ኣፍጋኒስታን ክሳብ ኢራን፡ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ኣመሪካን ውጽኢቶምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ንፖሊሲ ምትእትታው ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ እታ ሃገር ብትሪ ይነቅፍ ነይሩ።
ነቲ ኣብ 2003 ኣብ ዒራቕ ዝተኻየደ ኣካታዒ ወራር ኣመሪካ ብግልጺ ጠቒሱ፡ "ኣብ መወዳእታ እቶም ሃነጽቲ ሃገር ዝበሃሉ፡ ልዕሊ እተን ዝሃነወጹን ሃገራት ኣጥፊኦም፡" ኢሉ።
ትራምፕ ወሲኹ፡ "እቶም ምትእትታው ዝገብሩ ድማ ኣብ ዘይርድእዎም ዝተሓላለኹ ሕብረተሰባት ኢዶም ኣእትዮም፡" ክብል ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ይገብር ነይሩ። ገለ ተንተንቲ፡ ብውሑዱ ኣብ ካልኣይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ምትእትታው ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ታሪኽ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመታት ርእዮም።
ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ግን ኣመሪካ ኣብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ትካላት ኒዩክለር መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ዋሽንግተን ናብቲ ዳሕረዋይ ግጭት ኢራንን እስራኤልን ክትኣቱ ተራእያ።
በቲ መንግስቲ እታ ሃገር ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ንኒዩክለራዊ ድሌታት ኢራን ከብቅዕ ክገብራ'ዩ ነይሩ ትጽቢተን።
ትራምፕ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ቅሩብ ጸኒሑ "ዕላማና ዓቕሚ ምህብታም ኒዩክሌር ኢራን ንምጥፋእን ነቲ ኣብ ዓለምና ዝፍለጥ መንግስታዊ ምወላ ግብረሽበራ ዘስዕቦ ኒዩክለራዊ ስግኣት ንምዕጋትን እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ምዕራባውያን ንሓደ ጸገም "ክፈትሑ" ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጣልቃ ምስ ኣተዉ ግን ኵሉ ከምቲ ዝተሓሰበ ከም ዘይከደ ታሪኽ የርእየና ኣሎ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ቍጠባን ፖለቲካዊ ሳይንስን ለንደን ፕሮፌሰር ፖለቲካን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ሊባኖሳዊ ኣመሪካዊ ደራሲ ፋዋዝ ገርገስ ከም ዝብሎ፡ ምትእትታው ኣመሪካ ካብ መወዳእታ 1940ታት ጀሚሩ ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ማእከላይ ምብራቕ ቀዋሚ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
"ኣብ ቀረባ እዋን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ካልእ ንጹር ኣብነት ናይቲ ፖሊሲ'ዩ፡" ክብል እቲ ደራሲ መጽሓፍ 'What Really Went Wrong: The West and the Failure of Democracy in the Middle East' ንቢቢሲ ገሊጹ።
ስለዚ፡ ካልኦት ምትእትታዋት ኣመሪካ እንታይ ይመለሉ? ሳዕቤናቶም'ከ?
ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኢራን
ኣብ 1953 ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዝተመርጸ ቀዳማይ ምኒስተር ኢራን መሓመድ ሞሳደቕ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ተመሪሑ፡ ብደገፍ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ሞሳደቕ፡ቅድሚ እቲ ዕልዋ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጥራይ እዩ ነቲ ሰፊሕ ዕቑር ነዳዲ ኢራን ሃገራዊ ንምግባር ዝኣተዎ መብጽዓ ሒዙ ናብ ስልጣን መጺኡ ነይሩ።
እዚ ግን ምስቲ ርኡይ ዝነበረ ኮምኒስታዊ ስግኣት ተደሚሩ፡ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቍጠባአን ኣዝዩ ኣብ ነዳዲ ኢራን ንዝተመርኰሰ ለንደንን ዋሽንግተንን ኣሻቒልወን።
