስምዒታዊ ምኽንያታት እንተሃለወ” ነቲ ልዑል ምውስዋስ ኣካላት “ደው ከተብሎ ዘይምኽኣል” ኣሎ’ዩ።
ወሲኻ ድማ፡ “ንኣካላቶም ዘለዎም ኣረኣእያ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ልዑል ምስ ዝኸውን፡ ከም ኣካል ኣዕናዊ ባህርያትን ንገዛእ ርእስኻ ትሑት ዋጋ ምሃብን ወልፊ ምውስዋስ ኣካላት ዝሕዞም ብዙሓት ሰባት ንርኢ ኣለና” ትብል።
"ሰብ እንታይ ይብለና ምባል፡ ፍርሒ ንጽገትን ተቐባልነት ዘይምርካብ ከምኡ’ውን ናብ ጂምናዝየም ክኸዱ ወይ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ዘርእዩ ትሕዝቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምዝርጋሕ ምድላይ ዝፈጥሮ ጸቕጢ” ነቲ ወልፊ ክሕይል ከም ዝገብሮ ድማ ትገልጽ።
እቶም ወልፊ ምውስዋስ ኣካላት ክህልዎም ዝኽእሉ ሰባት፡ ካልእ ናይ ጥዕና ኣእምሮ ስልትታት ክፍትኑ ትምዕድ። “ኣካላዊ ብቕዓት ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናና ኣገዳሲ እዩ፣ ስለዚ ምቑጣብ እቲ ልሙድ መፍትሒ ኣይኰነን።”
“ብሓቂ እንታይ ይኽሰት ኣሎ ዝብል ብቕንዕና ምርኣይ’ዩ። ምስ ሓኪም ተዘራረቡ – ብሓቂ ነዚ ዝድርኽ ዝነበረ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ብሓቂ ክንደይ ዝኣክል ምውስዋስ ኣካላት ትገብሩ ከም ዘለኹም ንምክትታል ቅኑዕ መዓልታዊ መዘከርታ ምሓዝ - እዚ ከም ኣስናን ምጽራይ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ምንቅስቓሳት የጠቓልል። ብኸምዚ እቲ እትገብርዎ ልዑል ምውስዋስ ኣካላት ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል” ክትብል ድማ ትላበው።

ምንጪ ስእሊ, BBC / WALL TO WALL
ንመብዛሕትኦም ሰባት ግን፡ ስሩዕ ማእከላይ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎ ረብሓታት ካብቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ወልፊ ኣዝዩ ዝበልጽ’ዩ።
ብርግጽ ገለ ኣብ ‘ጎ ሃርድ ኦር ጎ ሆም’ ዝበሃል ውድድር ዝሳተፉ ተወዳደርቲ፡ ብቕቶም ንምሕላው ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ንናይ ገዛእ ርእሶም ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ከም ዝሓገዞም ይዛረቡ።
ሓንቲ ካብዚኦም ተወዳደርቲ ኣደለ ኒኮል’ያ። ንሳ፡ “ብቕዓት ንጭንቀተይ ብዓቢኡ ሓጊዙኒ’ዩ። ካብ ድቃሰይ ክበራበር ከለኹ ጭንቀት እንተተሰሚዑኒ ናብ ጂምናዝየም’የ ዝኸይድ። ገለ ጸቕጢ ድማ ይወጽኣለይ፤ ምስ ካልኦት ሰባት ስለ ዝኸውን’ውን ማሕበራዊ ጭንቀት [ንምንካይ] ይሕግዝ’ዩ” ትብል።
ካልኦት ተወዳደርቲ’ውን፡ ኣብ ህይወቶም ዓቢ ጽልዋ ከም ዘሕደረ’ዮም ዝገልጹ።
ተወዳዳሪ ዲላን ስፓውል፡ "ብቕዓት ኣካላት ሕጂ ህይወተይ'ዩ። ንጥዕና ኣእምሮይ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሕግዞን ንህይወተይ ክቆጻጸር ከም ዝገብርንእየ ፈሊጠ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







