ወጻእተኛታት ኣብ ሩስያ ንኽዋግኡ ብኸመይ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ 'ይታለሉ' ነይሮም?

ፖሊና ኣዛርኒክ

ምንጪ ስእሊ, From Telegram

ወሰናወሰን ፓስፖርት ዑመር ብሓዊ ይቃጸል፤ ምስላ ዘይትርአ ቋንቋ ሩስያ እትዛረብ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ድማ "ጽቡቕ ይቃጸል ኣሎ፡" ክትብል ትስማዕ።

እታ ክሊፕ ናብ ስልኩ ምስ በጽሐት፡ ወዲ 26 ዓመት ሶርያዊ ሰራሕተኛ ህንጻ ዑመር፡ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ቅድመ ግንባር ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ክዋጋእ ተዋፊሩ ጸኒሑ።

ድምጺ እታ ጓለንስተይቲ ፈሊጡዎ፣ ፖሊና ኣሌክሳንደሮቭና ኣዛርኒክ እያ ትብሃል።

ንሳ፡ ኣታዊ ዘለዎ ስራሕን ዜግነት ሩስያን ከም ዝረክብ ብምምብጻዕ ንሩስያ ንኽዋጋእ ከም ዘሳለጠትሉ ይዛረብ፤ ሕጂ ግን ተቘጢዓ።

ዑመር ካብ ዩክረይን ዝተላእከ ተኸታታሊ መልእኽቲ ድምጺ፡ ኣብ መወዳእታ ንነብሱ ብኸመይ ኣብ ዞባ ኲናት ከም ዝረኸባ ይገልጽ።

ኣዛርኒክ 3000 ዶላር እንተኸፊሉዋ ውግእ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ከም ዝጸንሕ ክትሕግዞ ምዃና ትነግሮ። ይዅን'ምበር፡ ናይ ዓሰርተ መዓልቲ ልምምድ ጥራይ ድሕሪ ምግባር ናብ ውግእ ስለ ዝተላእከ፡ እቲ ገንዘብ ንምኽፋል ፍቓደኛ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ፓስፖርቱ ኣቃጺላቶ።

ንሱ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ውግእ ኣብ ዘለዎ ቦታ ምስ ተዋፈረ ምውጋእ ኣብዩ'ኳ እንተነበረ፣ ኣዘዝቱ ግን ክቐትልዎ ወይ ክኣስርዎ ምዃኖም ከም ዘፈራርሕዎ ይዛረብ።

"ተታሊልና.. እዛ ሰበይቲ ተንኰለኛን ሓሳዊትን እያ፡" ይብል ዑመር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፖሊና ጓል 40 ዓመት መምህር ነበር ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝመጽኡ መንእሰያት፡ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ንኽጽንበሩ ንምስሓብ፡ ቻነል ቴሌግራም ተጠቒማ ከም እትምልምል፡ መርመራ ቢቢሲ ኣይ የመልክት።

ፍሽኽታ ዝመልኦ ናይ ቪድዮ መልእኽትታትን ተስፋ ዝህብ ጽሑፋትን ዝተሓወሶ "ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ወተሃደራዊ ኣገልግሎት" ተቕርብ።

ሰባት፡ ናብ ሩስያ ብምእታው ናብ ወተሃደራዊ ስራሕ ንኽጽንበሩ፡ ሰነዳትን ዕድመን ዘቕረበትሎም ኣስታት 500 ጕዳያት ኣለልዩ። እዞም ንደቂ ተባዕትዮ - ብቐንዱ ካብ ሶርያ፡ ግብጽን የመንን - ዝርዝር ፓስፖርቶም ዝሰደዱላ ዝመስሉ እዮም።

እቶም ተመልመልትን ኣዝማዶምን ግን ንደቂ ተባዕትዮ ካብ ውግእ ከም ዝርሕቁ ኣእሚና ከም ዘጋገየቶም፡ ድሕሪ ዓመት ክወጽኡ ከም ዘይክእሉ ብንጹር ክትገልጽ ከም ዘይከኣለት፡ ነቶም ዝሞገቱዋ ድማ ከም ዘፈራርሐቶም ንቢቢሲ ገሊጾም። ቢቢሲ ንፖሊና እኳ እንተረኸባ፡ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