ኣብ መጀመርታ ንሻህ መሓመድ ረዛ ፓህላቪ (ናይ መወዳእታ ሻህ ሃጸያዊ መንግስቲ ኢራን ኰይኑ፡ ብ11 ለካቲት 1979 ብሰውራ ኢራን ካብ ስልጣነ ክሳብ ዝእለ ካብ 1941 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ)፡ ናብ ስርሑ ንምምላስ ብዝብል ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ ናዕቢ ኰይኑ ዝቐረበ ብኣገልግሎት ስለያ እንግሊዝን ኣመሪካን ዝተደገፈ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2000፡ ናይ ሽዑ ጸሓፊት ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማድሊን ኦልብራይት፡ ሃገራ ኣብቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተጻወተቶ ተራ ብግልጺ ተዛሪባ ነይራ።
ኣብ 2009 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ ኣብ ካይሮ መደረ ኣስሚዑ፤ ብዛዕባ ግደ ዋሽንግተን'ውን ተኣሚኑ።
ደሓር ከኣ ኣብ 2013፡ ድሕሪ 60 ዓመት ዕልዋ መንግስቲ፡ ሲኣይኤ - ትካል ስለያ ኣመሪካ - ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ዕልዋ መንግስቲ ንዝነበሮ ተራ ኣፍልጦ ዝሃበሉ ሰነዳት ወግዓዊ ገይሩ።
"እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ብመምርሒ ሲኣይኤ ከም ተግባር ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ እዩ ተፈጺሙ፡" ይብል ካብቲ ብማህደር ሃገራዊ ድሕነት ዝተዘርግሐ ሰነዳት ዝተወስደ ዓንቀጻት።
ፕሮፌሰር ገርገስ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ግጭት ሱሩ ካብቲ ሕቡእ ምትእትታው ዝብገስ ምዃኑ ይገልጽ።
"ኢራናውያን ንኣመሪካ ንሓደ ሕጋዊ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ቀዳማይ ምኒስተር ኣውዲቓ ንሓደ ኣረሜናዊ ውልቀ መላኺ ሻህ ኢራን ፍጹም ገዛኢ እታ ሃገር ገይራ ብምትካላ ይቕረ ኢሎምዋ ኣይፈልጡን፡" ክብል ኣብሪሁ።
"ሎሚ ኣብ ኢራን ዝርአ ዘሎ ስምዒት ጸረ-ኣመሪካ፡ ኣመሪካ ጕዕዞ ፖለቲካ ኢራን ክቕየር ገይራ ዝብል ብመራሕቲ ፖለቲካ ዝቐርብ ነቐፌታ ዘንቀሎ'ዩ።"
ፕሮፌሰር ገርገስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታት ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ጋማል ዓብደልናስር'ውን ጽልዋ ክትገብርን መስርሕ ሃገራዊ ፕሮጀክቱ ክትቅይርን ፈቲና'ኳ እንተነበረት ብዙሕ ከም ዘይተዓወተት የጕልሕ።
ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝርከቡ እስላማውያን እትገብሮ ደገፍ
ኣብ 1979 ሰራዊት ሕብረት ሶቭየት ነበር ነቲ ሓደ ዓመት ቅድሚኡ [1978] ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዘይተወደበ ዴሳዊ (ኮምኒስታዊ) መንግስቲ ንምድጋፍ ንኣፍጋኒስታን ወረረ።
ሶቭየት ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ብሙጃሂዲን ዝፍለጥ እስላማዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ገጠማ።
እዚ ንዴሳዊ መንግስቲ ብዝቃወሙ እስላማውያን ጅሃዳውያን ኣኽረርቲ ዝቘመ ጕጅለ፡ ደገፍ ኣመሪካ፡ ፓኪስታን፡ ቻይና፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ነይርዎ።
ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ኣመሪካ ሓንቲ ካብተን ንኣፍጋኒስታን ዝበዝሐ ኣጽዋርን ገንዘብን ዘቕረባ ሃገራት እያ ነይራ።
በዚ ድማ ኣብኡ ንዝነበረ ዕላማታት ሶቭየት ክትዕንቅፍ ትደሊ ነይራ።
ብመሰረት ሚስጢራዊ ሰነዳት ኣመሪካ፡ መርመራ ጋዜጠኛታትን ምስክርነታትን፡ ኣመሪካ ንሕብረት ሶቭየት ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ምስቲ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኲናት ቬትናም ንዘጋጠሞ ብድሆታት ኣብ ዝመሳሰል ረግረግ ከተእትዋ ድልየት ነይሩዋ።
እቲ ልኡኽ ወተሃደራዊ ስርሒት 'ሳይክሎን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ሚድያታት "ኣብ ታሪኽ ሲኣይኤ ዝዓበየ ሕቡእ ስርሒት" ተባሂሉ ይግለጽ።
ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሮናልድ ሬጋን ኣብ ኦቫል ኦፊስ ንልኡኽ መራሕቲ ጅሃዳውያን ከይተረፈ ተቐቢሉ'ዩ።
