ታሪኽ እቲ ንዓለም ዘሰንበደ ስእሊ ጥምየት ቓዛ

ኣደ ሞሓመድ ሄዳያ ኣል ሙታ ወዳ ሓቚፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣደ መሓመድ ሄዳያ ኣል ሙታ ወዳ ሓቚፋ

ኣብ ሕቝፊ ኣደኡ ኰይኑ እንክርአ፡ ኣዕጽምቱ ይቝጸሩ። እዚ ኣብ ሕቝፊ ኣደኡ ሽጕጥ ኢሉ ዝርአ ህጻን፡ ጥምየት ምሒር ዝጐድኦ እዩ።

ወዲ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን መሓመድ ዘካሪያ ኣዩብ ኣል ማቶቕ ይብሃል። ኣብ ቓዛ ዝርከቡ መሓዙቱ፡ ኣመና ጥምየት የሳቕዮም ኣሎ።

እዚ ህጻን ኣብ ሕቝፊ ኣደኡ እንከሎ ዝስኣሎ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ኣሪኒ፡ ብ21 ሓምለ 2025፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሓደ መዕቈቢ ተመዛበልቲ'ዩ ረኺቡዎ።

ኣብ ቓዛ መሰረታዊ ነገራት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ ኰይኑ ዘሎ።

መግቢ፡ መድሃኒት፡ ነዳዲ ዝኣመሰሉ፡ ብሰንኪ እገዳ ረድኤት እስራኤል ናብ ነበርቲ ቓዛ ክበጽሑ ኣይክኣሉን ዘለው።

ኣደ መሓመድ ሄዳያ ኣል ሙታ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ኰይና እትሓልፎ ዘላ ዘሰክፍ ህይወት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ሕጂ ሽዱሽተ ኪሎ እዩ ዝምዘን፡ ቅድሚኡ ግን ትሽዓተ ኪሎ ይምዘን ነይሩ። ቀደም ጽቡቕ ይበልዕ ነይሩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ኣዝዩ ሓሚሙ ኣሎ፡" ኢላ።

ሄዳያ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ፡ መሓመድ "ከም ካልእ ቈልዓ ኮፍ ክብል ወይ ደው ክብል ከም ዘይክእል" ከምኡ'ውን ዝተጠምዘዘ ሕቘ ሲንድሮም -curved back syndrome - ዝበሃል ናይ ዓንዲ ሕቘ ሕማም ከም ዘለዎ ትዛረብ። ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣዕጽምቱ ዶርሳል ፕሮቱበራንስ (dorsal protuberance) ብዝብሃል ሕማም ተጠቒዑ ኣሎ።

"ዓቕሚ የብለይን፤ በዓል ቤተይ ኣብ ኲናት እዩ ተቐቲሉ፤ ብዘይካ ፈጣሪ ካልእ የብለይን። በይነይ ስለ ዝዀንኩ ክምግቦ ኣይክእልን እየ፤ ኣበርቲዐ እሰርሕ እየ፣ እንተዀነ ጸባ'ኳ ክገዝኣሉ ኣይክእልን እየ፤ ደኺሙኒ፡" ትብል።

ጋዜጠኛ ኣሕመድ ኣል ኣሪኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስሊ ሄዳያን ወዳን ኣብ ቓዛ ዘሎ ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየት ንምጕላሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።

"ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ክስእል ከለኹ፡ ደው ኢለ ክረጋጋእ፡ ትንፋሰይ ሕዝ ኣቢለ ክቕጽል ነይሩኒ፡" ክብል እቲ ዝርኣዮ መከራ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸለዎ ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሽዱሽተ ሽሕ ናይ ረድኤት መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ይጽበያ ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጥሜት "ክንድ'ዚ ዝኸፍአ ኰይኑ ኣይፈልጥን፡" ክብል'ዉን ኣጠንቂቑ።

እስራኤል እኹል ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ከም ዝፈቐደት እኳ እንተገለጸት፣ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብ እዋኑ ክዕድል ከም ዘይከኣለ ይኸስስ። ሓማስ ድማ፡ ነቲ ሕጽረት መግቢ ተሓታቲ'ዩ ክትብል ትኸስስ።

መንግስቲ በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ናይ ወጻኢ ሓገዝ ናብ ቓዛ ብነፋሪት ክወርድ ከም ዝፈቅድ ገሊጹ ኣሎ።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ሰራሕተኛታቱ "ኣዝዩ ክፉእ ሕጽረት መግቢ" ይርእዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ወዲ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን መሓመድ ዘካሪያ ኣዩብ ኣል ማቶቕ ይብሃል። ኣብ ቓዛ ዝርከቡ መሓዙቱ፡ ኣመና ጥምየት የሳቕዮም ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌስታል ከም ዳይፐር

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ስእሊ ህጻን መሓመድ ምስ ኣደኡ ኣብ መዕቆቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እየ ወሲደዮ። ካብቲ ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከብ መንበሪ ገዛኦም'ዮም ተመዛቢሎም፡" ይብል ኣሕመድ።

"ብዘይካ ንእሽቶ ምድጃ ምሉእ ብምሉእ ባዶ ኣብ ዝነበረ ዳስ ይነብሩ ነይሮም። እቲ ቦታ መቓብር'ዩ ዝመስል ነይሩ። ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከቡ ህጻናትን ዕሸላትን ብኸመይ ብኽቱር ጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ንዓለም ከርእዮ ስለ ዝደለኹ እየ ነታ ስእሊ ወሲደያ።"

