ብድሕሪ ቅትለት 11 ፈለስቲ ዘሎ ምስጢር

ስእላዊ መግለጺ ቅትለት እተን ፈለስቲ

ምንጪ ስእሊ, BY ARRANGEMENT

መግለጺ ስእሊ, ስእላዊ መግለጺ ቅትለት እተን ፈለስቲ

ቅድሚ 80 ዓመት ብ1 ነሓሰ 1943 ሓይልታት ናዚ ጀርመን፡ ን11 ፈለስቲ ካቶሊካውያን ሮማ ቀቲሎም።

ሲስተር (እማሆይ) ክላራ ቮልቸክ ብዙሕ ግዜ ናብ ‘ብጽእቲ ማርያም ስቴላን ዓሰርተ ብጾታን’ ዝበሃል ዝያዳ ብ‘ሰማእታት ኖዎግሮደክ’ ዝፍለጥ መካነ መቓብር ይኸዳ እየን።

"እተን ፈለስቲ 120 ሰባት ኣድሒነን’የን፤ ካብ ሞት ድሒኖም፡ ግን ከኣ ኣብ መዓስከራት ክሽቅሉ ተገዲዶም" ይብላ ካብ ቤላሩስ ብተሌፎን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃባኦ ቃል።

እተን ፈለስቲ፡ ብ 5 መጋቢት 2000 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጆን ፖል ካልኣይ እየን ተባሪኸን፤ እዚ ድማ ቅድሚ ቅድስና ዝወሃብ ደረጃ’ዩ።

"እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወት እሱራት ነበርቲ ኖውግሮደክ ንምልዋጥ ንነብሰን መስዋእቲ ዝገብር ሓይሊ ካበይ ረኺበን?" ክብል ይሓትት።

እተን ፈለስቲ፡ ምእንቲ እቶም እሱራት ክፍትሑ ክብላ ከም ዝተቐትላ ዝሕብር ንጹር መርትዖ ግን የለን።

ኣለሻ ሓቅታት

እቲ ዛንታ፡ 4 መስከረም 1929 እዩ ዝጅምር።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተን ቀዳሞት ክልተ ፈለስቲ ካብ ስርዓት ቅድስቲ ስድራቤት ናዝሬት ናብታ ንእሽቶ ከተማ ኖዎግሮደክ መጺአን።

ኣብ ዘመናት ብዙሕ ግዜ ወናንታ ዝተቐያየሩ ኖዎግሮደክ፡ ኣብ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖላንድ ዝነበሩ ኣስታት 20,000 ሰባት ዝነብሩላ ከተማ እያ ነይራ።

ኣብ መስከረም 1939 ግን፡ ሓይልታት ሕብረት ሶቭየት ተቘጻጺሮምዋ። ሽዑ እተን ፈለስቲ ካብቲ ገዳም ወጺአን ናብ ኣባይቲ ምእመናን ክግዕዛ ተገዲደን።

ኣብ 1941 ድማ ሓይልታት ናዚ ጀርመን ነቲ ከባቢ ተቘጻጺሮምዎ፤ ሓይልታት ሶቭየት ካብቲ ከባቢ ምስ ተባረሩ እተን ፈለስቲ ናብ ገዳመን ክምለሳ ተተባቢዐን።

እንተዀነ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ከተማ ኣይሁድ ስለዝነበረ፡ ናዚ ከጽንትዎም ጀሚሮም።

ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 1941 ዝተፈጸመ ናይ መጀመርታ ጃምላዊ ህልቂት፡ 5,100 ኣይሁድ ተቐቲሎም። ኣብ ነሓሰ 1942 ድማ ካልኦት 4,500 ኣይሁድ ተቐቲሎም።

ኣብ 1943 ዝተፈላለዩ ወገናውያን ጕጅለታት ኣብቲ ከባቢ ይነጥፉ ነይሮም። ጌስታፖ ዝተባህለ ምስጢራዊ ፖሊስ ናዚ፡ ነዚ ተቓውሞ ንምሕምሻሽ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፡ ካብ 17-19 ሓምለ 180 ሰባት ኣሲሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኵሎም እቶም ዝተኣስሩ ክቕተሉ እዮም ዝብል ወረ ተዘርጊሑ።

እታ ኣብ ኖዎግሮዴክ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን

ምንጪ ስእሊ, NATALIA TICHONOWICZ

መግለጺ ስእሊ, እታ ኣብ ኖዎግሮዴክ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን

ጸብጻብ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ካህን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀሺ ኣሌክሳንደር ዚንኪቪች፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኖውግሮደክ ዝተረፉ እንኮ ካቶሊካዊ ካህን’ዮም ነይሮም።

ጉባኤ እተን ፈለስቲ 12 ኣባላት ዝሓቘፈት ኰይና፡ 55 ዓመት ዝዕድመአን እማሆይ ሜሪ ስቴላ፡ እተን ዝዓበያ፡ 27 ዓመት ዝዕድመአን እማሆይ ሜሪ ቦሮሜያ ድማ እተን ዝነኣሳ ነይረን።