ኣብ 1988 ድሕሪ ስምምዓት ጀነቫን ድሕሪ ናይ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ጐበጣን፡ መራሒ ሶቭየት ሚካኤል ጎርባቾቭ ሓይልታቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጻእ ጀመረ።
እቶም ናይ መወዳእታ ሰራዊት ኣብ መጀመርታ 1989 ካብታ ሃገር ወጺኦም።
እታ ሃገር ግን ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ውድባትን ብዘይ ደገፍ ሕብረት ሶቭየት ዝወደቐ መንግስትን ኣብ ውግእ ሓድሕድ ተሸሚማ።
ካብዚ ድማ ንጽኑዕ ትርጕም ሕጊ ሸሪዓ ዝድግፉ ጣሊባን ተቐልቂሎም።
ብዙሓት መራሕቱ ኣብ ምንቅስቓስ ሙጃሂዲን ኣንጻር መግዛእቲ ሶቭየት ተዋጊኦምን ኣጽዋር ኣመሪካን ካልእን ተቐቢሎም ነይሮም።
ብተመሳሳሊ ኲናት ሶቭየትን ኣፍጋኒስታንን ምስ ተዛዘመ፡ ጕጅለ ገዳይም ተጋደልቲ ኲናት ኣፍጋኒስታን፡ ንእስላማዊ ቃልሲ ክንዮ ኣፍጋኒስታን ንምስፋሕ፡ ኣልቓዒዳ ፈጢሮም።
ጣሊባን ነዚ ትካልን መራሒኡ ኦሳማ ቢንላደንን ንስርሒታቶምን ነቲ ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምውጣንን ውሑስ መዕቈቢ ሂብዎም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ኣብ ክፍሊ ፖለቲካዊ ሳይንስ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ማእከላይ ምብራቕ ወሊድ ሓዝቡን፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ መብዛሕትኡ ምትእትታው ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ "ሚዛናዊ ጻዕርታት" ተባሂሉ ክግለጽ ከም ዝኽእል ይምጕት።
"ንረብሓ ኣመሪካን መሻርኽታን ዝቃወም ዝዀነ ይዅን ፖለቲካዊ ሓይሊ ንምምካት ይጽዕሩ ነይሮም፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፕሮፌሰር ሓዝቡን፡ እቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ምትእትታው ኣብ ኲናት ወሽመጥ (1990-1991) ከም ኣብነት ከም ዘገልግል ይዛረብ።
"ንወራር ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ኩዌት ንምምካት ዝተገብረ ፈተነ እዩ ነይሩ። ልኡላውነት ኩዌት ተመሊሱ፡ ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ድማ ኣብ መንጐ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታትን መራሕትን ኣመሪካን ናይቲ ዞባን ሓባራዊ ድሌታት ጸጥታ ዝምልስሉ መገዲ ንምድላይ ዘተ ተኻይዱ።"
ይዅን እምበር፡ ፕሮፌሰር ሓዝቡን፡ ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክሊንተን ካልእ ኣገባብ ከም ዝጀመረ ይኣምን።
"እቲ ዕላማ ንረብሓታት ኣመሪካን ንራእይ ዞባዊ ስርዓትን ዘገልግል ናይ ጸጥታ ስነ ህንጻ ምውዳብ እዩ ነይሩ። እዚ ብሓደ ወገን ኣብ መስርሕ ሰላምን ንቡር ዝምድና ዓረብን እስራኤልን ምትኳርን ኵለን ሃገራት ዓረብ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ክስለፋ፡ እንተዀነ ብወተሃደራዊ መገድን እገዳን ንኢራንን ዒራቕን እውን ምሓዝን ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ፡" ክብል ኣብሪሁ።
ኣብ ገለ እዋናት፡ ምትእትታው ኣመሪካ ምስቲ ብመራሕቲ ኣመሪካ "ቅድመ ኵነት ዘይብሉን ዘይንቕነቕን" ተባሂሉ ዝተገልጸ ደገፍ እስራኤል ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ይኸይድ ነይሩ።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ እስራኤል ኣብ ዓመት ብቢልዮናት ዝቝጸር ሓገዝ ኣመሪካ ብምቕባል፡ እታ ዝዓበየት ሓፈሻዊ ተቐባሊት ናይ ወጻኢ ሓገዝ ኣመሪካ ኰይና ኣላ።
ኣፍጋኒስታን ጣሊባን ናብ ምስጓግ ትኣቱ
ኣብ ጥቅምቲ 2001 ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ወራር ፈጺማ። እዚ ድማ ጣሊባን ንምስጓግ፣ ንዲሞክራሲ ንምድጋፍን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ኣልቃዒዳ ዝመጽእ ስግኣት ንምውጋድን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።
ኣብዚ ወራር፡ ዋሽንግተን ብቕልጡፍ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ክትቈጻጸር ክኢላ።
