ፕረዚደንት ኢራን ብደብዳብ እስራኤል ተሃሪሙ ምንባሩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ደብዳባት፡ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽክያን ፈኲስ መውጋእቲ ኣጋጢምዎ ምንባሩ ተገሊጹ።
ፋራስ ዝተበሃለት ብመንግስቲ ኢራን እትውነን ማዕከን ዜና፡ ብ16 ሰነ ፕረዚደንት መስዑድ ፐዘሽክያን ምስ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ቴህራን ኣብ ሓደ ምስጢራዊ ትሕቲ ባይታዊ ማእከል ኣኼባ እናኣካየደ እንከሎ፡ እስራኤል ንቀንዲ መእተዊ እቲ ኣዳራሽ ብሽዱሽተ ቦምባታት ከምዝደብደበቶ ኣቓሊሓ።
ኣብቲ እዋን እቲ ፕረዚደንት ኣብ እግሩ መውጋእቲ ከጋጥሞ እንከሎ እቶም ዝተረፉ ብሓደ ኣብ እዋን ሓደጋ መውጽኢ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ማዕጾ ከምዘምለጡ እታ ማዕከን ዜና ገሊጻ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኢራን፡ ስለያ እስራኤል ብኸመይ ኣብ ትካላት እታ ሃገር ክሰሉኽ ከምዝኸኣለ ሃሱሳት ኣብ ምህዳንን ምምርማር ከም እትርከብ እዩ ዝግለጽ።
እስራኤል ኣብቲ ንኢራን ን12 መዓልታት ዝደብደበትሉ እዋን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ብተደጋጋሚ እናደብደበት ዘርኢ'ዩ ነይሩ።
ሕጂ ኣብ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታት ከኣ፡ እስራኤል ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ብብዝሒ ክትድብድቦ ዝውዓለት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን ብምስጢር ዝእከብሉ ዝነበሩ ቦታ'ዩ ነይሩ።
ማዕከን ዜና ፋርስ፡ እስራኤል በቲ ደብዳብ ንሽዱሽቲኡ መእተዊ/መውጽኢ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝተሰርሐ ኣደራሽን መእተዊ ንፋስን ናይቲ ኣዳራሽን ከምዝዓጸወቶ ኣቃሊሓ።
በቲ ደብዳብ መብራህቲ ናይቲ ትሕተ ባይታዊ ኣዳራሽ ክቋረጽ'ኳ እንተኸኣለ ፕረዚደንት መስዑድ ፐዘሽክያን ግን ብህይወቱ ክወጽእ ክኢሉ።
ኣብቲ እዋን ኣኼባ ዘካይዱ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣባላት ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ድሕሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝለዓለ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎም ኣባላት'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽክያን እስራኤል ክትቀትሎ ፈቲና ምንባራ ከሲሱ ነይሩ፡ እስራኤል ግን ነዚ ክሲ ብመንገዲ ምኒስተር ምክልኻላ ነጺጋቶ።
ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ዕላማ ናይቲ ውግእ "ስርዓት ምቕያር" ዘይምንባሩ ገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ምጅማር ናይቲ ደብዳብ ሓያለ ኣባላት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራንን ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ቀቲላ'ያ።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኢራን'ውን ኣብ መጀመርታ 24 ሰዓታት ናይቲ እስራኤል ደብዳብ ዝጀመረትሉ፡ ዘይተጸበይዎ ብምንባሩ ውሳነታት ኣብ ምሃብ ለሚሶም ከምዝነበሩ ተኣሚኖም'ዮም።
ሰብ መዚ እስራኤል ብወገኖም፡ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ክሃርምዎ ዕላማ ከምዝነበሮም ብምግላጽ፡ ናብ ሓደ ምስጢራዊ ቦታ ምስ ግዓዘ ኣሰሩ ከምዝጠፍኦም ሓቢሮም። እቲ መራሒ ኣብተን መዓልታት ናይ ደብዳብ ፈጺሙ ደሃዩ ሃጢሙ ምንባሩ ይዝከር።
እስራኤል ከመይ ገይራ ናይ ነፍሲ ወከፍ ላዕለዋይ ሓለፊ ኢራን ዝርከብሉ ቦታ ክትርክብ ከምዝኽኣለት ክሳብ ሕጂ ዝልዓል ዘሎ ሕቶ'ዩ።
እስራኤል ነቲ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ተካይዶ ዝነበረት ገስጋስ ንምቝጻይ ኢላ፡ ብ13 ሰነ ኣብ ልዕሊ መደበራት ንዩክለስ ወተሃደራዊ ማእከላትን ኢራን ሃንደበታዊ ደብዳብ ከምዝጀመረት ይዝከር።
ኢራን ብወገና ተማዕብሎ ዘላ ዩራንየም ንሰላማዊ መዓላ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ከም መልሰ ግብሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ኣየር፡ ድሮንን ሮኬታትን መጥቃዕትታት ኣካይዳ።
ብ22 ሰነ'ውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መማዕበሊ ንዩክለስ ኢራን ዝበለቶ ሰለስተ ቦታታት ደብዳብ ብምክያድ ነቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝነበረ ወጥሪ ኢዳ ሓዊሳትሉ። ብድሕሪ'ዚ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ገይረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







