ኬንያዊ ‘የሱስ’ ቃሉ ክህብ ብፖሊስ ተጸዊዑ

ፖሊስ ኬንያ፡ ኤልዩድ ወኬሳ ዝተበሃለ ኣካታዒ ሰባኺ ናብ ቤት ፍርዲ ኬንያ ክቐርብ ጸዊዑ።
እዚ ዝዀነ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እተን "ዕሱባት ኣብያተ ክርስትያናትን ኣኽረርቲ መራሕቲ ሃይማኖትን" ዝበሎም ስጕምቲታት ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ብሰፊሑ "የሱስ በዓል ቶንጋረን" ተባሂሉ ዝፍለጥ መራሒ ጕጅለ ሓዳስ እየሩሳሌም ኤልዩድ ወኬሳ፡ ብዛዕባ ኣጠራጣሪ ሃይማኖታዊ ትምህርቱ ብዝምልከት ሕቶታት ክቐርበሉ እዩ ተጸዊዑ።
ኤልዩድ፡ ኣባላት ቤተ ክርስቲያኑ ንሱ የሱስ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገይርዎም እዩ። ንሱ፡ 12 ደቀ መዛሙርቲ ዘለውዎ ኰይኑ ኵሎም ብስም ደቂ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፍለጥ ያዕቆብ ዝተሰምዩ እዮም።
እቲ ሰባኺ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውራጃ ቡንጐማ ኣብ ቅድሚ ፖሊስ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር።
ኤልዩድ ግን ወንጌል ጥራይ ከም ዝሰብኽን ማእሰርቲ ዘድልዮ ዝዀነ ጌጋ ከም ዘይፈጸመ ይገልጽ።
ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ እቶም ንየሱስ ክረኽቡ ጠምዮም ዝሞቱ ኣመንቲ ፍሉይ ጉዳይ ይምርምር ከም ዘሎ ይፍለጥ።
መርመርቲ፡ ተወሳኺ 21 ሬሳታት ፍሒሮም ከም ዘውጽኡን፡ ቍጽሪ ጠቕላላ እቶም ዝሞቱ ዝፍለጡ ሬሳታት ናብ 133 ከም ዝበጽሐን ገሊጾም ኣለዉ።
ካልኦት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ይግለጽ።
ኣብ ኪሊፊ ዝመደበሩ መራሒ ዓለምለኻዊ ቤተክርስትያን ጉድ ኒውስ ፓስተር ፖል ማኬንዚ፡ ሰዓብቱ ብጥሜት ክሞቱ ኣዚዙ ብዝብል ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣማኢት ዝቝጸር ሞት ዘስዓበ ፍጻመ ዝምርምር መርማሪ ኮሚሽን ኣቚሙ’ዩ።
ብሰኑይ፡ ኣብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ኣውራጃ ክዋለ፡ ፖሊስ፡ ምስ ሃይማኖት ብዝተኣሳሰር ከም ዝተጨወዩ ዝተጠርጠሩ 200 ሰባት ካብ ጫካ ኣድሒኖም እዮም።
ካብዚኦም እቶም 50 ህጻናት ከም ዝዀኑ’ውን ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







