ኢራን ኣብ ቃራና መንገዲ፡ ንኣመሪካ ትገጥማዶ ወይስ ስዩም ክትብል እያ?

ምንጪ ስእሊ, EPA / Iran's Supreme Leader Office via EPA
ኣብቲ ዞባ ዝቕጽል ዘሎ ወሰኽ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ካብ መጠንቀቕታ ምሃብ ወይ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ምድላይ ንላዕሊ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝዓለመ ይመስል።
ምምጻእ ነፈርቲ ኲናት እትጽዕን ዓባይ መርከብ ዩኤስኤስ ኣብርሃም ሊንከን ናብ ጥቓ ማያት ኢራን፡ ሓደ ርእዩ ስጕምቲ እዩ።
ኣብ ጥቓ መጻብቦ ጂብራልተር ንመወዳእታ ግዜ ዝተራእየት ካልእ ነፈርቲ እትጽዕን መርከብ ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ ክካየድ ንዝኽእል ስርሒታት ደገፍ ንምሃብ ናብ ምብራቕ ገጻ ክትጓዓዝ ጸኒሓ። ካልእ መሳርሒታት ናብቲ ዞባ ክጓረት ምርኣይ`ውን፡ ዋሽንግተን ወተሃደራዊ ኣማራጺታት ንምድህሳስ ኣማራጺታት ትደሊ ኣላ ዝብል ግምታት ኣሕዲሩ ይርከብ።
ከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ዲፕሎማሲ ጸብለልታ ንምሃብ ከገልግል ይኽእል። ብኣጠቓላሊ ግና፡ ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ልዝብ፡ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ከም ዝበጽሐ ኣመት ዝህብ ክኸውን ይኽእል።
ክልተኦም ወገናት መርገጺኦም እንተ ዘይቀዪሮም ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ዘልዕል እዩ። ንምንታይ እዮም መራሕቲ ኢራን ኣብ ቅድሚ እታ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዓለም እትውንን ኣመሪካን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ መሓዛኣ ዝዀነት ሃገርን ብግልጺ ምንሕናሕ ዝቕጽሉ ዘለዉ?
መልሲ ናይዚ ሕቶታት፡ ኣብቲ ዋሽንግተን ዘቕረበቶ ጠለባት እዩ ዘሎ።
ከም ስዩም ምባል ዝርአ ጠለባት ኣመሪካ
ኢራን፡ እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ጠለባት ንዘተ ዘይኰነስ ስዩም ንምባላ (ኢድ ንምሃብ) ምዃኑ እያ እትርዳእ።
እቶም ጠለባት፤ ምምዕባል ዩራንየም ምቍራጽ፡ ንእስራኤል ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝኽእሉ ኣርሒቖም ዝውንጨፉ ባሊስቲክ ሚሳይላት ምንካይ፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንዝርከቡ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝወሃቡ ደገፋት ደው ምባል፡ ከምኡ`ውን ከምቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዝበሎ፡ ቴህራን ንገዛእ-ዜጋታታ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ምቕያር ዝብሉ ይርከቡዎም።
እዚ ጠለባት`ዚ፡ ንመራሕቲ ኢራን ካልኣዊ ዝርአ ፖሊሲታት ዘይኰነ፡ ከም ሕመረት ጸጥታዊ ህላወ እዩ።
ቴሃራን ካብ ሓያላት ሃገራት ዓለም መሓዙት ኣብ ዘይነበራኣ ግዜ፡ "ኪዳን ተቓውሞ" ክትብል ንዝሰመየቶ ልፍንቲ ንምህናጽ ዓሰርተታት ዓመታት ወሲዱላ።
እዚ ልፍንቲ ናይ ዕጡቓት ጕጅለታት ኰይኑ፡ ግጭት ካብ ዶባት ኢራን ኣርሒቑ ናብ እስራኤል ገጹ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።
ፕሮግራም ባሊስቲክ ሚሳይ ቴህራን ድማ ነቶም ዝማዕበለ ሓይሊ ኣየር ዘይብሎምን ስልጡን ቴክኖሎጂ ዘይዓጠቑንን መተካእታ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
እቲ ንዩክለሳዊ መደብ፡ ብወግዒ ንሰላማዊ መዓላ ከም ዘገልግል እኳ እንተ ተገልጸ፡ ንርእሰ-ምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ብሰፊሑ ይእመን።
ንቴሃራን ነዞም ባእታታት እዚኣቶም ምእላይ ማለት፡ ግጭት ክትገትኣሉ ዘኽእላ ትሕጃታት ምፍራስ ማለት እዩ።
ሓደጋታት ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto via Getty Images
