ሲሶ ካብ ህዝቢ ቓዛ ንመዓልታት ከም ዘይተመገበ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንመዓልታት ከይተመገበ ይነብር ከም ዘሎ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሕጽረት መግቢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም 90,000 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣለዉ;" ኢሉ።
መጠንቀቕታታት ጥምየት ኣብ ቓዛ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብብዝሒ ይቐርብ ኣሎ።
ትማሊ ዓርቢ ተወሰኽቲ ትሽዓተ ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ምምሕዳር ፍልስጤም ሓቢሩ - እዚ ድማ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ጠቕላላ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት 122 በጺሑ።
ናብ ቃዛ ዘእትዉ ኵሎም መስመራት እትቈጻጸር እስራኤል፡ ሓገዝ ናብቲ ከባቢ ንምእታው ገደብ ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ ንዝዀነ ሕጽረት መግቢ ንሓማስ ትወቅስ።
ትማሊ ዓርቢ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ልዕሊ ሲሶ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክህብ ዝጽውዕ ደብዳበ ድሕሪ ምፍራሞም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ቓዛ ብኣየር ዝካየድ ናይ መግቢ ረድኤት ክትገብር ምዃና ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ጸጥታ እስራኤል፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ናብ ቓዛ ክግበር ዝድለ ረድኤት ብኣየር ክፍቀድ ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
እንተዀነ፡ ትካላት ረድኤት ኣቐዲሞም ብኣየር ዝካየድ ረድኤት ውጽኢታዊ መንገዲ ከም ዘይኰነ ገሊጾም እዮም።
ሰር ስታርመር ኣብ ዘ ሚርር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "እስራኤል ሃገራት ናብ ቓዛ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ ረድኤት ክድርብያ ከም እትፈቅድ ዝገልጽ ዜና ኣዝዩ ደንጒዩ እዩ መጺኡ፣ እንተዀነ በዚ መስመር ሓገዝ ንምእታው ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢና፡" ክብል ጽሒፉ።
ሰር ኬር ብተወሳኺ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ወሳኒ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ህጻናት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምውጻእ፡ "ብህጹጽ ጻዕርታት ተቀላጥፎ፡" ከም ዘላ ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዮርዳኖስን ነዚ ዳሕረዋይ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ ቀረብ ረድኤት ከም ዘካይዳ ክሕብራ እንከለዋ፡ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዮርዳኖስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊታ ገና ካብ እስራኤል ፍቓድ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብመንግስቲ እስራኤል ዝተወሰደ ስጕምቲ፡ "ቀምሽ ኣደይ ኣሐንኲሉኒ'ዩ፡" ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ስጕምቲ ዝወሰድ ዘሎ፡ ኣህጉራዊ ስክፍታ ሰብኣዊ ኵነታት ቓዛ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ብዓርቢ ጀርመን፡ ፈረንሳይን ዓባይ ብሪጣንያን፡ እስራኤል "ኣብ ልዕሊ ዋሕዚ ሓገዛት ዘሎ እገዳታት ብቕልጡፍ ከተልዕል፡" ጸዊዐን።
እተን ሃገራት ኣብ ዝሃብኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ኣብ ቓዛ ንርእዮ ዘለና ሰብኣዊ ዕንወት" ከምኡ'ውን እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዖም።
ኣስዒበን እስራኤል፡ "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘለዋ ግዴታታት ክትሕሉ ኣለዋ፡" ኢሎም። "ንሰለማዊ ህዝቢ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምዕጋት ቅቡል ኣይኰነን፡" ዝብል መርገጺ ወሲደን ኣለዋ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ "ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ንርእዮ ዘለና ደረጃ ዘይምግዳስን ዘይምግባርን - ስእነት ርህራሀ፡ ስእነት ሓቂ፡ ስእነት ሰብኣውነት፡" መግለጺ የብሉን ኢሉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ 27 ግንቦት ጀሚሩ - ብኣመሪካን እስራኤልን ዝድገፍ ሰብኣዊ ትካል ቓዛ (GHF) ረድኤት ይዕድል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ልዕሊ 1,000 ፍልስጤማውያን መግቢ ክረኽቡ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ቓዛ ብተደጋጋሚ ዝተመዛበለ ኰይኑ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣባይቲ ከም ዝዓነወ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







