እቲ ሕሱር መሓዛ ሓያላት፡ ጀፍሪ ኤፕስተይን መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, US Department of Justice
ጀፍሪ ኤፕስተይን ኣብ 2011 ንጋዜጣ ኒውዮርክ ፖስት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣነ ገበነኛ ጾታዊ መዝማዚ ዘይኰንኩ ጥፍኣተኛ እየ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኤፕስተይን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጐ 'sexual predator' ከምኡ'ዉን 'offender' ዝብሉ ቃላት ዘሎ ኣፈላላይ ብምግላጽ'ዩ 'ገበነኛ ኣይኰንኩን' ኢሉ።
"ኣብ መንጎ ቀታሊን ባኒ ዝሰርቕ ሰብን ፍልልይ ኣሎ'ዩ፡" ኢሉ።
ኤፕስተይን ናይ ዋሕስ ዕድል ከይረኸበ፡ ብኽሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ንግዲ ክፍረድ እናተጸበየ እንከሎ፡ ብ10 ነሓሰ 2019 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኒውዮርክ እዩ ሞይቱ።
እዚ ድማ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ዝርከብአን ደቀንስትዮ ኣብ ምንዝርና ብምውፋር 'sex offender' ብዝብል ገበን ተኸሲሱ። ኣብቲ ግዜ፡ "ሰፊሕ መርበብ" ንግዲ ጾታዊ ርክብ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ብምምራሕ ተኸሲሱ፣ ገበነኛ ኣይኰንኩን ኢሉ።
ኣብ ሕዳር 2025 ክልቲኦም ባይቶታት ኮንግረስ ኣመሪካ ንሕጊ ግሉጽነት ሰነዳት ኤፕስተይን ብዓቢ ድምጺ ኣጽዲቘሞ። እቲ ውሳነ 'Epstein Files Transparency Act' ይብሃል።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክፍሊ ፍትሒ ክሳብ 19 ታሕሳስ ኵሉ ሰነዳት ኣብ ልዕሊ ኤፕስተይን ዝተኻየደ ገበናዊ መርመራታት ክዝርግሖ ዝእዝዝ እማመ ፈሪሙ።
ብ30 ጥሪ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሰነዳት ብምኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ተዘርጊሑ።
ሓደ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኤፕስተይን ዲያብሎስ ባዕሉ መሲሉ ዶ ይስምዓካ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ጽቡቕ መስትያት ኣለኒ" ክብል የርኢ።
እቲ ምሉእ ቪድዮ - ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝጸንሕ - ካብ ሓደ ቃለ መሕትት ዝገብር ሰብ ሕቶታት ክቐርበሉ እንከሎ ዘርኢ እዩ።
መን ሕቶታት ይሓትት ከም ዘሎ፡ ወይ ድማ እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ መዓስን ስለ ምንታይን ከም ዝተቐድሐ ኣይተረጋገጸን።
ምክትል ዋና ዓቃቢ ሕጊ ቶድ ብላንቸ፡ እቲ ብዓርቢ 30 ጥሪ 2026 ዝተዘርግሐ ሰነዳት፡ "መዛዘሚ ናይቲ ኣዝዩ ኵለ-መዳያዊ መስርሕ ምልላይን ምግምጋምን ሰነዳት፡" ዝውክል'ዩ ኢሉ።
ገለ ተቓወምቲ ዲሞክራት ዝርከቡዎም ጎስጐስቲ ግን እቲ ክፍሊ ብዘይ ግቡእ ምኽንያት ብዙሕ ሰነዳት ሓቢኡ ኣሎ ክብሉ ይምጒቱ።
'ዝገርም ወዲ'
ኣብ ኒውዮርክ ተወሊዱ ዝዓበየ ኤፕስተይን፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብታ ከተማ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ዳልተን ሕሳብን ፊዚክስን ይምህር ነይሩ።
ዋላ እኳ ካብ ዩኒቨርሲቲ እንተዘይተመረቐ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፊዚክስን ሕሳብን ተማሂሩ እዩ።
ሓደ ኣቦ ናይ ሓደ ካብ ተምሃሮኡ ኣዝዩ ስለ ዝተመሰጠ፡ ንኤፕስተይን ምስ ሓደ ላዕለዋይ መሻርኽቲ ኣብ ዎል ስትሪት ኣብ ዝርከብ ናይ ወፍሪ ባንክ ቢር ስቲርንስ ከም ዘራኸቦ ይንገር።
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ኣብኡ መሻርኽቲ ኰይኑ። ኣብ 1982 'J Epstein and Co.' ዝተባህለ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ኣቚሙ።