ዓሰርተ ክልተ ስድራቤት፡ ብፖሊና ዝተመልመሉ ዝበልዎም መንእሰያት ሕጂ ሞይቶም ወይ ደሃዮም ከም ዘይተረኸበ ሓቢሮም።

ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ዋላ'ኳ ዓቢ ክሳራ እንተኣጋጠማ፡ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወራር ኣስፊሓ፡ እሱራት መልሚላ፡ ብዙሕ ገንዘብ ትኸፍል ኣላ።

ኣብ 2022 ኣብ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ ዝፍጸም ንደሓር፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ወተሃደራታ ክሞቱ ወይ ክቘስሉ እንከለው፡ ኣብ ታሕሳስ 2025 ጥራይ 25 ሽሕ ከም ዝሞቱ ኔቶ ሓቢሩ።

ብቢቢሲ ኒውስ ሩስያ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መዛግብቲ ሞትን ካልእ ብህዝቢ ዝቐርብ መዛግብቲ ሞትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ክሳራ ሰራዊት ሩስያ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ብቕልጡፍ ከም ዝወሰኸ ይሕብር።

ክንደይ ወጻእተኛታት ናብ ሰራዊት ሩስያ ከም ዝተጸንበሩ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።

ትንታነ ቢቢሲ ሩስያ - ንብዝሒ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ወጻእተኛታት'ውን ዝረኣየ - ካብ ከም ኲባ፡ ኔፓልን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ሓዊሱ ብውሕዱ 20 ሽሕ ሰባት ውዕል ፈሪሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግምት።

ዩክረይን እውን ርኡይ ክሳራ ሰራዊት ኣጋጢምዋ እዩ፣ ናይ ወጻኢ ተዋጋእቲ እውን ኣብ መሳርዓ ሒዛ ኣላ።

ፖሊና ኣዛርኒክ ብተደጋጋሚ ምስ ሓደስቲ ምልሙላት እትስኣሎም ኣሳእእል ትልጥፍ፡ እዚኣ ኦማር ዝተጓዕዘላ ሶርያዊት ጉጅለ እያ

ምንጪ ስእሊ, From Telegram

መግለጺ ስእሊ, ፖሊና ኣዛርኒክ ብተደጋጋሚ ምስ ሓደስቲ ምልሙላት እትስኣሎም ኣሳእል ትልጥፍ፤ እዚኣ ዑመር ዝተጓዕዘላ ሶርያዊት ጉጅለ እያ

'ኣብ ኵሉ ቦታ ዝተደርበየ ሰብ'

ዑመር ምስ ፖሊን ኣዛርኒክ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክብ፡ ኣብ መጋቢት 2024 ምስ ካልኦት 14 ሶርያውያን ብምዃን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ዳርጋ ንእሽቶ ገንዘብ ጥራይ ሒዙ ምስ ተዓጽወ እዩ።

ኣብ ሶርያ ዝነበረ ስራሕ ውሑድን ትሑት ደሞዝን እዩ ነይሩ።

ኣብኡ ዝነበሩ መልመልቲ ነቶም ሰባት ኣብ ሩስያ ንዝርከባ ትካላት ነዳዲ ዝሕሉ ሲቪላዊ ስራሕ ምዃኑ ከም ዝነገሩዎም ዑመር ይዛረብ። ናብ ሞስኮ ምስ ኣተው ጥራይ'ዮም ከም ዝተታለሉ ዝፈለጡ።

ገለ ኣማራጺታት ኣብ ኢንተርነት እናደለየ፡ ቻነል ኣዛርኒክ ረኺቡ መልእኽቲ ከም ዝሰደደላ ዑመር ይዝክር።

ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ረኺባቶም፣ ብባቡር ድማ ናብ ሓደ ኣብ ምዕራባዊ ሩስያ ብራያንስክ ዝርከብ ማእከል ምልመላ ከም ዝወሰደቶም ይዛረብ።

ኣብኡ፡ ምስ ሰራዊት ሩስያ ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ከም ዝሃበቶምን፡ ወርሓዊ ደሞዞም ኣስታት 2500 ዶላር፡ 5000 ዶላር ዝኸውን ናይ ምፍራም ክፍሊትን ከም ዝተነግሮን ይገልጽ - እዚ ድማ ኣብ ሶርያ ክሓልምዎ ጥራይ ዝኽእሉ ድምር ገንዘብ እዩ።

