ዓሌትነት ዘቃልዕ ቪድዮ ጸላም ኣትለት ዓለም የዛርብ

ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝተዓወተት ጸላም ኣሜሪካዊት ሲሞነ ቢለስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝተዓወተት ጸላም ኣሜሪካዊት ሲሞነ ቢለስ፡

ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝተዓወተ ጸላም ኣሜሪካዊት ሲሞነ ቢለስ፡ ሓንቲ ጸላም ህጻን ተወዳዳሪት ጂምናስቲክ ኣብ ጽንበል ምዕዳል መዳልያ፡ ሽልማታ ከይትወሃብ እናተኸልአት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ድሕሪ ምዝርጋሑ፡ “ኣብ ዝዀነ ዓይነት ስፖርት ንዓሌታውነት ዝኸውን ቦታ የለን” ብምባል ነቲ ተግባር ዘለዋ ተቓውሞ ኣስሚዓ።

እቲ ክስተት ኣብ መጋቢት 2022 ኣብ ከተማ ደብሊን - ኣየርላንድ - ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጂምናስቲክ ብዙሓት ህጻናት መዳልያ እናተዓደሉ እንከለዉ፡ ሓንቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረት ጸላም ህጻን መዳልያ ከይትወስድ እናተኸልከለት’ዩ ዝርአ።

እንተዀነ እቲ ቪድያ ድሒሩ ምስ ተዘርግሐ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ብምዃን ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዓሌታውነት ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ሲሞነ ቢለስ፡ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ እቲ ቪድዮ ‘ልባ ከምዝተንከፋ’ እውን ገሊጻ።

ብዓርቢ ጅምናስቲክ ኣየርላንድ ነቲ ሕጂ ዝወጽአ ቪድዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ዓሌታውነት ካብ ስድራ እታ ህጻን ጥርዓን መጺእዎ ከምዝነበረ ተኣሚኑ።

ኣብቲ መግለጺ ነቲ ጉዳይ “ክልቲኦም ወገናት ኣብ ነሓሰ 2023” ብነጻ ኣሸማጋሊ ኣካል ብስምምዕ ከምዝፈትሕዎ ሓቢሩ።

ጂምናስቲክ ኣየርላንድ ነቲ ጉዳይ ብምምርማር፡ “በቲ ኰነ ተባሂሉ ዘይተገበረ ጌጋ ብልቢ ንጥዓስ” ድሕሪ ምባል ንስድራ ተበዳሊት ወግዓዊ ናይ ይቕሬታ ደብዳበ ከምዝተጻሕፈሎምን እታ ህጻን’ውን ዋላ ደኣ ድሒሩ ይዅን መዳልያ ከምዝተወሃባን’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ ኣሎ።

እንተዀነ ኣይሪሽ ኢንዲፐንደንት ዝተበሃለት ጋዜጣ፡ ብሰንበት ንኣደ እታ ህጻን ሽማ ከይጠቐሰት ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና፡ ጂምናስቲክ ኣየርላንድ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ ብወግዒ ይቕሬታ ስለዘይሓተተ ነቲ ጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝመደበሩ ‘ጂምናስቲክ ኤቲክ ፋውንደሽን’ ዝተበሃለ ማሕበር ከምዘምርሓቶ ገሊጻ።

ኣይሪሽ ኢንዲፐንደትን ብተወሳኺ፡ ስድራ እታ ህጻን’ውን ዓሌታዊ ኣድልዎ ከይበጽሖም ካብ ምስጋእ፡ እቲ ቪድዮ ናይታ ህጻን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ክእለ ከምዝሓተቱ ገሊጻ።

እታ ጋዜጣ፡ ስድራ እታ ህጻን ጓሎም ጸላም ስለዝዀነት’ያ መዳልያ ከይትወሃብ ተኸልኪላ ኢሎም ከምዝኣምኑ ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ።

ኣደ እታ ህጻን ነታ ጋዜጣ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ጂምናስቲክ ንሕና ጥራይ ኢና ጸለምቲ፡ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘቐንዙ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ሕጂ ግን ነቲ ቪድዮ ካብ ፓኪስታን ክሳብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ርእየሞ ኣለዉ፤ ኵሎም ከኣ እቲ ብጂምናስቲክ ኣየርላንድ ዝተገበረ ተግባር ጌጋ ምዃኑ ተረዲኦም ኣለዉ፤ ጂምናስቲክ ኣየርላንድ ግን ክሳብ ሕጂ ጌጋኡ ተረዲኡ ይቕሬታ’ውን ክብል ኣይከኣለን” ኢላ።

ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝተዓወተት ጸላም ኣሜሪካዊት ሲሞነ ቢለስ ነቲ ቪድዮ ምስ ርኣየቶ፡ ነታ ህጻን መተባብዒ ዝኸውን ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከምዝሰደደትላ ብኤክስ ሓቢራ።