ቀሺ ዚንኪቪች፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ምስክርነቶም፡ ድሒሩ ብሃይማኖታዊ ስርዓት እተን መነኮሳት ተሓቲሙ’ዩ።

ብመሰረት እዚ ምስክርነት፡ 'እማሆይ ስቴላ' ነቲ ማእሰርቲ ዝሃባኦ ምላሽ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

"ብባህርያዊ ቅንዕና ‘ኣንታ ኣምላኽ መስዋእቲ ህይወት እንተ ኣድልዩ ካባና ካብ ስድራቤታዊ ግዴታ ነጻ ዝዀንና ተቐቢልካ ነቶም ኣንስቲን ቈልዑን ዘለዎም ምሓሮም። ንሕና እዚ ንክኸውን ኢና ንጽሊ ዘለና፡’ " ይብል እቲ ዝተሓትመ ጽሑፍ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን እተን ፈለስቲ ናብ መደበር ፖሊስ ተጸዊዐን።

ቀሺ ዚንኪቪች ምስ እማሆይ ስቴላ፡ ብ31 ሓምለ ንመወዳእታ ግዜ ተራኺቦም። ሽዑ ኣብ ገጽ እማሆይ ስቴላ "ጭንቀትን ስግኣትን" ከም ዝተዓዘቡ ይገልጹ።

እማሆይ ስቴላ፡ ንኸቢድ ዕዮ ናብ ጀርመን ክለኣኻ ትጽቢት ከም ዘሎ ገሊጸናሎም።

ጸኒሐን፡ እማሆይ ስቴላ ንእማሆይ ማልጎርዛታ ኣብኡ ክተርፋ ሓቲተን፡ እተን ካልኦት 10 ፈለስቲ ኣሰንየንአን ናብ መደበር ፖሊስ ከይደን።

ንጽባሒቱ ቀሺ ዚንኪቪች ቅዳሴ ከብዕሉ ከለዉ ግን፡ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ እተን መነኮሳት ዝቕመጣሉ ቦታ ባዶ ምዃኑ ኣስተብሂሎም። "ናይ ሓዘን ስምዒት" ድማ ተሰሚዕዎme።

ኑዛዜ ክሰምዑ ኣብ ዝዳለውሉ ዝነበረ እዋን፡ እተን መነኮሳት ንግሆ 1 ነሓሰ 1943 ከም ዝተቐትላ ፈሊጦም።

እቲ ድራኸ ንቀሺ ዚንኪቪች ንጹር ኣይነበረን። እንተዀነ ጌስታፖ ንጕጅለታት ሶቭየት ይሕግዙ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣባላት ናይ ካልእ ሃይማኖታዊ ስርዓት ክቐትል ኣብ ዝደለየሉ እዋን ዘጋጠመ ናይ መንነት ስሕተት እዩ ዝብል ግምታት ሰሚዖም።

ድሕሪኡ ቀሺ ዚንኪቪች ንባዕሎም ተሓቢኦም። ኣብ መጋቢት 1945 ሓይልታት ናዚ ምስ ተሳዕሩ፡ ሬሳታት እተን ፈለስቲ ተፋሒሩ ኣብ ጥቓ እታ ቤተ ክርስትያነን ዳግማይ ንክቕበር መሪሖም እዮም።

መቓብር እተን ፈለስቲ

ምንጪ ስእሊ, KLARA VOLCHEK

መግለጺ ስእሊ, መቓብር እተን ፈለስቲ

ኣካታዒ መርትዖ

ታማራ ቨርሺትስካያ፡ ኣብ 1992 ኣብ ኖውግሮደክ ቤተ መዘክር ተቓውሞ ኣይሁድ ዝመስረተት ኰይና፡ ድሕሪ ጡረታኣ’ውን ኣብ ምርምር እቲ ህልቂት ምስታፍ ትቕጽል ኣላ።

ጸብጻብ ቀሺ ዚንኪቪች ምስቲ ብታማራ ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሰማማዕ።

"ከምቲ ዝፈለጥክዎ፡ እቶም ክልተ ፍጻመታት ኣይደራረቡን። ኣዝዮም ዝተቐራረቡ ነይሮም ግን ዝተኣሳሰሩ ኣይመስሉን" ትብል ታማራ ቨርሺትስካያ፡ ኣብ ኖዎግሮደክ ኰይና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።

ኣብ 2011፡ ምስ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ቤተ መዘክር ዝኽሪ ህልቂት ኣይሁድ ብምዃን፡ ምስ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑን ሰባት ናይ ቪድዮ ቃለ መሕትት ኣካይዳ።

"ማርያ ካራቫይስካ እታ ነቲ ዛንታ ዝነገረትኒ እንኮ ቀጥታዊ ምንጪ እያ። ክልተ ኣሕዋታ ካብቶም ናብ ጀርመን ዝተላእኩ ፖላንዳውያን እዮም" ትብል።

