መወዳእታ ዓለም ኣኺሉ ኢላ ክልተ ደቃ ዝቐተለት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰዓቢት 'ዱምስደይ' (መወዳእታ ዓለም) ዝተበሃለ እምነት ዝዀነት ኣሜሪካዊት ኣደ፡ ንክልተ ደቃ ብምቕታልን ቅድሚ ሕጂ ሰይቲ ሰብኣያ ንዝነበረት ውልቀሰብ ንምቕታል ውዲት ብምፍሓስን፡ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዳ።
እዛ ጓል 50 ዓመት ሎሪ ቫሎው ደይቤል፡ ብቐዳማይ ደረጃ ገበን ቅትለትን ንምቕታል ውዲት ብምፍሓስን ገበነኛ ኰይና ተረኺባ።
ቫሎው፡ ንወዲ ሸውዓተ ዓመት ጄጄን ጓል 16 ዓመት ታይሊ ራያን ዝተበሃሉ ደቃ ቀቲላ።
ሬሳ ደቃ፡ ኣብ ገዛ እንዳ ሰብኣያ ቻድ ደይበል፡ ኣብ 2020 እዩ ተረኺቡ።
ብሰኑይ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ዳኛ ስቲቨን ቦይስ ነዛ ገበን ቅትለት ዝፈጸመት ተኸሳሲት፡ ንሰለስተ ተኸታታሊ ግዜ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ፈሪድዋ።
ኣብ መስርሕ እቲ ፍርዲ፡ ኣዝማድ እቶም ህጻናት ስምዒት ዝትንክፍ ርእይቶ ሂቦም።
ቻድ ደይበል ዝተበሃለ ውልቀሰብ’ውን ብቕትለት እዞም ህጻናትን፡ ምስ ቫሎው ሓዳር ቅድሚ ምግባሩ ንዝነበረት ናይ መጀመርታ ሰበይቱ ብምቕታልን ተኸሲሱ።
ከይዲ ፍርዲ እዚ ውልቀሰብ፡ ንዝቕጽል ዓመት ቈጸራ ተዋሂቡ ኣሎ።
ጸሓፊ ደይበል፡ ኣብ ትምህርቲ እምነት ሞርሞን ዘድሃቡ ንምጽኣት ዓለም ዝዝክሩ ብዙሓት ልቦወለዳት ጽሒፉ እዩ።
ቫሎውን ደይበልን ንመወዳእታ ዓለም ንምድላው ብዝዓለመ ሓደ ምንቅስቃስ ኣቢሎም ከምዝተራኸቡ’ዩ ዝእመን።
ቫሎው፡ ኣብ 2019፡ ንደቃ ጄጄን ታይሊን ሒዛ ኣብ ግዝኣት ኣይዳሆ ናብ ደይበል ቅርብ ኢላ ምንባር ጀሚራ።
ናብ ኣይዳሆ ምስ ከደት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ድማ፡ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ደይበል ሞይታ።
ኣብ 2019 ዝወጸ ውጽኢት ምርመራ ሬሳ፡ እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ደይበል ዝነበረት ታሚ፡ ተመሪዛ ከም ዝሞተት የርኢ።
ኣብዚ እዋን’ዩ እነሓጐ ጄጄ ናብ ፖሊስ ብምድዋል፡ ደሕነት እቲ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወዲ ወዶም ክጻረየሎም ሓቲቶም።
ነዚ ስዒቡ ፖሊስ ዋላ’ኳ ጽኑዕ ኣለሻ እንተገበረ ደሃይ ጄጄን ታይሊን ግን ኣይተረኸበን።
ሃለዋት እዞም ቈልዑ ብዘይምፍላጡ፡ ፖሊስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣለሽኡ ቀጺሉ።
ቫሎው ንደቀይ ኣይቀተልኩን ብምባል ትኽሕድ።
ብሰኑይ ንቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ንየሱስ ከም ዘዛረበቶን ደቃን ታሚን ኣብ ገነት “ሕጕሳት ኰይኖም ይነብሩ ከምዘለዉ” ምስምዓን ተዛሪባ።
“የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ሰብ በዚ ጉዳይ ከም ዘይተቐተለ ይፈልጥ’ዩ” ትብል ቫሎው።
መንፈስ ሰለስቲኦም መወትቲ ከምዝበጽሓን “ዝዀነ ዓይነት ጌጋ ከም ዘይፈጸመት” ከም ዝነገርዋን ነቲ ቤት-ፍርዲ ገሊጻ።
እነሓጐ ጄጄ ኬይ ውድኮክ ንቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “እዛ ሰበይቲ ሰይጣን’ያ፣ ንዝፈጸመቶ ጨካን ተግባር ሓላፍነት ምውሳድ ኰነ ጣዕሳ ዘይረኣያ ሰበይቲ’ያ” ኢላ።
'ዱምስደይ ከልት' ዝተበሃለ እምነት፡ ዓለም ክትጠፍእ እያ ኢሎም ናይ ዝቕበሉ ሰባት ምትእኽኻብ ኰይኑ፡ ንመሬት ቀዲሞም ከጥፍእዋ ከምዘለዎም ይኣምኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







