ጠሚኻ ካብ ምማት ዝደሓኑ ኬንያውያን ብነብሰ-ቕትለት ተኸሲሶም

ውጽኢት መርመራ ሬሳ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ህጻናት ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ግዳያት ብጥሜት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምስ እምነት ተተሓሒዙ ካብ ዘጋጠመ ጥሜት ዝደሓኑ 65 ኬንያውያን ብነብሰ ቅትለት ተኸሲሶም።

እዞም መንግስተ ሰማያት ክወርሱ ንርእሶም ዘጥመዩ ሰዓብቲ ክርስትና ካብ ሞት ወጺኦም ናብ ሓደ ናይ ምድሓን ማእከል'ኳ እንተኣተዉ፡ ምግቢ ምብላዕ ኣብዮም።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ብሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ እዞም ካብ ጥሜት ዝደሓኑ ውልቀሰባት፡ ሕክምና ስነ-ኣእምሮን ገምጋምን ክሳብ ዝግበረሎም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ሓቲቱ።

ብተወሳኺ እቲ ማእከል ህይወት ኣድሕን ‘መግቢ ኣይንበልዕን’ ስለዝበሉ ከጽንሖም ከምዘይክእል ተገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንሕቶ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ቀረባ እዋን መልሲ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት ባዕዳውያን ገዛእቲ እንግሊዛውያን ዘውጽእዎን፡ ዛጊት ኬንያ እትመሓደረሉን ዘላ ሕጊ፡ ነፍሰ ቅትለት ምፍጻም ገበን እዩ።

እዚ ሕጊ፡ ቅድሚ 60 ዓመት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሰረዘ ኰይኑ፡ ኬንያውያን ደለይቲ ፍትሒ እቲ ሕጊ ክተርፍ ይቃለሱ ኣለዉ።

እቶም ብህይወት ዝተረፉ 65 ሰባት፡ ሰዓብቲ ፓስተር ፖል ማኬንዚ ምዃኖም ይንገር።

እቲ ፓስተር፡ መንግስተ ሰማያት ንምውራስ ኣማኢት ሰዓብቱ ብጾምን ብጥሜትን ክሞቱ ኣእሚኑዎም እዩ።

ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 280 ሬሳታት ኣብ ጥቓ እቲ ፓስተር ዝንቀሳቐሰሉ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ሰፊሕ ጫካ ሻካሆላ ኣብ ዓሚቝ ዘይኰነ መቓብር ተቐቢሮም ተረኺቦም።

ዓሰርተ ካብኣቶም ብሰኑይ ተፋሒሮም ዝተረኽቡ እዮም።

ውጽኢት መርመራ ሬሳ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ህጻናት ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ግዳያት ብጥሜት ክሞቱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብማሕነቕቲ፡ ብመግረፍትን ብምዕፋንን ከም ዝሞቱ ይሕብር።

ውጽኢት መርመራ ሬሳ ወሲኹ ከም ዝሕብሮ፡ ብዘይካ ሞት ኣባላት እቲ ሃይማኖታዊ ጕጅለ፡ ናብ ካልኦት ሰባት ክሰጋገሩ ዝኽእሉ ውሽጣዊ ኣካላት ምውጻእን ምጕዕዓዝን ገበን ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።