ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተን ናብ መርማሪት ሽማግለ ኮንግረስ ቀሪቡ ዝሃቦ ምስክርነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተን ምስ ጾታዊ ገበነኛ ጀፍሪ ኤፕስተይን ዝነበሮ ርክብ ኣመልኪቱ ንኣባላት መርመሪት ሽማግለ ኮንግረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዝርኣዮን ዝፈጸሞን ሕማቕ ነገር ከም ዘየሎ ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝተኻየደ ናይ ምሉእ መዓልቲ መስርሕ፡ ኣብ ዝወጽኡ ሓደስቲ ሰነዳት ክሊንተን ኣብ ሓደ ጋብላ ምውቕ ማይ ምስ መንነታ ዘይተፈልጠት ዝተራኣዮ ዘጠቓለለ ሓያሎ ሕቶታት ቀሪብሉ።
ክሊንተን ምስክርነቱ ዝሃበ፡ ብዓልቲ-ቤቱ ሂላሪ ብተመሳሳሊ ኣብ ቅድሚ መርመሪት ሽማግለ ቀሪባ ብዛዕባ ገበናት ኤፕስተይን "እንዶ ከም ዘይነበራ" ድሕሪ ምግላጻ እዩ።
ኣብ ሰነዳት ኤፕስተይን ስምካ ኮነ ስእልኻ ኣሎ ማለት በደለኛ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ስድራ ክሊንተን ክሳዕ ሕጂ ካብ ግዳያት ኤፕስተይን ዝዀነ ክሲ ኣይቀረበሎምን።
ክሊንተን ተግባራት ኤፕስተይን ዝፈልጥ እንተ ዝነብር፡ "ዝነበረኒ ርክብ መቋረጽኩ"፡ ከምኡ'ውን "ኣብ ነፋሪቱ ኣምበይ ምተሰቐልኩን፡" ኢሉ።
ኣብ ዕጹው ማዕጾ ምስክረንቱ ቅድሚ ምሃቡ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤፕስተይን ከምኡ ከም ዝገብር ዝፈልጥ እንተ ዝነብር፡ "ባዕለይ መቃላዕኩዎ ነይረ፡" ክብል ገሊጹ።
ድሕሪ ምስክርነቱ ኣብ ዝሰቐሎ ቪድዮ፡ "ክንደይ ስእሊ የርእዩኒ ብዘየገድስ" ብዛዕባ ገበናት ኤፕስተይን ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ።
"ምስክርነተይ ዝገልጽ ቪድዮ ምስ ተዘርግሐ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ኮንግረስ ቀሪቡ ዝፈልጦ ዘበለ ንኽዛረብ ክተባብዕ ተስፋ እገብር፡" ኢሉ።
"ክፍሊ ፍትሒ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ምእንቲ ከይድገም ንዅሎም ሰነዳት ንኽዝርግሑዎ ከተባብዖም'ውን ተስፋ ኣለኒ፡" ክብል ወሲኹ።
እዞም መጻምዲ ፈለማ "ፖለቲካዊ ድራኸ ኣለዎ" ብምባል ኣብ ቅድሚ ኣባላት ኮንግረስ ቀሪቦም ምስክርነቶም ንምሃብ ነጺጎሞ ነይሮም። ንጻውዒት ኮንግረስ ምንጻግ ብ"ንዕቐት" ዘኽስስ ብምዃኑ ድሒሮም ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቢል ክሊንተን፡ ኣብ ሓደ ካብ ሰነዳት ኤፕስተይን ኣብ ጋብላ ውዑይ ማይ ጠሊቑ ኣብ ጐድኑ ጓለንስተይቲ እትመስል ዝርኣዮ ንዝቐረበሉ ሕቶ ከም ዘይፈልጣ ተዛሪቡ።
ምስታ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ እንተዀይኑ ተሓቲቱ'ውን ከም ዘይወዓሎ ምዝራቡ ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ክሊንተን ድሕሪ ምስክርነት ምሃቡ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ኣይሃበን።
ኣቦ መንበር ናይታ መርማሪት ሽማግለ ኮንግረስ ሪፓብሊካዊ ጀምስ ኮመር፡ እቲ ንሰዓታት ዝቐጸለ መስርሕ፡ "ኣዝዩ ውጽኢታዊ፡" ምንባሩ ተዛሪቡ።
"ፕረዚደንት ክሊንተን ንነፍስወከፍ ሕቶ መልሲ ሂቡ፣ ወይ'ውን ንነፍስወከፍ ሕቶ ክምልስ ፈቲኑ፡" ኢሉ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይ ምስክርነቱ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ኮመር፡ "እዚ ዕቱብ መርመራ'ዩ" ኢሉ። "ሓቂ ናብ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ፍትሒ ድማ ናብ ግዳያት ንምብጻሕ ክንጽዕርን ክንቅጽልን ኢና፡" ኢሉ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