ብዓይኒ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዓሊ ኻሜኒ፡ ምስ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ንኡስ ኲናት ካብ ምእታው ንላዕሊ፡ ነቶም ዝተቐመጡ ቅድመ-ዅነታት ምቕባል ዝያዳ ሓደገኛ ክመስል ይኽእል እዩ።
ዋላ እኳ ምውጋእ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል እንተዀነ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ዝግበር ውግኣት ኣብ ስልጣን ከቐጽል ይኽእል እዩ። ስልጣን ምስኣን ግና ንሓዋሩ ናብ ምጥፋእ ከቃልዕ ይኽእል።
ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራን ካልኦት መሓውራት ጸጥታን ዝግበር መጥቃዕቲታት፡ ነቲ ንኣድመኛታት ብምቕታልን ምጭፍላቕን ዳግማይ ምልኩ ዘረጋገጸ መሓውራት ከዳኽሞ ተኽእሎ ኣሎ።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንጐደናታት ዝመልኡ ሰልፈኛታት በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝዓረፈ ከቢድ ጸቕጢ የቋርጹዎ`ምበር ገና ዕጉባት የለውን። ነቲ ሓጺን ሒዙ ዝገጠሞም ሓይሊ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መንገዲ ክብድሁዎ ይኽእሉ እዮም።
ቴህራን፡ ዋሽንግተን ንመደባት ንዩክለስን ሚሳይልን ኢራን ከተዳኽም ጥራሕ ድሌት ኣለዋ ኢላ ክትሓስብ ትኽእል እያ። ውግኣት ግን ሳሕቲ እዮም ከምቲ ሰባት ፈለማ ዝሓሰቡዎ ኰይኖም ዝጸንሑ። ጌጋ ናይቶም ዒላማ ክዀኑ ዝኽእሉ ቦታታት፡ ኲናት ዝወስዶ ግዜ ወይ ኣብ ፖለቲካ ዝህሉዎ ሳዕቤን ነቲ ውግእ ናብ መጠን ሰፊሕ ከዕርጎ ይኽእል እዩ።
ቍጠባዊ ጸገማት ነቲ ኵነታት ዝያዳ ሓደገኛ ይገብሮ። ቍጠባ ኢራን ድሮ ብሰንኪ እገዳ፡ ልዑል ዋጋታት ኣቝሑን ምንቍልቋል ናይ ምዕዳግ ዓቕሚን ተሃስዩ ኣሎ። እታ ሃገር ተወሳኺ መጕዳእቲ ክትጸውር ክኸብዳ እዩ።
ሰደድ ነዳዲ እንተ ተዓናቒፉ ወይ ኣገደስቲ መሰረተ-ልምዓታት እንተ ተሃሪሙ፡ ቍጥዐ ህዝቢ ክሕይል ይኽእል እዩ። እቲ ተለዓዒሉ ዝጸንሐ ቍጥዐ ህዝቢ ተዓጊቱ`ምበር ፍታሕ ኣይረኸበን።
ንዋሽንግተን ዘለዎ ሓደጋታት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንዋሽንግተን ከጋጥማ ዝኽእል ሓደጋታት ካብዚ ዝንእስ ክኸውን ኣይክእልን።
ብኽልሰ-ሓሳብ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ወጥሪ እናኸረረ እንተ ከይዱ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንዕላማ ትራምፕ ናይ ምዕዋት ዓቕሚ ኣለዎ። ይዅን`ምበር ውግኣት ኣቐዲሞም ኣብ ወረቐት ብዝቕመቱ ኣይውሰኑን እዮም - ብዝፍጠሩ ጌጋ ቅማረታት፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ምዕባይን ዘይተገማቲ ውጽኢት ምፍጣርን ይጽለዉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ እስራኤል ዝተኻየደ ናይ 12 መዓልታት ኲናት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣመራርሓን ትሕተ-ቅርጽን ኢራን ዘሎ ድኽመታት ከም ዘርኣየ ይፍለጥ። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ኢራን ንመጥቃዕቲታ ከመይ ትምክት፡ ዳግመ-ውደባ ትገብርን ምላሽ ትህብን ምሂሩዋ እዩ።
ግጭት መጠኑ እንተ ዓብዩ፡ ንኽልተኦም ወገናት ናብ ዘይደልዩዎ ኣንፈት ክወስዶም ይኽእል እዩ። ማእከላይ መንግስቲ እንተ ደኺሙ፡ ቅልጡፍ ርግኣትን ቅርበትን ምስ ምዕራብ ኣየምጽእን። ሓደስቲ ምናልባት`ውን ዝያዳ ጽንፈኛታት ጕጅለታት ክለዓሉ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣመሪካን መሻርኽታን ብዘይደልይዎ መንገዲ ነቲ ዞባዊ ሚዛን ደንከልከል ከብሎ ይኽእል እዩ።
ኣያቶላህ ኻሜኒ፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ውሑድ ደሓን ዝዀነ ምርጫታት እዩ ዘለዎ። ንጠለባት ዋሽንግተን እንተ ተቐቢሉ፡ ኢራን ጸላእታ ናይ ምግታእ ዓቕማ ክትስእን ትኽእል እያ። እንተ ተሓሲሙዎ ድማ ነታ ድሮ ኣብ ውሽጣ ትሕቆን ዘላ ሃገሩ ተኽእሎታት ግጭት ከዕብዮ ተኽእሎ ኣሎ።
ቴህራን ኣብ መንጎ ስዩም ምባልን ብውሱን ዓቐን ኣብ ኲናት ምእታውን ተቐርቂራ ደኣ ትሃሉ`ምበር፡ ናብቲ ካልኣይ ኣማራጺ ትጽጋዕ ዘላ ትመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