ማርያ፡ 112 ፖላንዳውያን ናብ ጀርመን ከም ዝተላኣኩ ንታማራ ነጊራታ።

ታማራ ቨርሺትስካያ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጻሕፈ ዝርዝር ኣብ ማህደር ረኺባ። ኣስማት ናይቶም ኣብ መወዳእታ፡ ምናልባት ብ24 ሓምለ ክኸውን ይኽእል፡ ናብ ጀርመን ዝተላእኩ 95 ፖላንዳውያን ዝሓዘ ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብቲ ቃለ መሕትት ማርያ ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣሕዋታ’ውን ተዛሪባ እያ።

"ሰለስተ ኣሕዋተይ ተኣሲሮም ሓደ ግን ክሃድም ክኢሉ" ትብል።

"ሕቡእ ወገናዊ ውድብ ብምክያድ ተኸሲሶም። ጀርመናውያን ክቐትልዎም መደብ ነይርዎም። መቓብር ከይተረፈ ተዃዒቱ ነይሩ።"

ኣብ መጀመርታ 180 ሰባት ብገስታፖ ተኣሲሮም እዮም። እዚ ድማ እቲ ሓላፊ መኮነን ዊልሀም ትራውብ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ። ስድራኡ ኣብ ጀርመን ዝውንንዎ መሬት ኣለዎም።

ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ሚንስክ ብምኻድ፡ እቶም እሱራት ኣብ ሕርሻኡ ክሰርሑ ንክዋሃብዎ ንሓለፍቱ ከም ዝለመነ ቨርሺትስካያ ትዛረብ።

"ማርያ፡ ትራውብ ምስ ኣሕዋታ ብቋንቋ ፖሊሽ ከም ዝተዘራረበትን ንጕዕዞ ዘድልዩ ነገራት ንኸምጽኡ ንሓንቲ ለይቲ ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝሓተተቶምን ነጊራትኒ።"

"ንጽባሒቱ ኵሎም እሱራት ናብ መደበር ባቡር ክመጹ ተሓቲቶም" ክትብል ትውስኽ።

"ፍጹም ሓቂ እዩ፤ ድሕሪ እቲ ማእሰርቲ፡ ፖላንዳውያን ስድራቤታት ናብ ቤተክርስትያን ከይዶም ሓገዝ ሓቲቶም እዮም" ትብል ታማራ ቨርሺትስካያ።

"እተን ፈለስቲ ጸሎት ገይረን እየን። እተን ዓባይ ፈላሲት ኣብ እዋን ጸሎት: 'መስዋእቲ ክህሉ እንተሃልይዎ ናትና ህይወት ይዅን' ኢለን ክዀና ይኽእላ እየን። እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ትብል ታማራ።

ኣብ መንጐ እተን ፈለስቲን እቶም ናዚን ብዛዕባ ዕጫ ናይዞም ሰባት ዝዀነ ዝርርብ ከም ዝተገብረ ዝሕብር መርትዖ ግን ከም ዘየለ ትዛረብ።

"ምኽንያት ማእሰርቲ እተን ፈለስቲ ምስ ምፍታሕ ናይዚ ጕጅለ ፖላንዳውያን ዝተኣሳሰር ኣይመስልን" ክትብል ድማ ትውስኽ።

እማሆይቨ ክላራ ቮልቼክ

ምንጪ ስእሊ, KLARA VOLCHEK

መግለጺ ስእሊ, እማሆይ ክላራ ቮልቼክ

ቅዱስ ተልእኾ

ኵሎም እቶም ብግዱድ ስራሕ ናብ ጀርመን ዝተወስዱ ሰባት ካብቲ ኲናት ከም ዝደሓኑ ታማራ ቨርሺትስካያ ትዛረብ።

እማሆይ ኣማቢሊስ ሓላፊት ጉባኤ ቅድስቲ ስድራ ናዝሬት ኰይነን፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝገልጽ ሰነዳት ቤተ ክርስቲያን ኣካፊለን ኣለዋ።

“ኵሎም መሰኻኽር ናይቲ ህይወት እተን ኣሓት፡ ብእምነትን ፍቕርን እግዚኣብሄርን ጐረቤትን ተመሪሐን ህይወተን ከም ዝሰውኣ ይኣምኑ፡" ይብል እቲ ሰነድ።

እማሆይ ኣማቢሊስ ብዛዕባ ሕጽረት ናጻ መርትዖ ንዝቐረበለን ሕቶ፡ "ቃላት መስዋእቲ በተን ኣሓት ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ኣምላኽ ድማ መስዋእተን ከም ዝተቐበለ ንኣምን" ኢለን።

ኣብ ኖዎግሮደክ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሃይማኖት እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እማሆይ ክላራ ብእምነተን ጸኒዐን ኣለዋ።

"ነቶም እሱራት ዘድሓነ መስዋእቲ ኣሓትና እኣምን እየ" ይብላ።

"ስነ-መጐት ደቂ ሰባት ንሓቅታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትርጕሞም ከም ዝኽእል እፈልጥ እየ፡ ግን ጐይታ መስዋእተን ሰሚዑን ተቐቢሉወንን’ዩ።"