ዑመር፡ እቶም ውዕላት ብቋንቋ ሩስያ ከም ዝነበሩን፡ ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ዋላ ሓደ ከም ዘይተረድኦን ብምግላጽ፡ ንሳ ድማ ፓስፖርቶም ወሲዳ፡ ዜግነት ሩስያ ከተዳልዎም ቃል ከም ዝኣተወትሎም ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ካብቲ ናይ ምዝገባ ክፍሊት ነፍሲ ወከፎም 3000 ዶላር እንተኸፊሎምዋ ካብ ናይ ውግእ ቦታ ክርሕቑ ከም እትገብሮም ቃል ኣትያትልና ይብል።

ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ፡ ናይ 10 መዓልታት ስልጠና ጥራይ ብምውሳድ ብዘይ ዝዀነ ወተሃደራዊ ተመኵሮ ናብ ውግእ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።

"100% ክንመውት ኢና" ይብል ኣብ ሓደ ካብቲ ናብ መርማሪ ጕጅለ ቢቢሲ ዝተላእከ ናይ ድምጺ መዘኻኸሪታቱ።

"ብዙሕ መጕዳእቲ፡ ብዙሕ ፍንጀራ፡ ብዙሕ ደብዳብ ኣሎ። በቲ ፍንጀራ እንተዘይሞይትካ፡ በቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝዓለበ ፍርስራስ ክትመውት ኢኻ፡" ይብል ኣብ ግንቦት 2024 ዝለኣኾ ድምጺ።

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኣብ ዝለኣኾ ድምጺ ድማ "ኣብ ኵሉ ቦታ ሬሳታት.. ሬሳታት ረጊጸ ኣለኹ፡ ኣምላኽ ይቕረ በበለይ፡" ይብል።

"ሓደ ሰብ እንተሞይቱ ብጎማ ጠቕሊሎም ኣብ ጎኒ ገረብ ክድርብይዎ ብዓይነይ ርእየዮ እየ፡" በለ።

ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት፡ ኣዛርኒክ ኣይነገረትንን ዝብሎ ነገር ረኺቡ - ኣብ 2022 ዝወጽአ ኣዋጅ ሩስያ ብመሰረቱ ወተሃደራት ክሳብ እቲ ኲናት ዝውዳእ ውዕላት ውትድርና ከናውሑ የፍቅድ።

"እቲ ውዕል እንተ ኣሐዲሰሞ፡ በቃ ኣኺሉኒ - ኣየ ኣምላኽ፡" ይብል።

ውዕሉ ድማ ተናዊሑ።

'ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመልመሉ'

ቴሌግራም ቻነል ኣዛርኒክ 21 ሽሕ ሳብስክራይበር [ሰዓብቲ] ኣለዎ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ጽሑፋታ፡ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ክጽንበሩ ከመልክቱ ዝደልዩ ኣንበብቲ፡ ቅዳሕ ፖስፖርቶም ክሰዱላ ትሕብሮም።

ብድሕሪኡ ናይ ዕድመ ሰነዳት ፖስት ትገብር፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ዝምልከቶም ደቂ ተባዕትዮ ተስፍር።

ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ የመን፡ ሶርያ፡ ግብጺ፡ ሞሮኮ፡ ዒራቕ፣ ኣይቮሪኮስትን ናይጀርያን ዝርከባ ሃገራት ንዝመጽኡ ደቂ ተባዕትዮ ዝለኣኸቶም ልዕሊ 490 ከምዚኦም ዝበሉ ዕድመታት ኣለልዩ ኣሎ።

ጽሑፋታ፡ ንሓደ "ኤሊት ሃገራዊ ቦጦሎኒ" ዝግበር ምልመላ ዝጠቅስ ኰይኑ፡ ኣብ ሩስያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝርከቡ ሰባት - እንተላይ እቶም ቪዛኦም መዓልቱ ዝደወቐ - ብቑዓት ምዃኖም ብንጹር የቐምጡ።

ቢቢሲ፡ ዑመር ሓዊሱ ንሳ ዝመልመለቶም ሸሞንተ ዜጋታት ወጻኢ፡ ከምኡ'ውን ስድራቤት ናይቶም ዝጠፍኡ ወይ ዝሞቱ 12 ደቂ ተባዕትዮ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ብዙሓት ብኣዛርኒክ ዝተመልመሉ ሰባት፡ ከም ዘጋገየቶም ወይ ከም ዝመዝመዘቶም ይስምዖም።