ጋዜጠኛ መሓመድ እቲ ህጻን "ጸባ፡ ናይ ሕሩጽ ጸባ ወይ ቪታሚናት ወሲዱ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

"ነታ ስእሊ ብደቂቕ እንተርኢኻያ ኣብ ክንዲ ዳያፐር ፕላስቲክ ገይሩ ይርአ። ብሰንኪ ሕጽረት ሰብኣዊ ሓገዝን መድሃኒትን፡ ዋጋታት ኣቑሑት ኣዝዩ ወሲኹ'ዩ፡ ስለዚ ኣብ ቓዛ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ የለን።"

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ 122 ፍልስጤማውያን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱን፡ ካብኣቶም ብውሕዱ 83 ህጻናት ከም ዝሞቱን ኣፍሊጡ።

ኣሕመድ፡ ከም ካልኦት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንዅነታት ቓዛ ዝሸፈኑ ፎቶጋዜጠኛታት፡ ነቲ ሕሰም ብስእሊ ምቕራጽ ዘጸግም ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ "ህጻናት ብኽቱር ጥሜት ክሳቐዩን ክሳብ ክንደይ ረዳኢ ዘይብሎም ምዃኖምን ምርኣይ ብሓቂ ረቢሹኒ'ዩ፤ ኣነ'ውን ሰብ እየ።"

ስለዚ ድማ እዩ ኣሕመድ፡ መሓመድን ሄዳያን ምስ ረኸቦም ክስእሎም ነዊሕ ግዜ ወሲዱለይ ዝበለ።

እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ከምዚ ኵነታት ዝረኸቦ ቈልዓ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን።

"ከምዚ ብዙሓት ብጥሜት ዝሳቐዩ ህጻናት ርእየ እየ። ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 25 ኪሎ ዝነከየ ወዲ 17 ዓመት ስእሊዮ ነይረ። ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከቡ ሰባት መግቢ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም፤ ጥሜት ጥራይ ዘይኰነስ ዓቢ ሕጽረት መግቢ ኣሎ። ሰባት ድማ ንእሽቶ ሓገዝ ንምርካብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኣለዉ።"

መሓመድ ዘካሪያ ኣዩብ ምስ ኣደኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰኣላይ ኣሕመድ ንባዕሉ ብጥሜት ይሳቐ እዩ ዘሎ።

ንሱ ኣብቲ ብሓሙስ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚረ ኣይበላዕኩን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝየ ጠሚየ ኣለኹ፤ መግቢ ምርካብ ኣይከኣልን'ዩ፡" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ደቂ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ይበኽዩ ኣለዉ። ወለዶም ቁራስ ባኒ ክህቡዎም ይሓቱ ኣለዉ። ዘድልዮም ቁራስ ባኒ ጥራይ እዩ። ግን ንዅሉ ዝኣክል መግቢ የለን፡" ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ሓሓሊፉ ስርሑ ብኣግባቡ ንኽሰርሕ ከም ዘጸግሞ ኣይሓብአን።

"ክስእል ይወጽእ፤ ግን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ይጭነቕ፤ ይጠምየኒ እዩ፤ ደኺመ፤ ሚዛነይ ንኽሕሉ እየ ዝቃለስ። ጽርውርው ይብለኒ፤ ማይ ይጸምኣኒ። ስለዚ ኵላትና ኢና ንሳቐ ዘለና። ብዙሓት መሳርሕተይ ብሰንኪ ጽንኩር ጥሜትን ጽምእን ክወድቁ ርእየ እየ።"

ኣሕመድ፡ ቅድሚ ሕጂ ንስራሕ ዝኽፈል ክፍሊት ንምቕባል ሓደ መተግበሪ ይጥቀም ከም ዝነበረን፡ ሕጂ ግን እቲ ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝዀነ፡ ገንዘብ ዝህቡዎ ሰባት 40 ሚእታዊት ከም ዝወስድሉ ይዛረብ።

ዝዀነ ነገር ቅድሚ ምግዝአይ ወይ ደሞዘይ ኣብ ኢደይ ቅድሚ ምእታው ፍርቁ ጠፊኡ ኣሎ ማለት'ዩ ኢሉ።

"እታ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ዘሎ ንእሽቶ ሓገዝ እኹል ኣይኰነን፤ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሕጽረት ማይ ኣሎ። ብርግጽ ሕጂ ውሑድ ሓርጭ ይኣቱ ኣሎ። ዋጋ ናይዚ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ'ውን ወሲኹ'ዩ። ስለዚ ሕጂ ሓደ ኪሎ ሓርጭ ብ16 ዶላር ኣመሪካ ይሽየጥ ኣሎ" ይብል።

"ቅድሚ ኲናት፡ ቓዛ ጽብቕቲ እያ ነይራ፤ ጽሩይን ጽቡቕን ጐደናታት ነይርዋ። ሕጂ ኵሉ ዑናታት'ዩ። እቲ እንኮ ኣማራጺታት መጓዓዝያ ናይ ኣእዱግ ዓረብያታት'ዮም። ቅድሚ ማእከላይ ዘመን ናብ ዝነበረ ተመሊስና ኣለና። ሰባት ኣብዚ ኲናት ረዳኢ ዘይብሎምን ድኹማትን ኰይኑ ይስምዖም፤ ብጥሜትን ጽምእን ድማ ዝያዳ ይሳቐዩ ኣለው።"