እቲ ኩባንያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ዓማዊል ዘመሓድር ኰይኑ፡ ቅጽበታዊ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ኤፕስተይን ነዊሕ ከይጸንሐ ሃብቱ ከውፍር ጀሚሩ - ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ፡ ኣብ ኒው ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ገዛ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝዓበየ ናይ ብሕቲ ገዛ ተባሂሉ ዝንገረሉ - ከምኡ'ውን ምስ ፍሉጣት ሰባት፡ ስነጥበባውያንን ፖለቲከኛታትን ማሕበራዊ ርክብ ክገብር ጀመረ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2002 ብዛዕባ ኤፕስተይን ንዝቐረበ ግለ-ታሪኽ ኣመልኪቱ ንመጽሔት ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንጀፍ ን15 ዓመታት እየ ዝፈልጦ። ዘገርም ወዲ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
"ኣይጠራጠርን - ጀፍሪ ማሕበራዊ ህይወቱ የስተማቕሮ'ዩ።"
እቲ ፕረዚደንት ድሒሩ፡ ክልቲኦም ኣብ መጀመርታ 2000፡ ማለት ኤፕስተይን ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ ምእሳሩ ከም ዝተፈላለዩ ተዛሪቡ።
ምስ ኤፕስተይን ብዝተኣሳሰር ዝዀነ ገበን ከም ዘይፈጸመ ብቐጻሊ ይገልጽ።
ዋይት ሃውስ፡ ትራምፕ ሓደ እዋን ንኤፕስተይን "ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ንደቀንስትዮ ሰራሕተኛታቱ ጽቡቕ ስነ-ምግባር ብዘይምርኣዩ፡" ካብ ክለቡ ከም ዘባረሮ ገሊጹ።
ትራምፕ ባዕሉ፡ ኤፕስተይን ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝርከብ ስፓ ዝሰርሓ መንእሰያት ደቀንስትዮ "ሰሪቑ" ኢሉ።
"ሓንሳብ ከምኡ ምስ ገበረ፡ መወዳእታኡ ኰይኑ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰነዳት ኤፕስተይን ሽሞም ዝተጠቕሱ ፍሉጣት ሰባት ብዙሓት እዮም።
ብርግጽ ሽሞም ስለ ዝተጠቕሰ ጥራይ ብቐጥታ ገለ ስሕተት ከም ዝፈጸሙ ዘመላኽት ኣይኰነን።
ብ2002፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን፡ ተዋሳኢ ኬቪን ስፔሲን ክሪስ ታከርን፡ ብናይ ብሕቲ ጀት ኤፕስተይን ናብ ኣፍሪቃ ገይሾም እዮም።
ብ2003፡ ክስታት ጾታዊ መጥቃዕቲ ምስ ዝቐረብሉ ፕሮዲሰዩር ፊልም ሃርቪ ወይንስታይን ብምዃን ንመጽሔት ኒውዮርክ ክዕድጉ ፈቲኖም እዮም።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ንዩኒቨርሲቲ ሃይቫርድ 30 ሚልዮን ዶላር ለጊሱ።
ቢል ክሊንተንን በዓልቲ ቤቱ ሂላሪ ክሊንተንን ኣብቲ ኮንግረስ ኣብ ልዕሊ ኤፕስተይን ዝካየድ መርመራ ምስክርነት ክህቡ ተሰማሚዖም ኣለው።
ጀፍሪ ኤፕስተይን ምስ ፖለቲከኛ ዓባይ ብሪጣንያ ፒተር ማንደልሰን እውን ዕርክነት ነይርዎ - ማንዴልሰን በዚ ከም ዝጣዓስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ኣብ 2025 ኣብ ኣመሪካ ኣምባሳደር ኰይኑ ዝሰርሖ ስራሕ ክስእን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ሎርድ ፒተር ማንደልሰን፡ ተወሳኺ ሰነዳት ኤፕስተይን ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ካብ ሰልፊ ዕዮ ስልጣኑ ከም ዝተኣልየ ተገሊጹ።
ንሱ፡ እቲ ሰነዳት ምስ ኤፕስተይን ዘለዎ ርክብ ድሕሪ ምግላጹ፡ "ዝያዳ ውርደት ንኸይስዕብ፡" ካብቲ ሰልፊ ይለቅቕ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኤፕስተይን ካብ 2003 ክሳብ 2004 ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንሎርድ ማንደልሰን 75 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈለ ይንገር።
ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ማንደልሰን ኣብ 2009 ጸሓፊ ንግዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኤፕስተይን ተነቃፊ ሓበሬታ መንግስቲ ኣመሓላሊፉ ሂቡ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ተፈጺሙ ዝበሃል ክስታት ይምርምር ኣሎ።
