ብኣመሪካ ተጠጂኡ ብኣመሪካ ዝዓኑ ዘሎ መደብ ንዩክሌር ኢራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት መንቀሊ ፖለቲካዊ ጓህሪ ናይቲ ዞባ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ድማ ነቐፌታታት ኣስዒቡ'ዩ።
ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚያዊ ጸዓት፡ ኢራን ን18 ዓመታት ብሕቡእ ንዩክለሳዊ መሳለጥያታት ክትሃንጽ ከም ዝጸንሐት ኣብ 2003 ካብ ዝፈልጥ ንደሓር፡ ደው ንምባል ተኸታታሊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።
እዚ ርኽበት ነቲ ኢራን ዝፈረመቶ ቴክኖሎጂያዊ ኣጽዋራት ናይ ዘይምዝርጋሕ ውዕሊ ዝጥሕስ እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ምስ እስራኤል ብጐቦ ዓይኒ ካብ ምጥምማት ሓሊፉ ምዕራባውያን ንኢራን ዲፕሎማስያዊ እገዳን ካልእ ስጕምትታትን ክገብሩላ ጸቕጢ ክትገብር ጸኒሓ እያ።
እዚ ድማ ንምዕራባውያን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ መሓዙት ቴህራን ቻይናን ሩስያን'ውን የጠቓልል።
እቲ ንኢራን ናብ ከምዚ ዓይነት ምውጣጥ ኣእትዩዋ ዘሎ መደብ ንዩክለር፡ ፕረዚደንት ናይቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ መሓመድ ኻታሚ፡ ንሰላማዊ ዕላማ ምዃኑ ኣጽኒዑ'ኳ ይገልጽ እንተነበረ ሰማዒ ግን ኣይረኸበን።
ኣተሓባባሪት ናይቲ ምንቅስቓስ ዝዀነት ኣመሪካ፡ ቴህራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ትጽዕር ኣላ ዝብል ጥርጣረ፡ ኣብ ኢራን ዝተረኽቡ መርትዖታት ጠቒሳ።
እዚ መደብ ኢራን ኣብ ትሕቲ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣሜሪካ፡ ማለት ጆርጅ ቡሽ፡ ባራክ ኦባማ፡ ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ማእከላይ ጉዳይ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።
እዞም ፕረዚደንታት፡ ንፕሮግራም ንዩክለር ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንሚዛን ሓይሊ ስግኣት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ፍታሕ ንምርካብ ዝተፈላለየ ኣገባባት ተጠቒሞም እዮም።
ፕረዚደንት ቡሽ ኣብ 2002 "ኣክሲስ ኦፍ ኢቭል" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ ንኢራን ምጥቃሱ ፍሉጥ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ተሪር ኣህጉራዊ እገዳ ንኽግበር ምኽንያት ኰይኑ።
ኦባማ ኣብ ናይ ሸሞንተ ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ ምስ ቴህራን እናተዛተየ እዩ ኣሕሊፍዎ።
ብተወሳኺ ኣብ 2015 ምስ መንግስታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያ፡ ቻይናን ጀርመንን ሓባራዊ ኵለመዳያዊ ውጥን ስራሕ ፈሪሙ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ካብቲ ስምምዕ ብምስሓብ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ናይ ሓደ ወገን እገዳ ኣንቢሩ።
ከም ግብረመልሲ ናይዚ ድማ ቴህራን ደረት ናይቲ ስምምዕ ሸለል ክትብሎ ጀመረት።
ብድሕሪኡ ደረጃ ምህብታም ዩራንየም ናብ 60 ሚእታዊት ኣዕብያቶ።
እዚ ድማ ካብቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ዘድሊ 4.5 ሚእታዊት ኣዝዩ ዝለዓለ ኰይኑ፡ ናብቲ ቦምባ ንምስራሕ ዘድሊ 90 ሚእታዊት ኣዝዩ ዝቐረበ እዩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ከም እትኽተል ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ፈሺሉ፡ ትራምፕ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝኸበደ መርገጺ ሒዙ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ኣንጻር ንዩክለሳዊ ፕሮግራም ኢራን ተጸንቢራ፡ ንመሳለጥያታት ኢራን ብኸቢድ ቦምባታት ኣጥቂዓ።