እቶም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝጽንበሩ ይፈልጡ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ግንባር ግን ክዋግኡ ከም ዘይተጸበዩዎ እዮም ዝገልጹ።

ሓያሎ ከም ዑመር እኹል ስልጠና ከም ዘይብሎም ወይ ድሕሪ ዓመት ክወጽኡ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ ዝስምዖም ነይሩ።

ኣብ ግብጺ፡ ዩሱፍ - ስሙ ዝተቐየረ - ዓቢ ሓዉ መሓመድ፡ ኣብ 2022 ኣብ ሩስያ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ወጻኢታት ትምህርቱ ንምኽፋል ይጽገም ከም ዝነበረ ይጠቅስ።

ንስድራኡ ድማ ፖሊና ዝተባህለት ሩስያዊት ጓለንስተይቲ ብኢንተርነት ሓገዝ ክትህቦ ከም ዝጀመረት ነጊሩዎም። እዚ ድማ ምስቲ ትምህርቱ ክቕጽልከም ዘኽእሎ ዝኣመነሉ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ምስራሕ ሓዊሱ እዩ።

"መንበሪን ዜግነትን... ወርሓዊ ወጻኢታት ኵሉ ቃል ተኣትዩሉ። ሃንደበት ናብ ዩክረይን ተላኢኹ። ንነብሱ ኣብ ውግእ ረኺቡዋ፡" ይብል ዩሱፍ።

ንመወዳእታ ግዜ ብ24 ጥሪ 2024 እዩ ቴሌፎን ደዊሉ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ዩሱፍ፡ ካብ ሩስያ ምስሊ ሬሳ መሓመድ ዝሓዘ መልእኽቲ ናብ ቴሌግራም ከም ዝተላእኸሉ ይዛረብ። እቶም ስድራቤት ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት ከም ዝተቐትለ ፈሊጦም።

'ገሊኦም ኣእምሮኦም ስሒቶም'

ኣዛርኒክ "ሓንቲ ካብቶም ኣገደስቲ መልመልቲ ሰራዊት ሩስያ" እያ ይብል ሓቢብ ዝተባህለ ካልእ ኣብ ሰራዊት ሩስያ ዘገልገለ ሶርያዊ።

ብቪድዮ ክንስእሎ ፍቓደኛ እኳ እንተነበረ፡ ንድሕነቱ ብምስጋእ ግን ሽሙ ክቕየር ሓቲቱ።

ሓቢብ፡ ንሱን ኣዛርኒክን "ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ብሓባር ናብ ሩስያ ዘእቱ ናይ ቪዛ ዕድመ፡" ብምቕራብ ብሓባር ከም ዝሰርሑ ይዛረብ።

ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብቲ መስርሕ ዝነበሮ እጃም ድማ ከነረጋግጽ ኣይከኣልናን። ኣብ 2024 ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወስደ ምስሊ ኣብ ጎድና ኰይኑ ይርአ።

ካብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ቮሮነዝ ሩስያ ዝመጽአት ኣዛርኒክ፡ ኣብ 2024 ቻነል ቴሌግራም ቅድሚ ምጅማራ፡ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝመጽኡ ተምሃሮ ናብ ሞስኮ ንኽመሃሩ ዝሕግዝ ናይ ፌስቡክ ጕጅለ ነይሩዋ።

ሓቢብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ፖሊና እቶም ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝሞቱ እናፈለጠት'ያ ትወስዶም፡" ይብል።

ሓቢብ፡ መብዛሕትኦም ናይ ወጻኢ ምልሙላት፡ መሳለጥያታት ናይ ምውሓስ ወይ ኣብ መፈተሺ ነቑጣታት ንምስራሕ ሓሲቦም ከም ዝመጽኡ ይዛረብ።

"እቶም ካብ ዓረብ ዝመጽኡ ብቕጽበት ይሞቱ። ገሊኦም ኣእምሮኦም ይስሕቱ - ሬሳታት ምርኣይ ከቢድ'ዩ፡" ይብል።

ሓቢብ፡ ምስ ዑመርን ካልኦት ሶርያውያንን ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝተራኸበ ይዛረብ።