ወተሃደራት ኔቶ ካብ 2003 ጀሚሩ ኣብ ልኡኽ ውግእን ንሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ምስልጣንን እውን ኣብታ ሃገር ኣትዮም ነይሮም።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ሓድሽ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ሒዙ። ደማዊ መጥቃዕቲ ጣሊባን ግን ቀጺሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2009፡ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፡ ንጣሊባን ንድሕሪት ንምድፋእ ዝሕግዝ ስርሒት ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ንነዊሕ እዋን ኣይጸንሐን።
ኣብ 2014፡ ድሕሪ 2001 እቲ ዝኸፍአ ደማዊ ዓመት ኲናት ኰይኑ።
ሓይልታት ኔቶ ሓላፍነት ጸጥታ ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ኣረኪቦም ተልእኾኦም ኣቋሪጾም ወጺኦም።በዚ ምኽንያት ጣሊባን ዝያዳ ምቍጽጻሩ ከስፍሕ ክኢሉ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ እቲ ጕጅለ ሓይሊ እናወሰኸ ብምኻዱ ተኸታታሊ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕትታት ፈጺሙ። ኣብ ካቡል ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባይቶን ካልእ ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ እታ ሃገርን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ሓላፍነት ወሲዱ።
ኣብ መወዳእታ፡ ምምሕዳር ባይደን፡ ድሕሪ'ቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወራር 20 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ሚያዝያ 2021፡ ሰራዊቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ክስሕብ ወሲኑ።
እዚ፡ ካቡል ብቕልጡፍ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ክትወድቕ ዝገበረን ምስቲ ኣብ 1975 ኣብ ደቡብ ቬትናም ዘጋጠመ ፍጻመታት ዝመሳሰልን ኣካታዒ ውሳነ እዩ ተባሂሉ።
ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ኤሊስ ስቴፋኒክ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "እዚኣ ናይ [ፕረዚደንት ኣመሪካ] ጆ ባይደን ሳይጎን'ያ [ርእሰ ከተማ ቬትናም]። ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ፈጺሙ ዘይርሳዕ ኣዕናዊ ውድቀት፡" ኢሉ።
በዚ ድማ ጣሊባን ወተሃደራዊ ናውቲ - መብዛሕትኡ ብኣመሪካ ዝምወል - ከም ዝወረሰ ሓደ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓል ስልጣን ኣፍጋኒስታን ነበር ገሊጹ።
ኣብ 2023 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ጣሊባን ኣዘዝቲ ውሽጢ ዓዲ 20 ሚእታዊት ካብቲ ዝተታሕዘ ኣጽዋር ኣመሪካ ክዕቅቡ ከም ዝፈቐደን፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝዓምበበን ይሕብር።
ወራር ዒራቕ
ኣብ ነሓሰ 1990 ብናይ ሽዑ ፕረዚደንት ሳዳም ሑሴን ዝእዘዝ ሰራዊት ዒራቕ ዶብ ሰጊሩ ናብ ኩዌት ብምእታው ነቲ ወራር ዝተቓወሙ ኣማኢት ሰባት ቀቲሉ ንመንግስቲ ኩዌት ናብ ስዑዲ ዓረብ ክስደድ ኣገዲዱ።
ንብዙሓት እዚ ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ምብራቕ ነዊሕን ዕግርግር ዝመልኦን እዋን ክጅመር ምኽንያት ኰይኑ ይስምዖም።
ድሕሪ ብዙሕ መጠንቀቕታን ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን፡ ብኣመሪካ ዝምራሕን ብቐንዱ ብዓባይ ብሪጣንያን ስዑዲ ዓረብን ዝድገፍን ልፍንቲ - ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝዓበየ - ንሓይልታት ዒራቕ ካብ ኩዌት ንምስጓግ ብ17 ጥሪ 1991 ልኡኽ ጀሚሩ።
ብድሕሪኡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ 687 ኣጽዲቑ፤ እዚ ዒራቕ ንዅሉ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋራታ ከተጥፍእ ዝጠልብ ኰይኑ፡ እዚ ቃል እዚ ንኒዩክለሳዊ፡ ባዮሎጂያውን ኬሚካላውን [ስነሂወታውን ስነቀመማውን] ኣጽዋር፡ ከምኡ'ውን ንነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ባሊስቲክ ሚሳይላት ንምግላጽ ዝተጠቐመሉ ቃል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1998 ዒራቕ ምስ ተቘጻጸርቲ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ዝነበራ ምትሕብባር ደው ኣቢላቶ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 2001 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ንግዲ ዓለምን ኣብ ኣርሊንግተን ኣብ ዝርከብ ፔንታጎንን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ንዒራቕ ክወርር መደብ ክገብር ጀሚሩ።
ቡሽ ንሑሴን ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ምዕቃብን ምፍራይን ይቕጽል ኣሎ ክብል ከሲሱ፤ ዒራቕ ምስ ኢራንን ሰሜን ኮርያን ደሚርካ ኣካል ዓለምለኻዊ "ኪዳን ክፍኣት" እያ ኢሉ።
ናይ ሽዑ ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮሊን ፓወል፡ ኣብ 2003 ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዒራቕ ባዮሎጂያዊ ኣጽዋር ንምፍራይ "ተንቀሳቐስቲ ላቦራቶሪታት" ከም ዝገበረት ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ 2004 ግን እቲ መርትዖ፡ "ክንድኡ ዝኣክል ጽኑዕ ኣይመስለንን" ክብል ተኣሚኑ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ፖላንድን ምስ ኣመሪካ ተጸንቢረን ኣብቲ ወራር'ኳ እንተተሳተፋ፡ ብዙሓት ሃገራት - ጀርመን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳን ሜክሲኮን ሓዊሱ - ተቓዊመንኦ።
ናይ ሽዑ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዶሚኒክ ደ ቪለፒን፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው "እቲ ዝኸፍአ ፍታሕ" ክኸውን'ዩ ክብል እንከሎ፡ ቱርኪ - ኣባል ኔቶን ጎረቤት ዒራቕን - ኣመሪካን መሻርኽታን መዓስከራት ኣየር ክጥቀሙ ምፍቃድ ኣብያ።
ፕሮፌሰር ሓዝቡን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካ ለውጢ ስርዓት ትደሊ ከም ዘላን በዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ናይ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ጸጥታ ኵነታት ጸቕጢ ትገብር ከም ዘላን ገሊጹ።
ከምኡ'ውን ብመሰረት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን፡ እቲ ወራር ንዒራቕን ህዝባን ኣዝዩ ዝኸፍአ ብምንባሩ፡ ነታ ሃገር ኣብ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ህውከት ኣጥሒልዋ እዩ።
ኣብ 2023 መበል 20 ዓመት ዝኽሪ እቲ ወራር ንምዝካር ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ "ኣተሓሳስባ ኦሳማ ቢንላደንን ጅሃዳውያን ኣኽረርቲን ካብ ምጥፋእ ርሒቑ፡ ኣብ 2003 ዝተፈንጀረ ናይ ዓመታት ህውከትን ጭካነን፡ ንጅሃዳዊ ዓመጽ ኣሐይልዎ'ዩ፡" ኢሉ።
ካልእ ሳዕቤን ናይቲ ወራር ድማ ኣልቓዒዳ ዳግማይ ተሓዲሱ ንነብሱ እስላማዊ መንግስቲ ዝብል ስያመ ምሃቡ'ዩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ 2003 ዝተፈጸመ ወራር ክንደይ ዒራቓውያን ከም ዝሞቱ ብልክዕ ኣይተፈልጠን።
ብመሰረት ኣሃዛት ፕሮጀክት ቍጽሪ ኣካላት ዒራቕ (IBC)፡ ድሕሪ እቲ ወራር ሞት ሲቪላት ንምምዝጋብ ዝዓለመ ተበግሶ፡ ካብ 2003 ክሳብ 2022፡ 20 ሽሕን 982 ሲቪላት ዒራቕ ተቐቲሎም።
ፕሮፌሰር ሓዝቡን፡ ሕጂ ዘድሊ ዘሎ፡ ኣመሪካ ንጸጥታ ንምድንፋዕ ዝካየድ ዞባዊ ጻዕርታት ክትድግፍ ምዃና ገሊጹ።
"ዓለማዊ ረብሓታት ኣመሪካ በቲ ዕዙዝ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካን መሻርኽታን ኣቢሉ . . . ናይ ስርዓት ጸቕጢ ካብ ምግባር ንላዕሊ ናብ ሓባራዊ ርድኢት . . . ጸጥታ ዝሰርሕ ዝሓሸ ኣገባብ ክሳኻዕ ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







