እስራኤል ስለ ምንታይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ህንጻታት ቃዛ ብመደዳ ክተዕንዎም መሪጻ?

ብመደዳ ዝዓነዉ ህንጻታት ቓዛ

እስራኤል ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ሓማስ ዝገበረቶ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ መላእ ቓዛ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህንጻታት ኣፍሪሳ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዝነብሩለን ዝነበራ መንበሪ ኣባይቲ ኰነ ከተማታት ብመደዳ ዓንየን።

ናይ ሳተላይት ምስልታት ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሰፊሕ ዕንወት ከም ዘጋጠመ ዘርኢ ኰይኑ፡ ወተሃደራዊ ትእዛዝ እስራኤል ኣብ ትሕቲ "ስርሒታዊ ቁጽጽር" ከም ዘሎ ይገልጽ።

ሰፊሕ ክፋላቱ ብሰንኪ ውጥን ምፍራስ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ድሮ ዝተበላሸዉ ህንጻታትን ብዓቢኡ ዘይተበላሸዉ ዝመስሉ ህንጻታትን ዝሓዘ እዩ።

ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ህንጻታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ትሕተ ቅርጽን ቁጽጽር ዝግበረሉ ምፍራስ ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ዓበይቲ ፍንጀራታት ንጣብ ሓመድን ፍርስራስን ከም ዝለቐቑ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ተረኺቡ'ሎ።

ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ሕጊ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እስራኤል ብመሰረት እቲ መሰረተ ልምዓት ከይዓኑ ዝኽልክል ውዕል ጀኔቫ ገበናት ኲናት ፈጺማ ክትከውን ከም እትኽእል ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝንቀሳቐስ ብምግላጽ ሓማስ ኣብ ሲቪላዊ ከባቢታት "ወተሃደራዊ ንብረት" ከም ዝሓብአ፡ ከምኡ'ውን "ንብረታት ዝዓኑ ግድን ወተሃደራዊ ኣድላይነት ምስ ዝሕተት ጥራይ እዩ" ይብል።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ፡ ኣብ ልዕሊ ዑናታት ራፋሕ "ሰብኣዊት ከተማ" ዝበሎ ንምቛም መደብ ኣውጺኡ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ መጀመርታ 600 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብኡ ተዓጽዮም ኣለዉ።

እቲ ውጥን ብሰፊሑ ክኹነን ጸኒሑ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ኤሁድ ኦልመርት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ እማመ "ምስ መዳጎኒ መዓስከር ዝመሳሰል እዩ ተባሂሉ ክትርጎም'ዩ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ተል ኣል ሱልጣን ሓደ ካብቶም ንጡፋት ከባቢታት ከተማ ራፋሕ እዩ ነይሩ።

እቲ ጽዑቕ ጎደናታታ፡ እንኮ ፍሉይ ሆስፒታል ወሊድ ራፋሕን ዘኽታማትን ዝተደርበዩን ህጻናት ዝሕብሕብ ማእከልን ዝነብሩላ እያ ነይራ።

ብሳተላይት ዝተሳእሉ ስእልታት ከም ዘመልክትዎ፡ መብዛሕትኡ እቲ ከባቢ ድሮ ብደብዳብ ቦምባታትን መዳፍዕን እስራኤል ኣዝዩ ከምዝተሃስየ የርኢ።

ብተመሳሳሊ፡ ሕጂ ኣብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ከባቢ ስዑዲ ኣብ ሓደ እዋን ዝዓበየ መስጊድ እታ ከተማን ሓያሎ ኣብያተ ትምህርትን ዝነበረ ይፈርስ'ሎ።

ሓደ ዝተረጋገጸ ክሊፕ፡ ኣብ ራፋሕ ኣብ ሓደ ጎደና ሓንቲ ታንኪ ክትንቀሳቐስ ከላ፡ ሓንቲ ህንጻታት እተፍርስ ግሪደር ኣብ ጎኒ ጽርግያ ክሰርሕ ከሎ ዘርኢ እዩ።