"ዜግነት፡ ጽቡቕ ደሞዝን ውሑስናን ከም ዝረኽቡ ቃል ኣትያትሎምም ነይራ፡" ይብል ሓቢብ።

"ኣብዚ ውዕል ምስ ፈረምካ ግን ክትወጽእ እትኽእለሉ መገዲ የለን።"

"ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣጠቓቕማ ብረት ዝፈልጥ ኣይነበረን፣ ዋላ'ውን እንተተተኰሰሎም፡ ክትኵሱ ዘይክእሉ... እንተዘይተኲስካ ኽኣ ክትቅተል ኢኻ። ፖሊና ነቶም ሰባት ክሞቱ ምዃኖም እናፈለጠት እያ ትወስዶም ነይራ።"

"ንነፍሲ ወከፍ ዝመልመቶ ሰብ ካብ ሰራዊት 300 ዶላር ከም ዝረኸበት፡" ይዛረብ።

ቢቢሲ ነዚ ከረጋግጽ ኣይከኣለን፤ ካልኦት ተመልሚሎም ዝመጽኡ'ውን ነዚ ብምስላጥ ክፍሊት ከም ዝተቐበለት ከም ዝኣምኑ ግን ይገልጹ።

ሓቢብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ፖሊና ነቶም ሰብኡት ክሞቱ ምዃኖም ፈሊጣ እያ ትወስዶም" ኢሉ
መግለጺ ስእሊ, ሓቢብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ፖሊና ነቶም ሰብኡት ክሞቱ ምዃኖም ፈሊጣ እያ ትወስዶም" ኢሉ

'ናይ ናጻ ዝብሃል ነገር የለን'

ኣዛርኒክ ካብ መፋርቕ 2024 ጀሚሩ ዝጸሓፈቶም ጽሑፋት፡ እቶም ዝምልመሉ ሰባት "ኣብ ተጻብኦታት ክሳተፉ" ምዃኖም ይገልጹ፡ ሽም ኣብ ውግእ ዝሞቱ ወጻእተኛታት ተጋደልቲ ድማ ትጠቅስ።

"ኵልኹም ናብ ውግእ ከም እትኸዱ ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፡" ትብል ኣብ ሓደ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዝጠቅዓቶ ቪድዮ።

"ፓስፖርት ሩስያ ክትረኽቡ፡ ዝዀነ ነገር ከይገበርኩም ኣብ በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ክትነብሩ ዲኹም ደኣ ሓሲብኩምዎ ነይርኩም? ናይ ናጻ ዝብሃል ነገር የለን፡" ትብል።

ኣብ ካልእ ጉዳይ፡ ኣብ 2024፡ ቢቢሲ፡ ኣዛርኒክ ናብ ሓንቲ ወዳ ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ዘገልግል ዝነበረ ኣደ ዝለኣኸቶ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ሰሚዑ።

ኣዛርኒክ፡ እታ ሰበይቲ "ብዛዕባ ሰራዊት ሩስያ ዘስካሕክሕ ነገር ኣሕቲማ'ያ፡" ትብል።

እናተጻረፈት ህይወት ወዳ ኣብ ሓደጋ ምዃኑ ብምፍርራሕ፡ "ንዓኽን ንዅሎም ደቅኽን ክረኽበኩም እየ" ኢላ ተጠንቅቓ።

ቢቢሲ ንኣዛርኒክ ንምርካብ ብዙሕ ፈተነታት ገይሩ።

ኣብ መጀመርታ ናብ ሩስያ እንተ ተጓዒዝና ምሳና ቃለ መሕትት ክትገብር ምዃና እኳ እንተገለጸት፡ ቢቢሲ ግን ብምኽንያት ድሕነት ጋዜጠኛታቱ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ድሒራ፡ ብቴሌፎን ብዛዕባ ምልመላታት ካብ ውግእ ወጻኢ ስራሕ ክረኽቡ ተባሂሎም ቃል ከም ዝተኣተወሎም ሰባት ምስ ተሓተተት፡ ተሌፎና ዓጽያ።

ድሕሪኡ ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ድምጺ መልእኽቲታት፡ ስራሕና "ሞያዊ ኣይኰነን" ብምባል፡ ብጸለመ ክትከስስ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።