ኣመሪካ ሕጂ ነዚ መሳለጥያታት ኢራን ትደብድብ እምበር፡ ኣብ 1950ታት ቀንዲ ደጋፊት እቲ መደብ ኢራን'ያ ነይራ።
ኵሉ ብመደረ ፕረዚደንት ድዋይት ኣይዘንሃወር እዩ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ኣቶማት ሰላም'
ብ8 ታሕሳስ 1953 ፕረዚደንት ኣይዘንሃወር ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ ንዩክለሳዊ ቴክኖሎጂ ንወተሃደራዊ ዕላማታት ምጥቃም ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣጠንቂቑ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ሓደጋ ንምንካይ ዝዓለመ ዝበሎ መፍትሒ ኣብ ዘቕረበሉ ግዜ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ንረብሓ ደቂ ሰባት ክውዕል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
"እዚ ዕጥቂ ካብ ኢድ ወተሃደራት ምውጻእ እኹል ኣይኰነን፡ ኣብ ኢድ እቶም ወተሃደራዊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምውጻእ ዝፈልጡ ኣእቲና ንሰላም ንጥቀመሉ" ኢሉ።
ብድሕሪኡ ድማ ብሓልዮት ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ኣቶሚያዊ ጸዓት ክምስረት ሓሳብ ኣቕረበ።
ንዩክለሳዊ ጸዓት "ንደቂ ሰብ ብሰላማዊ ኣገልግሎት" ክውዕልን ኣቶሚያዊ ጸዓት ንኸም መድሃኒትን ሕርሻን ዝኣመሰለ ድሌታት ክውዕል ሓሳብ ኣቕረበ።
ወሲኹ፡ "ፍሉይ ዕላማኡ ንዝተጸገሙ ዞባታት ዓለም ብብዝሒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቕራብ እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ሓሳብ፡ ንዩክለር ዘፍርያ ሓይልታት ንዩክለሳዊ ንብረተን ናብ ሓደ ትካል ሕቡራት ሃገራት ከረክባ ምፍቃድ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ውሑስን ኣብ ኢድ ተመራመርትን ክጸንሕ ዘኽእል'ዩ ተባሂሉ ነይሩ።
እቲ ናይ ኣይዘንሃወር መደረ፡ ንኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚያዊ ጸዓት (IAEA) ንኽፍጠር መገዲ ጸረገ።
ብተወሳኺ ኣቶምስ ንሰላም ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ ንኽጅመር ምኽንያት ኰይኑ።
እዚ ድማ ኣመሪካ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ጸዓት ኣቶም ንምምዕባል ዝሕግዝ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ክትህብ ዘኽእላ እዩ።
እዚ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሃበ መደረ ዓመት ከይደፈነ ኣመሪካ ንሕጊ ኣቶሚያዊ ጸዓት ዝመሓየሽ ሕጊ ብምጽዳቕ ንዩክለሳዊ ቴክኖሎጅን ንዋትን ናብተን ንኲናት ኣይንጥቀምን ኢለን ዝተሰማምዓ ሃገራት ክትልእኽ ወሲና።
ኣብ መጋቢት 1955 ምምሕዳር ኣይዘንሃወር ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ብምኻድ ንኮሚሽን ኣቶሚያዊ ጸዓት ኣመሪካ ኣብ "ናጻ ዓለም" ንዝርከባ ሃገራት ውሱን መጠን ንዩክለሳዊ ንብረት ክህብን ኣብ ህንጸት መመንጨዊ ሓይሊ ንኩሌር ክሕግዝን ስልጣን ሃቦ።
ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፔንታጎን ፒተር ኣር ላቮይ ነዚ ዕላማ እዚ ኣመልኪቱ ኣብ መጽሓፉ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጽዎ ነይሩ።
"እዚ ሰደድ እዚ፡ ዓለማዊ መሪሕነት ኣመሪካ ንምዕቃብ፡ ጽልዋ ሶቭየት ንምንካይን ቀረብ ዩራንየምን ቶርየምን ንምውሓስን ዝዓለመ እዩ ነይሩ" ይብል።
ህንዲ ካብ ዋሽንግተን ንዩክለሳዊ ሓገዝ ዝረኸበት ፈላመይቲ ሃገር እያ ነይራ።
ካልኦት ተጠቀምቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል፡ ቱርኪ፡ ፓኪስታን፡ ፖርቱጋል፡ ግሪኽ፡ ስጳኛ፡ ኣርጀንቲና፡ ብራዚልን ኢራንን ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኣመሪካ ዝተበገሰ መደብ ኑክሌር ኢራን