ናይ ሓረስቶት ከተማ ዝኾነት ኹዛዓ ካብ ዶብ እስራኤል ኣስታት 1.5 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።

ቅድሚ ኲናት እታ ከተማ 11 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ኰይና፡ ብልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬትን ከም ኮሚደረ፡ ስርናይን ኣውሊዕን ዝኣመሰሉ ኣእኻልን ትፍለጥ ነይራ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ኹዛዓ ዝርከቡ 1200 ህንጻታት ከም ዘፍረሰን፡ እዚ ህንጻታት ኣካል ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር "መሰረተ ልምዓት ራዕዲ" ከምዝኾነን ይገልጽ።

ኣብታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ኣባሳን ኣል-ካቢራ፡ ቅድሚ ኲናት ኣስታት 27 ሽሕ ሰባት ይነብሩላ ከም ዝነበሩን ተመሳሳሊ ዛንታ ከም ዘለዋን ይንገር።

ብ31 ግንቦትን 8 ሓምለን ዝተሳእሉ ስእልታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ውሽጢ 38 መዓልታት ጥራይ ሰፊሕ ከባቢ ከም ዝተጸረገ ይሕብሩ።

ካብ ዶብ እስራኤል ኣስታት 7 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ሕርሻዊ ሰፈር ቂዛን ኣቡ ራሽዋን ዳርጋ ኩሉ ዝተረፈ ህንጻ ካብ 17 ግንቦት ጀሚሩ ፈሪሱ።

ሓደ ዘረጋገጽናዮ ቪድዮ፡ ቁጽጽር ዝግበረሉ ፍንጀራ ንሓደ እኩብ ህንጻታት ከም ዝመድመዶ ዘርኢ እዩ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ንሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ብዛዕባ እቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ዘርኢ ሰነድ ብዝርዝር ኣቕሪቡ ወተሃደራዊ ምኽንያት ክህብ ሓቲቱ። እንተዀነ ከምኡ ኣይገበረን።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ "ሓማስን ካልኦት ግብረሽበራዊ ውድባትን ወተሃደራዊ ንብረት ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ሲቪላዊ ከባቢታት ይሓብኡ" ኢሉ።

"ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ውሽጢ ህንጻታት ኣብዞም ከባቢታት ንዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን ኣለልዩ የዕንዎ" ኢሉ።

ንቢቢሲ ቨሪፋይ ሓሳቦም ዘካፈሉ ሓያሎ ጠበቓታት ሰብኣዊ መሰል፡ እቲ ወፍሪ ገበናት ኲናት ክኸውን ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ኣብ ስራሕቲ ምፍራስ ቓዛ ዝተዋፈራ ማሽነሪታት

ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ማእከል ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዲያኮንያ ላዕለዋይ ክኢላ ሕጊ ዝዀነ ኢታን ዳይመንድ፡ ብመሰረት እቲ ብሓፈሻ ኣብ እዋን ኲናት ንዝግበር ምክልኻል ሲቪላት ዝሽፍን ሰነድ ራብዓይ ውዕል ጀነቫ ውሑድ ምኽንያት ከም ዘሎ ገሊጹ።

"ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ውግእ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቁጽጽር ዘለዎ ምዕናው ሲቪላዊ ንብረት ይኽልክል'ዩ" ይብል ሚስተር ዳይመንድ።

ገለ ተንተንቲ ግን ንወፍሪ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ክከላኸሉ ፈቲኖም'ዮም።

ብዙሓት ካብቶም ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዘፍረሶም ህንጻታት ድሮ ብደብዳብ መጥቃዕቲ ኣየር ዑና ኰይኖም ከም ዝተረፉ ዳይረክተር ማእከል ስትራተጂካዊ መጽናዕቲ ቤሳ ኣብ እስራኤልን በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ነበርን ፕሮፌሰር ኢታን ሻሚር ገሊጹ።