ብተወሳኺ "እቶም ክቡራት ዓረብ፡ ክስታቶም ኣብ መቐመጫኦም ክጥቅዑዎ ይኽእሉ እዮም፡" ኢላ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጕዳይ ርእይቶ ንምርካብ ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያን እኳ እንተ ተወከሰ መልሲ ኣይረኸበን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ መጋቢት 2022 ፕረዚደንት ፑቲን፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ደቂ ተባዕትዮ ክምልመሉ ደጊፉ ነይሩ'ዩ፤ እዚ ግን ብገንዘብ ዘይኰነስ ብስነ ሓሳብ ዝድረኹ ምዃኖም ብምግላጽ፡ "ብፍላይ ንገንዘብ ዘይኰኑ ብወለንታኦም ክመጽኡን ንሰባት ሓገዝ ክህቡን ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ፡" ኢሉ።

እዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ኣብ ቴሌግራም ቻነል ኣዛርኒክ ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ ሓቢብ ኣብ ጎና ደው ኢሉ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Telegram

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ኣብ ቴሌግራም ቻነል ኣዛርኒክ ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ ሓቢብ ኣብ ጎና ደው ኢሉ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ

'ናይ ገንዘብ ምትብባዕ'

ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ጋዜጠኛታትን ተመራመርትን ከም በዓል ኣዛርኒክ ዝኣመሰሉ ውልቀሰባት ኣካል መርበብ ዘይወግዓውያን መልመልቲ ምዃኖም ይዛረቡ።

ቢቢሲ፡ ካልኦት ክልተ ናይ ቴሌግራም ሕሳባት ብቋንቋ ዓረብ፡ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ንምጽንባር ተመሳሳሊ ዕድላት ዘቕርባ ረኺቡ።

እቲ ሓደ ናይ ዕድመ ሰነዳትን ዝርዝር ኣስማትን ዘርኢ ልጣፋት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናብ "ኤሊት ቦጦሎኒ" ንምጽንባር ዓቢ ናይ ምዝገባ ክፍሊት ዘወዓውዕ እዩ።

ኣብ መስከረም፡ ፖሊስ ኬንያ፡ ንኬንያውያን ብናይ ስራሕ ዕድል ብምምጽባዕ መንእሰያት ኬንያ ናብ ውግእ ዩክረይን ይልኣኹ ኣለው ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኲናት ተመራማሪት ዝዀነት ካተሪና ስቴፓነንኮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ገለ ሰበስልጣን ምምሕዳር ከተማን ዞባን ሩስያ፡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሩስያውያን ወይ ወጻእተኛታት ንዝመልመሉ ውልቀሰባት ከም ሰብ ሞያ ዓቕሚ ሰብን ነበርቲ እቲ ከባቢን ክሳብ 4000 ዶላር ዝበጽሕ ናይ ገንዘብ ምትብባዕ ክህቡ ጸኒሖም እዮም።

ንሳ፡ ክረምሊን ኣብ መጀመርታ ከም ቫግነር ዝበሉ ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ጕጅለን ስርዓት ቤት ማእሰርትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣካላት ዕሱባት ወተሃደራት ንምቑጻር ይጥቀም ከም ዝነበረን፡ ካብ 2024 ጀሚሩ ግን "ንደቂ ዓድን ንኣሽቱ ኩባንያታትን" እውን ክጥቀም ከም ዝጸንሐ ትዛረብ።

እዚ "እቶም ቀዳሞት ስሪት ምልመላ ድሕሪ ሕጂ ተመሳሳሊ ቍጽሪ ምልመላ ከም ዘየመንጩ የርእየኒ፡" ኢላ።

ሓቢብ፡ ዝኣተዎ ውዕል ንምፍራስ ንሓያሎ ኣዘዝቲ ብላዕ ድሕሪ ምሃቡ፡ ሕጂ ናብ ሶርያ ተመሊሱ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ዑመር ኣብ መወዳእታ ዜግነት ሩስያ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ናብ ሶርያ እውን ክምለስ ክኢሉ ኣሎ።

ካብቶም ምስኡ ዘገልገሉ ሶርያውያን ክልተ ሞይቶም ከም ዘለዉ ስድራ ቤቶም ይሕብሩ።

ኣዛርኒክ "ከም ቍጽሪ ወይ ገንዘብ እያ ትርእየና - ከም ሰባት ኣይትርእየናን እያ፡" ይብል።

"በቲ ዝገበረትና ይቕረ ኣይንብለላን ኢና።"