ፈረንሳ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም እትህብ ማክሮን ገሊጹ

ፕረዚደንታት ዓባስን ማክሮንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፈረንሳ ኣብ መስከረም ንሃገረ-መንግስቲ ፍልስጤም ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና፡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ። በዚ ድማ ኣባላት G7 ካብ ዝዀና ሃገራት ኣፍልጦ ዝሃበት ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውን እያ።

ማክሮን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝግበር ገሊጹ።

"ኣብዚ ግዜ'ዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኲናት ቓዛ ከኸትም ምግባርን ህይወት ሰለማውያን ሰባት ምድሓንን እዩ። ሰላም ምስፋን ይከኣል እዩ። ተዅሲ ብቕልጡፍ ደው ክብል፡ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ፡ ከምኡ'ውን ዓቢይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ቓዛ የድልየና ኣሎ፡" ክብል ጽሒፉ።

ሰበስልጣን ፍልስጤም ንውሳነ ማክሮን ብሓጐስ ክቕበሉዎ እንከለዉ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ "ንግብረሽበራ ዝሽልም" ስጕምቲ ኢሉ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣመሪካ ንኣዋጅ ማክሮን "ብትሪ ትነጽጎ" ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ውሳነ "ሓላፍነት ኣልቦ፡" ክብል ገሊጽዎ።

ጕጅለ-7 (G7) ዓበይቲ ኢንዱስትርያውያን ሃገራት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ፈረንሳ፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኢጣልያ፡ ጀርመን፡ ካናዳን ጃፓንን ዘጠቓልል እዩ።

ማክሮን ብሓሙስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምፍጣር ብዘለዋ ታሪኻዊ ተወፋይነት፡ ፈረንሳ ንሃገረ-መንግስትነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህብ ወሲነ ኣለኹ፡" ክብል ጽሒፉ።

"ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ ውሕስነት ክንህብ፡ ሰላም ከነውሕስን ንቓዛ ዳግማይ ክንሃንጻን ኣለና።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ መወዳእታ ሃገረ ፍልስጤም ክንምስርት ኣለና። ግብራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ከነረጋግጽ ይግባእ። ኣጽዋር ክትፈትሕ እንተ ተሰማሚዓን ንእስራኤል ምሉእ ኣፍልጦ እንተ ሂባን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኵሉ ሰብ ውሕስነት ንኽረክብ ክሕግዝ እዩ። ካልእ ኣማራጺ የሎን።"

ማክሮን ብተወሳኺ፡ ንውሳነኡ ዘረጋግጽ ደብዳበ ንፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣተሓሒዙ ልኢኹ።

ምክትል ዓባስ ዝዀነ ሑሴን ኣል ሸኽ ንኣዋጅ ማክሮን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እዚ መርገጺ'ዚ፡ ፈረንሳ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዘለዋ ተወፋይነት፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ፍልስጤምን ምቛም ናጻ ሃገርናን ንእትገብሮ ደገፍ ዘንጸባርቕ'ዩ፡" ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ናታንያሁ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ፕረዚደንት ማክሮን፡ ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኣብ ጐድኒ ተልኣቪቭ ንእትርከብ ፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ ዝወሰዶ ውሳነ ብትሪ ንዅንኖ፡" ክብል ጽሒፉ።

"ኣብ ከምዚ ኵነታት እትርከብ ሃገረ ፍልስጤም፡ ንእስራኤል ንምጥፋእ እምበር ኣብ ጐድና ኰይና ብሰላም ንምንባር ኣይኰነን። ግልጺ ንዅን፣ ፍልስጤማውያን ኣብ ጐድኒ እስራኤል ሃገር ኣይደልዩን እዮም። ኣምሳያ እስራኤል እትቐውም ሃገር እዮም ዝደልዩ፡" ክብል ናታንያሁ ወሲኹ ይገልጽ።

ሓማስ ንውሳነ ፈረንሳ፡ "እወታዊ ስጕምቲ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኵለን ሃገራት ዓለም ኣሰር "መሪሕነት ፈረንሳ ክኽተላ" ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገረ ፍልስጤም፡ ካብተን 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ብልዕሊ 140 ኣፍልጦ ረኺባ ኣላ።

ስጳኛን ኣየርላንድን ዝርከብአን ውሑዳት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብኣተን እየን።

ቀንዲ መሻርኽቲ እስራኤል ዝዀና ከም ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ግን ንሃገረ-መንግስትነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ኣይሃባን።

ኤሁድ ኦልመርት ዘዳለዎ ካርታ፡ ፍታሕ ምቛም ክልተ ሃገራት
መግለጺ ስእሊ, ኤሁድ ኦልመርት ዘዳለዎ ካርታ፡ ፍታሕ ምቛም ክልተ ሃገራት

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ቅትለት ደው ንምባል ብህጹጽ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል" ንምዝታይ፡ ዓርቢ ምስ መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን "ህጹጽ ጻውዒት" ከም ዘካይድ ገሊጹ።

ሃገረ-መንግስትነት፡ "ዘይምንዛዕ መሰል ህዝቢ ፍልስጤም" እዩ ዝበለ ስታርመር፡ ተዅሲ ደው ምባል፡ "ኣብ መንገዲ ኣፍልጦ ሃገረ ፍልስጤምን ፍታሕ ምቛም ክልተ ሃገራትን ከእትወና'ዩ፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ንውሳነ ፈረንሳ ብምንኣድ፡ "ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ፍልስጤምን ምምስራት ናጻ ሃገርን ንዘለዎ ሓባራዊ ርድኢት ደጊሙ ዘረጋግጽ እዩ፡" ኢሉ።

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ወፍሪ ኣካይዱ፣ ኣብዚ መጥቃዕቲ ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 59,106 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ምምሕዳር ሓቢሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ መብዛሕትኡ ክፋል ቓዛ ዓንዩ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ፍልስጤም (ኡንርዋ) ብሓሙስ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ቓዛ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ህጻናት ሕጽረት መኣዛዊ መግብታት ከም ዘለዎን ዕለታዊ ይውስኹ ከም ዘለዉን ገሊጹ ነይሩ።

ልዕሊ 100 ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤትን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እውን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ሕብረተሰባዊ ጥምየት ከም ዘጋጥም ኣጠንቂቖም - መንግስታት ስጕምቲ ክወስዱ ድማ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።

ንዅሉ ናብ መሬት ፍልስጤም ዝኣቱ ቀረብ እትቈጻጸር እስራኤል፡ ጠንቂ ዘጓንፍ ሕጽረት መግቢ ሓማስ ምዃኑ ብምውቃስ፡ ዕጽዋን ክባን ከም ዘየሎ ብተደጋጋሚ ትገልጽ።