ኤፕስተይን ምስ ፍሉጣት ሰባት ርክባት እኳ እንተነበሮ፡ ውልቃዊ ህይወቱ ንምሕባእ ይፍትን ነይሩ።
ኣብ ድግሳት ኣይርከብን፤ ካብ ሬስቶራንትን ህዝባዊ ቦታታትን እውን ይርሕቕ ነይሩ።
ንሱ፡ ዋላ'ኳ ብወግዒ ተመርዕዩ ዘይፈልጥ እንተዀነ፡ ከም ተዓዋቲት ወይዘሪት ሽወደን ኢቫ ኣንደርሰን ዱቢንን ጓል ኣሕታሚ ሮበርት ማክስወል ጊስላይን ማክስወልን ዝኣመሰላ ደቀንስትዮ ይላለየን ነይሩ።
ኣካያዲት ስራሕ 'Tiffany & Co' ነበር ሮዛ ሞንክተን፡ ኣብ 2003 ኣብ ዝጸሓፈቶ ንቫኒቲ ፌር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኤፕስተይን "ኣዝዩ ምስጢራዊ"ን "ዕላል ንምጅማር ዘይኸብዶን" ምዃኑ ገሊጻ።
"ንኤፒስተይን እትፈልጦ መሲሉካ ይጸንሕ እሞ፡ ጸኒሑ ሓደሽቲ መንነታት ትረኽበሉ። ኤፕስተይን ካብ ዘርእየካ መንነት ዝሓልፍ መንነት ኣለዎ፡" ኢላ።
ኣብ ልዕሊ ዝቐርቡ ክስታት
ኤፕስተይን ኣብ 2005 ኣብ ፓልም ቢች ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ይኽሰስ።
ፖሊስ ኣብ ገዛኡ ኣብ ዝፈተሸሉ እዋን ምስሊ መንእሰያት ደቀንስትዮ ረኺቦም።
ብመሰረት ጸብጻብ ሚያሚ ሄራልድ፡ ኤፕስተይን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ደቀንስትዮ ዝፍጽሞ ዝነበረ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዩ ኣቝጺሩ።
ሓላፊ ፖሊስ ፓልም ቢች ማይክል ራይተር፡ "እዚ እገለ ከምዚ ኢሉ፡ እገሊት ከምዚ ኢላ ዝብል ኣይኰነን። መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ተመሳሳሊ ዛንታ እየን ዘልዕላ" ኢሉ።
ጸሓፊ ማይክል ዎልፍ ኣብ 2007 ኣብ መጽሔት ኒውዮርክ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ "ብዛዕባ እተን ደቀንስትዮ ዝሓብኦ ነገር ኣይነበረን፡" ኢሉ።
"ኣብ ሓደ እዋን፡ ጸገማት ከጋጥሙ ምስ ጀመሩ፡ 'እንታይ ክብል? መንእሰያት ደቀንስትዮ እየ ዝፈቱ' ኢሉኒ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኤፕስተይን፡ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከስዕብ ካብ ዝኽእል ክሲ ብምምላጥ፡ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ክእሰር ተፈሪዱ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናብ ቤት ጽሕፈቱ እናተመላለሰ፡ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲ፡ መዓልታዊ ን12 ሰዓታት ክሰርሕ ተፈቒዱሉ። ድሕሪ 13 ኣዋርሕ ድማ ተፈቲሑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ጸብጻብ ሚያሚ ሄራልድ፡ ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ኣሌክሳንደር ስኮት፡ ከም ዘጥፍአ ንኽኣምን ኣብ ዝተገበረ ስምምዕ ዝሰርሖም ገበናት ወግዓዊ ከይኰኑ ገይሩ'ዩ። በዚ ምኽንያት መርመራ ኤፍ.ቢ.ኣይ ተቛሪጹ።
ቍጽሪ ብምኽንያት ኤፕስተይን ዝተሃስዩ ሰባትን ምስኡ ምትእስሳር ዝነበሮም ሓያላት ሰባትን፡ ልዕሊ እቲ ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል፡ ኣብ 2019 ብምኽንያት እቲ ዕንደራ -scandal- ካብ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ይፍለጥ።
ኤፕስተይን ካብ 2008 ጀሚሩ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ መዝገብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ሰባት ይርከብ።
እዚ ድማ ዳግማይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ተኽእሎ ከም ዘሎ ዘመልክት ደረጃ ሰለስተ እዩ።
ኤፕስተይን ካብ ዝፍረድ ጀሚሩ ሃብቱን ንብረቱን ኣይከሰረን።