ብ5 መጋቢት 1957 ኣመሪካ ምስታ ሽዑ ብመሓመድ ሬዛ ፓህላቪ እትመሓደር ዝነበረት ኢራን ስምምዕ ምትሕብባር ሲቪላዊ ንዩክለሳዊ ጸዓት ፈሪማ።
እቲ መደብ 'ኣቶማት ንሰላም' ተባሂሉ ዝተሰምየ ስምምዕ፡ መሰረት ንዩክለሳዊ ፕሮግራም ኢራን ኣንቢሩ።
ኣብ 1967 ኣመሪካ ንቴህራን 5 ሜጋዋት ዝዓቕሙ ንዩክለሳዊ ምርምር ሪኣክተር፡ ከምኡ'ውን ዝተወሰነ መጠን ዝተሃብተመ ዩራንየም ሂባታ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ኢራን ነቲ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይትውንን ወይ ድማ ከይተማዕብል ዝጠልብ ውዕል ፈሪማ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ንዩክለሳዊ ፕሮግራም ምምዕባል ዝብል ሓሳብ፡ በቲ መሓዛ ምዕራባውያን ዝነበረ ንጉስ ኢራን ምሉእ ብምሉእ ኣይተገደፈን።
ኣቦ መደብ ንክሌር ኢራን ተባሂሉ ዝግለጽ ኣክባር እተማድ፡ ነቲ ሓሳብ ኣብ 2013 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት መብርሂ ሂብሉ ነይሩ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ሻህ፡ ኢራን ሓይላ ዓቂባ ኣብቲ ዞባ ረብሓኣ ክትሕሉ እንተኽኢላ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣየድልን'ዩ ዝብል ርእይቶ ነይርዎ። እዚ እንተተቐይሩ ግን 'ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህልወና ኣለዎ' ኢሉ ነይሩ" ኢሉ።
እተማድ ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ 1974 ዝተመስረተ ውድብ ኣቶማዊ ጸዓት ኢራን ኰይኑ፡ እታ ሃገር ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ኣብ ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ጻዕርታት መሪሑ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ንጉስ ሬዛ ፓህላቪ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ነፍሲ ወከፎም 23 ሽሕ ሜጋዋት ዝዓቕሙ 23 መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምህናጽ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ኢራን ግን ዓቢ ዕንቅፋት ኣጋጢምዋ። ምኽንያቱ ድማ ንቕድሚት ክትስጉም ዘኽእልዋ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ኣይነበራን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣርያና ሮውቤሪ ብትካል ብሩኪንግስ ኣብ ዘሕተመቶ ጽሑፍ፡ "ኢራን ብንዩክለሳዊ ምህንድስናን ፊዚክስን ዝሰልጠኑ ብዙሓት ክኢላታት ስለ ዘይነበራ፡ እቲ ንዩክለሳዊ መደባት ውጽኢታዊ ኣይነበረን።"
ሕጂ'ውን ነዚ ዕንቅፋት ንምስጋር ሓገዝ ኣመሪካ ወሳኒ እዩ ነይሩ።
ኣብ ነሓሰ 1974፡ ሰበስልጣን ኢራን፡ እቲ ውሩይ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ (MIT)፡ ንቐዳማይ ወለዶ ኢራናውያን መሃንድሳት ንዩክለር ንምስልጣን ብውድብ ኣቶሚያዊ ጸዓት ኢራን ንዝተመርጹ ተምሃሮ ናይ ማስተርስ መደባት ክኸፍት ሓሳብ ኣቕረቡ።
ኢራን ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት 1.3 ሚልዮን ዶላር (ብናይ ሎሚ ሸርፊ 8.5 ሚልዮን ዶላር) ከፊላ'ኳ እንተነበረት፡ እቲ መደብ ግን ብፕሮፌሰራትን ተምሃሮን ኤምኣይቲ ተቓውሞ ገጢምዎ።
ይዅን እምበር እዚ ትምህርታዊ ስምምዕን ኣብ መንጐ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝነበረ ንዩክለሳዊ ምትሕብባርን ብሰንኪ ሰውራ ኢራን 1979 ነዊሕ ከይጸንሐ ተቛሪጹ።እቲ ሳዕቤን ግን ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።
ጸሓፍቲ ታሪኽ ስቱዋርት ዳብሊው ለስሊን ሮበርት ካርጎንን ኣብ ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ፡ "ኣብ ኤምኣይቲ እቲ ንሻህ ዝተዳለወ መደብ ኣብ ኢድ እስላማውያን ሰውራውያን ክወድቕ እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ ኣይነበረን" ክብሉ ጽሒፎም።
