ኬንያ: 58 ሬሳታት 'ብጾምን ጸሎትን' ሞይቶም ዝተባህሉ ሰባት ተረኺቡ

ሬሳ ዝሓዙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፖሊስ ኬንያ፡ ሬሳ ናይቶም 'ናይ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ' ኢሎም ክጽልዩ ከምዝሞቱ ዝተገልጹ 58 ሰባት ረኺቡ።

ካብቶም ብፖሊስ ኳዕቲ ዝተረኽቡ ሬሳታት፡ ህጻናት ይርከብዎም፤ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ድማ ተወሳኺ ሬሳታት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣንፊቶም ኣለዉ።

ፖሊስ፡ ሓደ መራሒ ሃይማኖት እየ ዝብል ሰብ ንሰዓብቱ "መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ኣሎ፡ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ እናጾምኩም ተጸበዩ" ይብል ከምዝነበረ ሓበሬታ ምስ በጽሖ እዩ፡ ናብ ኳዕቲ ኣትዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ግዝኣት ኪሊፊ፡ ኣርባዕተ ሰኣብቲ ‘ጉድ ኒውስ ኢንትርናሽናል ቸርች’ ብጥሜት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ተዳኺሞም ኣብ ጫካ ተረኺቦም።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ድማ፡ ሬሳ 15 ኣባላት እታ ቤተክርስትያን፡ ሻካሎሃ ኣብ ዝተባህለ ጫካ ተረኺቡ።

ፓስተር ማከንዚ ንተንገ ዝተባህለ ሰባኺ ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ይርከብ፡ እንተኾነ ግን ንሞት ሰቡ ተሓታቲ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

እዚ መራሒ ሃይማኖት፡ ነቲ ቤተክርስትያን ኣብ 2019 ከምዝዓጸዎ ይዛረብ።

እንተኾነ፡ እቲ ሰብኣይ ንሰዓብቱ 'ንእየሱስ ክረኽብዎ' እንተደልዮም ንነብሶም ክቐጽዑ ከምዝነገሮም ይንገር። ሰዓብቱ ዝተባህሎም ምስ ገበሩ ብጥሜት ሞይቶም።

ክሳብ ሕዚ፡ ፖሊስ ሬሳታት 21 ሰባት ከምዝረኸበ'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ፍጻመ ስዒቡ ዝሞቱ ሰባት ግን ትኽክለኛ ቁጽሪ ኣይተፈልጠን። ሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን ኬንያ ከይቢሲ፡ ግን 58 ቦታታት መቓብር ከምዝተለለዩ ሓቢሩ።

ቪክቶር ካውዶ ዝተባህለ ናይቲ ከባቢ ኣመሓዳሪ: "ኣብቲ ዱር ኣቲና ሓደ ዓቢ ነዊሕ መስቀል ምስ ረኣና፡ ኣብቲ ቦታ ዝተረፉ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ክኾኑ ከምዘይክእሉ ፈሊጥና" ይብል።

ጋዜጣ ኬንያ፡ ዘ ስታንዳርድ ከም ዝጸብጸበቶ፡ ጥሜት እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ሞት ምዃኑ ንምርግጋጽ ካብ ሬሳታት ናሙና ዲኤንኤ ክውሰድ እዩ።

እዚ ሰባኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ሰለስተ ዓድታት ናዝሬት፡ ቤተልሄምን ይሁዳን ኢሉ ሰምዩ ድሕሪኡ ንሰዓብቱ ብማይ ምስ ኣጠመቖም ክጾሙ መምርሒ ከም ዝሃቦም እታ ጋዜጣ ጸብጺባ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሰንኪ ጾምን ካልእ ምስ ከምዚ ዝተኣሳሰር ዝፍጸም ትእዛዛትን፡ ምእመናን ክጉድኡ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ ፓስተር ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣርብዓ መዓልትን ለይትን ክጸውም ፈቲኑ ብኸቢድ ተጎዲኡ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ዝዝከር እዩ።