ጓል ኣንስተይቲ መሲሉ ኣብ ውድድር ቼስ ዝተሳተፈ ኬንያዊ

ስታንሊ ኦሞንዲ ከም ጓል ኣንስተይቲ መሰሊ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 2023 ኬንያ ተሳቲፉ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ስታንሊ ኦሞንዲ ከም ጓል ኣንስተይቲ መሰሊ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 2023 ኬንያ ተሳቲፉ

ስታንሊ ኦሞንዲ ወዲ 25 ዓመት ኬንያዊ ተጻዋታይ ቼስ እዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ተመሲሉ ኣብቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ውድድር ቼስ ደቂ ኣንስትዮ ክወዳደር ዝገበሮ ተባዕ ጸወታ ኢዩ።

ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ቡርካ (ሙስሊም ደቂ ኣንስትዮ ዝኽደንኦ) ከምኡ’ውን መነጽር ገይሩ ሚሊሰንት ኣውር ብዝብል ስም ተመዝጊቡ።

ኦሞንዲ ዝወሰዶ ደፋር ስጉምቲ ግን ኣዳለውቲ ብዓወት እቲ ዘይተፈልጠ ተጻዋታይ ምስ ተጠራጠሩ እዩ ተቓሊዑ።

ድሒሩ ስታንሊ፡ ቢቢሲ ኣብ ዝረኣዮ ናይ ይቕሬታ ደብዳበ ብሰንኪ "ፋይናንሳዊ ጸገማት" ዝገበሮ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ብተወሳኺ "ኹሉ ሳዕቤናት ንምቕባል ድሉው" ምዃኑ ሓቢሩ። እንተዀነ፡ ርእይቶ ክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ፕረዚደንት ቸስ ኬንያ በርናርድ ዋንጃላ፡ "ንሓያሎ ዓመታት" እገዳ ክረክብ ተኽእሎ እኳ እንተሎ፡ ንዘልኣለም ካብ ቸስ ከምዘይግለል ገሊጹ።

"ኣብ መጀመርታ ዝዀነ ጥርጣረ ኣይነበረናን፡ ምኽንያቱ ሂጃብ ምኽዳን ንቡር'ዩ" ክብል ዋንጃላ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።

"ደሓር ግን ኣንጻር ኣዝየን ሓያላት ተጻወትቲ ከም ዝተዓወተ ኣስተብሂልና... ቅድሚ ሕጂ ዘይተወዳደረት ሓዳስ ሰብ [ኣዝያ ሓያል ክትኸውን] ድማ ተኽእሎ ጸቢብ'ዩ።"

ጫማኡን ከምኡ’ውን ዘይምዝራቡን ድማ ስክፍታታት ክውስኽ ገይሩ።

"ሓደ ካብቲ ንሕና'ውን ዘስተብሃልናሉ ነገራት፡ እቲ ጫማ፡ ካብ ኣንስታዊ ንላዕሊ ተባዕታዊ ጫማ እዩ ተኸዲኑ ነይሩ" ይብል ዋንጃላ።

"ከምዘይዛረብ እውን ኣስተብሂልና፡ ብተለምዶ፡ ክትጻወት ከለኻ፡ ምስ መጋጥምትኻ ትዛራረብ ኢኻ... ምኽንያቱ ጸወታ ቼስ ኲናት ዘይኰነስ ምሕዝነት’ዩ።"

ይኹን’ምበር፡ ዋላ እኳ ስክፍታታት እንተነበሮም፡ ሰበስልጣን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ኣከዳድና ዒላማ ገይሮም ተባሂሎም ከይኽሰሱ ስለዝፈርሑ ክቕጽል ፈቒዶም፤ ኣብ ራብዓይ ዙርያ ግን ኣባሪሮምዎ።

"ኣዝዩ ሓያል ጸወታ ተዓዊቱ ንቕድሚት ክስጉም ከሎ ምስ ጸዋዕናዮ ኣይተገረመን" ይብል ዋንጃላ።

ዋንጃላ ወሲኹ፡ "ተባዕታይ ምዃኑ ተኣሚኑ። በቲ ዘጋጠመ ነገር ተጣዒሱ፡ ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ከምኡ ንኽገብር ዝደረኾ ድማ ፋይናንሳዊ ጸገም ስለ ዝነበሮን ምዕዋት ጸገሙ ንኽፈትሕ ክሕግዘኒ'ዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበን ጥራይ ከም ዝዀነ ገሊጹ" ይብል።

ጉዳይ ስታንሊ ኦሞንዲ ኣብታ ታሪኽ እታ ሃገር ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይንገር

ጉዳይ ስታንሊ ኦሞንዲ ኣብታ ታሪኽ እታ ሃገር ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ጉዳይ ስታንሊ ኦሞንዲ ኣብታ ታሪኽ እታ ሃገር ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይንገር

ውድድር ኬንያ ኦፐን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝመደበሩ ዓመታዊ ውድድር እዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ካብ 22 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 400 ተጻወትቲ ተሳቲፎም እዮም። 99 ኣብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ተመዝጊበን።

ተዓዋቲት ጓል ኣንስተይቲ ልዕሊ 3000 ዶላር ትሽለም እያ።

ኦሞንዲ ፍሉጥ ተጻዋታይ ቼስ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ዕድል ዓወት ክረክብ’የ ኢሉ ከም ዝሓሰበ ዋንጃላ ይኣምን።

ፈደረሽን ቼስ ኬንያ ቅድሚ ሕጂ ጉዳያት ምትላል ዕድመ ኣጋጢምዎ’ዩ፡ እዚ ዓይነት ምትላል ግን ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ ጉዳይ ናብ ኮሚቴ ዲሲፕሊን ዝቐረበ ኰይኑ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ውሳነ ክህብ ትፅቢት ይግበር።

"ኣዝዩ ሕሉፍ ጉዳይ'ዩ፡ እቲ ፍርዲ እገዳ ከጠቓልል ይኽእል'ዩ። ዕድመ ልክዕ እገዳ ዝውሰን ኣይመስለንን፡ እንተዀነ ግን ንሓያሎ ዓመታት ቼስ ከይጻወት ክእገድ ይኽእል'ዩ" ክብል ዋንጃላ ዘለዎ ግምት ገሊጹ።

እቲ ጉዳይ ናብ ዓለም ለኸ ፌደራል ቼስ እውን ከም ዝቐርብ ወሲኹ ሓቢሩ።