ኣብ ታሕሳስ 2010፡ ኣንድሪው ማውንትባተን ዊንድሶር - ሳልሳይ ውላድ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ሽዑ ልኡል ኣንድሪው ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ - ኣብ ኒውዮርክ ማእከላይ ፓርክ ምስ ኤፕስተይን ተሳኢሉ ምርኣዩ ሓያል ክትዕ ኣስዒቡ።
ንሱ ካብ 1999 ጀሚሩ እዩ ንኤፕስተይን ዝፈልጦ።
ኣብ ሕዳር 2019 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዕርክነቶም ንምብታኽ ኣብ 2010 ናብ ኒውዮርክ ከም ዝኸደ ገሊጹ።
ኣብኡ ኣብ ገዛ ኤፕስተይን ምጽንሑ ከም ዘጣዕሶ ተዛሪቡ።
ኣንድሪው ምስ ኤፕስተይን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝኣመነሉ ንላዕሊ ንነዊሕ እዋን ርክብ ከም ዝጸንሖ ድሕሪ ዓመታት ዝወጽአ ኢመይላት 2011 ይሕብሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣንድሪው ኣብ 2025 ንጉሳዊ መዓርጉ ተገፊፉ።
ንኤፕስተይን ካብ ዝኸሰሳ ደቀንስትዮ ሓንቲ ዝዀነት ቨርጂንያ ሮበርትስ፡ ጓል 17 ዓመት ከላ ምስ ልኡል ኣንድሪው ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከም ዝተገደደት ትዛረብ።
ልኡል ኣንድሪው ነቲ ክሲ ነጺግዎ። ምስኣ ስእሊ ከም ዝተሳእለ እውን ከም ዘይዝክር ገሊጹ።
እንተዀነ ልኡል ኣንድሩ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ኣፍ ንምዕጻው ኣብ 2022 ሚልዮናት ክኸፍል ተሰማሚዑ።
ብዛዕባ በዓልቲ ቤት ኣንድሩ ነበር ሳራ ፈርጉሰን ምስ ኤፕስተይን ዝነበራ ዕርክነት'ውን እውን ሓድሽ ዝርዝራት ተቐልቂሎም።
ዝመስረተቶ ገባሪ ሰናይ ትካል ፈርጉሰን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ ኣብ ጾታዊ ተግባራት ብምስታፍ ብዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ኤፕስተይን ርክብ ከም ዝነበራ ዘርኢ ኢመይላት ድሕሪ ምቕራቡ ከም ዝዕጾ ኣፍሊጡ።
ኤፕስተይን ብ6 ሓምለ 2019 ብናይ ብሕቲ ጀት ካብ ፓሪስ ድሕሪ ምብራሩ ኣብ ኒውዮርክ ተታሒዙ። ኤፕስተይን እቶም ዝተኸሰሰሎም ጕዳያት ይነጽጐም።
ብቤት ፍርዲ ዋሕስ ምስ ተኸልከለ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሜትሮፖሊታን ተኣሲሩ ነይሩ።
ኣብ ሓምለ ኣብ ክሳዱ ሓሚሙ ከም ዝነበረን ኣብ እዋኑ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን ይግለጽ።
ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ይኹን ጠበቓታቱ ግን ብወግዒ ርእይቶ ኣይህቡን።
ኣብ መወዳእታ ብ31 ሓምለ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ንሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝእሰር ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ሞት ኤፕስተይን፡ ኣፍቃሪቱ ነበር ጊስላይን ማክስወል ኣዘራራቢት ኰይና።
ንሳ፡ ኣብ ሓምለ 2020 ኣብ ግዝኣት ኒው ሃምፕሻየር ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ጽምው ዝበለ መንበሪ ገዛኣ፡ ትሕቲ ዕድመ ምዃነን ዝፍለጣ ግዳያት ኣብ ምምልማልን ምጽባቕን ብምሕጋዝ፡ ኤፕስተይን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ንዝፈጸሞ ግህሰት ሓጊዛ ብዝብል ጥርጣረ ተታሒዛ።
ኣብ ታሕሳስ 2021፡ ዳያኑ ኒውዮርክ ካብ ሽዱሽተ ክስታት ብሓሙሽተ ገበነኛ ኢሎምዋ።
እቲ ዝኸበደ ክሲ - ጾታዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ ዝብል እዩ።
በዚ ማእሰርቲ 20 ዓመት ተፈሪዳ።
እታ ኣብ ኦክስፎርድ ዝተማህረት ማክስወል፡ ንኤፕስተይን ምስ ቢል ክሊንተንን ኣንድሩን ሓዊሱ ምስ ብዙሓት ሃብታማትን ሓያላትን ኣዕሩኽታ ከም ዘላለየቶ ይንገር።
ዋላ'ኳ ፍቕራዊ ርክብ ማክስወልን ኤፕስተይንን ንውሑዳት ዓመታት ጥራይ እንተጸንሐ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ግን ምስኡ ስራሕ ከም ዝቐጸለት ኣዕሩኽቶም ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