"እቶም ዘሰልጠንዎም ኢራናውያን ተምሃሮን መምህራንን ነቲ ሰውራ ክድግፉ ትጽቢት ኣይተገብረሎምን።"
እቲ ብኣያቶላህ ሩሆላህ ኾመይኒ ዝምራሕ ሓድሽ ስርዓት፡ ኣብ መጀመርታ ንፕሮጀክትታት ንዩክለር ሻህ ነጺግዎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ኣብቲ ዓውዲ ዝሰልጠኑ ፕሮፌሰራት ካብታ ሃገር ሃዲሞም።
ኣብ ፍሎሪዳ ኢንተርናሽናል ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታት መሓመድ ሆማዩንቫሽ፡ ኢራናውያን ካብ ሰውራ 1979 ጀሚሮም ጸረ-ንኩሌር ምዃኖም ይገልጽ።
"እቲ ፕሮጀክት ከም ጸገም ንሻህ ርእዮምዎ። ብሓቂ ንምዝራብ ነቲ መደብ ደው ኣቢሎም ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣፍሪሶምዎ" ክብል ንቢቢሲ ሙንዶ ተዛሪቡ።
"እቶም ኢራናውያን ካብ ንዩክለሳዊ ጸዓት ምሉእ ብምሉእ ርሒቘም ንሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት ስቕ ኢሎም ነይሮም። ኢራን ብብዝሒ ጸጋታት ነዳዲ ኣብ ግምት ብምእታው'ውን ከም ብኽነት ጸዓት ይቘጽርዎ ነይሮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እንተዀነ ሰውራ ኢራን ዋጋ ንዩክለሳዊ ቴክኖሎጂ ተገንዚቡ ነቶም ተሰዲዶም ዝወጽኡ ክኢላታት ንምምላስ ፈቲኑ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ምስጢራዊ ኣቶማዊ ፕሮግራም ከካይድ ጀሚሩ።
ኣሜሪካ ኣብ ሰላሳ ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ንዩክለሳዊ ጸዓት መጽናዕቲ ንምክያድ ሓጊዛ።
ንድሕሪት ተመሊስና እንተርኢናዮ ግን፡ እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ምብዛሕ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክሳብ ክንደይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ግን ኣብ መንጎ ተንተንቲ ሓደ ዓይነት መደምደምታ የለን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ጆርጅያ ፕሮፌሰር ጆን ክሪጅ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑን ተበግሶ ኣቶምስ ንሰላም ከመይ ጌሩ ንምምዕባል ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘተባብዕን ከም ዘመቻቸአን ዘርኢ ብዙሕ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣሎ፡" ይብል።
"ዝርግሐ ሲቪላዊ ንዩክለሳዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ርኡይ ጽልዋ ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ዝዀነ ሕቶ የለን" ይብል ኣብ መንጎ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ከምኡ'ውን ፖሊሲ ወጻኢ ኣሜሪካ ዘሎ ርክብ ዘጽንዕ ክሪገ።
ከም ህንዲን ፓኪስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን እዚ ኣረኣእያ ከም ዘለወን ጠቒሱ።
እተን ነቲ ኣቶማዊ ቦምብ ዘማዕበላ ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ተበግሶ ኣቶምስ ንሰላም፡ ንፈለማ እዋን ንንኩለሳዊ ሳይንቲስት ኣሰልጢነን።
"ንኩለሳዊ ንዋት ንወተሃደራዊ ዕላማታት ዝውዕል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ፡ ብሳይንስ ይዅን ብኢንዱስትሪ። እዚኦም ኣብ ትሕቲ 'ኣቶማት ንሰላም' ኣብ ዝተረኽበ መሳርሕታትን ኣምርን ዝተመርኮሱ እዮም።" ኣርጀንቲና፡ ብራዚል፡ ታይዋንን ደቡብ ኮርያን ናይዚ ኣብነታት እየን" ክብል ፒተር ኣር ላቮይ ገሊጹ።
እንተ ኢራን ግን ድሕሪ ምፍንጃር ቦምባ እስራኤልን ኣሜሪካን ክንደይ ዝኣክል ካብ ንዩክለሳዊ መደባ ከምዝተረፈን፡ መጻኢኣ እንታይ ከምዝኸውንን ንጹር ኣይኰነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