ንሱ ንቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንዝምለሱ ሲቪላት ብፍላይ "ኣብ እዋን ዝናብ ክረምቲ ናይ ምፍራስ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ኣብ ዝዀነሉ እዋን" ሓደጋ ድሕነት ከምዘስዕቡ ገሊጹ።

ፕሮፌሰር ሻሚር ብዛዕባ ታክቲካዊ ስክፍታታት እውን ኣመልኪቱ።

"እቲ ከባቢ ናይ ውግእ ዞባ'ዩ" ኢሉ። "ዋላ ሓደ ህንጻ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣትዩ ምስ ተጸረገ፡ እስራኤላውያን ካብኡ ምስ ወጹ፡ እቶም ኣሸበርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ቦምባታት ንምትካል ወይ ድማ ኣብ ውሽጡ ተሓቢኦም ክተኩሱሎም ይምለሱ" ኢሉ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝገለጽኦ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደን ካብ ኣመሪካ ተኣጊደን ዝነበራ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ዲ9 ዝዓይነተን ቡልዶዘራት ከምዝተቐበለ ኣቃሊሔን።

ከምኡ'ውን ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ኣብ ቓዛ ንኮንትራክተራት ናይ ምፍራስ ስራሕ ዝህቡ ዝነበሩ ጉጅለታት ፌስቡክ እስራኤል ዝተለጠፉ ዓሰርተታት መወዓውዒታት ኣለልዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ጽሑፋት ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሮም ብመልመልቲ ዝተኻፈሉ እዮም።

ብዙሓት ካብቶም መወዓውዒታት፡ እቲ ስራሕ ዝፍጸመሎም ከባቢታት ቓዛ ከም ዝዀነ ዝገልጹ'ዮም።

ሓደ ኮንትራክተር ብቢቢሲ ቨሪፋይ ርእይቶ ክህብ ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ "ናብ ቓዛ ኪድ ንባዕልኻ" ኢሉ መለሰ።

ዓዲል ሃክ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሩትገርስ ተንወታኒ ኰይኑ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ ዕንወት "ንሓዋሩ ክቆጻጸሮ" ዝኽእል "ናይ ጸጥታ ዞባ" ንምፍጣር ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ካልኦት ተንተንቲ ድማ፡ እቲ ምፍራስ ነታ ኣብ ራፋሕ እትርከብ "ሰብኣዊት ከተማ" ንምምዕባል መሬት ዝጸርግ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።

ፕረዚደንት ኢንስቲትዩት ስትራተጂን ጸጥታን ኢየሩሳሌም ኤፍሬም ኢንባር፡ እቲ ፍጻመ ፍልስጤማውያን ናይ ስደት ድሌቶም ብምውሳኽ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ወሽመጥ ክወጹኡ ንምትብባዕ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣቐዲሙ ኣብ ዕጹው ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ "ኣባይቲ የዕኑ" ከምዘሎን፡ ፍልስጤማውያን "ዝምለሱሉ ቦታ" ከምዘይብሎምን ገሊጹ።

ንደቂ ቓዛ፡ እቲ ዕንወት ብርቱዕ እዩ ነይሩ።

ሞኣታዝ ዩሱፍ ኣሕመድ ኣልኣብሲ ካብ ተል ኣል ሱልጣን፡ ገዝኡ ተጸሪጉ ከም ዝወጽአ ገሊጹ።

"እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ ዓመት ኣቢለ እየ ሓድሽ ቤተይ ኣትየዮ ነይረ። ንመጻኢ ልዑል ተስፋ ሰኒቐ ድማ ኣመና ሕጉስ ነበርኩ። ሕጂ፡ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ፍልስጤማዊ ኣስዒቡ "ሕጂ ኩሉ ስለ ዝዓነወ ድሕሪ ሕጂ ገዛ ወይ መጽለሊ የብለይን" ኢሉ።