ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ 'ዘልኣለማውዊ' ን 'ኣካል ልዑላውነትን' ምዃኑ ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሰ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ "ዘልኣለማው"ን ካብ ጉዳይ ልዑላውነት ዘይፍለን ምዃኑ ገሊጹ።

ታየ ኣስቀ ስላሴ ነዚ ዝገለጸ፡ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ ንምብዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት እዩ።

እቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ወጻእን ዝተሳተፍዎ ጽምብል፡ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ተፈንዩ።

"ነባርን ዘተኣማምንን ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰልና፡ ካብቲ ሰማእታት ዓድዋ ብሓላፍነት ኣባና ዘሕድሩዎ ናይ ልዑላውነት እምነት ዘይፍለ እዩ፡" ኢሉ።

ልምዓት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክዕንቅፉ ዝፍትኑ ሓይልታት ንተግባራቶም ምግታእ ወሳኒ ምዃኑ'ውን ገሊጹ። እንተዀነ፡ ስም ውልቀሰብ፡ ጕጅለ ይዅን ሃገር ኣይጠቐሰን።

ውግእ ዓድዋ ኣብ መጀመርታ መጋቢት 1896 ኣብ መንጎ ብሃጸይ ምኒሊክ ዝምርሑ ኢትዮጵያውያንን ብኦረስተ ባራቲየሪ ዝምርሑ ኢጣልያውያንን ኣብ ከባቢ ጎቦታት ዓድዋ - ትግራይ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ብዓወት ኢትዮጵያ ከም ዝተዛዘመ ይፍለጥ።

ኣብቲ መደብ ወተሃደራዊ ሰልፍታትን ብወተሃደራዊ ባንድ ዝተዳለወ ሃገራዊ ደርፍታትን ዝቐረበ ኰይኑ፡ "ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ ግድን እዩ፡" ዝብል ቴማ ነይሩዎ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ጐረቤቶም ዝዀነት ሃገረ ኤርትራ ንኢትዮጵያውያን ሓይልታት ብምዕጣቕ ንዘይምርግጋእን ምዕባለን ሃገሮም ትዕንቅፍ ከም ዘላ ክኸሱ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ኤርትራ ነዚ ዝቐረበላ ክሲ ነጺጋቶ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ ዓወት ጽንብል ተረኺቡ፡ "ከዳዓት ደቂ ሃገር፡ ምስቶም ግድብ ኣባይ ከይንሃንጽ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ከይነውሕስን ልምዓት ከይንጓናጸፍን ዝብህጉ ጸላእቲ ወጊኖም ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለዉ፡" ክብል ከሲሱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር "ናይ ወጻኢ ጸላእትና" ከምኡ'ውን "ከዳዓት ደቂ ሃገር" ዝበሎም ክገጥም ድልው ምህላዉ ኣጠንቂቑ።

ሓላፊ ቤትጽሕፈት ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ይመር መኮነን፡ ዓወት ዓድዋ ንምጽንባል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድሮ ንዝተረኽቡ መንእሰያት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ሰራዊት "ዝዀነ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልው ምዃኑ፡" ገሊጹ ነይሩ።

እቶም መንእሰያት ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

"ንስኹም መንእሰያት ናብ ሓይልታት ምክልኻል ትጽንበሩ ደጊምና ደጋጊምና ጻውዒትና ነቕርበልኩ፡" ኢሉ።

ሓደ ኣብቲ መደብ ዝተሳተፈ መንእሰይ፡ መዛንኡ መንእሰያት ንወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ብምቍጽጻር ንኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ክመልሱዋ ክዳለዉ ጸዊዑ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንወደብ ዓሰብ ናይ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ "ብሓይሊ" ንምሓዝ ተርእዮ ዘላ ድሌት፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ኲናት ከም ዝውላዕ ገይሩ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ናብ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ከይወስዶ ስግኣት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኤርትራ፡ ነቲ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ወፍርን ኣቢሉ ብዛዕባ "ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን" ዝወሃብ መግለጺታት፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን ሓደገኛ "ሕማም ምስፍሕፋሕ"ን ምዃኑ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።

"ሰልፊ ብልጽግና 'ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ' ኣብ ዝብል ጭርሖ ተሓቢኡ ብተመሳሳሊ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣተሓሳስባ ይሳቐ ኣሎ፡" ክብል ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ ነይሩ።

ኣቶ የማነ፡ እቲ ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝተጸፍየ "ሕማም ዕዋጀ ዓሰብ" ኣብ ግዜ እናተጋህደ ሓደገኛ እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ ሓቢሩ።